ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

Mar 21, 2020

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ወርኃ ጳጉሜን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ ደብረ ዘይት ዝበሃል ኣሎ፡ እቲ ሣልሳይ ድማ መበል ኃሙሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ደብረ ዘይት’ እናተባህለ ዝጽዋዕ እዩ።

ደብረ ዘይት ማለት ዘይቲ ዝርከቦ፡ ኣውሊዕ ዝበቝሎ እምባ ማለት እዩ። እዚ እምባ’ዚ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብወገን ምሥራቅ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ኣደባባይ ወይ ሜዳ ቤተ መቅደስ ሰብዓን ኃሙሽተን ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ቦታ’ዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሕዝበ እስራኤል ካብ ላዕላይ ገሊላን ታሕታይ ገሊላን ሕጊ ኦሪት ንምፍጻም፡ በዓል ንምኽባር ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ እናመጽኡ ዝኃድሩሉ ቦታ ስለ ዝነበረ መኅደሪ ገሊላ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቅዱስ ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ሃዲሙ ‘ናብ ደብረ ዘይት ደይቡ ይብል። (2ይ ሳሙ. 15፡30-32)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ኸሎ ኣቦታትና ሓዋርያት ብሕት ኢሎም “ ናይ ዳግማይ ምጽኣትካን ናይ መወዳእታ ዓለምን ምልክት እንታይ እዩ፧ እስከ ንገረና ” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ብዛዕባ ምፍራስ ኢየሩሳሌምን ቤተ መቅደስን፡ ብዛዕባ መፈጸምታ ዓለም፣ ብዛዕባ ናይ ምጽኣት ምልክት፣ ብዛዕባ ክሳዕ ክንደይ ዘመን እዚ ወለዶ ንእግዚአብሔር ከይኣመነ ከምዝጸንሕን ኣብ ፍጻሜ ዓለም ብኽብሪ ብመላእኽቱ ተዓጂቡ ንፍርዲ ኸም ዝመጽእ ብሓፈሻ ምሥጢረ ምጽኣቱ ዝመሃረሉ ቦታ እዩ። (ማቴ. 24)

ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታ ብትሕትና እዩ ነይሩ። ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ብገዛእ ወገኑ ኣይሁድ ኣብ ፍርዲ ቖመ፣ ክጸፍዕዎ፡ ክዳኑ ክገፍዎ፡ ኣክሊለ ሦክ ክደፍእሉ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ክሽንክርዎ፡ ኣብ መስቀል ክሰቕልዎ ኸለዉ ስቕ በለ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ ስቕታ ክገልጽ ከሎ፡ ‘‘ እንታይ ዓይነት ትዕግሥቲ እዩ፡ ቀርኒ ኸለዎ ዘይዋጋእ በጊዕ፡ እንታይ ዓይነት ትዕግሥቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዘባጭውሉ ስቕ ዝብል ’’ በለ።

ነቢይ ኢሳይያስ እውን ኣብ መጽሓፉ ምዕራፍ 53 “ ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ፧ ኣብዚ ነገር እዚኸ ኃይሊ ቕልጽም እግዚአብሔር ከም ዘሎ ንመን ተጋህደሉ፧ . . . ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ዅላትና ኸም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና ነፍስ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ እግዚአብሔር ከኣ ኣባሳ ዅላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ ግናኸ ርእሱ ኣዋሪዱ ብትሕትና ተቐበሎ፡ ኣፉ’ውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ገንሸል ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።” በለ። እዚ ዅሉ ኣብ ቀዳማይ ምጽኣቱ ዝኾነ እዩ።   

ዳግማይ ምጽኣቱ ግና ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ፡ በክበበ ትስብእት በግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽኣቱ መንገዲ ዝጸርጉ ምልክታት ገለ ካብኣቶም ሎሚ ንዕዘብ ኣሎና።

