ገብር ኄር

Mar 28, 2020

 ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ ኽብርቲ ዕለት ከምቲ ቓሉ እሙናት ኮይና ከነኽብራን ክንነብራን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና።

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም እዚ ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ዚዝመር መዝሙር ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ድማ “አግብርት ኄራን” እናበለ ዓስቦም ከም ዚህብ ተዘኻኽር ስለዝኾነት እያ። እቲ ዚዝመር መዝሙር’ውን “መኑ ውእቱ ገብርኄር” (መን እዩ እሙን ኣገልጋሊ፧) እናበለ ዚቕጽል እዩ። እቲ መበገሲ ታሪኽ ድማ ጐይታ ንዅሉ ብምስላ ይምህር ከምዝነበረን ካብቶም ትምህርቱ ሓደ ድማ ኣብ ወንጌል ማቴ. 25፡10-30 ዘሎ ታሪኽ እዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ወንጌል ሉቃ. 19፡12-27 ብካልእ ኣገላልጻ ግና ብስሙር መልእኽቲ ነዚ ምስላ እዚ ይደግመልና።

ጐይታ በዚ ምሳሌያዊ ትምህርቱ ሕድሪ ወንጌል ንኣገልገልቱን ምእመናንን ከምዝሃበን ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ድማ ብዛዕባ ዝሃቦ መኽሊት ወንጌል ድማ ንዅሉ ከምዝጸባጸብን ከም እቲ ቓሉ ሓልዮም ዘጽንሑሉ እሙናት ኣገልገልቱ ዓስቢ ከምዝህብን ነቶም ዘይሓለዉ ድማ ፍዳ ከምዝጽበዮም ዘመልኽት እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ ዅሉ ሰብ ከምቲ ጐይታ ዚደልዮ ኾይኑ ተዳልዩን ግቡኡ ፈጺሙ ክጸንሕን ዘተሓሳስብ እዩ።፡ ንዅልና ድማ ኸከም ግብርና ኺፈድየና ዓስቡ ምስኡ ኣሎ።

ጐይታ በዚ ትምህርቱ ንርእሱ ኸም ሓደ በዓል ጸጋ መሲሉ እቲ በዓል ጸጋ ንኻልእ ርሑቕ ዓዲ ኺብገስ ኣብ ዝሓሰበሉ ነቶም ኣገልገልቱ ጸዊዑ ኽሳብ ዚምለስ ምእንቲ ኺዓይዩሉ መኽሊት ከምዝሃቦምን ሕድሪ ከምዝገደፈሎምን ይነግር። በዚ መሠረት እዚ ነቲ ሓደ ኃሙሽተ ነቲ ኻልእ ድማ ኽልተ ነቲ ሣልሳይ ከኣ ሓደ መኽሊት ሃቦም። ድኅሪ ነዊኅ ዘመን ድማ እቲ በዓል ጸጋ ምስተመልሰ ነቶም መኽሊት ዝሃቦም ኣገልገልቱ ጸዊዑ ክጸባጸብ ጀመረ። በዚ መሠረት ድማ እቲ ኃሙሽተ መኽሊት ዝተቐበሊ ወሪዱን ደይቡን ደኺሙ ነተን ሓሙሽተ መኽሊቱ ኃሙሽተ ረቢሑለን ነቲ ጐይታ 10 መኽሊት ኣቕረበ። እቲ ብዓል ክልተ’ውን ከምኡ ኽልተ ረቢሑ ኣርባዕተ ኣቕረበ። እቲ በዓል ሓደ ግና ኣብ ክንዲ ወሪዱን ደይቡን ምርባሕ መኽሊቱ ዝገብር ኣብ ፍርህን ጥርጥርን ክፉእ ሓሳባትን ኣትዩ ነበረ እሞ ጐይታኡ ኪጸባጸቦ ከሎ ዘይተባሎ ጭካነ ጐይታኡ ገሊጹ ነታ ዝተዋህበቶ ከይረብሐ ሓቢኡ ከምዘቐመጣ ገለጸ።

እቲ በዓል ጸጋ’ውን ነቶም መኽሊቶም ረቢሖም ዝጸንሕዎ “ጽቡቕ! ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ኣገልጋሊ! ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ እየ፡” እናበለ ብምውዳስ “ናብ ሓጐስ ጐይታኦም” ኪኣትዉ ፈቐደሎም። ነቲ መኽሊቱ ዝቐበረ በዓል ሓደ ግና “ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ!” ተባሂሉን ነታ ሓንቲ መኽሊቱ ድማ ከም ዘግደፍዎ ኮነ። ብሰንኺ እቲ ኽፉእ ግብሩ ድማ ኣብቲ ብኽይትን ምሕርቃም ኣስናንን ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጸልማት ተደርበየ።

