ዕለተ ዓርብ (ስቕለት)

Apr 16, 2020

“ነሥኣ ደዌነ ወፆረ ሕማመነ“ ኢሳ. ፶፫፡፬/ “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ”  ኢሳ 53፡4

ኣብ ሥነፍጥረት ብዕለት ዓርቢ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” ፡ ከም መልክዕና ብምስልና ሰብ ንፍጠር። ዘፍ. 1፦26 ኣብ ዝበለሉ ኣዳም ተፈጥረ: ድኅሪ ሾብዓተ ዓመትን ኣርብዓን ሾብዓተን መዓልትን ከኣ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ትእዛዝ ጥሒሱ ኻብ ገነት ተሰጐ: ነዚ ኻሕሳ እዚ ንምምላስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ በጃና ኾነ። 13 ሕማማተ መስቀል ኸኣ በለ።

ተቐቢሉ እዞም ዚስዕቡ እዮም:-

  1. ኣክሊለ ሶክ። ኣኽሊል እሾኽ ዝደፍእሉ 2. ተኰርዖ ርእስ። ብኢድ ኣይሁድ ርእሱ ዝተሃርሞ። ማቴ. 27፦24: 3. ተጸፍዖ መልታሕት። “ተነበይ ለነ መኑ ጸፍዐከ፧” ፡ እናበሉ ኸም ዚጸፍዕዎ: ዮሐ፦ 19:2-4: ማቴ፦27:27። 4. ተወክፎ ምራቅ። ጡፍ ከም ዝበሉሉ: ኢሳ፦50:6። 5. ሰትየ ሐሞት። ሓሞት ዘስተይዎ: መዝ፦69:21, ማቴ፦27:34-48። 6. ተአሥሮ ድኅሪት። ኢዱ ንድኅሪት ዝኣሰርዎ: ዮሐ፦18:12። 7. ተቀስፎ ዘባን። ዝባኑ ብሓለንጊ 6666 ዝወቕዕዎ: ኢሳ፦50:6። 8. ርግዘተ ገቦ። ወይፀዊረ መስቀል። የማናይ ጐድኑ ብዅናት ተወግአ: ዮሓ፦ 19:33። 9. ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀል: ዮሐ፦20:25። 10. ሳዶር። 11.  ኣላዶር: 12.  ዳናት: 13.  ኣዴራ: 14.  ሮዳስ: ማቴ፦26:26-28 (ትርጓሜ ወንጌል)።

እዛ ዕለት እዚኣ እዚ ዅሉ ጐይታና ዝተቐበሎ ፀዋትወ መከራ እናዘከርና ልባዊ ሓዘን ንሓዝን: ከምኡ’ውን ብተወሳኺ ሾብዓተ ነገራት ተፈጸሙ:-

  1. ምጥፋእ ፀሓይ። ፀሓይ ጸልመተ: 2. ወርኂ ናብ ደም ምቕያራ: 3. ከዋኽብቲ ረገ: 4. መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ: 5. ኣኻውሕ ተጨዱ: 6. መቓብራት ተኸፍቱ: 7. ምዉታት’ውን ተንሥኡ:

ከምኡ’ውን እቶም ሾብዓተ ጽራሓተ (ኣጽራሐ) መስቀል ዚባሃሉ ዝተናገረሉ ዕለት እዩ: ንሳቶም ድማ እዞም ዚስዕቡ እዮም:-

ሾብዓተ ጽራሓተ (አጽራሓ) መስቀል

  1. ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትኃዘሎም: ሉቃ፦23:34።
  2. ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትህሉ ኢኻ: ሉቃ፦ 23:43።
  3. እንሆ ወድኺ። እንሀት ኣዴኻ: ዮሐ፦19:26-27።
  4. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ: ማቴ፦27:46።
  5. ጸማእኩ: ዮሐ፦19:30።
  6. ኦ ኣቦይ ነፍሰይ ናብ ኢድካ አማዕቊባ ኣሎኹ: ሉቃ፦23:46።
  7. ኵሉ ተፈጸመ: ዮሐ፦19:30።

