ኣምላኽ ስለምንታይ ሰብ ኮይኑ ተወልደ፧

Jan 06, 2020

እግዚኣብሔር ከኣሊ ዅሉ ብምዃኑ ሰብ ኮይኑ ከይተወልደ፡ መከራ መስቀል ከይተቐበለን ከይሞተን ንሰብ ከድኅኖ ይኽእል ነይሩ እዩ። እንተኾነ ግና፡ ሰብ ኮይኑ ሥጋና ተዋሓሒዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ። ስለምንታይ፧

1. ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ክስዕር ተወልደ

ዲያብሎስ፡ ንኣዳምን ሔዋንን ኣስሒቱ ንሞት ዘብጽሖም ኣብ ሥጋ ኸይሲ ተሠዊሩ ነበረ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብፍሉይ ጥበቡ ሥጋና ተዋሒዱ ኸድኅነና ብሥጋ ተገልጸ። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ፦ ‘’እቲ ንኃጢኣት ዝሠርሓ ካብ ወገን ጋኔን እዩ። ቅድም’ውን ሰይጣን በዲሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ግብሪ ጋኔን ንኽስዕር ወልደ እግዚኣብሔር ብሥጋ ተገልጸ’’ (1ይ ዮሓ. 3፡8)
ስለዚ ጐይታና ነቲ ብዲያብሎስ ዝተነድቀ ምልኣተ ኃጢኣት ንኼፍርስ ተወልደ። በዚ ድማ ሰይጣን ‘’መኑ ውእቱ ዘእምሥልጣንየ ሰብአ ለቢሶ ሊተ ሞዐኒ፣ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ፧ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ/ ሥጋ ለቢሱ ባህርይ ሰብ ባህርዩ ገይሩ ካብ ሥልጣነይ ስዒሩ ዘዋረደኒ ንሱ መን እዩ፧ ድኹም ሥጋ ዝተዋሓደ ምድራዊ ከሎ ሰማያዊ ዝኾነ መን እዩ፧’’ ብምባል ከምዝተሳዕረ ገለጸ። (ትምህርተ ኅቡኣት)

2. እቲ ብዲያብሎስ ተሳዒሩ ዝነበረ ሥጋ ተዓዋቲ ክኸውን ብሥጋ ተወልደ

ወለድና ኣዳምን ሔዋንን፡ በቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢኦም ዲያብሎስ ተሳዒሮም ስለዝነበሩ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ፡ ዓወት ንኸጐናጽፈና፡ ሥጋና ተዋሓደ። ቅዱስ ዳዊት ኣብ ትንቢቱ ‘’እግዚአብሔርሰ ንጉሥ ውእቱ እምቅድመ ዓለም ወገብረ መድኀኒተ በማእከለ ምድር። አንተ አጽናዕካ ለባሕር በኀይልከ። ወአንተ ሰበርከ ርእሰ ከይሲ በውስተ ማይ። ወአንተ ቀጥቀጥከ አርእስቲሁ ለከይሲ/ ’እግዚኣብሔር ቅድሚ ዓለም ንጉሥ እዩ። ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ መድኃኒት ገበረ። ንስኻ ንባሕሪ ብኃይልኻ ኣጽናዕካያ። ንስኻ ንኣርእስቲ ኣትማን ኣብ ውሽጢ ማይ ሰበርካ። ንስኻ ንርእሲ ሌዋታን ቀጥቀጥካ’’ ከምዝበሎ ንሰይጣን ስዒሩ፡ ዕዳ ደብዳቤና ደምሰሰልና፡ ኣብታ ማእከል ዓለም ዝተባህለት ኢየሩሳሌም ተሰቒሉ’ውን በደልና ኣጥፍኣልና’’ (መዝ. 73፡12፣ ማቴ. 3፡13)
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ‘’ወነሰተ ምክሮ ለጸላኢ፡ ወሠጠጠ መጽሐፈ ዕዳሆሙ ለአዳም ወለሔዋን ወረሰዮሙ አግአዝያነ ዘተወልደ ለነ በሀገረ ዳዊት መድኀኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ / ኣብ ዓዲ ዳዊት ዝተወልደ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምኽሪ ጸላኢ ኣፍረሰ። መጽሓፍ ዕዳ ኣዳምን ሔዋንን ቀዲዱ፡ ናጻ ኣውፅኦም’’ ከምዝበሎ፡ ነቲ ናይ ቅድም መርገም ኣጥፊኡ ናፃ ኸውፅኣና ዕዳ ደብዳቤና ክቐድድ ተወልደ። ነቲ ናይ ቅድም መርገም ኣጥፊኡ ምኽሪ ጸላኢ ኣፍረሰ። ስለዚ “ጐይታ፡ ንሞትን ሲኦልን ክስዕር ተወልደ” ንብል።

