“ወይኩን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን” (ማቴ. ፮፥፲/6፡10)

Dec 02, 2016

እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝርአን ዘይርአን ኵሉ ካብኡ፡ ብእኡን፡ ንእኡን’ዩ። ንዓለም ብኢዱ ዚጭብጥ፣ ንሰማይ ብኣፃብዑ ዚስድር፣ ንማያት ዚዓሙኽ፣ ቁመት ሰማይ፡ ስፍሓት ምድሪ፡ ማዕሙቕ ባሕርን ዕምቈት ጥበብን ክንደይ ከምዝኾነ ዚፈልጥ ንሱ’ዩ። (ሲራ. 1፡3-4) ንሱ ጽልመት በርባሮስ ንትርኢቱ ዘይሥወሮ፡ ኣብ ኣርያም ኮይኑውን ንዕምቈት ባሕርታት ዚትንክፍ’ዩ። ንልብን ኵላሊትን ዚምርምር ንሱ’ዩ። (1ይ ሳሙ. 16፡7) ንሕና ደቂ ሰባት ድማ ብእኡ እንነብርን ኵሉ ሥራሕናን ምንቅስቓሳትናንውን ብእኡ እዩ። (ግብ. 17፡18)።

እንተኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽና አኃዜ ኵሉ ክንሱ ንሕና ነቲ እንሓስቦን እንገብሮን ኣቐዲምና “ፍቓድካ ድዩ፧ ፍቓድካ ይኹን” ክንብሎ ይደሊ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ ጸሎት ትምህርቱ፡ “ወይኩን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን” ኢልና ፍቓዱ ክንሓትት መሃረና። ብቓል ጥራሕ ዘይኮነ’ውን ንዅሉ ዘስግድን ኵሉ ዝሰግደሉን ተቐባሊ ጸሎት ክንሱ፡ ንኣና ኣርኣያ ኪኸውን ግና ኣብ ጌቴሴማኒ ብገጹ ተደፊኡ 3ተ ጊዜ ኪጽሊ ኸሎ፦ “ወባሕቱ ፈቃደ ዚአከ ይኩን ወአኮ ፈቃደ ዚአየ/እንተኾነ ከም ፍቓድካ ደኣ ይኹን እምበር ከም ፍቓደይ ኣይብልን እየ” በለ። (ማቴ. 26፡39)።

ሰብኣዊ ፍጡር ብባህርዩ መጻእያት ስለዘይፈልጥን ርጉጽነት ስለዘይብሉን፡ ንዅሉ ዝውጥኖን ብልቢ ኪዓሞ ዚሓስቦን ኣቐዲሙ ፍቓድ እግዚአብሔር ኪሓትት ግቡእ እዩ። ነዚ ኪምስክር ከሎ ሓዋርያ ያዕቆብ “ንስኻትኩም ኣቱም ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ክንኸይድ ኢና፡ እናነገድና ምእንቲ ክንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና እትብሉ ስምዑ! ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሕይወትኩም እንታይ እያ፧ ንቑሩብ ጊዜ ተራእዩ ዚበንን ሃፋ ኢኹም። ጐይታ እንተፈቒድዎ፡ ብሕይወት እንተኣሊና ከምዚ ወይ ከምቲ ክንገብር ኢና ኽትብሉ እዩ ዝግብኣኩም ነይሩ፥ሕጂ ግና ትጅሃሩን ትምክሑን ኣሎኹም። እቲ ዅሉ ከምዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኸኣ ክፉእ እዩ” (ያዕ. ፬፥፲፫-፲፮/4፡13-16) ይብለና።

ሎሚ ፍቓዱ ኣብ ምሕታት ከመይ ኣሎና! ንዅሉ “ፍቓድካ ይኹን” ኢሉ ዘቐድምን ዚቕበልን ሕይወት ኣሎና ዶ፧ ባዕልና ዝሓለምናዮ ዕዮ ብተግባር ፈጺምና ምስ ዘይሰልጠና፡ ፍቓድ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ ምባል ቅኑዕ ድዩ፧ ዋላውን ንኽፍኣትን ኃጢኣትን ፍቓድ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ምባል ይግባእ ዶ፧