ኣብ ዕለተ ዓርቢ ብሓደ ወገን እኳ ገበርቲ ኽእ እንተበዝኁ: ጽቡቕ ዝገብሩ’ውን ኣይተሳእኑን: ፍቕሩ ስሒብዎም። ቅድም’ውን እናኸዱ ዚመሃሩ ዝነበሩ። ኣብ ቅድሚ መስፍን ኣሕዛብ ጲላጦስ ቀሪቦም ካብ ዕፀ መስቀል ኣውሪዶም ንኺቐብርዎ ሓቲቶም ፍቓድ ዝረኸቡ እሞ ኣብቲ ንእኦም ኢሎም ዘዳለውዎ ብውቕሮ ኻብ ከውሒ ዝተሠርሐ መቓብር ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ኣብታ ዮሴፍ ንእኡ ኢሉ ኣዳልይዋ ዝነበረ ሓዳስ መቓብር ዝቐበሩሉ ዕለት እያ: ሎሚ’ውን ከምዞም ክልተ ሰባት ዝፈጸምዎ ጽቡቕ ግብሪ ክንገብር ብዕፀ መስቀሉ ይደግፈና።

ሰብዓቱ ጽራሐተ መስቀል

ወልደ እግዚአብሔር ሕያው ወልደ ማርያም ሥግው ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ንድኅነት ኵሉ ዓለም ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣብ ስቓይን መከራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዅላትና ሕይወት ዚዘርኡ ቓላት ተናገረ።

ኣብ ጊዜ መከራኡን ሕማሙን: ኬሳቕይዎ: ኺጸርፍዎ: ሕቶ ኺሓትዎ: ወይ’ውን ኪዛረቦም ኬገድድዎ ኸለዉ መልሲ ዝሃበሉ ውሑድ እዩ። ኪዛረብ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ እዩ ተዛሪቡ። እቶም ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረቦም ቃላት ንጥቕምናን ንድኅነትናን ነበሩ። ሓንቲ ቓል’ውን ትኹን ብኸንቱ ኣይተዛረበን። ነፍሲ ወከፍ ቃል ናይ ገዛእ ርእሱ ዓሚቚ ትርጉም ኣለዎ። ናብ ዝርዝር ኣቲና በብሓደ ቕድሚ ምርኣይና ግና ንሕጂ ሓፈሻዊ ብዛዕባ እቶም ዝተዛረቦም ቃላት ንርአ።

ጐይታ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረቦም ቃላት ክንዝክር ከሎና ህያባት ዘበሥሩ ስለዝኾኑ እቲ መዓልቲ ናይ ህያብ መዓልቲ ከም ዝኾነ ኢና ነስተውዕል:-

  • ንዘከላበትዎ ይቕሬታ ሃበ (ሉቃ. 23:34)።
  • ብየማኑ ንዝተሰቕለ ሽፍታ ገነት ዓደለ (ሉቃ. 23:33)።
  • ወሊዳን ተኸናኺናን ዘዕበየቶ ኣዲኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኺከናኸናን ንኺኣልያን ወዲ ንኺኾናን ንዮሓንስ ሃቦ (ዮሐ. 19:26)።
  • ነቲ ዚፈትዎ ወደመዝሙር ዮሓንስ ንዚፈትዋ ኣዲኡ ሃባ (ዮሓ. 19:27)።
  • ገዛእ ርእሱ ሥሙር መሥዋዕቲ ኾይኑ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ቐረበ።
  • ንዅሎም ደቂ ሰባት ሥርየት ኃጢኣትን ዘለዓለማዊ ድኅነትን ሃበ።

ብሓፂሩ ብዘይካ መከራን መጺጽ ሓሞትን ካብ ደቂ ሰባት ካልእ ዘይተቐበለ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ዘዝብጽሖ ዓደለ። ቀጺልና ከነስተውዕለሉ ዝግብኣና ነጥቢ እንተኣልዩ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኅደገሎም” ዝብል ናይ መጀመርታ ቓልን “ኦ ኣቦይ! ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣሎኹ” ዝብል ናይ መወዳእታ ቓልን ክልቲኡ ንናይ ባሕርይ ኣቦኡ (ንእግዚአብሔር አቦ) ዝተነግረ ቓላት እዩ። ኣብዚ ንሕና ክንመሃረሉ ዚግባእ ዓቢይ ቅዉም ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ዝርርብና ምስ ሰማያዊ ኣቦና እግዚኣብሔር ኪኸውን: ሕይወትና ምስኡ ጀሚሩ ምስኡ ኪውዳእ ከም ዘለዎ እዩ። ጀማሪ እምነትናን መንነትናን ባዕሉ’ዶ ኣይኮነን፧ (ዕብ. 12:2)።

