ሆሣዕና በአርያም

Apr 11, 2020

ነበልባላዊ ዝኾነ እሳታዊ መንበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዘርጊሑ ብኣእላፍ እሳታውያን መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ብምልኣተ ህላዌኡ ኪሥለስን ኪቕደስን ዝነብር ኣካላዊ ቓል፡ ንወዲ ሰብ ንምድኃን ብድኹም ኣርኣያ ሥጋ፡ ጐይታ ዳዊት ክንሱ፡ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ተወሊዱ፡ ሰብ ኮይኑ ሆሣዕና ተባሂሉ ምጽውዑ ንወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ፍቕሩ ከምዝገለጸሉ ዘርኢ እዩ። ሆሣዕና ማለት ድኅነት ዝርከቦ ሓቀኛ መድኃኒት ማለት እዩ። ሓቀኛ መድኃኒት ዝተባህለ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ፍጹም ናይ ዓለም ነፍስ ድኅነት ንዝኾነሉ መዓልቲ፡ 7ተ መዓልቲ ኪተርፎ ኸሎ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾም “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘሎ ዓዲ ኺዱ፡ ኣብኡ ምስ ኣቶኹም ድማ ዝተኣስረት ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረኽቡ ኢኹ እሞ ፈቲሕኹም ኣምጽኡለይ” በሎም። “እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ዝብል ሰብ እንተረኸብኩም ከኣ ጐይታኦም ይደልዮም ኣሎ” በሉ። ብተፈጥሮ ጐይታኦም ስለ ዝኾነ እዩ። ንሳቶም ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ነታ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሖም ኣምጽእሉ። እዚ ድማ ኸምቲ ብነቢይ ዘካርያስ “ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም ዕልል በሊ፡ እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቕን ለዋህን ትሑትን እዩ ኣብ ኣድግን ኣብ ጻዕብን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ” ዘካ. 10፡10 ኢሉ ብእተነበዮ መሠረት፡ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድግን ጻዕብን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ ዚበዝኁ ኻብቶም ሕዝቢ ኽዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንጸፉ። ካልኦት ድማ ኻብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ ኣብ መንገዲ ነስነሱ፡ ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድኅሪኡ እውን ዚስዕቡ ሕዝቢ ዓው ኢሎ “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር / ንወዲ ዳዊት መድኃኒት ምባል ይግብኦ እዩ። እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ፡ እናበሉ ሕፃናትን ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሕዝብን ጨንፈር ስየ ኂዞም ኣመስገንዎ።

ኣካለ መለኮት ምስ ኣካላ ሥጋ፡ ኣካለ ሥጋ ምስ ኣካለ መለኮት ብምውሓዱ መድኃኒት ኮይኑ ንዓለም ዘድኅነሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ንምርግጋጽ ፍጹም ትሕትናኡ’ውን ንምግላጽ ኣብ ክንዲ ዘባነ ኪሩቤል ኣብ ዘባነ ኣድግን ጻዕብን ተወጢሑ ኣብ ክንዲ ምስጋና መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን፡ ምስጋና ካብ ምድራውያን ኣረገውትን ካብ ኣፍ ሕፃናት “ሆሣዕና” ንወዲ ዳዊት” መድኃኒት ምባል ሆሣዕና ኣብ ኣርያም ዝብል ቃለ ምስጋና እናተቐበለ ካብ ቢታንያ ተበጊሡ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣተወ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸኣ ብዘላ እታ ኸተማ ዅላ “እዚ መንዩ፧” ኢላ ተናወጸት። እቲ ሕዝቢ ኸኣ “እዚ ኻብ ገሊላ ዝመጽአ እቲ በዓል ናዝሬት ኢየሱስ እዩ” እንተኾነ ሊቃነ ኻህናትን ጸሓፍትን ብዝኾነ ይኹን እዋን ቅንኣት ተንኰል ኣይፍለዮምን እዩ’ሞ ነቶም ሕፃናት ጨንፈር ስየ ሒዞም እናወጣወጡ እናተሓጐሱ ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት ሆሣዕና ኣብ ኣርያም . . . እናበሉ ሰማያዊ ልዕልናኡን ጐይታ ዳዊት ክንሱ ወዲ ዳዊት ንምባል ብትሕትናኡ ተደኒቖም ከመስግንዎ ኸለዉ ሰሚዖም ባህ ስለ ዘይበሎም ንጐይታ እዞም ሕፃናት ዝብልዎ ዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፡ ስለምንታይ ዘይትኽልክሎም” በልዎ።
ጐይታ ኸኣ ነቢይ ዳዊት ብዛዕባ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ኣርኂቑ ብዓይኒ ትንቢት ጠሚቱ “እም አፈ ደቂቅ ወሕፃናት ኣስተዳሎከ ስብሐተ/ ምስጋና ካብ ኣፍ ሕፃናትን ቈልዑን ኣዳሎኻ ኢሉ ንዝተነበዮ ቓልዶ ኣየንበብኩምን፡” በሎም። ደቂቅ ዝተባህሉ ደቂ ዓመትን መንፈቕን፡ ሕፃናት ዝተባህሉ ድማ ደቂ ኽልተ ዓመት እዮም። ከምኡውን “እዚኣቶም ስቕ እኳ እንተበሉ እዞም ኣእማን ከመስግኑ እዮም “እብለኩም ኣሎኹ ኢሉ መለሰሎም። ሉቃ. 21፡50