እዚ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ፍጹም ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ ጥበበኛ ሲራክ “እግዚአብሔር ነቲ ባዕሉ ዚጸልኦ ስለዘይውዕሎ፡ እግዚአብሔር ደፊኡኒ እየ ካብ መንገዲ ሓቂ ዝወፃእኩ ኣይትበል፡ እግዚአብሔር ንኃጥእ ሰብ ስለዘይደልዮ ናብ ኃጢኣት ዘውደቐኒ ንሱ እዩ ኣይበል። እግዚአብሔርን ዅሉ ኽፍኣት ንዝበለ ይጸልእ እዩ. . . .” ኢሉ መሊስዎ ኣሎ። (ሲራ. 15፡11-13)።እግዚአብሔር

* ንፍቓድ እግዚአብሔር ዘፍልጠና መን እዩ፧

1. መንፈስ ቅዱስ የፍልጠና!
“. . . .መንፈስ ውልድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም” (ሮሜ ፰፥፲፬-8፡14) ከምዝብለና፥ ወዲ ኣብ ኣርብዓ፡ ጓል ኣብ ሰማንያ መዓልቲ ሃብተ ውልድነት ረኺብናን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልናን ኢና፣ መኅደሪኡ (ቤተ መቕደሱ) ውን ንምዃን በቒዕና ኢና። (1ይቆሮ. ፫፥፲፮/3:16)። ስለዚ እቲ ኣባና ኃዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሠናይ ንኽንገብር ዚድግፈናን ዘተባብዓናን፡ ምስ እንጋገ ውን ዚወቕሰና’ዩ። “ንሱ ንትሑታት ብቅኑዕ መንገዲ ይመርሖም። ፍቓዱ ኸኣ ይምህሮም” ከም ዚብል ባዕሉ ፍቓዱ ይምህረናን የፍልጠናን። (መዝ. 25፡4-9)
ነቶም ሰብነቶም ብንጽሕናን ትሕትናን ቤተ መቅደስ ገይሮም ዝሓለዉ ሓዋርያት ባዕሉ ይመርሖምን ፍቓዱ ይምህሮምን ነይሩ እዩ። “ንሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ መንፈስ ቅዱስ ከልኪልዎም’ዩ። ናብ ቢታንያ ኪኸዱ ኣብ ዚፈተኑሉ ውን መንፈስ ቅዱስ ኣይፈቐደሎምን” (ግብ.ሓዋ. ፲፮፥፮/16፡6)፣ ዘይፈቐደሉ ምኽንያት ድማ ጊዜኡ ስለዘይበጽሐ’ዩ፡ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ግና ሰቢኾምሎም እዮም። (ግብ. ፲፰፥፳፫/18፥23) ሓዋርያ ፊልጶስውን ነቲ ስሉብ ኪምህሮን ከጥምቖን መንፈስ ቅዱስ ፈቒዱሉን መሪሕዎን’ዩ። (ግብ. ፰፥፳፱-፴፱/8፡29-39)።
ስለዚ ንሱ መንፈስ ሓቂ ስለዝኾነ ንዅሉ ዘፍልጠናን ናብ ኵሉ ዝመርሓናን’ዩ። ብኣንጻሩ “ነቲ ንመዓልቲ ምድኃን እተኃተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ኣይተጒህይዎ “ (ኤፌ. ፬፥፴/4፡30) ከምዝተባህለ ሎሚ ሰብነትና ብኃጢኣትን ርኽሰትን ኣርኪስና መንፈስ እንተኣጥፋእና ግና መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ይፍለየና እሞ ንፍቓድ እግዚአብሔር ምፍላጡ ንስእን።