ሕጂውን ኣብ መንጎ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ቃላት “ኦ ኣቦይ! ንምንታይ ኃደግካኒ፧” ዝብልን “ተፈጸመ” ዝብልን ንእግዚአብሔር ኣቦ ዝተነግሩ ኽልተ ቓላት ንረክብ። “ተፈጸመ” ዝብል ቓል ዋላኳ ብቐጥታ ንመን ከም ዝተነግረ እንተዘየመልከተ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኸም ዝተነግረ ግና ብምሥጢር ይፍለጥ። ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ኣብ ወንጌለ ዮሓንስ 17:4 “ክገብሮ ዝሃብካኒ ሥራሕ ፈጸምኩ” ኢሉ ተዛሪቡ ኔሩ እዩ። ስለዚ ጐይታ ኣብ መስቀል ኮይኑ ኻብ ዝተዛረቦም ሾብዓተ ቓላት እቶም ኣርባዕተ ማለት እቶም ዝበዝኁ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝተዛረቦም ሰማያውያን ዝርርባት እዮም። ንዓናኸ “ካብቲ ዝተዋህበና ዕድመ እቲ ዝበዝኅ ሰማያዊ ነገር ብምሕሳብን ምስ ሰማያዊ ኣቦና ብምዝርራብን ከነኅልፎ እዩ ዝምህረና ዘሎ”።

ብሣልሳይ ደረጃ ከነስተውዕሎ ዚግባእ ነጥቢ እንተኣልዩ ምስ እግዚአብሔር ኣቦ ኺዘራረብ ከሎ “ኣቦይ” እናበለን “ኣምላኸይ” እናበለን ብኽልተ ዓይነት መንገዲ ምዃኑ እዩ። መጀመርታ ኣብ ሕቝፎኡ ኸም ዘሎ ኸም ሓደ ወዱ (ዮሓ. 1:18)። ቀጺሉ ድማ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸምቲ ካብ ኣደ ዝተወልደ ሕፃን (ገላ. 4:4)።

“ኣቦይ” ኣብ ዝብል ቃሉ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካስ እስኪ ኻብ መስቀል ውረድ፧” እናበሉ የላግጹሉ ንዝነበሩ ሰባት ብሓቂ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ይገልጸሎም ነበረ።

“ኣቦይ“ ዝብል ቃል ንመለኮትነት ዚገልጽ ኪኸውን ከሎ : “ኣምላኸይ” ዝብል ቃል ከኣ ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ከም ዝኾነ ዚገልጽ ቃል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ኣቦይ” ዝብል ቃል ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርይ ክሒዱ ንዝመሃረ ክሕደት አርዮስ ትምህርቲ ኑፋቄ ኸውድቕ ከሎ: “ኣምላኸይ” ዝብል ቃል ከኣ ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን “ጐይታ ፍጹም ሰብ ኣይኮነን” ኢሉ ንዝመሃረ ኑፋቄ ኣውጣኪ ዘውድቕ እዩ። “ኣቦይ” ዝብል ቃል ወልደ አብ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ “ኣምላኸይ” ዝብል ቃል ከኣ ወልደ ማርያም ምዃኑ ይሕብር። ብኽልተ ዓይነት ኣዘራርባ ዚዘራረብ ዝነበረ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ከምዝኾነ ንኸርኢ እዩ።

ካልእ ምስትውዓል ዝሓትት ጉዳይ’ውን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ጐይታ ኣብ መስቀል ኮይኑ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ጥራይ ዘይኮነስ ንደቂ ሰባት’ውን ኣዘራሪቡ እዩ።

  • መጀመርታ ንኃጢኣተኛታት: ብየማኑ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ ዚመሰሉ።
  • ቀጺሉ ንቕዱሳን : ብኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ብዮሓንስ ፍቁረ እግዚእን ዚመሰሉ።

ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኮይኑ ንደቂ ሰባት ከዘራርብ ከሎ እቲ ኣዘራርባ ኽርስቲያናዊ መምርሕን መስርዕን ዝኃዘ ዝርርብ እዩ ኔሩ። ሥጋ ምልባሱ ንኻልኦት ጥቕሚ ስለዝኾነ ገዛእ ርእሱ ኣጽኒሑ ንኻልኦት ኣቐደመ። ቅድሚ ፈተውቱ ኣቓልቦ ረኺቦም ዘዘራረቦም ጸላእቱ ነበሩ። ናይ መጀመርታ ዘረባኡ መከራ ዘትርርሉን ዘሳድድዎን ንዝነበሩ ነበረ። ካልኣይ ከኣ ነቲ ኣብ የማኑ ዝነበረ ሽፍታ: ድኅር’ዚ ዅሉ እዩ ኸኣ ንፈተውቱን ናብ ገዛእ ርእሱን ዝመጽአ። ጐይታ ኣብ መስቀል ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይፈረደን። ንዋላ ሓደ’ውን ኣይነቐፈን: ንማንም ኣይቐጽዐን: ስቓዩን መከርኡን ንጐድኒ ገዲ ይቕሬታን ድኅነትን ዘበሥሩ: ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝሓቘ ቃላት ምሕረት ተዛረበ። “ንዓለም ከድኅን’ምበር ንዓለም ከጥፍእ ኣይመጽአን” ዮሓ. (3:16) ። ስለዚ ኸኣ ናይ መስቀል ቃላቱ ብይቕሬታ ምሕታት ጀመሮ። ቀጺሉ እቲ ኣብ መስቀል ዚፈስስ ዝነበረ ክቡር ደሙ ናይ ኃጢኣት ሥርየት ሥራሑ ከም ዝጀመረ ፈሊጡ ድኅሪ ሥርየት ኃጢኣት ዚርከብ ምርሓው ኣፍደገ ገነት ዘበሥር ካልኣይ ቃል ተዛረበ። “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ” በሎ።

መድኃኒና ኣብ መስቀል ኮይኑ ሥራሕ ድኅነት ጥራይ ዘይኮነስ ሥራሕ ምምሃር ውን የካይድ ነበረ።

  • ቀዳማይ ቓሉ ንጸላእትና ኸነፍቅሮም ከም ዝግብኣና ብግብሪ ምሂሩና።
  • ኣብቲ ናይ መወዳእታ ቓሉ “ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ” ምባሉ ነፍሲ መዋቲት ከም ዘይኮነት: ነፍሲ ጻድቕ ሰብ ድኅሪ ሥጋዊ ሞት ናብ ኣምላኽ ከም እትዓርግ ምሂሩና።
  • ብሣልሳይ ቃሉ ንኣዲኡ ድንግል ማርያም ብምኽባር ከመይ ኢልና ኣብ ልዕሊ ስድራና ሓቀኛን ግብራውን ፍቕርን ሓልዮት ከነኅድር ከም ዝግብኣና ንምርኣይ ካብቶም ዓሠርተ ትእዛዛት ነቲ ኃሙሻይ ብግብሪ ተርጐመልና።

ካብኡ ንደኃር እዩ’ምበአር ብዛዕባ ፈተውቱ ማለት ብዛዕባ እታ ዚፈትዋ ኣዲኡን: ብዛዕባ እቲ ዚፈትዎ ወደ መዝሙሩን ዮሓንስን ዝተዛረበ። ካብዚ እንመሃሮ ሓቂ ኸኣ ኸምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ስብከተ ወንጌሉ “ንሕሙማት’ምበር ንጥዑያት ሓኪም ኣየድልዮምን እዩ” ዝበሎ ዕላምኡ ነቶም ዝጸልእዎ ናብኡ ንምቕራብ ስለ ዝነበረ ካብ ፈተውቱ ኣብሊጹ ብዛዕባ ጸላእቱ ኸም ዝግደስ እዩ።

ጐይታ ኣብ መስቀል ኣብ ዝነበረሉ ኻብ ዝተዛረበን ሾብዓተ ቓላት እተን ቐዳሞት ሠለስተ ብዛዕባ ኻልኦት ዝተዛረበን’ምበር ብዛዕባኡ ኣይነበራን። ነዚ እዩ ኸኣ ጐይታ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ንኻልኦት ዝሓሊ: ንኻልኦት ኣቐዲሙ ንገዛእ ርእሱ ዘጽንሕ ዝበልና።

