Print this page

ጾምን ተግባራቱን

Feb 27, 2020

ሓደ ካብ ጥቕሚ ጾም፦ “ከመ ያእምር ጸዋሚ ሕማመ ረኃብ/ ዝጸውም ሰብ ናይ ጥሜት ፆር ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ” (ፍትሐ ነገሥት ፍትሕ መንፈሳዊ አንቀጽ 15) እዚ ኸኣ ጸዋሚ ንምረት ጥሜት ተረዲኡ ነቶም ጠምዮም ዝልምኑ ኽርኅርኃሎም ማለት እዩ።

‘ንሽግር(ጸገም) እቲ ዝቐመሶ ብእኡ ዝኃለፈ እዩ ዝፈልጦ’ ከም ዝበሃል፡ እቲ ጸዋሚ ሰብ ንጥሜትን ጽምእን ስለዝፈልጥ ንጥሙይን ጽሙእን ሰብ ይድንግጽን ይርኅርኅን። ከምቲ ‘ኣብ ከብዲ ጽጉብ የለን ጥሙይ’ ዝብሃል ዘይጸውም ሰብ ግና ረኃብ ኣይፈልጥን እዩ፣ ጽጉማት’ውን ኣየደንግፅዎን። ረኃብ'ውን እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን። ሓደ ቈልዓ ምስ ኣቦኡ እናኸደ ከሎ፡ ንሓደ ብጥሜት ተጠቒዑ ዝልምን ሰብኣይ ምስ ረኣየ ተገረመ። ንኣቦኡ ድማ ‘እዚ ሰብኣይ እንታይ ይገብር ኣሎ’ ክብል ሓተቶ። ኣቦኡ ድማ ‘ጠምዩ ዝበልዖ ስኢኑ ይልምን ኣሎ’ በሎ። እቲ ቈልዓ ድማ ‘ስለምንታይ ኬክ(ፓስተ) ዘይበልዕ!’ በሎ ይበሃል።

ነዚ ዝመስል ታሪኽ’ውን ብዛዕባ ንጉሥ ሰሎሞን ንጉሠ እስራኤል ዝትረኽ ኣሎ።

ጠቢብ ሰሎሞን ኣቦኡ ዳዊት ንጉሥ ብምንባሩ ብምቾት እዩ ዝዓበየ፡ ሽግር ዝበሃል ፈጺሙ ኣይፈልጥን ነበረ። ናይ ኣቦኡ ዳዊት ንግሥነት ተረኺቡ ብቕኑዕ ፍርዲ እናመኃደረ ሕዝቡ ኵሎም እናተደነቅሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ሓደ መዓልቲ ሓደ ዝጠመየ ሰብ መጺኡ ስመ እግዚአብሔር ጸውዐ። ንጉሥ ሰሎሞን እንታይ እዩ፧ እንታይ ማለቱ እዩ ኢሉ ነቶም ኣገልገልቱ ሓተቶም፡ እቶም ኣገልገልቱ ከኣ እዚ ሰብ ድኻ እዩ ዝበልዖ ስኢኑ ጠምዩ እዩ ዝልምን ዘሎ በልዎ። ንጉሥ ሰሎሞን ከኣ ጥሜት እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሉ ብምዝራቡ እግዚአብሔር ክምህሮ ደለየ። ንጉሥ ሰሎሞን ንጉሥነቱ ዝፍለጠሉ ስመ እግዚአብሔር ዝተጸሓፈላ መስጥመ ኣጋንንት ዝኾነት ቀለቤት ነበረቶ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝፋኑ ረሲዕዋ ከደ፡ እቲ ናይ ጽሬት ሠራሕተኛ ከጽርይ ከሎ ምስ ጓሓፍ ናብ ሩባ ደርበያ።

