Print this page

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

Mar 26, 2020

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር ሃገረ መስቀል (እንዳ መስቀል)’ ትብሃል ዓዲ፡ ንዋየ እግዚእ ዝብሃል ሰብኣይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኂሩተ ማርያም ብፈሪሀ እግዚኣብሔር ይነብር ነበረ። ካብዞም መንፈሳውያን ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን ‘ካብ ወይኒ ወይኒ ይፈሪ’ ከምዝበሃል ብዕለት 17 ኅዳር 1404 ዓ.ም ብሩኽ ውላድ ተወልደ። ስመ ክርስትናኡ ኸኣ ‘ሀብተ እግዚእ’ ተባህለ። ኣብ እዋን ምንኵስናኡ ግና ‘ዮናስ’ ተባህለ፣ ዮናስ ማለት ለዋህ፣ ሕያዋይ ርግብ ማለት እዩ።

ኣቡነ ዮናስ ገና ሕፃን ኮይኑ ኣብ ጒስነት ኣባጊዕ ከሎ፡ ቅድሚ ናብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ምእታዉ ብመንፈስ ቅዱስ መዝሙረ ዳዊት ተገሊጽሉ፡ ብዘይ ምቍራጽ እናጸለየ ከሎ ናይ ምናኔ መንፈስ ኃደሮ። ሽዑ ነቲ ዅሉ ናይ ዓለም ነገር ንድኅሪት ገዲፉ ካብቲ ዝተወልደሉ ሃገር'ውን ርኂቑ ናብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ምድሪ ወዲ ሠበራ ኣብ እትርከብ ደብረ ሲና እትበሃል ገዳም ኣተወ። ኣብዛ ገዳም ብሥጋ ኣኮኡ ዝብጽሖ ኣቡነ ድምያኖስ ዝተባህለ ዓቢይ ባሕታዊ ረኸበ። ኣቡነ ድምያኖስ፡ ምርጫኡ ንምናኔ ምዃኑ ተረዲኡ መጽሐፈ ብሉይን ሓዲስን፡ መጽሓፈ መነኮሳትን ሥርዓት ምንኵስናን ምስ መሃሮ፡ መዓርገ ምንኵስና ኣልበሶ። ስሙ ድማ ‘ዮናስ’ በሎ።

ብድኅር’ዚ ሕጊ ብሕትውና ተኸቲሉ፡ ለይተ ለይቲ ‘ጠራቒት’ ኣብ ዝተባህለት ቀላይ እናኸደ ክጽሊ ይኃድር፡ ብጊዜ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ስብከተ ወንጌል ይውዕልን፡ ጾም፡ ጸሎትን ስግደትን የዘውትርን ነበረ። ካብ ብዝኂ ተጋድሎ ብሕትውናኡ ድማ ኣፃብዕ ኣእዳዉ ልክዕ ከም ፀሓይ የብርህ ነበረ። ኃሙሽተ ፍረ ዳዕሮ ወይ ፍረ ዓየ እንተዘይኮይኑ ካልእ መግቢ ፈጺሙ ኣይጥዕምን ነበረ። ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ኅብስተ አኮቴትን ጽዋዐ በረከትን የቐብሎ ነበረ። ሓደ እዋን ኣብ ቀላይ ኮይኑ ክጽሊ ከሎ “ሰላም ለከ ኦ ፍቁርየ ዮናስ” ዝብል ኣምላኻዊ ድምፂ ሰምዐ። ናብ ሰብከተ ወንጌል ተዋፊሩ ክምህር ከምዘለዎ’ውን ተነግሮ እሞ “ወይኩን ፍቃድከ” ብምባል ትሕት ኢሉ ተኣዘዘ። ብድኅር’ዚ ብስብከቱ ንብዙኃት ኣእሚኑ ኣጥመቐ። ምዉታን ብምትንሣእ፣ ሕሙማን ብምፍዋስ፣ ኣጋንንቲ ብምውፃእ፣ ብኸምዚ መንገዲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ቐጸለ።

ዜና ቅድስናኡን ጽኑዕ ብሕትውናኡን ትምህርቱን ካብ ተራ ሕዝቢ ክሳዕ ነገሥታት ኣብ ኵሉ በጽሐ። ኣቡነ ዮናስ ብብሕትውና ኣብ ዳሞት ዝበሃል ዓዲ ነይሩ፡ ‘ናብ ገዳምካ ተመለስ ኪድ’ ዝብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ኣቡነ ድምያኖስ ተመልሰ። መዓርገ ክህነት ተቐቢኡ ፡ ድኅሪ ኣቡነ ድምያኖስ ኣበምኔት ኮይኑ ንዓሠርተ ዓመት ዝኣክል ኣገልገለ። ነቶም ደድኅሪኡ ዝስዕቡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ በቦታኦም ከትኅዞም ደልዩ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ፡ ሠለስተ ቦታታት ማለት ደብረ ጽጌ፣ ደብረ ድኁኃንን ደብረ ሣህል ተገልጸሉ እሞ ብሥርዓተ ማኅበር ተመሥረተ።

