Print this page

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።” ሉቃ. 23፡42

May 16, 2020

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት መጻሕፍት ይነግሩና። እዚ ሽፍታ ናብ ገነት ምእንቲ ክኣቱ ዝገበሮ ጻዕሪ እንታይ እዩ፧ እንተበልና ኣብቲ እዋን መከራ በቲ ዓቕሙ ክገብሮ ዝግብኦ ዝነበረ እሞ ዘይገበሮ የለን። ንሱ ኣሚኑ፡ ተነሲሑ፡ መስኪሩ፡ ጸልዩ . . . እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦ “ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ ጽሑፍ እዩ እሞ በዛ ዕለት እዚኣ ኵልኹም ብኣይ ኽትዕንቀፋ ኢኹም።” (ማር. 14፡27) ከምዝበሎ እቶም መጓሰ ሕዝቢ ፋሕ ክብሉ ከለዉ፡ ካብ ሓዋርያት ከይተረፉ ተዓንቂፎም እዮም። ብዘይካ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ፡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳ፡ ማርያም መግደላዊት፡ ኣብ ቅድሚ መስቀል ደው ክብል ዝኸኣለ ኣይነበረን።

ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ ሽፍታ (ጥጦስ)፡ ኣብ እምነተ ክርስቶስ ክበጽሕ ጥራይ ቀሊል ነገር ኣይነበረን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ምውታን እናኣተንሥአ፡ ሕሙማት እናኣሕወየ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እናተጓዕዘ፡ ንነፋሳት እናገሠፀን ዕጹብ ድንቂ ተኣምራት እናገበረን ከሎ እንተዝኣምን ነይሩ፡ እዚ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ምክንያተ ኣሚን ኮይንዎ ምበልና ኔርና። ንሱ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከሎ እዩ ዝኣመነ! ንሱ ክርስቶስ ተዋሪዱን ትሕት ኢሉን ኣብ ድኻም ከሎን እዩ ዝኣመነ! ሰባት ገሪፎም ጡፍ ክብልሉን “እስከ ተነበየልና መን እዩ ዝጸፍዓካ” እናበሉ ከባጭውሉን እዩ ርእዩ ዝኣመነ! (ሉቃ. 22፡64)

ፀሓይ ጸልሚታ፡ ወርኂ ደም ኮይና፣ ኣኻውሕ ተጨዲዶም፣ መቓብራት ተኸፊቶም፡ ሙታን ተንሢኦም፡ መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተቐዲዱ ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ፡ በዚ ሾብዓተ ተኣምራት’ዚ ሊቃነ ካህናት፡ ካህናት፡ ዓበይቲ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከምኡ ድማ እቲ ካልእ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘጸጋም ስሙ ዳክርስ) ኣይኣመኑን። ስለዚ ናይዚ ፈያታዊ ዘየማን ኣብ እምነት ምብጻሕ ዓቢይ ነገር እዩ።

እቲ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ክርስቶስ፦ ጐይታን ንጉሥን ከምዝኾነን ሞት ኣብ ልዕሊኡ ሥልጣን ከምዘይብሉ፣ መንግሥቲ ከምዘለዎን ዳግማይ ከምዝመጽእን ኣሚኑ፡ “ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።” በለ። (ሉቃ. 23፡42) በቲ ምሉእ ሕይወቱ ዝገብሮ ዝነበረ ክፉእ ተግባር ከይተሰናኸለ ድኅነቱ ብእኡ ምዃኑ ንምግላጽ ብዓቢይ ተስፋ ዝተዛረቦ ናይ እምነት ቃል እዩ።

እዚ ሽፍታ’ዚ ኣሚኑ ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ በዓል ሓዋርያ ጴጥሮስን ካልኦት ሓዋርያትን ኣርድእትን ክገብርዎ ዘይከኣሉ፣ ንእምነቱ ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሕዝቢ መስኪሩ እዩ። እቲ ካልኣዩ ሽፍታ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፦ “ንስኻ ክርስቶስ እንተዄንካስ ንርእስኻን ንዓናን ኣድኅን” ኢሉ ከላግጸሉ ከሎ ንሱ ግና ናይ ገዛእ ርእሱ ኃጢኣት ተኣሚኑን ዝበጽሖ መቕጻዕቲ ተቐቢሉን “ኢትፈርሆኑ ለእግዚአብሔር አምላክከ አንተሰ ወአነ እንዘ ውስተ ዝንቱ ኵነኔ ሀለውነ። ወለነሰ ዘበርቱዕ ረከበነ ዘይደልወነ፣ በከመ ምግባሪነ ተፈደይነ / ኣታ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ከሎኻኸ ንእግዚአብሔር’ዶ ኣይትፈርህ ኢኻ፧ ንሕናሲ ብሓቂ ብግብርና ዝግብኣና ኢና ተፈዲና።” ክብል ገሠፆ። ቀጺሉ’ውን ሰዓብቱ ሓዋርያትን ሕዝብን ዘይገበርዎ ንሱ ግና “ ወዝንቱሰ አልቦ እኩይ ዘገብረ/ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ዝሠርሖ ክፉእ ሥራሕ የልቦን።” ብምባል ስለ ጐይታ መስከረ። (ሉቃ. 23፡39-41)

ዳክርስ ንክርስቶስ “ንርእስኻን ንኣናን ኣድኅን።’ ብምባል ከመይ ጌሩ ካብቲ ዝተሰቕሎ ከምዝወርድ ክሓስብ ከሎ ንሱ ግና ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዝመጽእ መንግሥትን ይሓስብ ነበረ። ሞት ከም መቕጻዕቲ ናይቲ ዝገበሮ ኃጢኣቱ ምዃኑ ኣሚኑ፣ ኣብተን ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ምድራዊ ሕይወቱ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ሕይወቱ ደኣ እምበር ካብቲ ናይ ሥጋ ሞት ንከድኅኖ ኣይለመነን።

ተወካፌ ጸሎት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከምእትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።” በሎ። (ሉቃ. 23፡43)

“ኦ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዕፀ መስቀል ከሎኻ ኣብ የማን ንዝነበረ ሽፍታ ከምዝዘከርካዮ ኣብ መንግሥትኻ ተዘከረና” (ጸሎተ ቅዳሴ)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡አሜን!