እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 2 የካቲት ክሳዕ ረቡዕ 4 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ.

Feb 08, 2020

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ከምኡ ምሕረት ንክረኽቡን ንመዘከርታ ጾም ሕዝበ ነነዌ ‘ጾመ ነነዌ’ እናበሉ ንሠለስተ መዓልቲ ዝጾምዎ እዩ።

ብዛዕባ ኸተማ ነነዌን ጾም ሕዝቢ ነነዌን ነቢይ ነነዌ ዮናስን . . . ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ዮናስ ተገሊጹ ኣሎ። ነነዌ፡ ከባቢ 120,000 ተቐማጦ ዝነበርዋ ናይ ኣሶራውያን ዓባይ ርእሰ ኸተማ እያ ነይራ። ከም መጠን ዕብየታን ዝናኣንን ሥልጣነኣን፡ እቲ ኃጢኣታ ድማ ኣዝዩ ኸፊኡ ስለዝነበረ ‘ዓባይ ከተማ’ እናበለ ኣርባዕተ ጊዜ ጠቒስዋ ኣሎ። ሕዝባ ኃጢኣቶም ዝበዝኀ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይክእሉ ነበሩ።

እግዚአብሔር ‘ ተነስሑ ኣበሳኹም ጥፍኣት ከየምጽኣልኩምሲ ኻብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣትኩም ደርብይዎ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ። . . ስለምንታይከ እትሞቱ፧ ኣነ ሓደ እኳ ኺመውት ኣይፈቱን እየ እሞ ኃጢኣት ምግባር ኅደጉ ብሕይወት ድማ ንበሩ።’(ት.ሕዝ. 18.31-32) ዝብል ለዋህ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ እቶም ሕዝቢ ከይለመንዎን ዚምህሮም ነቢይ ዮናስ ጸዊዑ “ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኬድካ መሃር” በሎ። ነቢይ ዮናስ ግና ለውሃት እግዚአብሔር ከምኡ’ውን ክፍኣት ሕዝቢ ነነዌ ይፈልጥ ስለዝነበረ ፈቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ዮናስ ማለት ለዋህ ስለዝኾነ፡ ‘ኣብ ቅድሚኡ ስለዝረኣየኒ እኮ እዩ ከምዚ ዝበለኒ’ ኢሉ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ንምኽዋል ንተርሴስ ብእትኸይድ መርከብ ተሳፊሩ መንገዱ ቐጸለ። ሽዑ እታ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሐት ብርቱዕ ማዕበል ተላዒሉ ነታ መርከብ ኪግምጥላ ደለየ። እቶም ኣብታ መርከብ ተሳፊሮም ዝነበሩ ሕዝቢ ዘቃልለሎም መሲልዎም ነቲ ኣቝሑቶም ናብ ባሕሪ ኪድርብዩ ኸለዉ፡ ዮናስ ግና ደቂሱ ነበረ። እቲ መራሕ መርከብ ድማ እዚ ዅሉ ሕዝቢ ኪጭነቕን ኪሽገርን ከሎ ዮናስ በጥ ኢሉ ደቂሱ ምስ ረኣዮ ‘ኣንታ ሰብኣይ እንታይ እዩ ሥራሕካ፧ እዚ ሕዝቢ ኣብ ዓቢይ ኃደጋ ወዲቑ ናብ ዘዘምልኾ ኣምላኽ እናለመነን እናተማሕፀነን ንምንታይ ኢኻ ናብ ፈጣሪኻ ዘይትልምን፧’በሎ። ሽዑ ዮናስ "እዚ ብሰንኪ ኃጢኣተይ ዝመጽአ እዩ፡ ስለዚ ናብዚ ባሕሪ ደርብዩኒ’ሞ እዚ ማዕበል ክሃድኣልኩም እዩ" በሎም። እቶም ሕዝቢ ግና ከመይ ጌርና ክንድርብየካ እንተኾነ ግዳ ዝሃድኣልና እንተኾይኑሲ ዕጫ ነውድቕ’ሞ እቲ ዕንጨይቲ ዝበጽሖ ይደርበ፡ ተበሃሂሎም ዕንጨይቲ እንተውደቑ ናብኡ በጽሐ። እቲ ማዕበል እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እንከይፈተዉ ንዮናስ ናብቲ ባሕሪ ደርበይዎ።

