ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

Jan 27, 2020

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ። 

እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’ ዝተባህለ መን እዩ፧ እንተበልና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ፡ እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ ኣብ 12 ዓመት ዕድመኡ ናብ ኢየሩሳሌም በዓል ኬኽብር ከደ፣ ኣብ 30 ዓመቱ’ውን ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ ተባሂልሉ፡ ሥጋ ሰብ ብምልባሱን ናይ ሰብ ባህርይ ባህሪኡ ብምግባሩን እንሆ ተራእየ፡ ንዅሉ ሰብ’ውን ተገልጸ።

ስለዚ እዚ ‘ካብ ልደት ጀሚሩ ክሳብ በዓል ኣስተርእዮ’ ዘሎ መዓልትታት በዓለ ኤጲፋንያ ወይ ከኣ አስተርእዮ እናተባህለ ዝጽዋዓሉ ቐንዲ ምኽንያት ኣምላኽና ተወሊዱ ዝተራእየሉ ስለ ዝኾነ እዩ።

ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ቅድሚ 700 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ‘ ናሁ ድንግል ትፀንስ ወትወልድ ወልደ/ እንሆ ድንግል ክትፀንስ እያ፡ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ’ (ኢሳ. 7፡14) ኢሉ ተነብይዎ ዝነበረ፡ ካብታ ብድንጋሌ ሥጋን ብድንጋሌ ነፍስን ተሓልያ ዝነበረትን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተኃርየትን ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱን ተዋሒዱን፡ ብመጠን ሰብ፡ ብሓፂር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ስለ ዝተራእየን ስለ ዝተገልጸን በዚ እቲ ብመለኮቱ ዘይርአ ኣምላኽ ብሥጋ ተጋህደ ተራእየ።

ፈጣሬ ዓለማት እግዚኣብሔር፡ ሓድነቱን ሠለስትነቱን ዝተፈልጠ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ምስ ተወልደ እዩ። እዚ ድማ ‘ወአልቦ ዘአእመሮሙ መኑሂ ለሥሉስ ቅዱስ ዘእንበለ እምድኅረ ተሠገወ ወልድ ዋሕድ እም ቅድስት ድንግል/ ቀዳምን ሰዓብን ዘይብሉ ወልድ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ሓደ እኳ ንሥሉስ ቅዱስ ዝፈልጦም ኣይነበረን” ከምዝብል።

ከምኡ’ውን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቕ ከሎ ሓድነትን ሠለስትነትን ጐሊሑ ተፈሊጡ እዩ። ብኢድ ዮሓንስ ንኺጥመቕ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ኣብ ዝቖመሉ እዋን፡ ናይ ባህርይ ኣቦኡ እግዚኣብሔር አብ ካብ ሰማይ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ዘቦቱ ሠመርኩ/ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ብምባል ናይ ባህርይ ወዱ ምዃኑ ኪምስክር ከሎ፣ ናይ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳለ ርግብ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪዓልብ ብምርኣዩ፡ በዚ ምሥጢረ ሥላሴ ተጋህደ። ማቴ. 3፡16-17፣ ማር. 1፡10-11 ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ‘ዘርእየ ኪያየ ርእዮ ለአብ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ንአብ ርኣየ’ ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ። ዮሓ. 14፡9

ስለዚ ኣብዚ ቅንያት እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበረልና ውዕለት እናዘከርና፡ በታ መሠረታዊትን ቅንዕትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ጸኒዕናን ብሥነ ምግባር ተጊህናን ንጸሎት ነቒሕናን፡ ካብ በረኸት ልደቱን ጥምቀቱን ክንሳተፍ ጸጋኡ የብዝኃልና። 

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 23 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Wednesday
1
ዝክር፦ ዳንኤል ነቢይ፡ ወተማከሩ ሊቃነ ካህናት ከመ ይቅትልዎ ለእግዚእነ፡ ወረገማ ለበለስ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ዕብ. 11፡32-ፍጻሜ 2ይ ጴጥ. 1፡19-ፍጻሜ  ግብ. ሐዋ. 7፡48-54 ምስባክ፦ መዝ. 104/105 ወንጌል፦ ማቴ. 24፡10-19 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም።             *   *   *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦...

መፃጒዕ

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ...

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ…

03 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙኃን...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...