2. ኣማኻሪ የፍልጠና!
ንዅሉ ሰብ ኣማኻሪ ከምዘድልዮ ንኺገልጽ ጥበበኛ ሲራክ፥ “ምስ ብዙኃን ዕርክነት ይሃልኻ ምኽርኻ ግና ካብ ሽሕሲ ምስ ሓደ ጥራይ ይኹን” (ሲራ. 6፡6) ይብል። እቲ ቐዳማይን ቀንድን ኣማኻሪ ኣበ ነፍሲ እዩ። ኣማኻሪ ኣበ ነፍሲ ዘይብሉ ሰብን፡ ቘጽሊ ሓጋይን ሓደ እዮም። እቲ ሰብ ይወድቕን ይሳቐን፡ እቲ ቘጽሊ ድማ ይረግፍ። ኣበ ነፍሲ፡ በቲ ዝተዋህቦ ሥልጣነ ክህነትን ዘለዎ ተመክሮ ሕይወትን፡ ፍቓድ ኣምላኽ የፍልጠና። ካህን ሳሙኤል ንንጉሥ ሳኦል ኣማኻሪኡ ነበረ። ብምኽሪ ነቢይ ሳሙኤል፡ ንጉሥ ሳኦል ፍቓድ ኣምላኽ ይፈልጥን ትእዛዝ ኣምላኽ ይቕበልን፡ ብጸሎቱውን ጸላእቱ ይስዕርን ነበረ። ድኅሪ ጊዜ ሳኦል ምኽሪ ነቢይ ሳሙኤል ዕሽሽ ኢሉ ብድፍረት ምስ ሠውዐን ካብ ኣማሌቃውያን ድማ ንእኡ ዘድልዮ ዘይተኣዘዞ ጥሪት ምስ ኣትረፈን ግና ኣዝዩ ተጐድአ፣ መንግሥቱ ተሳዕረት፡ መንፈስ እግዚአብሔር ካብኡ ረሓቐ’ሞ ኽፉእ መንፈስ ኣሳቐዮ። (1ይሳሙ. 13፡15-16)። ኣብዚ ሳኦል ናይ ምእመናን፡ ሳሙኤል ድማ ናይ ኣበ ነፍሲ ምሳሌ እዮም። መንግሥቲ ሳኦል ምስዓራ ንመከራ ነፍሲ ኸመልክት ከሎ፣ ብኽፉእ መንፈስ ምስቓዩ ድማ ንመከራ ሥጋ የመልክት። ቀዳሞት ኣቦታትውን፡- “ምስ ዝመሲ ናብ ኣበ ነፍሲ” ብማለት ሕሊናኻ ምስ ዝዓርበካን ተስፋ ምስ እትስእንን፡ ኣብ መከራ ሥጋን ነፍስን ወዲቕካ ከይትሳቐ፡ ናብ ዘማኽር ኣበ ነፍሲ ኪድ ይብሉ።

ከም ካልኣይ ውን ኣብ ጽኑዕ እምነት ዝተሠረተ እሙን ዓርኪ ፍቓድ እግዚአብሔር ከፍልጠና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦ ንጉሥ ዳዊት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኪሓንፅ ድሌትን ሓሳብን’ኳ እንተነበሮ ፍቓድ እግዚአብሔር ግና ብወዱ ሰሎሞን ከምእትሕነፅ ዘፍለጦ ብእሙን ዓርኩ ናታን ነቢይ ነበረ። (1ይዜና ፳፰፥፪/ 28፡2)።

ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ብኣማኻርን ከምኡ ውን ብኻልእን ፍቓድ እግዚአብሔር እንታይ ምዃኑ ዚፍለጥ እኳ እንተኾነ ሎሚ ኣብዚ እምነቱ ዝሓፀፀ ተግባሩ ዝደኸመ ወለዶ ግና ብሕልሚ፡ ብራእይ ወይ መልኣኹ ልኢኹ ፍቓዱ ክገልጸሎም ስቕ ኢሎም ዚጽበዩ የዋሃነ ልብ ውኁዳት ኣይኮኑን።ድ እግዚአብሔር ብኸመጋግጽ