ትርጕም’ዚ ምሳሌ ድማ እቲ በዓል ጸጋ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ እቶም ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ መኽሊት ዝተዋህቡ ድማ መምህራነ ወንጌል (መምህራነ ንስሓ) ዝኾኑ ስዩማን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ድማ ኸከም ማዕርጎምን ዝተዋህቦም ጸጋን ከምቲ ዝግብኦም ከገልግሉ ዚግብኦም ካብ ዲያቆናት ክሳብ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘለዉ ኣገልገልቲ ይምልከት። ብኻልእ ወገን ድማ ኸከም ዓቕሞም ከገልግሉን ብመንገዲ ቕድስናን ኪመላለሱን ኪመርሑን ኣብነታውያን ኪኾኑን ኣብ 40ን 80ን መዓልቲ ኻብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማሕፀን ዮርዳኖስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንዝተቐበሉ ዅሎም ምእመናን ይምልከት።

እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ተጊሆምን ነቒሖምን እሙናት ድማ ኾይኖም ንምእመናን ኣባጊዑ ኸውፍሩን ኪሕልዉን ከብዝኁን፡ ስብከተ ወንጌል ከስፉሑ፡ ወዘተረፈ እዮም ነቲ መኽሊት (ሥልጣነ ክህነት) ተቐቢሎም። ስለዚ ድማ ኸምቲ ዚግባእ ዚዓየዩሉን ወሪዶም ደይቦም ደኺሞም ግቡኦም ፈጺሞም ኣብ ጊዜ ጸብጻብ ኣበርኪቶም ንጐይታኦም ዘረክቡ “ኣግብርት ኄራን ወፍቁራን” ተባሂሎም ናብቲ ሓጐስ ጐይታኦም “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” ተባሂሎም ዘለዓለማዊ መንግሥቱ ኺኣቱ ዝፍቀደሎምን እዮም። እቶም ንስሙ ጥራይ መኽሊት ተቐቢሎም ምእመናን ዘይጓስዩሉን ኣብ ካልእ ጕዳያቶም ጥራይ ኬድህቡን ዚነብሩ ድማ ሃካያት ግና ብቑዕ መልሲ ስለዘይብሎምን ምኽንያት’ውን ከድኅኖም ስለዘይክእል ናብቲ “ጸልማት” ክድርበዩ እዮም።

ዋና መኽሊት ክርስቶስ ኣምላኽና እዩ። ዋና መኽሊት ድማ ኸም ፍቓዱ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ጸጋ ይህብ እዩ። እቶም ቀዳሞት ኽልተ ድማ ንዝተዋህቦም ሕድሪ እሙናት ኮይኖ ኺፍጽምዎን ጽዒሮም ከርብሕዎን ተረኺቦም። ስለዚ ድማ ኣብ ጊዜኡ ዕጽፊ ዓስቢ ረኸቡሉ። ኣገልገልቲ ድማ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ጸጋኦም ኣለልዮም ንእግዚአብሔር ብትግሃት ከገልግሉ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ኪርከቡ ኣለዎም። እቲ ሓደ ናይቲ ኻልእ ኪጥምት ፡ ናቱ ገዲፉ ብ ዘይናቱ ኺኣቱ ዘይኮነስ ንዝተዋህቦ መኽሊት ኣለልዩ ኣብኣ ተጊሁ ኺርከብን ከርብሕን ኣለዎ። ቤተ ክርስቲያንና ዓውዲ ኣገልግሎታ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ኵሎም ደቃ ኸከም መኽሊቶም ተጊሆም ኣርቢሖም ዚርከቡ እንተ ደኣ ኾይኖም ዕብየታን ሕንጸታን ክንርኢ ጊዜ ዚወስድ ኣይኮነን። ግና መኽሊትና ንፈልጦ ዶ፧ ነርብሕ ዶ ኣሎና፧ ወይስ ቀቢርናዮ ኢና፧ መን እዩ ገብርኄር፧ ኵልና ኣካል ክርስቶስ ካብ ኮንናን ኣብዛ መንፈሳዊት ቤት ክንህነጽ’ውን እንተደኣ ኮይንና ኸክለትና ነበርክተላ።

እዚ መኽሊት ንስዩማት ኣገልገልቲ ጥራይ ዝተነግረ ዘይኮነስ ንዅሉ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። ምእመናን’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበርክትዎ ዘለዉን ከበርክትዎ ዝግባእን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ መንፈሳዊ ፍረ ኣፍርዮም መኽሊቶም ከርብሑን ብሠናይ ግብሪ ንኻልኦት ኣብነት ኪኾኑ ይግብኦም። ኣብ ፍርህን ጥርጥርን ዝምርኮስ ምኽንያት ዚመልኦ ሕይወት ስለዘሎና ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስለ ኣባጊዕ ክርስቶስ ተንሢዕና ንሥራሕ። ኣይምልከተናን እዩ ኣይንበል። ስለ ቤተ እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እሙናት ኣገልገልቲ ንኹን።

