ራብዓይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ መፃጕዕ

Mar 14, 2020

ክብርን ምስጋና ንእኡ ይኹን! ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከምቲ ነቶም ድዉያነ ነፍስ ብትምህርቱ ዝበጽሖም ዝነበረ፡ ነቶም ድዉያነ ሥጋ ድማ ብተኣምራቱ ይፍውስ ከምዝነበረ ዝዝከረሉ ሰንበት እዩ።

በዛ ዕለት’ዚኣ ካብ ጾመ ድጓ፡- ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር “አሕየዎ ኢየሱስ ለመፃጕዕ ለሠላሳ ወሰመንተ ክረምተ ሐመ” (ነቲ 38 ዓመት ዝተደነሰ መፃጕዕ፡ ጐይታ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙር ዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ሠርዐ” ብዝብል ርእሲ መዝሙር ዝጅምር ኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝተፈላለየ ሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ሓንካሳት፡ ብኣጋንንት ንዝተተኅዙ . . . እናጠቐሰ ከምዘሕወዮምን፡ ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበን ዘዘኻኽር እዩ። ብፍላይ ነቲ ን38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝተጣበቐ ልሙስ “ተንሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ኢሉ ዘሕወየሉ ናቱ መዘከርታ እዩ። ምሉእ ትኅዝቶ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ 5፡1-18 ተጠቂሱ ኣሎ።

ካብዚ ናይ ምፍዋስ ታሪኽ እንመሃሮ ብዙኅ እዩ። ንኣብነት፦ 

1. እግዚአብሔር ንሕሙማት ብምሕረቱ በጺሑ፡ ካብ ሕማሞም ፈዊሱ ጥዕና ከምዝህቦም እዩ። ንሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ንዝተደነሰ፡ ካብ ማኅፀን ኣደኡ ብዘይ ዓይኒ ዝተወልደ፡ ካብ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ዝነበረ፡ ነታ ከነኣናዊት ሰበይቲ . . . ወዘይመስሎ ኃይሊ ሕማም ሥዒሩ ጥዕና ሃቦም። ንሱ ኣብ ዝፈቐዶ ምሕረት ፡ ፈውስን መድኃኒትን ክህብ ከም ዝከኣሎ ንመሃር።

2. ዝሓወየ ሰብ፡ ንዝመሓሮ እግዚአብሔር ውዕለቱ ኣብ ሃይማኖት ጸኒዑ ብሥነ ምግባር ክተግህ ከም ዝግብኦ’ውን ንመሃር። ታሪኽ ናይዚ መፃጕዕ ግና ዘኅዝን እዩ። ብዝሓወየ ኣካሉ ኣእጋሩ ናብ ኣይሁድ ከይዱ፡ “ብዕለተ ሰንበት ዘድኃነኒ ኢየሱስ እዩ” ብምባል ንዘድኃኖ ጐይታኡ ከሲሱ ኣኅሊፉ ሃቦ። እዚ ሰብ እዚ ልቡ ዘይድኃነ፡ ንዘድኃኖ ዘይፈለጠን ኣኅሊፉ ዝሃበን ሕማቕ ሰብ እዮ። ንሕና ኸ ንዝተገብረልና ውዕለት ብምስጋና ዝመለስና ክንደየኖት ኢና፧

ብኣንጻር ናይ’ዚ መፃጕዕ፡ ብዝተገብረሎም ምሕረት እሙናት ኮይኖም ዘመኖም ብቅድስና ዝፈጸሙ ብዙኃት ቅዱሳን ኣለዉ። ንኣብነት፦ ርኵሳን መናፍስቲ ኃዲሮማ ዝነበሩ እሞ ደኃር ግና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሕረቱ ዝበጽሓ ማርያም መግደላዊት ምጥቃስ ይከኣል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ጊዜ ምስ ካልኦት ቅዱሳን ኣንስቲ ኮይና ብጉልበታን ሕይወታን ንጐይታናን ንሓዋርያትን ዘድልዮም ብምቕራብ ተገልግሎ ነበረት። (ሉቃ. 8፡2-3) ኣብ ጊዜ ትንሣኤ፦ በቲ ፍሉይ ትግሃታ ትንሣኤኡ ንኽትርእይ ኣቐዲማ ክትርእን፡ ነዚ ብሥራት’ዚ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ንምብጻሕ ተለኣኸት። ካብዚ ዝበልጽ ትዕድልቲ እንታይ ኣሎ፧ (ዮሐ. 10፡1-8) ብተወሳኺ ሓማት ጴጥሮስ ካብ ሕማማ ምስ ኣሕወያ፡ ተንሢኣ ኣገልገለቶም። (ማቴ. 8፡15) 

ፈዋሴ ድዉያን ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ብእምነትን ተስፋን ንዝጽበይዎ ከም መፃጕዕ ዝኣመሰሉ ብብዝኅ ዝዓይነቱ ደዌን ሕማምን ዝሳቐዩ ወትሩ ይበጽሖምን ይፍውሶምን እዩ። ናይዚ ምስክር ካብ ዝኾነና ሓደ ኸኣ ኣብ ገዳማትናን ኣድባራትናን ኣብያተ ክርስቲያንን ዝርከብ ማየ ጸሎት፡ ጸበል እዩ።

ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንሕሙማት ዝገበሮ ድንጋፀን ምሕረትን ንምዝካር ዝተወፈየት ዕለት እያ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
 - 23:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ መድኃኔ ዓለም ”

  እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ።...

7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

  ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ...

“ወእንዘ የሐውሩ ነጽሑ/ እናኸዱ ሓወዩ” ሉቃ. 17፡15

ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ብማእከል ሰማርያን ገሊላን ኃሊፉ፡ ናብ ሓንቲ ከተማ ኣተወ።...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...