መሠረተ ጽድቅ ፍቕሪ

Dec 30, 2015

ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ካብ ኵለን ናይ መንፈስ ፍረታት እታ ዝቐደመትን ዝዓበየትን ፍቕሪ እያ። ነቶም ዓሠርተ ትእዛዛት ውን ኣሣሪቶም ፍቕሪ እያ። ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፦ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ብምሉእ ኃይልኻ ብምሉእ ነፍስኻ ኣፍቅር፡ እታ ኻልአይትን ንእኣ እትመስላን ከኣ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴ. 22፡36-38) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ‘ፍቕሪ ማእሠር ኵሉ ፍጻሜ እያ እሞ ልበስዋ’ ብምባል ዕቤት ፍቕሪ ገሊጹልና ኣሎ።
ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙኅ እኳ እንተተባህለ ኣብ ዘመንና ግና መጽለሊ ስኢና ተባሪራ፡ ዘኅድራ ስኢና ዘኽቲማ ካብ ደቂ ሰብ ተፈልያ ትነብር ኣላ። ግና ስለምንታይ ኢና ነፍቅር፧ ከመይ ኣቢልና ኢናኸ ነፍቅር፧

ስለምንታይ ኢና ነፍቅር፧

ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዘይፈለጠ ሰብ ንኻልኦት ከፍቅር፡ ምሕረት ኣምላኽ ዘይፈልጥ ከኣ ንኻልኦት ኪምሕር ኣይክእልን’ዩ። እግዚኣብሔር ንኣና ገና ኃጥኣን ከሎና ኣፍቒሩና፡ ጸላእቱ ኸሎና ኸኣ ምእንታና ተሰቂሉ ሞይቱ ኣድኂኑና እዩ። እዚ ዘፍቀረና ፍቕሪ ገለ እዃ ዘይከፈልናሉ ብጸጋ ማለት ብናጻ እዩ ተዋሂብና። “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ ብናጻ ሃቡ” (ማቴ. 10፡8)

ከም ዝብል እምበኣር ከምቲ ጐይታ ከይተጸባጸበ ኵሉ ሳዕ ዘፍቅረና በዚ ምኽንያት’ዚ ንሕና ኸኣ ገለ እኳ ከይተጸበና ከነፍቅ ይግብኣና።

ከመይ ኣቢልና ኢናኸ ነፍቅር፧

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ኢልና ክንፋቐር ከም ዘሎና ከምዚ እናበለ ይምህረና። “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ኽትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ።” (ዮሓ. 13:34) ስለዚ እምበኣር ከምቲ ጐይታ ዘፍቀረና ጌርና ኽንፋቐር ይግብኣና ካብ ኮነ ጐይታ ንኣና ብኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዘፍቀረና ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ሀ. ጐይታ ዅሉ ሳዕ የፍቅረና፡ እግዚኣብሔር ፍቕሪ’ዩ። እግዚኣብሔር ዝደለዮ ኪገብር ዚኽእል፡ ንመደቡ ዚኽልክሎ ዘየልቦ፡ ከምኡ ውን ንኃጥኣን ኪቐጽዕ፡ ንጸላእቱ ኸኣ ፈጺሞም ከም ዚጠፍኡ ኪገብር ዚኽእል ኃያል ኣምላኽ እኳ እንተኾነ፡ ፍቕሪ ትኅይሎ እሞ ባዕሉ ይብጀዎም፡ ምሕረቱ ኸኣ ትኽልክሎ እሞ ንበደሎም ይቕረ ኢሉ መሊሱ የፍቅሮም። ብነቢይ ሚልክያስ ኣቢሉ ከምዚ ይብለና፡ “ኣነ ኵሉ ሳዕ አፍቅረኩም እየ” (ሚል. 1:2) ኣብ ኣፍ ነቢይ ኤርምያስ ኃዲሩ ኸኣ መሊሱ “ኵሉ ጊዜ ምስ ኣፍቀርኩኹም እየ ስለዚ ቀጺለ ናይ ዘለዓለም ምሕረተይ እገልጸልኩም ኣሎኹ” ኤር. 31:3 ይብለና።