ልሙዕ ስየ ኂዝካ ምቕባል ቅድሚ እቲ ጊዜ እቲ ዝተለምደ ነበረ።

ሀ. ኣብርሃም ኣብ ጊዜ እርጋኑ ንይስሐቅ ምስ ወለዶ ናይ ሥየ ጨንፈር ኂዙ ከም ዘመስገነ ቅዱስ ያሬድ “ነሥአ አብርሃም አዕፁቀ በቀልት ሰብሐ ወዘመረ” ኣብርሃም ናይ ሥየ ጨንፈር ኂዙ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ ኢሉ ገሊጹዎ ኣሎ።
ለ. እስራኤል ካብ ምድረ ግብጽ ክወፁ ከለዉ ለምለም ሥየ ኂዞም “ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሐ ዘተሰብሐ” ብባሕርይ ክብሩ ንዝተመስገነ እግዚአብሔር ፍጹም ምስጋና ይብጽሓዮ እናበሉ ብብርቱዕ ድሃይ ኣመስገንዎ። ዘፀ. 26፡2-28
ሐ. ብዛዕባ ክዳን ምንዳፍ ድማ ኢዩ ዝተባህለ ቅብዓ መንግሥቲ ምስ ተቐብዐ ነፍስ ወከፎም ከክዶሞኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደታይቦ ኣንጸፉ ይብል። 3ይ ነገ. 10፡24

ኵሎም እዚኣቶም በዛ መዓልቲ’ዚኣ ምስ ኣቦታቶም ሽማግለታት ኮይኖም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተወጥሖ ኣድጊ ብቕድሚትን ብድኅሪትን ከቢቦም “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት፡ ሆሣዕና በኣርያም . . . እናበሉ ነቲ ስለዕ ናይ ሥየ እናወዛወዙ ክዘሉን ክዕንድሩን ከም ዝወዓሉ ንሕና ናይ ክርስቶስ ምእመናን ከኣ ንዓኣቶም ኣብነት ጌርና ናይ ክርስቶስ ሆሣዕና (ምድኃን) ተኣሚንና ስለዕ ናይ ሥየ ኂዝና ምስ ደቅና ሕፃናት ኴንና “ቅድሚ ሕጂ ዘይተገብረን ድኅሪ ሕጂ’ውን ዘይከውን ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒት ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ንኣደናቒ ተኣምራቱ ገለጸ ኣርኣየ እናበልና፡ ኣብ ዓዓመቱን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከነመስግኖ እንነብር ዘሎና ነዚ ኣርኣያ’ዚ ብምስዓብ ኢና። ምእመናትን ምእመናንን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ዕለተ ሆሣዕና ጥራይ ዘይኮነ ደቕና ኂዝና ክንመጽእን ክንሳለምን ካብ ሕፃንነቶም ኣፎም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክኸፍቱን ትምህርተ ተዋሕዶን መሠረተ እምነቶምን ኣጽኒዖም ክዓብዩ እሞ ንጹሓትን ርቱዓትን ወረስቲ ኣቦታቶም ብኵሉ ሥነ ምግባሮም ንእግዚአብሔር ዘሐጕሱን ድረት ኣቦታትም ዝሕልዉ ክኾኑን ሎሚ ጽባሕ ዘየድልዮ ናይ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ኃላፍነት እዩ እሞ በዚ ቅዱስ ዕለት እዚ ኵላትና ንፈጣሪና ከነመስግንን ደቕና ኣብ ቤተክርስቲያን ኪነምጽእን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብል ኣላ።

ድርሳን ስምዖን ዓምዳዊ

ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቶም ሕፃናት ሆሳዕና ስየን ሰትን ክፀውር ዓድለኒ።

ኦ ወዲ ዳዊት ምሳኻ ሓደ ግበረኒ። ኣብ ውሽጢ ሕሊናና ብርሃን ምስጋናኻ ኣብሪህካ ኣባላትካ ክንከውን ዓድለና።

ንስኻ ጓሳና፡ መጋቢና፡ መራሒና፡ ንጕስናን ኣምላኽናን እንቋዕ ብደኃን መጻእካ ካብ መንግሥቲ ጽልመት ኣናጊፍካ ናብታ ምልእቲ ብርሃን መንግሥትኻ ኣእትወና።