3. ነቲ ብምኽንያት ዲያብሎስ ዝሰኣንናዮ ናጽነት ክመልሰልና ተወልደ

‘’ስለዚ ንድኻታት ከበሥሮም ፡ ንዝተማረኹ ናጽነት ክሰብከሎም፡ ንዝኃዘኑ ከሐጒሶም፡ ዕዉራን ክርእዩ፡ ንዝተገፍዑ ኸድኅኖም፡ ንዝተኣስሩ ኽፈትሖም፡ ንዝቘሰሉ’ውን ኸድኅኖም ለኣኸኒ። እታ ኅርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ዝኾነት መዓልቲ ምእንቲ ኽሰብኽ ለኣኸኒ’’ (ሉቃ. 4፡18-19፣ ገላ. 5፡1፣ ኢሳ. 61፡1)። ምኽንያቱ መንፈሳዊ ሃብትና ብድኽነት ተቐይሩ፡ ብገመድ ኃጢኣት ተኣሲርና፡ ዓይነ ልቡናና ዕዉርን ጥቑዕን ነበረ። ካብዚ ዅሉ ምእንቲ ኸድኅነናን፡ ናይ ምሕረት ዓመት ክህበናን ጐይታና ተወልደ። ከምኡ’ውን ንዘይዛረቡ ልሳን፡ ንእሱራት ምርኩስ፡ ንዕዉራን ብርሃን፡ ንሓንካሳን ፍኖት፡ ንለምጻማት መንጽሒ ምእንቲ ክኸውን ብሥጋ ተገልጸ። ‘’ለበሃማን ኮኖሙ ቃለ፡ ለስቡራን ምርጒዘ፡ ወለዕዉራን ብርሃነ፡ ወለሐንካሳን ፍኖተ፡ ወለዘለምጽ መንጽሔ፡” ከምዝብል። (ኪዳን ዘነግህ)

4. ሥድራኡ ንኽገብረና ብሥጋ ተገልጸ

ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኽገልጽ ከሎ ‘’ንስኻትኩምሲ፡ ንቅዱሳን ደቂ ዓዶም፡ ንእግዚኣብሔር ከኣ ሥድራ ቤቱ ኢኹም እምበር ካብ ሕጂ ንደኃር ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን’’ ይብል። (ኤፌ. 2፡19)

ሓደ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ካብተን ብዙኃት ኣባጊዕ ዚነበራኦ ሓንቲ እንተጠፍኣቶ፡ ነተን ዘይጠፍኣ ብዙኃት ኣባጊዕ ኂዙ፡ ኣብ ዚተረጋግአን ሰላም ዚሰፈኖን ቦታ ኣቐሚጡ፡ ከምቲ ነታ ዝጠፍኣቶ ሓንቲ በጊዕ፡ ንምንዳይ ናብ በረኻ ዝኸይድ፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚኣብሔር ወልድ፡ ተስዓን ትሽዓተን ነገድ መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ኃዲጉ ዝመጽአን ሰብ ዝኾነን፡ ካብ ገነት ተሰጕጉ ኣብ በረኻ ኃጢኣት ኪኹብልል፡ ንዝነበረ ኣዳም ንምንዳይ፡ ንኣና ድማ ናብ ኅብረት ቅዱሳን መሊሱ፡ ሥድራ ቤት ንኽገብረና እዩ። (ማቴ. 18፡11፣ ሉቃ. 19፡10)

5. መንፈሳዊ ጥሜትና ኣጥፊኡ እንጌራ ሕይወት ንክኾነልና ተወልደ

ኣዳምን ሔዋንን ዕፀ በለስ በሊዖም ጠመዩ እምበር ኣይጸገቡን። ከመይ እንጌራ ኃጢኣት ንሕይወት ስለ ዘይከውን ኣብ ሞት ኣብጽሖም። ስለዚ ዘድኅን እንጌራ ሕይወት ስለዘድልዮም ጐይታና ንዝጠመየ ባህርይና ምእንቲ ኸጽግብን ሕያው ክገብርን ካብ ድንግል ማርያም ኣብታ ቤተ ኅብስት ዝተባህለት ቤተ ልሔም ተወልደ። “ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ። ናባይ ዝመጽእ ከቶ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዝኣምን ከኣ ፈጺሙ ኣይጸምእን እዩ’’ ከምዝበለ። (ዮሓ. 6፡35)