እዚ ቓል እዚ ኣብ ኢድ እቶም ስሌኦም ዝጽልየሎም ዝነበረ ሰባት ተታኂዙ ኣብ ዝበርትዐ ስቓይን ሕማምን ከሎ ዝተዛረቦ ቓል እዩ። ብወገኖም ጽልኢ፡ ብወገኑ ግና ፍቕሪ ነበረ። ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ ንዋላሓደ እኳ ኺህልዎ ኣይኽእልን እዩ። ንሳቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎም ጽልኢ እናዓበየ ኸደ: ብኣንጻሩ ድማ ንሱ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ፍቕሪ እናኃየለ መጽአ። ርእሱ ብዘንጊ ሓጺን ዝሃረምዎ ንሱ: ኣብ ዓንዲ ኣሲሮም ዝገረፍዎ ንሱ: ብመስማር ሸንኪሮም ዘሳቐይዎን ዝሰቐልዎን ንሱ ነበረ። እቲ ዝገርም ግና ይቕረ ዝተባህለሎም ኣየስተውዓልዎን። እኳ ደኣ ኻብቲ ገበን ሓራ ዝወፅኡ መሲልዎም “ደሙ ኣባናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን” በሉ። ጐይታ ግና ደሙ ናብ ደቂ ደቆም ኪኃልፍ ይትረፍ ኣብ ልዕሊኦም’ውን ክኸውን ኣይፈተወን። “ኣብ ኣ ተንኮል ኣይተረኽቦን። ንዝጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን: መከራ ምስ ኣጽገብዎ’ውን ኣኅሊ ኣይሃበን” 1ይ ጴጥ. 2:23። እኳ ደኣ እዚ ዅሉ ጥፍኣት ምስ ዘይምፍላጥ ቈጺሩ “ዝገብርዎ ኣይፈልጡን” በለ። ገበኖም ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦኡ ኪቐርብ ኣይደለየን። ሕጂ’ውን ፍቕሩ ኣዝዩ ዓሚቝ ስለ ዝነበረ ንሱ ዝደልዮ ይቕረ ኺበሃለሎም ጥራይ እዩ። ይቕረ ኺበሃለሎም ከኣ ገበኖም ክሽፈን ኔርዎ። ኣዝዩ ዘደንቕ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ።

  • ካብ መራሕቲ እምነት ይሁዳውያን ጽልኢ: ቅንኢ: ስም ምኽፋእን ናይ ሓሶት ምስክርን ተቐበለ።
  • ካብ ሕዝቢ ጸርፊ: ውርደትን: ሕስረትን ተቐበለ።
  • ወተሃደራት ጲላጦስን ኣገልገልቲ ካህናትን ብጽፍዒት እናሃረሙ የላግጹሉን ጡፍ ይብሉሉን የሽካዕልሉሉን ነበሩ።
  • ጴንጠናዊ ጲላጦስ’ውን እንተኾነ “ ኣብዚ ሰብ እዚ ዋላ ሓንቲ ገበን ኣይረኸብኩን “ እናበለ ኽንሱ ንሥልጣኑ ፈሪሁ ናይ እንታይ ገዲሱኒ ፍርዲ ፈረደ። ስለዚ ኸኣ ገሪፎም ንኺሰቕልዎ ኣኅሊ ሃቦም። ብሓቂ ዓቢይ ዘይፍትሓውነት እዩ። ብዓቢኡ ኸኣ ንኺስቀል ብምፍራዶም ብገበን ነፍሲ ምቕታል ተሓተቲ እዮም።

በዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጭብጥታት ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝኣክል ጐይታ ማዕረ ኽንድዚ ኸቢድ ገበን ዚፈጸሙ ሰባት ንሕና ናይ ሞት ፍርዲ ምፈረድናዮም። ናትና ርእይቶን መደምደምታን ካብኡ ዝቐልል ኣይምኾነን። እዚ ዅሉ በደል ኣብ ርእሱ ዝተሰከመ ጐይታ ግና መደምደምታኡ ኻብ ናትና ፍልይ ዝበለ ኾነ። “ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቐለ” ዝብል ነበረ። ኣቤት! ለውሃት ጐይታ’ስ ከመይ ዕፁብ ድንቂ እዩ። ብሓቂ ጐይታ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ፍቕሪ ልዕሊ ርድኢት ኣእምሮ ደቂ ሰባት እዩ።

