እንሆ ድማ ኣብዚ ቤተ መቅደስ’ዚ ኣምላኽ ካብ ድንግል ተወሊዱ፡ ናቱ ግብረ ምድኃን ብዓይነ ሥጋ ከይረኣየ ከምዘይመውት ተስፋ ዝተነግሮ ሓደ ጻድቅ ኣረጋዊ ሰብ ነበረ። ስሙ ‘ስምዖን’ ይበሃል። ‘ስምዖን’ ማለት ሰማዓኒ እግዚአብሔር ማለት’ዩ። ሓደ ካብቶም ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኣይ ዝምነዩ ዝነበሩ’ዩ።
በዓል ኣቦና ኣብርሃም፡ ቅዱስ ዳዊት . . . ንልደት ጐይታ ብዓይነ ሕሊና ርእዮም ባህ በሎም እምበር ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ ዕድል ኣይረኸቡን፤ ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ ዝተዓደለ ስምዖን እዩ። ስምዖን ብመጻሕፍተ ብሉያት ዝተራቐቐ ጸሓፊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዘመኑ 284 ቅ.ል.ክ. በጥሊሞስ ዝበሃል ንምድረ እስራኤል ከይተረፈ ብዙኅ ኣህጉር ዝገዝእ ዝነበረ ንጉሥ፡ ንዅሎም ናይ ፍልስፍናን ታሪኽን መጻሕፍቲ ናብ ቛንቛኡ (ጽርኢ) የተርጕሞም ነበረ። በዚ ተሓጕሱ ኸሎ ካብቶም መማኽርቱ ሥጋዊ ፍልጠትን መንፈሳዊ ጥበብን ዝኃዙ መጻሕፍተ ብሉያት ተሪፎምኻ ኣለዉ፡ ነዚኣቶም እንተ ትርጕሞም ብሉጽ ጥበብ ምረኸብካ ኔርካ’ ኢሎም ኣማኸርዎ።
ንጉሥ በጥሊሞስ ድማ ‘ነዞም መጻሕፍተ ብሉያት ምስ ምሥጢር መጻሕፍቲ ዘጠናቐቑን ካብ ዕብራይስጥ ናብ ጽርኢ ዝትርጕሙን ጻሓፍቲ ካብ እስራኤል ክሰድሉ ኣዘዘ። በቲ ዝኣዘዞ መሠረት 46 መጻሕፍተ ብሉያት ምስ 40 ሊቃናት (ጸሓፍቲ) ለኣኸሉ። ሓደ ካብዞም 70 ሊቃናት ድማ ስምዖን ነበረ። እዞም 70 ሊቃናት ንመጻሕፍቲ ተኻፊሎም ካብ ዕብራይስጢ ናብ ጽርኢ ክትርጕሙ ኸለዉ፡ ንስምዖን መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ በጺሕዎ ክትርጕም ከሎ፦ ‘ናሁ ድንግል ትጸንስ ወትወልድ ወልደ’ ዝብል ጥቕሲ ረኸበ’ሞ ‘ድንግል ብድንግልና ጸኒሳ ክትወልድ እያ’ ኢለ እንተጸሓፍኩ፡ መን ክኣምነኒ’ዩ ይትረፍ ንጉሥ ኣሕዛብሲ ንጉሥ እስራኤል እኳ ኣይቅበለንን’ዩ ብምባል ነቲ ‘ድንግል’ ዝብል ቃል ፍሒቑ፡ ‘ወለት ትጸንስ፡ ወለቶሙ ለእስራኤል ትጸንስ’ ኢሉ ጸሓፈ።
ኣብ መንጎኡ ትኽስ በለ እሞ፡ መልኣኽ ነቲ ‘ወለት’ ዚብል ፍሒቑ ‘ድንግል’ ኢሉ ጸሓፈ። ከምዚ እናተለዋወጠ ክሳብ ሠለስተ ጊዜ ጸሓፈ። ኣብ ሣልሳይ ጊዜ ግና እቲ መልኣኽ ‘እዚ ተጠራጢርካሉ ዘሎኻ ትንቢት ተፈጺሙ ክሳዕ ብዓይንኻ እትርእዮ ኣይትመውትን ኢኻ’ ምስ በሎ ነቲ ጽሕፈቱ ጽሒፉ ወድአ። በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 40 መዓልቱ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወሉ እዋን ስምዖን ነቲ ትንቢት ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጺሙ ክሳዕ ዝርእዮ ነዊኅ እዋን ስለዝተጸበየ፡ ካብ እርጋን ዝተላዕለ ኣዕይንቱ ኣይርእን ነበረ።
ብመንፈስ ቅዱስ ተጸናኒዑ ናብ ቤተ መቅደስ ከይዱ ካብ እግዝእትነ ማርያም ንጐይታ ተቐቢሉ ምስ ሓቘፎ ካብ እርግናኡ ተሓደሰ ፣ ‘ወቀነጸ ከመ ኃየል/ ከም ኢራብ ዘለለ’ ፤ ተስፋኡ ተፈጸመሉ፤ ንእግዚአብሔር እናኣመስገነ ድማ ‘ኣዕይንተይ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሕዝቢ ዘዳለኻዮ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን እሞ ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ’ ኢሉ ጸለየ። ኣብዚ ዓለም ዝነበሮ ኣስታት 500 ዓመት ናብራ ሥጋ ጸሊእዎ፡ ነታ ሓዳስ ሕይወት ገነት ናፊቑ ‘ይእዜ ሠዐሮ(ትስዕሮ) ለገብርከ በሰላም/ ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ’ በለ።
ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም ዝመጽኣሉ ዕላማ ተገሊጽሉ፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም፡- ‘እንሆ እዚ ሕፃን እዝ ንብዝኃት ካብ እስራኤል ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሣኦምን፡ ንዚውቀሱሉን ዚፋረድሉን ምልክት ኪኸውን ዝተመደበ እዩ። ንኣኺ ኸኣ ናይ ብዙኃት ሓሳብ ምእንቲ ኪገልጽ፡ ምስ ተሰቕለ ከምቲ ኵናት ንልቢ ዚወግእ ኃዘን ኪረኽበኪ እዩ።” በላ።
ስለዚ 8 የካቲት ‘በዓለ ስምዖን’ እናተባህለ ዝኽበር ሓደ ካብቶም ትሸዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታ ኾይኑ፣ ነቲ ጐይታ ኣብ 40 መዓልቱ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተዎን፡ ስምዖን ኣረጋዊ ዝተፈጸመሉ ተስፋን ዝተዛረቦ ቓልን ንዝክረሉ ዕለት እዩ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!