ኵሉ ሳዕ ዝብል ቃል ኵነታት፡ ቦታ፡ ጊዜ ዘይልውጦ ፍቕሪ ምዃኑ’ዩ ዘረድኣና። ንሕና ኸኣ ከምኡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽናን ንኣኅዋትናን ኵሉሳዕ ከነፍቅር ይግብኣና። ምኽንያቱ “ትንቢት እንተሎ ንሱ ኪሰዓር እዩ፡ ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎ ንሱ ኪውዳእ እዩ፡ ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኪሰዓር እዩ፡ ፍቕሪ ግና ከቶ ኣይተቛርጽን እያ።” (1ይ ቆሮ. 13:8)

ለ. እግዚኣብሔር ጸላእቱ ኸሎና እዩ ኣፍቂሩና፡ እግዚኣብሔር ጸላእቱ ኸሎና ኣፍቂሩና፡ ጸላእትና ከነፍቅር ከኣ ምሂሩናን ኣዚዙናን። እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ምእንቲ ምድኃንና መከራ መስቀል ዝተቐበለ ዓለም ወይ ሰብ ነቲ ምድኃን ዚበቅዕ ግብሪ ጽድቂ ስለ ዝነበሮ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ኃጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።” (ሮሜ. 3:23) ከም ዝብለና ዓለም ብኃጢኣት ተባላሽያ ወዲ ሰብ ኣብ ዓመጽ ኣብ ዝነብረሉ ዘመን እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ድንቂ ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ምድኃን ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፡ “ገና ድኹማን ከሎና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።” (ሮሜ. 5:6)

ንሕና ጽቡቕ ንዝገብሩልና ብምፍቃር ንዚጸልኡና ኸኣ ብምጽላእ እንድኅር ንነብር ኣሎና ገና ኣብ ባህሊ ኣሕዛብ ኢና ዘሎና። እቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ሓድሽ ትእዛዝ ግና “ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግምኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንኃጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትውኹምን እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኮኑን፧ ንኣኅዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ኃለፋ ገበርኩም፧ ኣሕዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምበኣርከ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማን ኩኑ።” (ማቴ. 5:44-48) ዝብል’ዩ።

ኣብዚ መፈጸምታ ናይዚ ቓል እዚ ተነጺሩ ከም ዘሎ እዚ ትእዛዝ እዚ ናይ ፍጽምና ትእዛዝ እዩ። ኵሎም ትእዛዛት ኣብ ፍቕሪ ዝተኻተቱ ስለ ዝኾኑ ንሕና ብፍቕሪ ፍጽምና ለቢስና ውሉድ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ክንበሃል ብዘይካ እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ዲያብሎስ፡ ማንም ሰብ ጸላኢ ክህልወና ኣይግባእን እዩ። ከመይ ብዛዕባ ሰባት ‘ናብቲ ዓስቢ ዓወት መዋርስትኹም’ ዝብል እዩ፡ ብዛዕባ ዲያብሎስ ግና ‘ናይ ጥንቲ ጸላኢ’ ዝብል ቃል እዩ ተጻሒፉልና።