 ካብዚ ምስላ እዚ እንመሃሮ ሓደ ድማ ዅሉ ኸከም ጸጋኡ ተጊሑ ከገልግል እዩ። ሓደ ሰብ ብምሉእ ኃይሉን ጕልበቱ ኪሰርሕን ከፍርን እንተ ደኣ ኾይኑ ዅሎም ኣካላቱ ነናቶም ስራሕ ከምቲ ዚግብኦም ኪዓዩ ይግባእ። ዓይኑ ናይ ዓይኒ፡ ኢድ ናይ ኢድ፣ እግሪ ድማ ናይ እግሪ ወዘተርፈ እቲ ሓደ ኣብቲ ኻልእ ዚኣቱ እንተ ደኣ ኮይኑ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ኺስራሕ፧ እቲ ሓደ ድማ ስራሕን ኣበርክቶን እቲ ኻልእ ዘቖናጽብን ዝዕንቅፍን ኮይኑ ከመይ ገይሩ እዩ ጥዕና ክርከብ፧ ንዅሉ ዝኣሊ ርእሲ(ኣእምሮ ልቡና) ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም ኣካላት ከወሃህድን ከስምርን ይግብኦ።

ሰብ ማዕርግ ዝኾንና ከከም ማዕርግና፡ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ኸምቲ ዝተጻሕፈልና ተጊህና ጥራይ መኽሊትና ነርብሕ። ኣብ መዓልቱ ዅሉ ኺገሃድ እዩ። ሰባት ብዚደለይዎ መንገዲ ነቲ ሓቂ ኺኽውልዎ ይፈትኑን ስለ ሓሶት ድማ ይጽዓትን ምኽንያት ይፈጥሩን እታ ፍርዲ ግና ኣብ ኢድ እቲ ርቱዕ ዚፈርድ ኣምላኽ እያ። ንሕና ግቡእና ንዕየ። ኣምላኽ ድማ ኸምቲ ድኹም ግብርና ዘይኮነስ ከምቲ ምሕረቱ ኺርእየን ኣብዚኅና ንለምኖ።

ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ኽንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘመነ ዮሓንስ 30 ሓምሌ 2012 ዓ.ም.…

August
Thursday
6
ዝክር፦ መርቆሮዎስ ወኤፍሬም ሰማዕታት፡ ወጳውሎስ መናኒ፡ ወሱርያል መልአክ ወእንድርያስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ተሰ. 5፡11-18 ይሁ. 1፡10-13 ግብ. ሐዋ.  28፡1-7 ምስባክ፦ መዝ. 95/96 ወንጌል፦ ማር. 4፡35-ፍጻሜ ቅዳሴ ዘሐዋርያት።        * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

መቅድም ውዳሴ ማርያም

ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝደረሶ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ኤፍሬም ለብሓዊ እዩ። ሶርያዊ ዝተባህለ ብሃገሩ ኮይኑ ለብሓዊ ድማ ብተግባሩ እዩ። እዚ ቅዱስ ኤፍሬም...

አሥርቆት ዘወርኀ ነሐሴ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ነሐሴ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጳጕሜን በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ነሐሴ ቡሩክ መዓልቱ ዓሠርቱ ወሠለስቱ ወእምዝ የሐፅፅ።

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኅቡራት…

ዕለት 24-25 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (31/07 – 01/08 2020 ፈ.)፣ “ብጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን ጽናዕ” (2ይ ጢሞ 4፡2) ብዝብል መሪሕ ኃይለ...

ቀዳማይ መሥርሕ ኣርትዖት መጽሓፍ ቅዱስ ሐዲስ ኪዳን ንምክያድ ዝዓለመ ጉባኤ…

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትውነን መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዝዓለመ ብክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት ብግእዝን ትግርኛን ዝቐረበት መጽሓፍ ሐዲስ ኪዳን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን…

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ...

ብሕንፃ እንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ሕንጻዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ

 ኣብ ከተማ ኣሥመራ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከብ ብእንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ዋንነት ቅድስት ቤተ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

ኣብ ዘመነ ስብከቱ ንሐዋርያ ጳውሎስ ዝስዕባ ካብ ዝነበራ ቅዱሳት ኣንስት ሓንቲ ቅድስት ቴክላ እያ። ኣብ ዝተወለደትሉ ሃገር ኒቆምድያ ኣብ ቤት...

ሰማዕት ቅዱስ አበ ኖብ

ሎሚ ሕፃናት ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ሓደ ካብ ሰማዕታት ዝኾነ ናይ ኣባ ኖብ ታሪኽ ክንርኢ ኢና። ሰማዕት ዝብል ቃል ትርጕሙ መስካሪ...

መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ዑራኤል

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም። ቅዱሳን መላእክት ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ...

“ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ ደኣ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ሮሜ…

ዓለም፡ ካብ ሰብ ወፃኢ ዝቖመት ጽላሎት ኣይኮነትን። ኵሉ ሰብ ኣብኣ እናነበረ ኵሉ ናታ በረኸትን መዓትን ይካፈል። ተለዋዋጢት ስለዝኾነት’ውን ከምኣ ይለዋወጥ።

ዜና ዕረፍት ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘፍረየቶም ሊቃውንተ ዜማ ሓደ ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል እዮም። እዞም ሊቅ’ዚኦም ኣብ መበል 64 ዕድሚኦም...

  

latest articles

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...