በዚ ጊዜ ሰይጣን ንንጉሥ ሰሎሞን ተመሲሉ ኣብ ዙፋኑ ተቐመጠ፡ ንጉሥ ሰሎምን ኸኣ ናብ ቤተ መንግሥቱ ክኣቱ እንተደለየ ናይ ገዛእ ኣገልገልቱ ምእታው ከሊኦሞ፡ “ኣነ ንጉሥ ሰሎሞን እየ” እንተበሎም ንጉሥ ሰሎሞን ደኣ “ኣብ ንጉሥነቱ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ሰጐጉዎ። ንጉሥ ሰሎሞን ካብ ገዛእ መንግሥቱ ተባሪሩ ንሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ከተማኡ ከርተት በለ፡ ጥሜት እንታይ እዩ ኢሉ ስለዝነበረ ናይ ጥሜት እንታይነት ፈሊጡ ለሚኑ ክበልዕ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ሰይጣን ልቦና ሰባት ኣጨኺኑ ዝዝክሮ ሰብ ስኢኑ ጥሜት ኣዝዩ ጸኒዕዎ፡ ዓሳ ዝገፉ ሰባት ኣብ ገምገም ሩባ ርእዩ ክልምን ናብኦም እንተ ከደ ዝሞተ ዓሳ ሃብዎ። ኣዝዩ ጠሚዩ ብምንባሩ ጠቢሱ ክበልዕ እንተጠብሖ ነታ ናይ ንጉሥነት ቀለቤቱ ኣብ ከርሢ ዓሳ ረኸባ። ቀለቤተይ ደኣ መን ኣብዚ ኣምጺእዎ ኢሉ ተለበሳ፡ ናይ ንጉሥነት ግርማኡ ተመሊስዎ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ንጉሥ ኣብዚ መጺኡ ኣሎ ኢሎም ከበብዎ። በቲ ሕዝቢ ተዓጂቡ ድማ ናብ ቤተ መንግሥቱ ከደ፡ ኣብቲ ቤተ መንግሥቱ ምስ በጽሐ እቲ ንእኡ ተመሲሉ ኣብ ሥልጣኑ ተቐሚጡ ዝነበረ ሰይጣን ከምልጥ ምስ በለ ስመ ኣምላኽ ጸዊዑ ኣጥፍኦ። (ትርጕም ቅዳሴ ማርያም፡- 'አክሊሉ ለሰሎሞን') እዚ ኵሉ ፈተና ንንጉሥ ሰሎሞን ዝበጽሖ ንጽጉም ብዘይ ምኅዛኑ ጥሜት እንታይ እዩ ኢሉ ብዘይግባእ ቃል ብምዝራቡ እዩ። ናይ ኣልኣዛርን ነዌን ታሪኽ እውን ነዚ ዘረድእ እዩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣንቀፀ ብፁዓን ትምህርቱ ንጥቅሚ ጾም ፡- “ብፁዓን እለ ይርኅቡ ወይጸምኡ በእንተ ጽድቅ” ማቴ. 5፡6 ኢሉ ምሂሩ እዩ። ምእንቲ ጽድቂ ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት፡ ኢሎም ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። ሎሚ ዝረኸብናዮ ፈጺምና እንተ በሊዕና ደኃር መንግሥተ ሰማያት ብምንታይ ክንዕድጋ ኢና ኢሎም ከፊሎም ንነዳያን እናሃቡ ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። ሎሚ ዝረኸብናዮ ኵሉ እንተ በሊዕና፡ ሰብነትና ካብ ኃጢኣት ወሲንና ገቲእና ምንባር ከመይ ኢሉ ይከኣለና ብምባል ከፊሎም ንነዳያን እናሃቡ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። “እስመ ዘያነዲ ርእሶ እምብዙኃት መባልዕት ውእቱ ይክል እኂዞተ ሥጋሁ” ከም ዝብል። ካብ ብልዒ ኃጢኣት ካብ መስተ ኃጢኣት ዝጠምዩን ዝጸምኡን ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። “ጸምአት ነፍስየ ኀበ አምላክየ ሕያው” ከም ዝብል፣ ንፍቕሩ ዝስስዑ ሰባት ንኡዳን ክብራን እዮም። ብምምሃር ብምስትምሃር ብንስሐ ብምናኔ ብሃይማኖት ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። (አንድምታ ማቴ. 5፡6)

ምስ ጾም ዝፍጸሙ መንፈሳውያን ተግባራት ኣለዉ። ንኣብነት፦ ፍቅሪ፡ ሰላም፡ ትሕትና፡ ትዕግሥት፡ ርኅራኄ፡ ጸሎት፡ ምጽዋት፡ . . . 

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል ሠላሳ ዓመቱ ድኅሪ ምጥማቁ ከይወዓለ ከይኃደረ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትንን ጸይሙ፡ ኣብኡ ከሎ ጠመየ በዚ ጊዜ ፈታኒ ሰይጣን መጺኡ፦ “ወዲ እግዚአብሔር እንተ ዄንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል” በሎ። ጐይታ ኢየሱስ ግና “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ፡’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ ኣብ ላዕላይ ጫፍ ቤት መቕደስ ኣቖሞ። ‘ወዲ እግዚአብሔር እንተ ዄንካስ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ብኣእዳዎም ክፆሩኻ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ እስከ ንታሕቲ ጽደፍ” በሎ። ጐይታ ኢየሱስ ድማ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ፡’ ዝብል ጽሑፍ እውን ኣሎ” በሎ። ሣልሳይ ጊዜ ዲያብሎስ ናብ ኣዝዩ ነዊኅ እምባ ወሲዱ መንግሥትታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ “ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። ሽዑ ጐይታ ኢየሱስ ድማ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ስገድ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን በሎ። ብድኅርዚ ዲያብሎስ ኃደጎ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።” (ማቴ. 4፡2-11)

ሠለስቱ አርእስተ ኃጣውዕ ዝበሃሉ ስስዐ፡ ትዕቢት፡ ፍቅረ ነዋይ እዮም። ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ጾሙ ብስስዐ ንዝመጸ ፈተና ብትዕግሥቲ፡ ብትዕቢት ንዝመጸ ብትሕትና፡ ብፍቅረ ነዋይ ንዝመጸ ብመንኖ ጥሪት ንሰይጣን ስዒሩ፣ ንሕና ንፈተና እንስዕሮ ብጾም ምዃኑ ብግብሪ መሃረና።

ጾም ኣብ ሕይወት ዘመንና ዝሠራሕና ኃጢኣት ንምንጻሕ ካብ መግብና ነቶም ዘይብሎም ብምክፋል በረከት ክንረክብ ይሕግዘና። ዝጸውም ሰብ ንርእሱ ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሉ ሰብ ዋላ ሰለ ጸላኢ’ውን ከይተረፈ እዩ ዝጽሊ። ኣብ ዲዲስቅልያ 1፡5 “ነቶም ዘሳድድኹም ጹሙሎም” ተባሂሉ እዩ። ብሕማም ኣብ ሆስፒታል ንዘሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘሎ፡ ኣብ ስደት ንዘሎ፡ ንዅሉ ሰብ ኣብ ጊዜ ጾምና ክንዝክር ይግባእ።

ስለዚ ጾም፦ ትዕግሥቲ፡ ትሕትና፡ ፍቅሪ፡ ርኅራኄ እንመሃረሉ፡ ናብ እግዚአብሔር ዘቅርብ ንጸላኢና ሰይጣን እንስዕረሉ ስለዝኾነ፡ ምስ ጾምና ጸሎት ምጽዋት ስግደት ዝኣመሳሰሉ መንፈሳውያን ግብርታት ክንገብር ይግባእ፣ ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ይሓግዘና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!