“ክርስቶስ፡ ትንሣኤ ሥጋና ምእንቲ ከረድኣና ተንሥአ”

Apr 20, 2020

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ መቓብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ገይሩ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ሙስና መቓብር ኣጥፊኡ ተንሥአ። እዚ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ መቓብር ፈሪሱን በስቢሱን ከምዘይተርፍን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እውን ከም ዝትንሥእ ዘረድእ እዩ። “ ካብ ሞት ተንሢኡ ናይ ዝሞቱ ኵሉ’ውን በዅሪ ስለዝኾነ ናይ ትንሣኤኦም ጀማሪ እዩ” ሮሜ 8፡29-34 ከምኡ’ውን “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ከም ዝተንሥአ ንኣና’ውን ብሓድሽ ትንሣኤ ከም ዘተንሥኣና ንፈልጥ ኢና” 2ይ ቆሮ. 4፡14 ከምዝብል ጐይታና በዅሪ ትንሣኤ ገይሮም ኵሎም ካብ ኣዳም ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩን ዝፍለዩን ደቂ ሰባት ኵሎም ብነፍስን ብሥጋን ሓድሽ ሕይወት ለቢሶም ኪትንሥኡ እዮም። “ክርስቶስ ናይ ሥጋና ምትንሣእ ምእንቲ ከረድኣና ተንሥአ” ከምዝብል። (መቅድመ ወንጌል)።

እዚ ምሥጢር’ዚ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን ይበሃል። ከምዝፍለጥ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ንጊዜኡ መጻንሒ፡ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ ጊዜ ሥጋ ጻድቅ ኮነ ኃጥእ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ መቓብር ክጸንሕ ከሎ፡ ብኣንጻሩ ግና ነፍሲ ጻድቅ ኣብ ገነት፣ ነፍሲ ኃጥእ ድማ ኣብ ሲኦል ትጸንሕ። ሉቃ. 16፡19-21

ፍጻሜ ዓለም ምስ ኮነ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪፈርድ ይመጽእ እሞ ኵሉ ሰብ ይትንሥእ። “ስለዚ ኣይትደነቑ ኣብ መቓብር ዘለዉ ምዉታን ኵሎም ቃሉ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ። እቶም ሕጉ ዝፈጸሙ ብሕይወት ንምንባር ይትንሥኡ። ክፉእ ሥራሕ ዝሠርሑ ግን ኣብ ፍዳን ጸልማትን ንምንባር ይትንሥኡ” ይብል። ዮሓ. 5፡28።

ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ብሰፊሑ ተጠቒሱ ኣሎ። ነቢይ ኢሳይያስ “ሙታን ኪትንሥኡ ኣብ መቓብር ዘለዉ ድማ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም። ኣብ ውሽጢ ምድሪ ዘለዉ ድማ ደስ ይብሎም። . . . ” ኢሳ. 26፡18-20 ይብል። ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ድማ “ኣብ ምድሪ ኣብ ውሽጢ ሓመድ ካብ ዝደቀሱ ብዙኃት ኪነቕሑ እዮም። ገሊኦም ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ገሊኦም ናብ ናይ ኅፍረትን ዘለዓለም ኃሣርን ይኸዱ” ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ። ዳን. 12፡1-3።

ኣቦና ኢዮብ ድማ ነገረ ትንሣኤ ሙታን ከመልክት ከሎ “ነኣይ ዝብጀወኒ ግን ሕያው ከም ዝኾነ ኣብ መወዳእታ ዘመን ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ከም ዝቐውም እዚ ቈርበተይ’ውን ድኅሪ ምጥፋኡ በቲ ጊዜ’ቲ ካብ ሥጋይ ተፈልየ ንእግዚአብሔር ከም ዝርኢ እፈልጥ ኣሎኹ። ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፣ ኣዕይንተይ ድማ ክምልከትዎ እዮም” በለ። ኢዮ. 19፡25-27

ካብ ዕሥራን ክልተን ሥነ ፍጥረት ድኅሪ ሞቱ ትንሣኤ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ እዩ። መላእኽቲ ስለዘይሞቱ ትንሣኤ ኣይምልከቶምን እዩ። ንሰብ ትንሣኤ ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ሰብ ብቐደሙ ውን እንተኾነ ነፍሱን ሥጋኡን ከይፈላለየ ብሕይወት ንኽነብር ደኣ እምበር ንሞት ኣይተፈጥረን። 1ይ ተሰ. 5:9 ከቢድ ኃጢኣት ምስ ፈጸመ ዋላ እኳ ናይ ሞት ፍርዲ እንተተፈርዶ ምስ ተነስሐ ግና ትንሣኤ ሙታን ተኣወጀሉ።

