‘ወውእቱ ይዌልጥ ዓመታተ ወመዋዕለ/ ንሱ ንዘመናትን ወርኃትን ይለዋውጥ’

Sep 26, 2015

“ወይቤ ይትባረክ ስሙ ለእግዚአብሔር ለዓለም ወእስከ ለዓለም እስመ ሎቱ ውእቱ ጥበብ ወምክር ወኃይል ወውእቱ ይዌልጥ ዓመታተ ወመዋዕለ ወያነብር ነገሥተ ወይሥዕር ወይሁቦሙ ጥበበ ለጠቢባን ወምክረ ለመካርያን ወውእቱ ይከሥት ዘኅቡእ ወዘዕሙቅ ወየአምር ኵሎ ዘውስተ ጽልመት ወኀቤሁ ሀሎ ብርሃን / ጥበብን ሥልጣንን ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ ስም እግዚኣብሔር ንዘለዓለም ይኽበር ይመስገን። ንሱ ንዘመናትን ወርኃትን ይለዋውጥ፡ ነገሥታት ይስዕር ፡ ነገሥታት ከኣ ይሸይም፡ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም መስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝን ኅቡእን ምሥጢር ይገልጽ፡ ነቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጦ ብብርሃን ተኸቢቡ ኸኣ ይነብር።” (ዳን. ፪፥፳-፳፩/ 2፥20-26)

መዓልትን ለይትን ኣፈራሪቑ፡ ሰሙናትን ኣዋርኅን ኣኅሊፉ ንዘመን ብዘመን ዝትክእ ጐይታ ዘመናት እግዚኣብሔር እዩ። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምስጋር ዝኸኣል ከኣ ብናቱ ፍቓድን ምሕረትን ስለዝኾነ፡ እንሆ ካብ ዘመነ ዮሐንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ተሳጊርና፡ ንሓድሽ ዘመን ን፳፻ወ፱ (2009) ዓ.ም. እንቕበለሉ ናይ ሓድሽ ዓመት ቀዳማይ ዕለት ዝኾነ ሓደ መስከረም ኣብጺሑና ኣሎ። እዚ ዕለት እዚ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽዋዕ እዩ፡ ንኣብነት ፦

  • ናይ ዘመን መለወጢ

- ኣረጊት ዘመን ኃሊፉ ብሓድሽ ዘመን ዝልወጠሉ ናይ መሰጋገሪ ዕለት ብምዃኑ ናይ ዘመን መለወጢ ይበሃል።

  •  ቅዱስ ዮሐንስ

ዓመት መጸ ዘመን ብዘመን ክትካእ ከሎ፦ ነቲ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲስ፡ ካብ ዓመተ ኵነኔ ናብ ዓመተ ምሕረት ዝተሰጋገርናሉ ጊዜ ስለ እንዝክር እቲ ናይ ዘመን መሰጋገሪ ቅዱስ ዮሓንስ ይበሃል።

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዝዓረፈሉ ዕለት መስከረም ፪ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ዕለት እዚ ግና ብስሙ ይጽዋዕ ኣሎ። ምኽንያቱ ቅዱስ ዮሓንስ ከምቶም ቀዳሞት ነቢያት ነቢይ ኮይኑ “ኪመጽእ እዩ” ኢሉ ተነበየ (ማቴ. ፫፥፲፩/ 3፡11)። ደኃር ድማ ምስ ሓዋርያት ሓዋርያ ኮይኑ “እቲ ኃጢኣት ዓለም ዘስተሥርይ ገንሸል እግዚአብሔር እዚ እዩ። ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድኅረይ ድማ ኪመጽእ እዩ ኢለ ብዛዕባኡ ዝነገርክኹም እዚ እዩ” (ዮሓ. ፩፥፳፱-፴/1፥29-30) ኢሉ ናይ ጐይታ ካብ ሰማይ ምውራድን ምውላድን ከምኡ ውን ንሱ ኣምላክ ወልደ ኣምላክ ከምዝኾነ መስከረ። ስለዚ ኸኣ ካብ ኦሪት ናብ ሓዲስ መሰጋገሪ ድልድል ብምዃኑ ብስሙ ይጽዋዕ።
Ž

  • ርእሰ ዓውደ ዓመት

ናይ ዓመት ናይ ዕለታት መጀመሪያ መዓልቲ ዝኽበር በዓል ብምዃኑን ናይ ካልኦት በዓላትን ኣጽዋማትን ናይ ዓመት ቀመር ዝሥርዓሉ ብምዃኑ ርእሰ ዓውደ ዓመትት ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።
ስለዚ ነዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ቀዳማይ ዕለት ዝኾነ ሓደ መስከረም (ናይ ዘመን መለወጢ፡ ቅዱስ ዮሓንስ፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት) ብድምቀት ከነኽብሮ ይግባእ። እዚ ኸኣ ንጊዜ ብዓመታት፡ ወርኃት፡ ዕለታት፡ ሰዓታት፡ ደቓይቕ . . . እንቈጽረሉ ጥበብ ዝገለጸልናን ብጊዜ ሠሪሕና ታሪኽ ከነመዝግብ ኃይሊ ዝሃበናን እግዚኣብሔር ብማኅሌትን መዝሙርን ቅዳሴን ውዳሴን ብምምስጋን እዩ። ምኽንያቱ እዚ ዕለት እዚ ምስ ፈጣሪና ዘሎና ቃል ኪዳን ንምሕዳስ፣ ጕዕዞ ሕይወትና መርሚርና ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዕብየት ንምምጻእ ምቹእ ኵነታት ይፈጥረልና እዩ። ንዝኃለፈ ጕድለትና መርሚርና ፡ ንዝመጽእ ዓመት ብሩህ ናይ ዓወት ጊዜ ንምግባር ንሰብነትና ብማየ ንስሓ ሓፂብና ሠናይ ጕዕዞ ሕይወት እንጅምረሉ ደኣ እምበር ‘ሓድሽ ዓመት ባዕሉ ዓወት ኂዙ ስለዝመጽእ፣ ወይ ውን ንምውዳቕናን ምትንሣእናን ወሳኒ ስለዝኾነ’ ኣይኮነን። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “በታ ኅርይቲ መዓልቲ ክሰምዓካ እየ: በታ መዓልቲ ምድኃን ድማ ኪረድኣካ እየ። እንሆ፡ እታ ኅርይቲ መዓልቲ ምድኃን ሎሚ እያ።” (2ይ ቆሮ ፮፥፪/6፥2) ዝበሎ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንናይ ትማሊ ሕይወትና መርሚርና፣ ንናይ ጽባሕ ሓድሽ ግብሪ ሎሚ መዓልቲ ለውጢ ኽንገብራ ይግባእ። ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ነቲ ዝተዋህበና ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ ብዘይምውዓልና ሕልናና ዝኸሰሰናን ዝፈረደልናን ‘ከምዚ ኢለ ክሳዕ መዓስ እየ ዝጸንሕ፧’ ብምባል ንዝኃለፈ ዘባኸናዮ ዘመን ኣምላኽ ብምሕረቱ ሓድሽ ዘመን ከምዝህበና ፈሊጥና፥ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ደጊም እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ሥጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፡ ብዜጸይፍ ኣምልኾ ክትነብሩ ከሎኹም፡ ከምቲ ኣሕዛብ ዚደልይዎ እናገበርኩም ዘኅለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል።” (1ይጴጥ. 4፥3) ዝበሎ ብኸምዚ ዓይነት ናብራ ዝኃለፍናዮ ሕይወት ይኣኽለና ክንብል እዚ ዕለት እዚ መለበሚና እዩ።

ንኣና ትርጕም ጊዜ፦ ዕለት መጸ፡ ወርኂ ኣተወ ፡ ዓመት ተተክአ እናበልና ጊዜ ምቍጻር ዘይኮነስ ነቲ ኣረጊት ሰብነት ብማየ ንስሓ ሓፂብና ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ክንለብስ እዩ። ንሓድሽ ልብሲ ዝተሓጽበ ሰብነት ከም ዘድልዮ፡ እዚ ሓድሽ ዓመት ክመጽእ ከሎ ድማ ብሓድሽ መንፈስ ዝተሓደሰን ብንስሓ ዝነጽሐን ሕይወት ኂዝና ክንቅበሎ ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ክጠቅስ ከሎ “ነቲ ቐደም ትነብርሉ ዝነበርኩም ብክፉእ ትምኒት ዝተበለሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፡ ብኣተሓሳስባኹም ውን ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ብጽድቕን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ” ይብል። (ኤፌ. ፬፥፳፩-፳፬/ 4፥21-24) “ኣረጊት ሰብነትኩም” ዝበሎ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኣፍሪሱ ብኃጢኣት ዝረኸሰ፡ ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ወጺኡ ካብ መንፈሳዊ ንሥጋዊ፥ ካብ ሰማያዊ ምድራዊ ምርጫ ዝመረጸ ምስ እግዚኣብሔር ገዲፉ ምስ ሰይጣን ዝተዓራረኸ ድኹም ሰብነት እዩ። ስለዚ ነዚ ኣረጊት ሰብነት ዝተባህለ፡ ብንስሓን ሠናይ ግብርን ከነሐድሶ ይመኽረና። ተወካፌ ንስሓ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ውን “ተነስሑ፡ ኣበሳኹም ጥፍኣት ከየምጽኣልኩምሲ ካብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣትኩም ደርብይዎ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ።” ይብለና። (ሕዝ. ፲፰፥፴፩-፴፪/18፥31-32)