  • “ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃን ብስመይ ክመጽኡ እዮም እሞ ንብዙኃን’ውን ከስሕቱ እዮም።” ከምዝበሎ ናይዚ ምልክት ቅድሚ ሕጂ “ብስም ክርስቶስ መጺኦም ነይሮም፡ ብሕጂ’ውን ብዝገደደ ክመጽኡ እዮም። ብስም ክርስቶስ ትካላት እምነት ዝመሥረቱ፣ ክርስቶስ ብሕልምን ራእይን ተገሊጽለይ እናበሉ ዝመጽኡን ዝመጽኡ ዘለዉን ኣዝዮም ብዙኃን እዮም።” መስሓትቲ ብምዃኖም ድማ ንከየስሕቱና ክንጥንቀቕን ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ኽንቃወሞምን ‘ዑቍኬ ኢያስሕቱክሙ/ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ’ ኢሉ የጠንቅቐና።
  • “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም . . . ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፡ መንግሥቲ ውን ናብ መንግሥቲ ክለዓል እዩ” ሃገር ምስ ሃገር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነንሓድሓዱ፤ ኣብ መንጎ ሥድራን ቤተ ሰብን፡ ኣብ ሓደ ሰብ ሥጋን ነፍስን . . . ውግእን ፍልልይን ዝኸፍኣሉ ዘመን ብምህላውና ነቲ ትእምርቲ ምጽኣቱ ብሩህ ይገብሮ።
  • “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ . . . ” ከምዝበሎ ብተፈጥሮን ሰብ ብዝሠርሖን ሕልቂት ሕዝቢ፤ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝኸፍአ ሳዕቤን፡ ብዝቐልጠፈ ተርእዮን ሎሚ ዓለም ተናዊጻ ምህላዋ ርዱእ ትእምርቲ ምጽኣቱ እዩ። ምዕቡል ዘመን ኣብ ዝተባህለሉ ጊዜ ክብሪ እኽለ ማይን፡ ድርቅን ጥሜትን ዓጸቦን ሕማም ተላገብን ዝገደደሉ ጊዜ እዩ። ካብዚ ዝገደደ ግና ረኃብ ነፍሲ፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ዘይኮነስ ረኃብ ቃለ እግዚአብሔር ምህላዉ እዩ። ሰብ ሃይማኖቱ ኃዲጉ፡ ንዓውለማ ዝተገዝኣሉ፡ ካብ ቃል እግዚኣብሔር ዝያዳ ኣድህቦን ኣድናቖትን ዝህቦ ንስፖርተኛታት፡ ደርፍቲ፡ ተዋሳእቲ . . . ወዘይመስሎ ብምህላዉ እቲ ጊዜ ምቕራቡ ዘረድእ እዩ።

ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ 49፡3-6 “ ኣምላከ ኣማልክት እግዚአብሔር ነበበ ወጸውዓ ለምድር፡ እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም/ ኣምላከ ኣማልክት እግዚኣብሔር ተዛረበ ንምድሪ’ውን ጸውዓ እግዚአብሔር ብግልጺ ክመጽእ እዩ፡ ስቕ’ውን ኣይብልን” ከምዝበሎ በታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኃይልን ብዓቢይ ክብርን ዝመጽኣላ መዓልቲ ምድሪ ነቶም ኂዛቶም ዝነበረት ከተረክብ እያ። ወልደ ዕጓለ እመሕያው ክርስቶስ ብዘፍርሕ ግርማኡ ክግለጽ እዩ። ሽዑ መወዳእታን መፈጸምታን ዘይብሉ ንብዓት ከም ማይ ክረምቲ ክውኅዝ እዩ። መሣጢ መብረቕን ዘሰምብድ ብልጭልጭታን፡ ድምፂ ነጐድጓድን፡ ኃያል መስመስታን ከኣ ናብኣቶም ክፍኖ እዩ። እዚ ኸኣ ዝስይፍን፡ ዝቖርጽን ዝፈላልን ብጽሒት ኃጥኣን እዩ። ምድሪ ዝተቐበለቶ ኅድሪ ክትመልስ እያ፡ ኣደ ኸኣ አውያት ጓላ እኳ ኣይክትሰምዕን እያ። “ሽዑ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ኽንቀውም ኢና።” (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ)። ሽዑ ኃጥኣን ካብ ኳኽ ሾብዓተ ጊዜ ጸሊሞም ዲያብሎስ መሲሎም ክትንሥኡ እዮም፡ ጻድቃን ግና ካብ ፀሓይ ሾብዓተ ጊዜ ኣብሪሆም ንክርስቶስ መሲሎም ክትንሥኡ እዮም። ንጻድቃን ብየማኑ ንኃጥኣን ብጸጋሙ ኣቝሙ፡ ነቶም ጻድቃን ተግባሮም ሞጊሱ ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻን ንዑ ናባይ ኢሉ ናብ ናይ ዘለዓለም ጽድቂ ክቕበሎም ከሎ፡ ነቶም ብጸጋሙ ዝቖሙ ኃጥኣን ግና ተግባሮም ወቒሱ ‘ኺዱ ካባይ ረኃቑ’ ኢሉ ናብቲ ናይ ዘለዓለም ደይን ክሰጎም እዩ።

እሞ’ኸ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን እታ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ ክንድዚ ተፍርህ ካብ ኮነት፡ ንመዓልቲ ጐይታ ከመይ ኮይንና ክንጽበያ ይግብኣና፧ እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከምዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቅሑ!” ከምዝበለ። (ማቴ 24፡42)