በዚ መሠረት መፍቀሬ ሰብ ጐይታ፡ ብቀዳማይ ምጽኣቱ ናብ ዓለም መጺኡ ብዝለበሶ ሥጋ ሞይቱ ተንሢኡ በኵረ ትንሣኤ ክኾነና ከሎ፡ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ድማ በቲ ዝተዋሓዶ ሥጋ ብግርማ መለኮቱ ዓለም ንኸኅልፍ ንፍርዲ ኪመጽእ እዩ። መዝ. 49፡2 ፣ ማቴ. 25፡31-32 ፣ ራእ. 1፡17። ዳግማይ ምጽኣቱ ብእልፊ ኣእላፋት መላእኽቲ ተዓጂቡ፡ ሰማይን ምድርን ብመብረቕ እናተሓርሰ፡ ሓዊ ብቕድሚኡ እናነደደ፡ ነቶም ጻድቃን ፍቕሪ ነቶም ኃጥኣን ድማ በቐል መዘኻኸሪ ንኽከውን ነቲ ዝተሰቕለሉ መስቀል ኂዙ፡ ዝተሸንከረ ኣእዳዉን ዝተወግአ ጐድኑን እናኣርኣየ እዩ ኪመጽእ። “እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ’ዩ ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን ሓዊ ኣብ ቅድሚኡ ይነድድ ህቦብላ ንፋስ’ውን ይኸቦ” ከምዝብል። መዝ. 49፡2-3 ፣ ራእ. 1፡7

ንሱ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ኣቐዲሙ ንመላእኽቲ ይልእኾም። ንሳቶም ድማ ሠለስተ ረቀቕቲ ኣዋጅ ነጋሪት የስምዑ። (1ይ ተሰ. 4:16) በቲ ቀዳማይ ኣዋጅ “ንቃሕ መዋቲ ዘትነውም/ ሞይትካ ዘለኻ ተንሥእ” ዝብል ኣዋጅ ምስ ተሰምዐ እንስሳ ዝበልዖ፡ ነፋስ ዝበተኖ፡ ቀላይ ዝወሓጦ፡ ዝሓቐቐ ዝደቐቐ ኵሉ ኣካል ኣብቲ ዝፈረሰሉ ቦታ ይእከብ። ካልኣይ ረቂቅ ነጋሪት ምስ ተሰምዐ ከኣ ኣዕፅምትን ሥጋን ተዋሒዶም ብዘይምንቅስቓስ ሓድሽ ሬሳ ፍጹም በድኒ ይኸውን። ኣብ ሣልሳይ ረቂቅ ኣዋጅ ነጋሪት ድማ ብቐዋሚ ኣካል ብእትዛረብ ልሳን ካብ ጸጉሪ ርእሶም ክሳብ ጽፍሪ እግሮም ካብ ኣካሎም ገለ ከይጐደሎም ወዲ ተባዕታይ ብዓቕመ ኣዳም ወዲ ሠላሳ ዓመት፡ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ብዓቕመ ሔዋን ጓል ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ኮይኖም፡ ማዕረ ቁመት ሓደ መልክዕ ኮይኖም ገግብሮም ኂዞም ይትንሥኡ። እቶም ጻድቃን ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጐናጺፎም ንጐይታኦም ክርስቶስ መሲሎም ኪትንሥኡ እዮም። እቶም ኃጥኣን ግና ጸልማት ለቢሶም ጸልማት ተጐናጺፎም ንዲያብሎስ መሲሎም ኪትንሥኡ እዮም።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ዙፋን ጐይትነቱ ተቐሚጡ ከም ፀሓይ ካብ ምሥራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ኵሉ ዘለውዎ ቦታ ክረኣዮም እዩ። ማቴ. 24፡27 ነቶም ጻድቃን ብየማኑ፣ ነቶም ኃጥኣን ድማ ብጸጋሙ ከቝሞም እዩ። ነቶም ጻድቃን ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ኽፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ ናባይ ይብሎም እሞ ንእኡ ተኸቲሎም ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት መንግሥተ ሰማያት ይኣትዉ። ምስኣቶም ይደምረና፡ ኣሜን።

ነቶም ኃጥኣን ግና ብቓል ወቐሳ ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሓቑ ናብቲ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ኪዱ ይብሎም እሞ ብእሳታዊ ገመድ ተጐቲቶም ንዲያብሎስ ተኸቲሎም ናብ ዘለዓለማዊ ሞት ገሃነመ እሳት ይኸዱ። ካብዚኦም የድኅነና፡ ኣሜን! ማቴ. 25፡34-41

ኣብዚ ዓለም ዝነበረ ሓጐስን ኃዘንን ደስታን ብኽያትን ከም ሕልሚ ኮይኑ ይተርፍ። መፈጸምታ ዓለም፡ መወዳእታ ወዲ ሰብ ድማ ብኸምዚ ኵነታት’ዚ የብቅዕ። እዚ ኵሉ ክኸውን’ዩ ኣይክተርፍን ከኣ እዩ። ኵሉ ከከም ግብሩ ክኽፈል’ዩ። “እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ኸኣ ዓስበይ ምሳይ’ዩ። ራእ. ዮሓ. 22፡12

"ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ ኣብ እግዚአብሔር ሓንቲ መዓልቲ ከም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ። ጐይታስ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ ምእንታኻትኩም ይዕገሥ ኣሎ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ ምእንታኻትኩም ይዕገሥ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጕ ዚመስሎም ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ኸም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺኃልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፡ ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ። እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ዚጠአፍእ ካብ ኮነ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብኣኩም፧ ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቅዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚአብሔርን ክትነብሩ እዩ ዚግብኣኩም። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር እያ። ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።

ስለዚ ኸኣ ኣቱም ፍቁራተይ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ኴንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ።" 2ይ ጴጥ 3፡8-14

ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና፡ ተግባራትና ኣጸቢቕና ወረስቲ መንግሥቱ ክንከውን ጸጋኡ የብዝኃልና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

***

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...