ክርስቶስ ንዝበደልዎ ይቕረ ምባሉ ትእዛዙ ኸመይ ጌርካ ኸም ዚፍጸም ብግብሪ ኣርኣያ ኾይኑና እዩ። ኣቐዲሙ’ውን “ደቂ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ክትኮኑስ ንጸላእትኹም ፍተዉ: ንዝረግምኹም መርቑ: ንዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ: ንዘሳድድኹም ጸልዩ …” ኢሉ ትእዛዝ ሂቡና እዩ። ኣብዚ ኸኣ እቲ ክንትግብሮ ዝተነግረና ትእዛዝ ባዕሉ ብዘይ ጕድለት ፈጺሙ ኺምህረና ኸሎ ንርኢ ኣሎና። ንሱ ዘይፈጸሞ “ፈጽሙ” : ዘይገበሮ “ግበሩ” ኢሉ ንሰባት ኣይኣዘዘን። ትእዛዙ ኸቢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ’ሞ ዅላትና በብመንገድና ኸይነመኽኒ “ከምዚ ምግባር ይከኣል እዩ” ኢሉ ብግብሪ ምሂሩና። እዚ እዩ ኸኣ እቲ ሓቀኛ: መጽሓፍ ቅዱሳውን መንፈሳውን ኣመሃህራ።

 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ወይ’ውን ኣብ ካልኦት ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት እዚ ቓል እዚ ክንበብ ክንሰምዕ ኸሎና : ወይ’ውን ባዕልና ኸነንብብ ከሎና ዝስምዓና ስምዒት ኣሎ’ዶ፧ “ ኦ ጐይታ: ንስኻ ንዝፈጸምካዮ ኽፍጽም እየ: ንዝብድሉንን ንዅሎም ዘሳድዱኒንን ይቕረ ኽብለሎም እየ” ኢልና’ዶ ምስ ነፍስና ቓል ኣቲና፧ ብዝኾነ መንገዲ ሰባት ኣብ ልዕሌና ዘውርድዎ በደልን ክእ ግብርን መንቀሊኡ ካልእ ዘይኮነስ “ካብ ዘይፍላጥ ጥራይ” እዩ ኢልና ተረዲእና: “ኦ ኣቦይ! ኅደገሎም” ክንብል ይግብኣና እዩ። ከምዚ እንተጌርና ናይ ፍቕር ክርስቶስ ናይ በረኸት ለውሃቱ  ተኻፈልቲ ኾይንና ኣሎና ማለት እዩ። ክርስቲያን ኢና ምባልና’ውን ብተግባር ዝተሰነየ’ምበር ስማዊ ጥራይ ኣይከውንን።

ይቕረ ብዘይ ምባልና ኻብ ኣምላኽ ክንረኽቦ ዝግብኣና በረኸት ንሕሰም ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ ኸምቲ መድኃኒና ምስ ኵሉ ጥፍኣትና ይቕረ ዝበለልና ንሕና’ውን ንብጾትና ምስ ኵሉ ጥፍኣቶም ይቕረ ኽንብለሎም ግዴታና እዩ።

ዝበደልና እንተበደልና : ዕላማ ክርስቶስ ይቕረ ምባል እዩ። ብርግጽ በዲልናዮ ኢና: ዕዳ ኃጢኣት ውን ኔሩና እዩ። ግናኸ መድኃኒና “ፍርዶም ተሰኪመ ዕዳኦም ከፊለ እየ: ድኅሪ ደጊም ዝኽፈል ዕዳ ስለ ዘይብሎም ይቕረ በለሎም። ኣብ ክንዲ ጸላእተይን ፈተውተይን ነፍሰይ በጃ ኣኅሊፈ እየ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ኽቡር ደመይ ኪኅብኡ ንዝደልዩ ዅሎም ይቕረ በለሎም” እዩ ዝብል ዘሎ። “ምእንት’ዚ እንድየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝበጻሕኩ ….” ዮሓ. 12:27 “ይቕረ በለሎም: ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም”።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።

መንበረ ፓትርያርክ

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...