ሐ. እግዚኣብሔር ንፍቕሩ ብሞት ገሊጹልና፡ እግዚኣብሔር ነታ ኣቐዲሙ ብሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣቢሉ ዚኣዘዛ ብነቢያት ኣቢሉ ውን ዚሰበኸላ ፍቕሪ፡ ብግብሪ ምእንቲ ከርእየና ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ መስቀል ተሰቕለ። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ “ክርስቶስ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘኅለፈ ንፍቕሪ በዚ ኢና እንፈልጣ፡ ንሕና ውን ኣብ ክንዲ ኣኅዋትና ሕይወትና ከነኅልፍ እዩ ዝግብኣና።” (1ይ ዮሓ. 3:16) ብምባል እታ ብግብሪ እትግለጽ ፍቕሪ እምበር እታ ቓላዊት ፍቕሪ ከም ዘይተመሃርና እዩ ዚገልጸልና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ‘እተፍቅሩኒ እንተ ኾይንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ። ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነ’ውን አፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ’ ይብል። ዮሓ. 14፡15-21 ስለዚ ንእግዚአብሔር ነፍቅሮ ኢና እንተበልና እዚ ፍቕሪ እዚ ትእዛዛቱ ብምሕላውን ብምፍጻምን ዝግለጽ ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ። ብኸናፍርና ጥራሕ ‘አፍቅሮ እየ’ እንተበልና ትእዛዛቱ ግና ዘይንፍጽም እንተዄንና ንእግዚአብሔር ዝበቅዕ ፍቕሪ የብልናን። ትእዛዛቱ ንምምርማርን ንምትግባርን ድልየትን ትግሃትን እንተሎና ግና ንእግዚአብሔር ከም እነፍቅሮ እዚ ምስክርና እዩ።

ሰባት ንፍቕሪ ብዕምባባ ጽጌ ረዳ፡ ብፍቕራዊ ደብዳቤታት፡ ፍሉይ ህያባት ይፈልጥዎ ይኾኑ ንሕና ግና ንፍቕሪ ብምንታይ ከም እንፈልጦ ሓዋርያ ዮሓንስ ገሊጹልና ኣሎ። እታ ንሕና እንፈልጣ ፍቕሪ ብግብሪ እምበር ብቓላት ዘይተገልጸት፡ ብደም እምበር ብቐለም ዘይተጻሕፈት፡ ክቕበል ከይበለት እትህብ እምበር ዘይትስስዕ፡ ንጸላኢ ምሕረት ትልምን እምበር ብውድቀቱ ዘይትሕጐስ፡ እትዕገሥ እምበር ዘይትፈዲ፡ ንብጻየይ እምበር ንኣይ ይጥዓመኒ ዘይትብልን እያ።

ኣብ መንጎ ሰባት ፍቕሪ ከይትነግሥ እንታይ ይኽልክል፧

ደቂ ሰብ ንፍቕሪ ይደልይዋ እዮም ነንሓድሕዶም ብፍቕሪ ኪነብሩ ውን ድላይ ኣለዎም። እዚ ድሌቶም እዚ ድሌት ጥራይ ኮይኑ ዝተርፍ ዘሎ ግና በዞም ዚስዕቡ ምኽንያታት እዩ።

1. ቅልስካ ምስ መን ምዃኑ ዘይምፍላጥ

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቲ “ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ሥልጣናትን ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዜመኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን ኣብ ሰማይ ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነን።” ኤፌ 6:12 ይብለና። እቲ ሓቂ እዚ ከሎ ግና ሰባት ኣብ ዘይምስምማዕ፡ ህልኽ ይኣትዉ እሞ ነቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢኦም ብፍጹም ረሲዖም ምስቲ፡ ሰማያዊ ርስቲ ኸኣ መዋርስቶም ኪኸውን ዝተጸውዐ ብጻዮም ኣብ መድረኽ ጽልኢ ይረባረቡ። ካብዚ ቅልስ እዚ ግና እቲ ዝረብሕ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ። ነዚ እዩ ኸኣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ“ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” (ገላ. 5:15) ዝብለና። እምበኣር ከም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክርስቲያን መቓልስትና ኣጸቢቕና ክንፈልጥ ይግብኣና።
“አልቦ ሰብእ ዘኢይኤብስ ወአልቦ ዕፅ ዘኢይጠይስ” ከም ዝብሉ ኣቦታትና ከም ሰባት ኣብ ዕለታዊ ናብራና በደል ዘሎ እዩ። ግና ከምቲ ቃሉ ዝብለና “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሃሉ።” ኤፌ. 4:32 ዝብለና ይቕረ ናይ ምባል ጠባይ ኪህልወና ኣለዎ።

