ትንሣኤ ሕይወት

Apr 24, 2020

ብሓፈሻ “ትንሣኤ” ዝብል ቃል ዝተፈላለየ ትርጕም ኣለዎ። ንምሳሌ ፦

  1. ትንሣኤ ሕሊና፦ ተዘክሮተ እግዚአብሔር ማለት እዩ።
  2. ትንሣኤ ልቡና፦ ቃለ እግዚአብሔር ምስማዕን ብንስሓ እናተሓደስካ ብመንፈሳዊ ሕይወት ምንባር እዩ።
  3. 'ትንሣኤ ዘሥጋ'፦ ንጊዜኡ ናይ ሙታን ብሥጋ ምትንሣእ ኮይኑ፣ ደጊምካ ሞት ግና ኣይተርፍን እዩ።
  4. 'ትንሣኤ ዘክርስቶስ'፦ ክርስቶስ ብገዛእ ሥልጣኑ ሙስና መቃብር ኣጥፊኡ ንሞት ስዒሩ ምትንሣኡ እዩ።
  • 'ትንሣኤ ዘጉባኤ'፦ ኣብ ዳግመ ምጽኣት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እዚ ምድራዊ ዓለም እዚ ምስ ኃለፈ፤ ኵሉ ሰብ ከከም ተግባሩ ንኽብርን ውርደትን፤ ንጽድቅን ኵነኔን ብሓደ ዝትንሥኣሉ ዘለዓለማዊ ትንሣኤ እዩ።
  • ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንትንሣኤ ክርስቶስ ከነብዕል ከለና ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ከም ሓደ መዓልቲ ክሳዕ ዳግማይ ትንሣኤ “ሰሙነ ትንሣኤ” ክበሃል ከሎ፣ ክሳዕ በዓለ ኃምሳ ዘሎ 50 መዓልታት ድማ “ወርኀ ትንሣኤ” እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ።

    ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነተ ዓለም ኣብ መስቀል ድኅሪ ምፍጻሙ፣ ሙስና መቓብር ምእንቲ ከርኅቐልና፣ ብኣካለ ሥጋ ናብ መቓብር ወረደ። ነቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ናጽነት ምእንቲ ክሰብከሎም ድማ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወረደ። ድኅሪ ተዋሕዶ መለኮት ካብ ሥጋን ነፍስን ስለዘይፍለ ድማ መቓብር ንሥጋ፤ ሲኦል ከኣ ንነፍሲ ኂዞም ከትርፍዎ ኣይከኣሉን። ነዚ ከረድኡ እዮም ድማ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ “ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትኃድጋን፥ ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ” ፤ “ብሥጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ሕያው ኮነ” (መዝ. 16፡10፣ 1ይ ጴጥ. 3፡18) ዝብሉ።

    ትንሣኤ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ባርነት ናብ ናፅነት፣ ካብ ድኻም ናብ ኃይሊ፣ ካብ ጽልኢ ናብ ፍቕሪ፣ ካብ ምፍልላይ ናብ ሓድነት፣ ካብ መርገም ናብ በረከት ዘሰጋገረ እዩ።

    ስለዚ ኣብዚ ትንሣኤ ዘክርስቶስ ዝሃበና ትንሣኤ ሕይወት ንኽንሳተፍ፣ ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ ብኽብሪ ብርሃን ለቢስና ንእኡ መሲልና ምእንቲ ክንትንሥእ ሎሚ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም’ዚ ኣቐዲምና ትንሣኤ ሕልናን ትንሣኤ ልቦናን ክንትንሥእ ይግባእ።

    ከመይ፡ ናብ ዝበለጸ ዕዮን ፍረ መንፈስን ዘነቃቕሓና፣ ንመንፈሳዊ ተጋድሎ ዘብቅዓና፣ ብፍቕርን ተስፋን እምነትን ንምንባር ዘኽእለና፣ ሓዋርያዊ ተልእኾናን ጕስነትናን ብዝግባእ ንምፍጻም ዘትግሃና፣ ንዝደኸምና ዘኀይል፣ ንዝሓመቕና ዘበርትዕ ንሱ ስለዝኾነ ።

    ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

    ***

     

    ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

    May
    Tuesday
    26
    ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
    00:00 h
    Ad Right

    ዜና ኅትመት

    እዋናዊ ጽሑፋት

    ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

    'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

    “ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

    እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

    “ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

    እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

    ቅዱስ ኣትናቴዎስ

    ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

    ርክበ ካህናት

    “ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

    ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

    ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

    አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

    ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

    ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

    ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

    ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

    ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

    “ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

    ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

    ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

    ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

    ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

    ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

      

    latest articles

    Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

    In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

    The feast of presenting the lord Christ in the temple…

    On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

    The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

    In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

    Mystery of Baptism

    Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

    Mystery of Incarnation

    Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

    Mystery of the Holy Trinity

    The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

    Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

    Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

    In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

    His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

    Fast of the Prophets (Advent)

    15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

    FASTING

    Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

    The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

    In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

    Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

    The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...