“ኣነ ኣብ ማእከልኩም ምእንቲ ኽነብር መቅደስ ግበሩለይ” (ዘፀ. 25፡8)

Mar 12, 2020

ካብ ኣቦና ኣዳም ክሳብ ነቢይ ሙሴ ኣብ ዝነበረ ዘመነ ኣበው፡ ሰብ ብኣእምሮኡን ሥነ ፍጥረት ተመራሚሩን ብሕገ ልቦና ደኣ ይምራሕ ነበረ እምበር ሃይማኖቱ ዝፈልጠሉ ሕጊ፡ ኣምልኾኡ ዝገልጸሉ ውሱን ፍሉይ ቦታ ኣይነበሮን። ኣብ ዝመረጾ ቦታ ጸሎቱን መሥዋዕቱን የቕርብ ነበረ። ፍሉያትን ውሑዳትን ካብ ኣበው ግና ኣብቲ እግዚኣብሔር ብራእይን ድምፂ ብምስማዕን ዝተገልጸሎም ኣምልኾኦም ይፍጽሙ ነበሩ። ንምሳሌ፦ ኣዳም፡ ኖኅ፡ መልከ ጼዴቅ፡ ኣብርሃም፡ ያዕቆብ፡ . . . ።

እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ጸውዖ እሞ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ኂዝካ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዘርእየካ ጎቦታት ዝሓርር መሥዋዕቲ ጌርካ ኣቕርበለይ” በሎ። (ዘፍ.22፡1)

ኣቦና ያዕቆብ’ውን ደቂሱ ከሎ ከኣ ናይ ወርቂ መሳልል ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ተዘርጊሑ ረኣየ። ኣብ ጫፍ ናይዚ መሳልል ድማ ዙፋን ተዘርጊሑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ከኣ ልዑል እግዚኣብሔር ተቐሚጡ ፦ “ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን ኣየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘሎኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ። ዘርእኻ ድማ ኸም ሑጻ ክበዝኅ እዩ፡ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ከስፋሕፍሕ እዩ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም። እነሆ ኸኣ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳብ ዝገብሮ ኣይኃድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ኵሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ።” በሎ። ኣቦና ያዕቆብ ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ክብሪ እግዚአብሔር ንዝተገልጸሉ፡ ድምፂ ፈጣሪኡ ንዝሰምዓሉ ቦታ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚአብሔር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ። (ዘፍ. 28፡13-17) ክብርን ቅድስናን ናይዛ ሕልሚ ዝረኣየላ ቦታ ተረዲኡ ድኅሪ ብዙኅ ዓመታት ናብኣ ተመሊሱ መሥዋዕተ እግዚአብሔር ኣቕረበ።

በዚ ኸምዚ ክሳብ ዘመን ነቢይ ሙሴ ድንኳን ከይተተኽለ፡ ቤት ከይተሠርሐ፡ ሕጊ ከይተሠርዐ ጸንሐ። ኣብ ዘመነ ሙሴ ንሕገ ልቦና ሓጋዚ ዝኾነ ሕገ ጽሑፍ ክወሃብ ከሎ፣ ሰብ’ውን እምነቱ ዝገልጸሉ፡ ጸሎቱ ዘብጽሓሉ፡ መሥዋዕቱ ዘቕርበሉ ብሓፈሻ ምስ ፈጣሪኡ ዝራኸበሉ ፍሉይ ቦታ ተዋህቦ።

ሊቀ ነቢያት ሙሴ ካብ እግዚአብሔር ዓሠርቱ ቃላት ዝተጻሕፎ ጽላት ተቐበለ፣ ናይዚ ጽላት መኅደሪ ዝኾነ ታቦት ዘንብረሉ ድንኳን ንክሠርሕ ድማ “ኣነ ኣብ ማእከልኩም ምእንቲ ኽነብር መቕደስ ግበሩለይ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘፀ. 25፡8) ከምታ ቀዳመይቲ ጽላት ቀሪጹ፡ መኅደሪ ታቦት ዝኸውን ድንኳን ተኸለ። ንእግዚአብሔር ክረክብ ዝደለየ ስለዝበጽሖ ድማ “መራኸቢ ድንኳን” ኢሉ ጸውዖ። ኣብዚ ድንኳን ንታቦት ምስ ኣእተወ፡ መገልገሊ ዝኾኑ ንዋያተ ቅድሳት ብቅዱስ ቅብዒ ክቅድሶም ከሎ ዘገልግሉ ድማ ካብ ደቂ ኣሮን ንክህነት ቀብኦም።