ከምኡ’ውን ሊቅ ኣባ ሕርያቆስ ‘’ኦ ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወናዐብየኪ፡ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዐ ጻድቅ ዘበአማን ወስቴ ሕይወት ዘበአማን / ’ኦ ማርያም ኣማናዊ ብልዒ ሓቅን፡ ኣማናዊ መስተ ሕይወትን ስለ ዝወለድክልና ምእንቲዚ ነፍቅረክን ነኽብረክን’’ በለ። (ቅዳሴ ማርያም ቊ. 9) ።
ስለዚ ብእኡ ኣሚንና፡ ዕፀ በለስ ዘይኮነስ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተመጊብና፡ ምእንቲ ኽንድኅን መብልዕ ሕይወትን መስተ ሕይወትን ኮይኑ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክህበና ተወልደ።

6. ሕያዋይ ጓሳ ምእንቲ ክኾነና ተወልደ
ብምኽንያት ውድቀት ኣዳምን ሔዋንን፡ ኵሉ ሰብ ተበቲኑ ነበረ እሞ ኣቦ ፍቕሪ ክርስቶስ “አነ ውእቱ ኖላዊ ኄር ወኖላዊሰ ኄር፡ ይሜጡ ነፍሶ ቤዛ አባግዒሁ / ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ሕያዋይ ጓሳ፡ ነፍሱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ። እቲ ዋና ጓሳ ዘይኮነ ግና እተን ኣባጊዕ’ውን ናቱ ዘይኮና ዓሳብ ግና ተዂላ መጺኡ እንተ ርእዩ የሃድም እቲ ተዂላ ድማ ይምንጥለን ነተን ኣባጊዕ ከኣ ይብትነን’’ እናበለ ጓሳ ነፍስና ኾይኑ ተወሊዱ መጽአ። (ዮሓ. 10፡11)

7. ካብ ድኻም ምእንቲ ኸዕርፈና ተወልደ

ንዘመናት ኣብ ዝባን ልብና ተጻዒኑ ዘጨንቐና ዝነበረ ፆር ኃጢኣት ኣልዩ ንኸዕርፈና፥ ለውሃት፡ ትዕግሥት፡ ትሕትና፡ ትምህርት፡ ዕረፍቲ ነፍሳትና ንኽኾነና መጽአ። ‘’ኣቱም ድኹማት ፆር ዝኸበደኩም ኸዕርፈኩም ናባይ ምጽኡ። ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ ከኣ ተመሃሩ፣ ኣነ ለዋህ፡ ልበይ ውን ትሑት እዩ። ንነፍስኹም ድማ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ኣርዑተይ ልዙብ፡ ጾረይ ውን ፈኲሽ እዩ’’ (ማቴ. 11፡28)

8. ትንሣኤን ሕይወትን ኮይኑ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ንከድኅነና መጽአ

ነቲ ኣብ ልዕሌና ነጊሡ ዝነበረ ሞት ንከጥፍእ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮነ፥ ‘’ጐይታ ኢየሱስ ከኣ ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ። ዝኣምነኒ እንተ ሞተ እኳ ሕያው ክኸውን እዩ። እቲ ሕያው ዝኾነ’ውን ኵሉ ዝኣምነኒ ዘበለ ንዘለዓለም ኣይመውትን እዩ’’ (ዮሓ. 11፡25)
እቲ ዘይመውት ቀዳማዊ ኣምላክ ንመዋቲ ሥጋ ዘይመውት ንኽገብሮ ብደኃራዊ ልደት ተወልደ። (ዮሓ. 1፡1፣ ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት፣ ቅዳሴ ዘጎርጎርዮስ)

9. ጸልማት ኣርኂቑ ንኸብርሃልና ሰብ ኮነ

ካብ እግዚኣብሔር ምፍላይ ኣብ ጸልማት ምንባር ማለት እዩ። ጐይታ ምእንቲ ከብርሃልና፡ ፍጹም ሰብ ኮነ። ‘’ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። ዝስዕበኒ ድማ፡ ብርሃን ሕይወት ይኾነሉ እምበር፡ ብጸልማት ኣይመላለስን እዩ’’ (መዝ. 42 (43)፡3፣ ዮሓ. 8፡12፣ 2ይ ቆሮ. 4፡6)