ቅዱስ ኣቡነ ዮናስ፡ ዕለተ ዕረፍቱ ከምዝበጽሐ ብመንፈስ ቅዱስ ፈሊጡ፡ ነቶም ደቁ ኣጸናኒዑ ኣብ ክንዲኡ ንኣቡነ ጳውሎስ ሸመሎም። ከምቲ ንዅላቶም ኣሥመርቲ እግዚኣብሔር ዝወሃቦም ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብ17 መጋቢት 1499 ዓ.ም ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ ብኢድ መላእኽቲ ናብ ሰማይ ዓረገት። ኣብ ደብረ ድኁኃን ምስ ተቐብረ፡ ካብ መቓብሩ ዘይቲ ፈልፈለ፣ ብእኡ ኸኣ እቶም ደቁ ንመብራህቲ ይጥቀሙ ነበሩ። እቲ ኣብ መቓብሩ ዝነበረ ላህላህታ ናይ ዘይቲ ድማ ክሳዕ ሎሚ ምልክቱ ኾይኑ ይርአ ኣሎ።

ከምቲ ነቢይ ዳዊት “ደብር ርጉእ ወደብር ጥሉል ደብር ዘሠምሮ እግዚአብሔር የኀድር ውስቴቱ/ ኣብቲ ርጉእ ደብሪ፣ ጥሉል ደብሪ እግዚኣብሔር ዝፈተዎ ደብሪ ኣብኡ የኃድር” (መዝ. 68፡15-16) ኢሉ ንገዳማትን ኣድባራትን ዝተነበየሎም ኣቡነ ዮናስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት ገዳማት ከም ዝመሥረተ ይንገር። ደብረ ጽጌ ትምዛእ፣ ደብረ ድኁኃን ቆሓይን፣ ደብረ ሣህል ምድሪ ወዲ ሠበራ ከባቢ ማይ ጨው፣ ደብረ ጽዮን ዓዲ ውስኽ፣ ደብረ ጸሪቅ ትግራይ ተምቤን. . . እየን። እንተኾነ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብፍሉይ ዝጥቀሳ ገዳማት ደብረ ድኁኃን (ቆሓይን) ከምኡ’ውን ደብረ ጽጌ (ትምዛእ) እየን።

1. ደብረ ጽጌ፣- እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ትምዛእ ይርከብ። ብዙኅ ጥንታዊ ታሪኽ ዝሓቘፈ፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝዓቀበ፣ ዝተፈላለየ ንዋየ-ቅድሳት ከም መስቀል ኢድ ኣቡነ ዮናስ ፣ መቖምያን በትርን ኣቡነ ዮናስ ፣ መንበር እምኒ ኣቡነ ዮናስ፣ ጥንታውያን ኣዋልዕን ካልኦት ኣግራብን ዝርከቦ ዓቢይ ገዳም እዩ።

2. እቲ ኻልኣይ ገዳም ድማ ደብረ ድኁኃን እዩ። ደብረ ድኁኃን ማለት ደብረ ፍቅር ወሰላም ማለት’ዩ። እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ዝርከብ ኮይኑ ቅድሚ ዕረፍቶም 1428 ዓ.ም. ተገዲሙ። ኣቀማምጣ ቦታኡ ጽኑዕ ስለ ዝኾነ ብወረርቲ ከይጥቃዕ ብዙኅ ዘፍርህ ኣይኮነን፣ እዚ ጽንዓት እዚ ስለ ዘለዎ ኸኣ ብዙኃት ብኽብሪ ዝጥመቱ መጻሕፍቲ ሃይማኖትን ታሪኽን ፍልስፍናን ዝዓቀበ እዩ። ኣቡነ ዮናስ ዝጽልየሉ ዝነበረ በዓቲ ኣብ ውሽጡ ስፍሕ ዝበለ ኮይኑ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ቤተ ልሔምን መቐመጢ ንዋየ ቅድሳትን ዘጠቓልል ኮይኑ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። ደብረ ድኁኃን ሕጂ’ውን መልክዕ ገዳምነቱ ዘየጥፍአ ‘ድሩክ ለተዐቅቦ’ ንብሕትውና ዝኸውን በዓትታት ዘለዎ ገዳም እዩ።

እዘን ክልተ ገዳማት ደብረ ድኁኃን (ቆሓይን) ከምኡ’ውን ደብረ ጽጌ (ትምዛእ) ዋላ እኳ ብቝጽሪ ክልተ ይበሃላ እምበር ሕገንን ቅዋመንን፣ ሥርዓተንን ኣበምኔተንን፣ ምምኅዳረንን ሓደ እዩ።

ካብዘን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ገዳማት ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ማለት ብደቁን ደቂ ደቁን ዝውለዳ ዘበላ “ዮም ውሉዱ ኵልክሙ በፍሥሓ ኀቢረክሙ ለኤዎስጣቴዎስ አቡክሙ ግበሩ ተዝካሮ እንዘ ትብሉ ውዳሴሁ አማን ፍጹም ምንኵስናሁ/ ሎሚ ኵልኹም ደቁ ብኃባር ተሓጕስኩም ንኣቦኹም ኤዎስጣቴዎስ ምንኵስንኡ ፍጹም'ዩ እናበልኩም ወድስዎ፡ ዝኸበረ በዓሉ ኸኣ ግበሩ”” ብዝብል ለበዋ መሠረት ብምግባር ብዕለት 18 መስከረም ብኃባር ኣብዚ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ተኣኪበን የብዕላ።

ዋላ እኳ ኣቡነ ዮናስ ዝዓረፈሉ ዕለት 17 መጋቢት እንተኾነ፡ ክብረ በዓሉ ግና 21 ጥር እዩ ዝብዕል። እዚ ድማ ኣቡነ ዮናስ ነቶም ደቁ ‘ ግበሩ ተዝካርየ ምስለ ማርያም እምየ’ ስለዝበለ ዓመት መጸ ኣብ 21 ጥር ኣስተርእዮ ወበዓለ ዕረፍታ ለማርያም ክብረ በዓሉ ይኽበር።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ኣሜን!