እስራኤላውያን፡ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ቦታ ከም ዝርከብ ዋላ እንተፈለጡ፡ ኣብቲ ክብሩ ዝገልጸሉን ምሕረቱ ዝልእከሉን መኅደሪኡ ደብተራ ኦሪት ተኣኺቦም መሥዋዕቲ እናሠውዑ ይልምንዎ ነበሩ። እግዚአብሔር’ውን ኣብዚ ድንኳን ናይ ክብሩ ብርሃን ይገልጸሎም ነበረ። “ነቲ እግዚአብሔር ዝርከበሉ ድንኳን ደመና ኣጐልበቦ፡ ነቲ ድንኳን ከኣ ኽብሪ እግዚአብሔር መልኦ።” ይብል። (ዘፀ. 40፡34)

ኣገልግሎት ደብተራ ኦሪት (ድንኳን) ክሳብ ዘመነ ቅዱስ ዳዊት ጸንሐ። ቅዱስ ዳዊት፡ ነቲ ድንኳን እናተመልከተ ‘ኣነ ኣብ ዝጸበቀ ቤት እናነበርኩ ታቦተ እግዚአብሔር ከኣ ኣብ ድንኳን ክነብር’ ብማለት ስለምታይ ቤተ መቅደስ ዘይሠርሕ፧ በለ። እግዚአብሔር ግና “ንስኻ ብዙኅ ደም ኣፍሲስካ፡ ብዙኅ ውግእ ከኣ ተዋጊእካ ኢኻ። እምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ብዙኅ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ ንስመይ ቤት መቕደስ ኣይክትሠርሓለይን ኢኻ።” ብምባል ብወዱ ሰሎሞን ከምዝሥራሕ ነገሮ። (1ይ ዜና መዋ. 22፡7-11)

ቅዱስ ዳዊት፡ ቤተ መቅደስ ዝሕነፅ ብኢዱ ዘይኮነስ ብኢድ ወዱ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ ንመሕነፂ ካብ ሕዝቡ ዝኣከቦን ናቱ ሃብትን ሓደ ገይሩ ንወዱ ሰሎሞን ኣረከቦ።

ንጉሥ ሰሎሞን ድማ ብወርቅ ዝተለበጠ ምልኩዕ ቤተ መቅደስ ሠርሐ። ንታቦተ ኪዳን ካብ ድንኳን ኣውፂኡ ናብዚ ቤተ መቅደስ ብምእታው መሥዋዕቲ ኣቕሪቡ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ። እግዚአብሔር ድማ ኸምዚ በሎ፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ ኣሎኹ፡ ነዛ ቦታ እዚኣውን ቤት መሥዋዕቲ ኽትኮነኒ ኃርየያ ኣሎኹ። ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተዓጾኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኽበልዓ እንተኣዘዝክዎ ወይ ኣብ መንጎ ሕዝበይ ፌራ እንተሰደድኩ፡ እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ሕዝበይ ከኣ ትሕት እንተበሉ እንተለመኑ ገጸይውን እንተደለዩ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተተመልሱ ሽዑ ኣነ ኣብ ሰማይ ኮይነ ክሰምዕ እየ፡ ኃጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ። . . . ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝጽለ ጸሎት ኣዕይንተይ ክኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ክብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ሕዝበይ ንዘለዓለም ኣብኣ ከምልኹኒ ኃርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ፡ ኣነ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኽሕልዋን ክሓልየላን እየ።” (2ይ ዜና መዋ. 7፡13-16)

ቤተ መቅደስ፡ ምእንቲ ስሙ ክጽዋዕ ንሓደ ዘመን ጥራይ ዘይኮነስ ንዘለዓለም ከም ዝኸብር፡ ኣገልግሎቱ’ውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ከይተሓጽረ፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ዝቕጽል እዩ።

ብሉየ መዋዕል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዓቅመ ሕፃናት ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ ሥርዓተ ኦሪት ንምፍጻም ብኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ተሓቂፉ ናብ ኢየሩሳሌም ቤተ መቅደስ ከይዱ እዩ። (ሉቃ. 2፡24)

ኣብ 12 ዓመቱ ድማ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ዮሴፍን በዓል ንምኽባር ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ደየበ፣ ንሳቶም በዓል ኣኽቢሮም ክምለሱ ከለዉ፡ ጐይታ ግና ካብኦም ተሪፉ ንሠለስተ መዓልትታት ክደልይዎ ምስ ጸንሑ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቅደስ ተቐሚጡ ንሊቃውንተ ኦሪት ክሰምዖምን ክሓቶም ረኸብዎ። “ኣብ ቤት ኣቦይ ክነብር ይግብኣኒ እዩ” ኢሉ’ውን ተዛረበ። (ሉቃ. 2፡46)