እወ ሕዝበ ክርስቲያን! ዘመን ብዘመን ክትካእ ከሎ እቲ ኅልፈትን ውላጤን ዝሰማምዖ ፍጡር ድማ ጊዜን ቦታን ወሲንዎ ይኃልፍን ይትካእን። ከምቲ እግዚኣብሔር ዘይሠርሓሉ ጊዜ ዘይብሉ፡ ከምኡ ድማ እቲ ብኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ሰብ ነቲ ዝተዋህቦ ድሩትን ዝተፈቕደሉን ጊዜ ብዘይ ሥራሕ ከኅልፎ ኣይግባእን። ካብ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ከይወጸ፡ ንእግዚኣብሔር ዘሥምርን ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዘብቅዕን ግብሪ ኣብ ምሥራሕ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ጊዜ ብጥንቃቀን ብግቡእን ክጥቀመሉ ይግባእ። ነዚ ከረድእ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ እናኣውዓልኩም ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ” ይብል። (ኤፌ. ፭፥፲፭/ 5፥15)

ሓድሽ ዓመት፡ ንሓድሽን ዝኃሸን ሕይወት ዝተሠርዐ ብምዃኑ ንዝኃለፈ ጊዜ ውን ንግምግመሉን እዩ። መንፈሳዊ ሕይወትና ማለት መንፈሳዊ ሥነ ምግባር፡ ኣገልግሎት ከምኡ ውን ኣብ ማኅበራዊ ናብራና ምስ ቤተ ሰብና፡ ኣብ ሥራሕና፡ ኣከባቢና . . . ምስ ዝገጥመና ፈተና ከመይ ነይርና ኢልና ንሓተሉ እዩ። ከምኡ ውን ናይ ዝኃለፈ ዓመት ብኵሉ መለኪዒታቱ ሓዋርያዊ ተልእኮን ማኅበራዊ ግደን ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ከምኡ ውን ኣበርክቶ ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንግምግመሉን ንዝመጽእ ዓመት ንውጥነሉን እዩ።

ብተወሳኺ በዓል ሓዲስ ዓመት እናኣብዓልና ዘመን ክንቈጽር ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ጊዜ ብዝግባእ ክንጥቀመሉ ከምዘሎና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይምህሩና እዮም። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ንስኻትኩም ፍሉያት መዓልታትን ኣዋርኅን፡ ክፍለ ዓመታትን ዓመታትን ተኽብሩ ኣሎኹም፡ ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ከይከውን እፈርሃልኩም ኣሎኹ” (ገላ. ፬፥፲-፲፩/ 4፥10-11) ብምባል ይነግረና። ከምቲ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዘተሓሳስበና ኣብዚ ወርኃት ክረምቲ ኃሊፉ ፍረ ዘፍርዩ ኣእዋም ሠናይ ግብሪ ኂዝና ክንርከብ ይግብኣና። ነቲ ዝቐደመ ኣረጊት ዘመን ንድኅሪት ኣብ እንገድፈሉ ንሕና’ውን ዝቐደመ ክፉእ ሕይወትና ንድኅሪት ገዲፍና ጽቡቕ ብምግባርን ሠናይ ብምፍራይን ንጊዜና ብዝግባእ ክንጥቀመሉ እዚ ዕለት እዚ ዘዘኻኽረና እዩ እሞ እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓመት፦ ዝረኃቑ ዝቐርበሉ፡ ዝተበኣሱ ዝዕረቕሉ፡ ሃይማኖት ዝጸንዓሉ፡ ሥነ ምግባር ዝዓብየሉ፡ . . . ብሓፈሻ ዓመተ ሰላምን ፍቕርን ክኾነልና ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና፡ አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
00:00 h - 23:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦...

መፃጒዕ

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ...

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ…

03 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙኃን...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...