ብስምካ ሕይወት ምእንቲ ክንወርስሲ ኻብ ስደት መልኣኽ ጽልመት ኣናጊፍካ ኣምላኻውያት ዝኾና ኪዳንካን ሕግኻን ኣብ ልዕሌና ጸሓፍ።

ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣቲና ነቶም ረጋቢት ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ሰጕጕካ “ቤተይ ቤት ጸሎት ክስመይ እዩ።

ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉትን ሰረቕትን ገበርክምዎ” ዝበልካዮም።

ንዅሉ መንፈስ እከይን ዘይጠቅም ሓሳባትን ካብ ልበይን ነፍሰይን ኣርሒቕካ።

ንልቡናይ ቤት ጸሎት ክኸውን ኣብቅዓዮ፡ ንልበይን ሕሊናይን ድማ ንስምካ ከመስግኑን ክባረኹን ኣንቅሓዮም።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

 

ዘመነ ማቴዎስ 8 መስከረም 2013 ዓ.ም…

September
Friday
18
ዝክር፦ ዘካርያስ፡ ወሙሴ ነቢይ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 2ይ ቆሮ. 3፡7-ፍጻሜ ይሁ. 1፡1-9 ግብ. ሐዋ. 7፡23-29 ምስባክ፦ መዝ. 9 ዓዲ 57/58 ወንጌል፦ ማቴ. 23፡29-ፍጻሜ ቅዳሴ፦ ዘኤጲፋንዮስ።  ***
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

አሥርቆት ዘወርኀ መስከረም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ መስከረም ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥቅምት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ መስከረም...

እንቋዕ ናብ ዘመነ ማቴዎስ 2013 ዓ.ም.ግ. ኣብጽሓና።

“ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ኻብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ኸምዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፤ኣብ መንግሥተ ሰማያት እቲ ዚንእሶ የዓብዮ” ማቴ፡11፥11  ሄሮድስን...

ዐቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ እንቋዕ ናብ ዓመተ 2013…

ዐቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ብምኽንያት ርእሰ ዓውደ ዓመት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ቡራኬ፦ ንዅልኹም ኣብ ቀረባ ውሽጢ...

ባሕረ ሓሳብ ፡ ሓሳበ ዘመን ፳፻፲ወ፫/ 2013 ዓ.ም.

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እትጥቀመሉ መቝጸሪ ዘመን ባሕረ ሓሳብ ይበሃል። ባሕረ ሓሳብ ማለት ቍጽሪ ዘለዎ ዘመን፤ ናይ ዘመን ቍጽሪ፤ ሓሳብ ናይ...

ብዝተፈላለየ ዐውደ ትምህርት ዝተማህሩ መምህራን ተመሪቖም!

 ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብትርጓሜ መጽሓፍተ ሓዲሳት ሽድሽተ ተመሃሮ፡  ብመዝገብ ቅዳሴ ድማ ሸሞንተ ተመሃሮ ብድምር 14 ተመሃሮ ብደረጃ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት አቡነ ተክለሃይማኖት ራናና ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 24 ነሓሴ 2012 ዓ.ም.ግ. “ካብ ዕድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ” (ዘፍ. 12፡1) ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሩፋኤል 3 ጳጕሜን ብውዳሴን ቅዳሴን ብድምቀት ተኸቢሩ!

3 ጳጕሜን ክብረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ኵለን አብያተ ክርስቲያን ብስብሓታትን ጸሎተ ሰዓታትን ክኸብር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ቅዱስ...

3 ጳጕሜን - ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

ቅዱሳን መላእክት፡ ልኡካን ኣገልገልቲ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ናብ ሰባት፡ ምስጋና ልማኖ ጸሎት ሰባት ድማ ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ ምእንቲ ዅሉ ፍጥረት ዝልምኑ...

ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን ኣብ ወርኀ ጳጕሜን

ብዛዕባ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ...

ፍልይቲ ወርኂ - ወርኀ ጳጕሜን

ብናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣቈጻጽራ ዘመን፡ ሓደ ዓመት 13 ኣዋርኅ ይኅዝ። ናይ መወዳእታ መበል 13 ወርኂ ድማ ጳጕሜን ይብሃል።...

ብዛዕባ ሕማም ኮቪድ19ን፡ ጽልዋኡ ኣብ ቤተክርስቲያንን ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ!

ቅድሚ ኃያለ ኣዋርኅ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ስግኣት ኮይኑ ዝተቀልቀለ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ሕይወት ብዙኃት ሰባት ቀዚፉን ንሥጋውን መንፈሳውን ንጥፈታት...

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዚርከቡ ግዱሳት ደቂ ቤተክርስትቲያን ሓገዝ ኣበርኪቶም

ኣብ ዚተፈላለያ ሃገራት ብስደት ዚነብሩ ግዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ንቤተክርስቲያን ዝገብርዎ ኣበርክቶን፡ ደገፍን ሎሚ ውን...

  

latest articles

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...