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ናብ ቤተ መቅደስ እዩ ከይዱ። “ወቦአ እግዚእ ኢየሱስ ቤተ መቅደስ፡ ወሰደደ ኵሎ እለ ይሠይጡ ወይሣየጡ በቤተ መቅደስ፡ ወገፍትአ ማዕዳቲሆሙ ለመወልጣን፡ ወመናብርቲሆሙ ለእለ ይሠይጡ ርግበ። ወይቤሎሙ ጽሑፍ ዘይብል “ቤተየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ፡ ወአንትሙሰ ረሰይክምዎ በዓተ ፈያት ወሰረቅት/ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ’ ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዋ” እናበለ ጭግራፍ ኣልዒሉ ኣውፅኦም። (ሉቃ. 19፡45) በዚ ድማ ጐይታ ንቤቱ ዘለዎ ክብርን ቅንአትን ገሊጹ፣ እናገረፈ ንዝሸጡን ዝሻየጡን ሰጒጉ፣ ካብ ርስሓት ኣጽርዩ መጸለዪ ክኾኖም ሃቦም።

ነቢዪት ሃና ኣብ ቤተ መቅደስ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዳ ከምዝነበረት፣ ካህን ዘካርያስ’ውን ብሥራተ መልኣክ ዝሰምዐ ኣብ ቤተ መቅደስ ክዓጥን ከሎ እዩ። (ሉቃ. 1፡13 ፣ 2፡37)

ኣገልግሎት ቤተ መቅደስ ዘይቅየርን ዘይሰዓርን ብምዃኑ ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ናይ ሓዲስ ኪዳን ቤተ መቅደስ (ቤተ ክርስቲያን) ክሳብ ትሥራሕ ኣብ ቤተ መቅደስ ኣይሁድ ይጸልዩ ነበሩ። ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስን ንጸሎት ናብ ቤተ መቅደስ ይኸዱ ነበሩ። (ግብ. ሓዋ. 3፡1)

ልሳነ ዕፍረት ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቅደስ ኽጽሊ ከሎኹ ድማ ተመሰጥኩ፡ ምሥጢር ተገለጸለይ ይብል። (ግብ. ሓዋ. 22፡17)

ንናይ መንፈስ ወዱ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈሉ መልእኽቲ ፦ “ወእመሰ ጐንደይኩ ከመ ታእምር ዘከመ ትሠርዕ ቤተ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያኑ ለእግዚአብሔር ሕያው ዐምደ ጽድቅ ወመሠረት አማን እስመ ምክሩ ለዝንቱ ጽድቅ ዐቢይ/ እንተ ደንጐኹ ግና ኣብታ ቤት ኣምላኽ ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሠረት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሕያው ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኽንነብር ከም ዚግብኣና ኽትፈልጥ ጽሒፈልካ ኣሎኹ።” ክብል ይምዕዶ። (1ይ ጢሞ. 3፡15)

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝዓርግ ኣብ መበል 8 ዓመቱ ባዕሉ ቅርጹ ኣውፂኡ ለኪዑ ንቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ሃቦም ኣብ ፊልጵስዩስ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ቤተ መቅደስ ሓዲስ ኪዳን ተሓንፀ። ናይ ደቂ ሰባት ሥጋዊ ነውሪ ዝኣልይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንነፍስ’ውን ሥርየት ኃጢኣት ዝወሃበሉ ኣማናዊ በጊዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሥወዓሉ ኾይኑ ኣገልግሎቱ ናብ ኵሉ ዓለም ተባጽሐ።

ቤተ መቅደስን ታቦትን ይትረፍ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ክሰዓር ኣብ ሰማይ’ውን ዓቢይን ክቡርን ምዃኑ ወንጌላዊ ዮሐንስ ኣብ ፍጥሞ ደሴት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ምሥጢረ ቤተ መቅደስ ተገሊጽሉ እዩ፦ “ወእምዝ ተርኅወ መቅደሱ ለእግዚአብሔር ዘውስተ ሰማይ ወአስተርአየት ታቦተ ሕጉ ለእግዚአብሔር እንተ ውስተ መቅደሱ”/ እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ እውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ።” “ወእምድኅረ ዝንቱ ተርኅወአ መቅደስ ዘደብተራ ስምዕ ዘውስተ ሰማይ።” “እንሆ እታ ድንኳን ምስክር ዝኾነት ቤት መቕደስ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።” ከምዝብል። (ራእ. 11፡19 ፣ 15፡5)

ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ወይ ቤተ እግዚአብሔር ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ ብምዃኑ ካብ በረኸቱ ክንሳተፍን ከመይ ኢልና ክነብር ከምዝግብኣና ፈሊጥና ብምስትውዓል ክነብርን ይግብኣና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ኣሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
 - 23:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ መድኃኔ ዓለም ”

  እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ።...

7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

  ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ...

“ወእንዘ የሐውሩ ነጽሑ/ እናኸዱ ሓወዩ” ሉቃ. 17፡15

ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ብማእከል ሰማርያን ገሊላን ኃሊፉ፡ ናብ ሓንቲ ከተማ ኣተወ።...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...