ቅዱስ ያሬድ ድማ ‘’ፀሐይ ሠረቀ፡ እግዚእ ተረክበ፡ አምላክ ተአኵተ ወተወልደ እምቅድስት ድንግል፡ እስመ መለኮቱ ኢማሰነ/ ፀሓይ በረቐ፡ ጐይታ ተረኽበ፡ ኣምላኽ ተመስገነ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ። ከመይ መለኮቱ ንሰብነቱ ኣይለወጦን’’ ይብል። ከምኡ’ውን ነቲ ጸልሚቱ ዝነበረ ሕይወትና፡ ብጽድቂ ከብርህ፡ ካብ መንበር ክብሩ ኸይተፈልየ ፀሓየ ጽድቅ ኾይኑ ከምዝተወልደ ከረድእ ከሎ፥ ’ንሰብክ ወልደ እምዘርአ ዳዊት ዘመጽአ ወተወልደ በሥጋ ሰብእ እንዘ ኢየዐርቅ እመንበረ ስብሐቲሁ ውስተ ማኅፅነ ድንግል ኀደረ ሥጋ ኮነ ወተወልደ/ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝመጽአ፡ ብሥጋ ሰብ ዝተወልደ ካብ መንበር ክብሩ ዘይተፈልየ፡ ኣብ ማኅፀን ድንግል ማርያም ዝኃደረ፡ ሥጋ ለቢሱ ዝተወልደ፡ እግዚአብሔር ወልድ ንሰብኽ።” ስለዚ እቲ ዘለዓለም ኣብ ቅዱሳን ኃዲሩ ዘብርህ፡ ዘይዓርብ፡ ፀሓይ ጽድቂ ዘይጠፍእ ብርሃን ኮይኑ ዝተገልጸ ኣምላኽ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በብሰዓቱ ‘’ፀሐይ ዘኢየዐርብ ወማኅቶት ዘኢይጠፍእ፡ ፀሐይ ዘዘልፈ ያበርህ ዲበ ቅዱሳን/ ዘይዓርብ ፀሓይን ዘይጠፍእ ብርሃንን፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅዱሳን ዘብርህ ፀሓይ እዩ’’ እናበለት ኣብ ጸሎት ኪዳን ከተመስግኖ ትነብር። (ኪዳን ዘነግህ)

10. ምእንቲ ብሓድሽ ልደት ክወልደና ተወልደ

ንሕና ንኃጢኣት ሞይትና ንጽድቂ ኽንትንሥእ ኢሉ ተወልደ ‘’ከምቲ ንሱ ኃጢኣት ዘይሰርሐ፡ ኣብ ኣፉ’ውን ሓሶት ዘይተረኽበ። እናጸረፍዎ ኣይጸረፈን ፍርዲ ንፈራዲ ሃበ እምበር መከራ እናኣጽገብዎ ኸኣ ኣይተቐየመን፡ ንሱ ምእንቲ ኻብ ኃጢኣትና ኼውፅኣና ኣብ ዕንፀይቲ ተሰቕለ ብለውሃቱ ኼድኅነና. . . ” ከምዝበለ። (1ይ ጴጥ. 2፡22፣ ኢሳ. 53፡4) ከምኡ’ውን ምእንቲ ንሕና ደቂ እግዚኣብሔር ክንከውን ንሱ ወዲ ሰብ ኮነ። . . . ኣነ ኸኣ ኣምላኽ ክኾኖም እየ፡ ንሳቶም ድማ ሕዝበይ ኪኾኑኒ እዮም’’ ዝብል ትንቢት ተፈጸመ። (ኤር. 31፡33)

11. ፍሉይ መንፈሳዊ ሕይወት ንኸጐናጽፈና ተወልደ

ዓይኒ ዘይረኣዮ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ፡ ኣብ ሕሊና ሰብ ዘይተሓለነ፡ ፍጹም ሓጐስ ወሪስና፡ ኣብቲ ሰማያዊ ዓለም፡ ምስ ረቂቃን መላእክት፡ መና ምስጋና እናተመገብና ንኽንነብር፡ . . . ” ኣብ ቤተልሔም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ።

ስለዚ ብልደቱ ሞት ጠፍአ። ዲያብሎስ ከኣ ወደቐ፡ ሲኦል ተናወጸት። እቲ ብምኽንያት ኃጢኣትና፡ ዚተዋህበ ፍርዲ ተሳዕረ። ሰይጣን ዘምጽኦ ስሕተት ጠፍአ፡ ኸም ዘይነበረ ውን ኮነ፡ ገነት ተራኅወ፡ ትንሣኤ ተገልጸ። (ሃይ.ኣበ. ዘሳዊሮስ)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
 - 23:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ወእንዘ የሐውሩ ነጽሑ/ እናኸዱ ሓወዩ” ሉቃ. 17፡15

ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ብማእከል ሰማርያን ገሊላን ኃሊፉ፡ ናብ ሓንቲ ከተማ ኣተወ።...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...