ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

May 05, 2020

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት ብምግባር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ኦ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሥልጣን ዘለካ ንኵሉ ዝኃዝካ እግዝአብሔር አምላኽና በእንተ ኵሉ ግብር፡ ምእንቲ ሕሙማን፡ ምእንቲ ዝገሹ፡ ምእንቲ ዝናማት፡ ምእንቲ ፍሬ ምድሪ፡ ምእንቲ ማያተ አፍላግ፡ ምእንቲ ሃገርን መራሒኣን፡ ምእንቲ ምዉታን፡ ምእንቲ ሓደስቲ ኣመንቲ፡ ምእንቲ ሰላም . . . እናበለት ካብኡ ምሕረት ንምቕባልን ፡ በረከት ንምርካብን ወትሩ ምስ ለመነት እያ። ነዚ ጸሎት ዝመርሑ ካህናት መስቀል ኂዞም፡ ኢዶም ዘርጊሖም ድምፆም ኣበሪኾም ከብጽሕዎ ከለዉ ምእመናን ድማ አቡነ ዘበሰማያት እናደገሙ ፡ አሜን ብሓቂ ይኹነልናን ይፈጸመልናን ይብሉ።

ካብ ኵሉ ሕማመ ሥጋ ክፍውሰና ብፍላይ ድማ ብእዋናዊ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ዝሓመሙ ምእንቲ ከሕውየልና ንጸሎት ‘በእንተ ድዉያን (ምእንቲ ሕሙማን)’ ብከምዚ ዝስዕብ ነቕርብ ፦

ካህን፦ ኵሉ ንዝኅዝ እግዚአብሔር፡ ኣቦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደጊምና ምእንቲ ዝሓመሙ ኣኅዋትና ንልምኖ ኣሎና። ኵሉ ደዌን ኵሉ ሕማምን ከርሕቐሎም፣ ንመንፈሰ ደዌ ስዒሩ ሕይወት ክህቦም፡ ኵሉ ንምፍዋስ ሥልጣን ዘለዎ እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ።

ዲያቆን፦ “ምእንቲ ሕሙማን ጸልዩ” ይብል።

ሕዝቢ፦ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና . . . ይጽልዩ።

ካህን፦ ኦ ንዅሉ እትኅዝ እግዚአብሔር፡ ፈጺምና ንልምነካ ኣሎና። ንዝሓመሙ ኣኅዋትና ሕይወት ሃቦም። መንፈሰ ደዌ ኣርሕቕ። ኵሉ ደዌን ኵሉ ሕማምን ካብኣቶም ኣኅልፍ። ኦ ጐይታ፡ ይቕረታኻ ቐልጢፉ ይገበረልና።

ዲያቆን፦ “ኵልና ንበል” ይበል።

ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ፡ ይቕረ በለልና” ይብሉ።

ካህን፦ ነፍስን ሥጋን እተድኅን፡ ንዅሉ ሥጋ እትሕሉ ንስኻ ኢኻ። ነቶም ብርኹሳት መናፍስት ዝሳቐዩ ሓራ ግበር። ንዅላ ጭንቕትን ምንድብትን ሰብነት ብሬታ ሃብ፡ ዕረፍቲውን ሃብ። ካብዚ ቤት እዚ ኸኣ ኵሉ ሕማም ኣውፂእካ ናይ ነፍስ ወከፍና ደዌ ኣሕዊኻ ፍጹም መድኃኒት ሃብ።
        ብሓደ ወድኻ፡ ምስኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ምስጋናን ጽንዓትን ብእኡ ዘሎካ፡ ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም።

ሕዝቢ፦ “አሜን”

* ምእንቲ ሕሙማት ዝጽለ ዘይነግሥ

ካህን፦ ከም ብሓድሽ ኵሉ ንዝኃዘን ጐይታ ዅሉ ንዝኾነን ኣምላኽና ንልምኖ ኣሎና። ኣብ ኵሉ ነጊሡ ዝነብር፡ ኣቦኡ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንነፍሲ ሓላዊኣ፡ ንሥጋ መድኃኒኣ፡ ናብ ሲኦል ዘውርድ፡ መሊሱውን ዘውፅእ፡ ሕማም ነፍሲ ዘሕዊ፡ ምእንቲ ዅሎም ሕሙማት ንዅሉ ክፍውስን ከድኅንን፣ ምሕረት ንምግባር ሥልጣን ዘለዎ እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ።

ዲያቆን፦ “ምእንቲ ሕሙማን ጸልዩ” ይብል።

ሕዝቢ፦ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና . . . ይጽልዩ።

ካህን፦ እወ፡ ኦ ዅሉ ዝኃዝካ ጐይታናን ኣምላኽናን፣ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝነግሥ፡ ኣቦኡ ንቅዱስ ወድኻ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሕሙማት ኣኅዋትና ፈውስ። ነቶም ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም ከኣ ኣውፅእ። ብሕማም ንዝተፈልዩ ናዝዝ፡ ንዝሓመመት ሰብነት ብጽሓያ። ንዅሉ ድማ ፈወስ። ዕፁብ ተኣምራት እትገብር ንስኻ፡ ጽኑዕን ከኣልን ኢኻ።

ዲያቆን፦ “ይቕረ በለልና” ይብል።

ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና” ይብሉ።

ካህን፦ ሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ሓሚሙ ንዝነበረ መጻጕዕ ኣሕዌኻ። ንኣልኣዛር ካብ ሙታን ኣተንሣእካ። ነዲኡ ሓደ ንዝነበረውን ሃብካ። ነታ ደም ዝውሕዛ ዝነበረውን ኣሕዌኻ። ንሓማት ጴጥሮስ ከኣ ኻብ ረስና ኣተንሣእካያ። ኣብዞም ሕሙማት እዚኦም’ውን ከምኡ ሠናይ ተኣምራት ግበር። ካባኻ ዝርከብ ጠሊ ሕይወቶም እዩ እሞ ነጠብጣብ ምሕረትካ ፈንወሎም። ንሳቶም ከኣ ተንሢኦም            ምሳና ከመስግኑኻ ስምካውን ብኅብረት ከነመስግን። ብሓደ ወድኻ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ምስጋናን ግዝኣትን ክብርን ብእኡ ዘሎካ፣ ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም።

ሕዝብ፦ “አሜን” ይብሉ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

 

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...