“ግና መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ እዩ፡ ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎት’ውን ንቕሑ” (1ይ ጴጥ. 4፡7) እናተባህለ ንሕና ግና ነቲ “ንቕሑ” ዝብል ቃል ዝዘንጋዕናዮ ንመስል። እሞ’ኸ ደኣ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ንዝቐርበልና ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ድልዋን ዲና፧ ነታ መዓልቲ ብሓቂ ከምዚ ዘለናዮ ዲና ክንጽበያ፧ ያእ ኣይፋልናን! ሕዝበ ክርስቲያን ነቲ ኵሉ ዝተዋህበና ሰምዕታ ከነስተብህለሉ ይግብኣና።

ሎሚ እዚ ዘለናዮ ዘመን ምጽኣት ዝቐረበሉ፡ ምድሪ ዝረኸሰትሉ እዩ። እዚ ሰዓት ንዳንኤል ብትንቢቱ ነቲ ቃል ትንቢት ኅተሞ ዕጸዎ ዝበሎ፣ ንዮሓንስ ድማ ኣብ ራእዩ እቲ ናይ ዘመን ፍጻሜ በጺሑ እዩሞ ነቲ መጽሓፍ ገንጽሎ እቲ ዝቕደስ ኣዚዩ ይቀደስ እቲ ዝረኽስ ኣዚዩ ይርከስ’ ይብሎ። ሎሚ ዓለምና ብጕድለት እምነትን ብገቢረ ኃጢኣትን ረኺሳ እያ፣ እቲ ዅሉ ዝተተንበየ ትንቢት’ውን ይፍጸም ኣሎ እሞ ምስ መን ኢና ዘሎና ምስ እግዚአብሔር ወይ ምስ ዓለም፧  

ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ሮሜ መልእኽቱ “ኵሎ ዘተጽሕፈ ለተግሣፀ ዚአነ ተጽሕፈ/ ኵሉ ንተግሣፅናን፡ ንምህሮናን እዩ ዝተጻሕፈ’ (ሮሜ 15፡4) ዝበሎ ነዚ ነገረ ምጽኣቱን ኅልፈተ ዓለምን ብሸለልትነት ክንምልከቶ ኣይግባእን።

እስከ ብዛዕባ እተን ዓሠርተ ደናግል ንዘክር! እተን ኃሙሽተ ለባማት ነቒሐን ስለዝጸንሓ ነቲ መርዓዊ ክቕበላ ከም ዝበቕዓ፡ እተን ኃሙሽተ ዓያሹ ደናግል ግና ጐይታና ክድንጕ እዩ ኢለን ከም ዝደቀሳ፡ እቲ መርዓዊ ምስ መጽአ ድማ ክቕበልኦ ተንሢአን፡ ነቲ መብራህተን (ቀንዴለን) ከብርሃ እንተፈተና ግና እተን ቀንዴለን ዘይቲ ዘይብሉ ኾይኑ ነቲ መርዓዊ ክቕበልኦ ከም ዘይከኣላ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ። (ማቴ. 25፡1-13)

እቲ ዘይቲ ዘይነበሮ ዝተባህለ፡ ምግባረ ሠናይ ዘይብሉ፡ ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ፡ ንምጽኣት ጐይታ ከይተዳለወ ዝጸንሐ ሰብ እዩ። መወዳእታኡ ድማ ናብ ቦታ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ሽዑ ዝኸውን ብኽያትን፡ ኣውያትን ንብዓትን ረብሓኡ እንታይ እዩ፧ ባዕሉ ፈጣሪ እኳ ኢዱ ዝፈጠረቶም ናብ ጥፍኣት ክኸዱ ምስ ርኣየ ምእንቲ ፍጡራቱ ክነብዕ እዩ። (ቅዳሴ ኣትናቴዎስ)።

ስለዚ ነዚ ምልክታት ነገረ ምጽኣቱ ተረዲእና፡ ኻብቲ ዝደቀስናዮ ንበራበር፡ ምስ ጐይታ ብጾም ብጸሎት ብስግደት ብምጽዋት ንራኸብ፡ ኣብ ተዋሕዶ ሃይማኖትና ንጽናዕ። ነዚ ዘመን ነስተብህለሉን ካብ መስሓትያን ንተሓሎን። “ኣምላክ ሰላም ባዕሉ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ኸኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክትርከቡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ሥጋኹምን ይሓልዎ።” (1ይ ተሰ. 5፡23) ከምዝብል።

አመ ዳግም ምጽአቱ ኢያስተኃፍረነ! ኣብ ዳግማይ  ምጽኣቱ ኣየሕፍረና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

 * * *

 

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 17 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Monday
27
በዓለ መስቀል፡ ወታኦግንስጣሮማዊት።               ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት  1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ.  5፡26-33 ምስባክ መዝ. 131/132 ወንጌል   ዮሐ. 19፡25-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ።        * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...