* እግዚአብሔር እንተደኣ ፈቒድዎ፦

1. ናይ መንፈስ ዕረፍቲ፡ ሰላም፡ ቅሳነት ንረክብ!
እቲ ዝገበርናዮ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝተሓወሶ እንተኾይኑ ፍጹም ሓጐስን ፍቕርን ዘለዎ ሕይወት ከም እንመርሕ ይገብረና። ዋላ ውን መከራ እንተኾነ ሓጐስ ኣለዎ። (1ይጴጥ. ፬፥፲፬/4፡14) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን፦ “ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ከም መደቡ ውን ዝተጸውዑ ግና ኵሉ ንሠናይ ከም ዚድግፎም ንፈልጥ ኢና።” (ሮሜ ፰፥፳፰/ 8:28) ይብለና።
ሓዋርያት ኣብ ኵሉ ናብራኦምን ጸሎቶምን “ፍቓድካ ይኹን” ይብሉ ስለዝነበሩ ናይ ትብዓትን ሓጐስን መንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ብኅብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ጸኒዖም ይነብሩ ነበሩ። (ግብ.ሓዋ. ፬፥፳፱-፴፩/ 4፡29-31) እቲ ተግባሩ ፍቓድ እግዚአብሔር ዘይተሓወሶ ንጉሥ ሳኦል ግና ብመንፈስ ጭንቀት ይሳቐ ነበረ። (1ይሳሙ. 16፡14)

2. ምስክርነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎ!
ኵሉ እግዚአብሔር ዝፈቐዶ ዘበለ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፎ፣ እንተዘይፈቒድዎ ግና ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፃረር እዩ። ንምሳሌ፥ ምስ ዘይትኣምን ሰበይቲ ንኺመድ ፍቓዱ ድዩ ኣይኮነን ከረጋግጽ ዚደሊ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣይትቈረኑ” (2ይቆሮ. ፮፥፲፬/6፡14) ስለዝብል ፍቓድ ኣምላኽ ከምዘይኮነ ከረጋግጽ ይኽእል።

3. ምስ ኵነታት ይጋጠም!
ፍቓድ እግዚአብሔር እንተኾይኑ ምስ ኵነታት ዝጋጠም፡ ምስ ጊዜን ቦታን ዝሰማማዕ እዩ። ንምሳሌ፦
* ሙሴ ኣብ ባሕሪ ምድርባዩን፣ ጓል ፈርዖን ናብ ሩባ ወሪዳ ምርካባን (ዘፀ. ፪፥፩-፲/2፡1-10)።
* ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ ሰበይቲ እትኾኖ ኺመርጸሉ ንኢያውብር ኣገልጋሊኡ ምልኣኹን፣ ርብቃ ኣብኡ ምጽንሓን (ዘፍ. ፳፬፥፩-ፍ/24፡1-ፍ)።
* መውስቦ ጦብያ ምስ ሣራ ጓል ራጉኤል (መጽ. ጦቢት)።

“ጸጒሪ ርእስኹም ኵላተን’ኳ ቍጹራት እየን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ካብኣተን ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ”። (ማቴ. ፲፥፳፱-፴/10፡29-30) ከም ዝበለ ኣብዚ ምድሪ ኾነ ኣብ ሰማይ ብዘይ ፍቓድ እግዚአብሔር ዚፍጸም ሓደ’ኳ የልቦን። እቲ መጻርርትና ዲያብሎስውን ብዘይ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝገብሮ የልቦን። ኣባ ጳውሊ ኣብ መንጎ ኃጥኣን እናጸለየ ከሎ፡ ሰይጣን ካብቶም ኃጥኣን ናብኡ መጽአ እሞ፡ ኣባ ጳውሊ ድማ “ኣንታ ሰይጣን ስለምንታይ ኢኻ ብዘይ ፍቓድ እግዚአብሔር ተስሕት ዘሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሰይጣን ድማ “ኣነ ብዘይ ፍቓዱ ዝኾነ ኽገብር ሥልጣን የብለይን” ኢሉ መለሰ። (ስንክሳር ፳፬/24 ታኅሣሥ) ንኣቦና ኢዮብ ኪፍትኖ ኸሎ ውን ኣቐዲሙ ፍቓድ እግዚአብሔር ሓቲቱ እዩ። ጸላኤ ሠናያት ካብ ሓተተ ደኣ’ሞ ንሕና ኸ . . . !