ይኹን ደኣ እምበር እግዚአብሔር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓሣ ኣንበሪ ኣዳልዩ ስለ ዝነበረ ዮናስ ምስ ተደርበየ ዓሣ ተቐቢሉ ወሓጦ፡ እቲ ማዕበል ድማ ሃድአ፡ እቲ ንዮናስ ዝወሓጦ ዓሣ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኣብ ጫፍ ምድሪ ነነዌ ተፍኦ፡ ዮናስ ከኣ ነቲ ሃገር ስለ ዘይፈልጦ “እዚ ሃገር’ዚ መን ይበሃል፧” ኢሉ እንተ ሓተተ ነነዌ በልዎ። ዮናስ ካብ ኢድ እግዚአብሔር ከም ዘየምለጠ ተረዲኡ ናብታ ኸተማ ኣተወ።

ስፍሓት እታ ኸተማ መንገዲ 3ተ መዓልቲ ስለ ዝነበረ፡ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ዚኸውን ምስ ከደ፡ ‘እስከ ሠሉስ ዕለት ትትገፈታዕ ነነዌ/ እዛ ኸተማ’ዚኣ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ክትግልበጥ እያ’ እናበለ ኪምህር ጀመረ። እዚ ትምህርት’ዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ ንጉሥ በጽሐ። ንጉሥ ካብ ዙፋኑ ወሪዱ፡ ማቕ ተኸዲኑ፡ “ካብ ዝጠቡ ሕፃናት ጀሚሩ ክሳብ እንስሳ፡ ንሠለስተ መዓልቲ ንኺጾሙ ትእዛዝ ኣመኃላለፈን ጽኑዕ ኣዋጅ ኣወጀን። ሽዑ ሕዝቢ ነነዌ በቲ መልእኽቲ እግዚአብሔር ኣመኑ። መግለጺ ስቡር ልቦምን ትሕትናኦም ድማ ማቕ ተኸዲኖም ኃጢኣቶም እናተኣመኑ ጾሙን ጸለዩን። በዚ መሠረት እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ እምነቶምን ስቡር ልቦምን ጾሞምን ጸሎቶምን ከምኡ’ውን ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመልሱ ተመልኪቱ ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኣይቀጽዖምን፡ ነቲ መዓት ናብ ምሕረት መለሶ። (ዮና. 1-ፍጻሜ)

ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን’ውን ድማ እዚ እንጽሞ ዘሎና ንኸንቱ ኣይኮነን። እዚ ጾም’ዚ ንሰብኣ ነነዌ ካብ መዓት ዘድኃነ ፍቱን መድኃኒት ስለዝኾነ እዩ። ጊዜ ጾም መንፈሳዊ ገድሊ ዝበዝኆ፡ ኣብ እግዚአብሔር ዘሎና ፍቕሪ ንገልጸሉ፡ በረኸት ሥጋን ነፍስን ንረኽበሉ፡ ሃይማኖትና ነጽንዓሉ፡ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ኃይሊ ኣምላክ እዩ. . .። (ኤፌ. 6፡13)

እንተኾነ ግና ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ንብላዕ ንስተ ጽባሕ ክንመውት ኢና ዝብሉ ከየስሕትኹም’ (1ይ ቆሮ. 15፡32) ዝበሎ፡ ሓደ ሓደ ሰባት ‘እንታይ ዝገብር ጾም እዩ’ እናበሉ ንባዕሎም ተጋግዮም ዘጋግዩ ኣለዉ። ሰማያዊ ሕጊ ዝኾነ ጾም ዘይምኽባር እንስሳዊ ባህርይ ዝገብር ስለዝኾነ ከየስሕቱና ክንጥንቀቕን ብዝግባእ ክንጸውን ይግባእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 10 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Tuesday
18
ዝክር፦ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ፡ ወዮስጦስ፡ ወአባ ኤስድሮስ፡ ወፊሎ ኤጲስ ቆጶስ፡ ወኒቆላዎስ፡ ወአስምዖን። ዘቅዳሴ ምንባብ 1ይ ቆሮ. 12፡3-11። 1ይ ዮሐ. 4፡4-9። ግብ. ሐዋ. 1፡15-19። ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ወንጌል፦ ማቴ. 10፡1-8። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ...

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 2 የካቲት ክሳዕ ረቡዕ…

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ...

አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ የካቲት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ መጋቢት በሰላመ እግዚአብሔር...

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ...

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ደቡብ 33 ኪ.ሜ...

ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ!

ቀዳም 23 ጥር 2012 ዓ.ም. (01/02/2020 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...