2. ፍቕሪ ኪኽፈል ዘለዎ ዋጋ ከም ዘለዋ ዘይ ምርዳእ

ኵሉ ሳዕ ዋጋ ዘይብሉ ሠናይ ነገር የልቦን፡ ፍቕሪ ኸኣ ዋጋኣ ኣዝዩ ክቡር እዩ፡ ነዚ ዋጋ እዚ ኪኸፍል ዚኽእል እዩ ድማ ኣብ ፍቕሪ ኪነብር ዚኽእል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና የፍቅረና እዩ ክንብል ከሎና ብዘይ ዋጋ ኣይኮነን “ብጠፋኢ ዝኾነ ወርቅን ብሩርን ዘይኮነ ብኽቡር ደም ኢየሱስ ኢኹም ዝተዓደግኩም” ከምዝብል፡ ክቡር ዋጋ ዚሓተት ፍቕሪ እዩ። ፍቕሩ ኪገልጸልና፡ ባህሪኡ ትሕት ኣቢሉ ካብ ሰማይ ወረደ፡ ሥጋ ሰብ ብምልባስ ፍጹም ሰብ ኮነ፡ ካብቶም ኃጥኣን ብዙኅ ውርደት ተዓገሠ፡ መከራ መስቀል ተቐበለ፡ ሞይቱ ተንሥአ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ዋጋ እዚ ኢልካ ብልሳን ሰብ ኪጽብጸብ ኣይከኣልን እዩ።

ንሕና ኸኣ ውሉድ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ክንበሃል እንተዄንና ንፍቕሪ ዋጋ ኪንከፍለላ ኵሉ ሳዕ ድልዋት ክንከውን ይግብኣና።

ነዚ ንምግባር ዝሕግዙና፡

• ኣቐዲምካ ሰባት በደልትን ተጋግገይትን ምዃኖም ምፍላጥን ምርዳእን፣
• ንዝበደሉኻ ከም ሰብ ዝገብርዎ ጌጋ ኪኸውን ስለ ዝኽእል ምዕጋስ
• ንዝበደሉኻ ብፍቕራዊ መንገዲ በደሎም ከም ዝርድኦም ምግባር
• ፈዳይ ሕነ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣሚንካ ንምፍዳይ ሕነ ዘይምልዓል። “ነቲ መዓትሲ ስፍራ ኅደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” ሮሜ. 12:19
• በደሎም ኣሚኖም ንዝመጽኡ ኸኣ ብትሕትና ብልቢ ይቕረ ምባል።

እምበኣር ከምቲ “እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ እሞ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ኣብ እግዚአብሔር ይነብር እግዚአብሔር ውን ኣብኡ ይነብር” (1ይ ዮሓ. 4፡16) ከም ዝብል ኣብ ፍቕሪ ኽንነብር እግዚአብሔር ከኣ ኣባና ምእንቲ ኪነብር እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!

ንሓድሕድኩም
1ይ ዮሓ. 4፡7 ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር።
ገላ. 5:13 ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ
1ይ ጴጥ. 1:22-23 ብንጹሕ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡
1ይ ጴጥ. 4:8 ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ተሃልኹም።
ማር. 9:50 ንሓድሕድኩም’ውን ብሰላም ንበሩ።
1ይ ተሰ. 5:13 ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።
1ይ ተሰ. 4:18 ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።
1ይ ተሰ. 5:15 ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩም ኮነ ንዅሉ ሰብ ሠናይ ንምግባር ተጋደሉ።
ያዕ. 5:9 ኣኅዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ።
ያዕ. 4:11 ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ።
ቈሎ. 3:13 ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ ይቕረ ተባሃሃሉ፡
ቈሎ. 3:9-10 ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።

                                                                                                                                                     ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
00:00 h - 23:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦...

መፃጒዕ

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ...

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ…

03 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙኃን...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...