ስለዚ፡ መሠረት ናይ ድኅነትን ሕጕስ ሕይወትን ፍቓድ እግዚአብሔር ምሕታትን ምግባርን’ዮም። ጐይታናውን “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ ጐይታይ ዚብለኒ ዅሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ. . . ” (ማቴ. ፯፥፳፩/7፡21) ከምዝብለና ኣብ ኵሉ ናብራ ሕይወትና ብፍቓዱ ክንመላለስ ይግብኣና ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና!

   ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 6 ነሓሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

August
Wednesday
12
ዝክር፦ ኢየሉጣ፡ ወማርያም መግደላዊት፡ ወአባዊፃ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 7፡12-20 1ይ ጴጥ. 3፡1-7 ግብረ ሓዋርያት፦ ግብ. ሐዋ. 16፡13-18 ምስባክ፦ መዝ. 44/45 ወንጌል፦ ማር. 16፡9-18 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም ዓዲ ዘ፫፻ት። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ፅንሰታ ለማርያም - 7 ነሐሴ

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ነበረ። ምስ ተወልደት’ውን ኣደ አምላኽ...

'ትእምርተ ጽንዓት ሃይማኖት - ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን'

ገዳም ደብረ ቢዘን ‘ቢዘን’፦ ሚዛን፡ ማዕረ ማለት’ዩ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ብሚዛን ዝምዘን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ደብረ ቢዘን ጻድቃንን ኃጥኣንን፡ ድኹማትን ፍጹማንን...

ብመንገዲ ቴሌኮንፈረንስ ምስ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ርክብ ተኻዪዱ!

ዕለት 27 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (03/08/2020 ፈ.) ብመንገዲ ቴሌኮንፈረንስ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ምስ ምምኅዳር ሰበካ...

ቤተ መዘክር (ሙዝየም) ዘመንበረ ፓትርያርክ ንጥፈታቱ የዕቢ ኣሎ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብዓይኒ ዝርአ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ከምኡ’ውን ግዙፍነት ዘይብሉ ናይ ነዊኅ ዓመታት፡ ብቝጽሩ ብዙኅ፡ ብዓይነቱ ዘደንቕ ቅርስን...

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ኣብጽሓና !

ካብ 1 ነሓሴ ክሳዕ 16 ነሓሴ 2008 ዓ.ም.ግ. ዘሎ መዓልታት ብጸሎትን ውዳሴን ቅዳሴን ከምኡ’ውን ዝጽወም ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ...

መቅድም ውዳሴ ማርያም

ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝደረሶ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ኤፍሬም ለብሓዊ እዩ። ሶርያዊ ዝተባህለ ብሃገሩ ኮይኑ ለብሓዊ ድማ ብተግባሩ እዩ። እዚ ቅዱስ ኤፍሬም...

አሥርቆት ዘወርኀ ነሐሴ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ነሐሴ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጳጕሜን በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ነሐሴ ቡሩክ መዓልቱ ዓሠርቱ ወሠለስቱ ወእምዝ የሐፅፅ።

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኅቡራት…

ዕለት 24-25 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (31/07 – 01/08 2020 ፈ.)፣ “ብጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን ጽናዕ” (2ይ ጢሞ 4፡2) ብዝብል መሪሕ ኃይለ...

ቀዳማይ መሥርሕ ኣርትዖት መጽሓፍ ቅዱስ ሐዲስ ኪዳን ንምክያድ ዝዓለመ ጉባኤ…

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትውነን መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዝዓለመ ብክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት ብግእዝን ትግርኛን ዝቐረበት መጽሓፍ ሐዲስ ኪዳን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን…

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ...

ብሕንፃ እንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ሕንጻዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ

 ኣብ ከተማ ኣሥመራ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከብ ብእንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ዋንነት ቅድስት ቤተ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

  

latest articles

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...