‘ወናሁ አነ እፌኑ ተስፋሁ ለአቡየ ላዕሌክሙ/ እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ’ (ሉቃ. 24፡49)

May 30, 2020

ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ፡ ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ፡ ነቲ ዘይኸውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚአብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ ካብተን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ጽሒፍሎም ዘሎ ቃላት እያ። ( 1ይ ቆሮ. 13፥13)
እምነት ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ የግብር፡ ተስፋ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ የንግሥ እዩ እሞ ኣብዚ ጊዜና ትስፍዋት ክንከውን ይግባእ።

እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ፡ ንምድሪ ምስ ጠመታ ብጸልማትን ብማይን ዝተኸበትን ዝተዋሕጠትን ነበረት። እግዚአብሔር ንምድሪ ተስፋ ኣተወላ በለ ድማ “ ብርሃን ይኹን በለ፡ ከምኡ ድማ ኾነ። ምድሪ ብብርሃንን፡ ከምኡ ውን ብዕንባባታትን፡ ኣታኽልትን፡ ሣዕርን ኣዕዋፍን፡ እንስሳታትን ወቂባ ተረኽበት። ምድሪ ድማ ተስፋኣ ብሠናይ ነገር ተፈጸመላ፡ ለምሊማ ንምርኣያ ባህ እተብል ድማ ኾነት።” (ዘፍ. 1፥1-ፍጻሜ፣ መጽሐፈ አክሲማሮስ ዘዐርብ ምዕ. 2 )

ተስፋ ነቶም ብሰንኪ በደሎም ካብ ገነት ወፂኦም ምሉእ ሕይወቶም ብቐቢጸ ተስፋ ዝነበሩ ኣዳምን ሔዋንን ተዋሂቡ ነበረ። ንሱ ድማ “ንዅሉ ንብዓትኩምን ጣዕሳኹምን ርእየ እየ እሞ ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቃን (5500 ዓመት) ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ” ዝብል ዓቢይ ቃል ተስፋን ምጽንናዕን ተዋህቦም። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገሩ። (ዘፍ. 3፥15)

ስለዚ እዚ ተስፋ እዚ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ልቦም ኣንቢሮም ክሳዕ ጐይታ ምእንታኦም ዝብጆ ብማዕዶ እናረኣይዎ ብሞት ካብዚ ዓለም ኃለፉ። ነዚ ከረድኣና ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡- “ እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን ግናኸ ካብ ርኁቕ ርእዮም ብሓጐስ ተቐበልወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ብእምነት ኃለፉ” (ዕብ. 11፥13)

ተስፋ ኣብ ሕይወት እታ ዝበለጸት እያ። ከመይ እቲዅሉ ተስፋኡ ዘጥፍአ ሰብ ጊዜ ሕይወቱ ኣብ ጭንቀት፡ ኃዘንን ጓህን ዝጠሓለ መንፈስ እግዚአብሔር ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ከምዚ ዓይነት ሰብ ድማ ግዙእ ዲያብሎስ እዩ። እቶም ደቂ እግዚአብሔር ዝኾኑ ግና ዘይትኃልፍ ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ኣላቶም። ነዛ ተስፋ ንኸብርሃልና ድማ ከምዚ ይብለና፡- “ዘዐይን ኢርእየ ወዕዝን ኢሰምዐ፡ ውስተ ልበ ሰብእ ዘኢተሐለየ፡ ዘአስተዳለወ እግዚአብሔር ለእለ ያፈቅርዎ/ ዓይኒ ዘይረኣዮ እዝኒ ዘይሰምዖ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዘይተሓሰበ እግዚአብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ . . .” ( 1ይ ቆሮ. 2፥9)።

እዚ ስለዝኾነ ድማ ነታ መንግሥተ እግዚአብሔር ንኽንወርስ ኣብ ዓለም ብመከራን ሽግርን ንነብር። እታ ተስፋና ኣብዛ መሬት ጥራይ ከምዘይኮነት ከረድእ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብለና፡- “ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና” (1ይ ቆሮ. 15፥19)። እሞ'ኸ ሕዝበ ክርስቲያን! ስለምንታይ ደኣ ተስፋ ከምዘይብሉ፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ጭንቀትን ኃዘንን ክንነብር እንርአ፧ !

ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ፡ ተስፋ ከምዘለዎም ብግብርን ብቓልን መድኅን ዓለም ክርስቶስ ምሂሩና እዩ ፦

፠ እታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኃዲሮምዋ ብጭንቀት ትነብር ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ደኃር ግና ቅድሚ 11ተ ሓዋርያት ትንሣኤ ጐይታ ዝርኣየት፤
፠ እቲ ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ሽፍትነት ዘኅለፎ ኣብ የማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ቐዳማይ ኮይኑ ንገነት ዝኣተወ፤
፠ እቲ ዓማፅን ተቐባሊ ቐረጽን ዝነበረ ዘኬዎስ ጐይታ ኣብ ቤቱ ኸይዱ ዚባረኾ፤
፠ እቲ ኣብ ዓራት ንሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ መፃጉዕ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝተባህለ፤ . . .ወዘይመስሎ እዚኣቶም ኵሎም ብተስፋ ስለ ዝተጸበዩ፡ ጐይታ ድማ ተስፋኦም ብምርኣይ ካብ ኵሉ ሽግሮም ኣናገፎም። እሞ'ኸ ደኣ ነዚኣቶም ካብቲ ኵሉ ሽግሮም ኣውፂኡ ተስፋ ዝሃቦም ጐይታ፣ ንኣና ኸ ክንደይ ዝኣኽል ተስፋ ዘይህበና ፧ ብርግጽ! ኣምላኽ ነቶም ብዙኅ ዝተሸገሩን ሕይወት ትርጕም ዘይብሉ ኾይኑ ዝስምዖምን ሕዝበ ክርስቲያን ተስፋ ይህቦም እዩ።

ንምሳሌ፡- “ ካብ ደቂ እታ ምርዕውትስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝኁ እዮም እሞ ኣቲ ዘይወለድኺ መኻን ዕልል በሊ . . .” (ኢሳ. 54፥1-3) ይብለና። እቲ ዘይሓዊ ዝመስለና ሕማም'ውን መድኃኒት ከም ዘለዎ ብእግዚአብሔር ተስፋ ክንገብር ይግብኣና፡፡ ከመይ! ነቲ ዕዉር ዘብርሀ፤ ነታ ንዓሠርተው ሸሞንተ ዓመት መንፈስ ድኻም መንደዓት ዝኃዛ ዘሕወያ (ሉቃ. 13፥10)፤ ነታ መበለት ወዳ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ዝሃባ (ሉቃ. 7፥14-16)፤ ነታ ብዙኅ ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ዘንጽሓ . . .ወዘይስሎ። እዚ ዅሉ በቲ ኣብ እግዚአብሔር ዝገበርዎ ተስፋ ዝረኸብዎ ምሕረት ብምዃኑ ንሕና ድማ ነዚ ዅሉ ተረዲእና ብተስፋ ክንነብር ይግብኣና እዩ።

ነቲ ዅሉ ዝከኣሎ እግዚአብሔር ንከኽእለና ብምሉእ እምነት ንለምኖ “ . . . በቲ ዅሉ ኃይሊ ዝህበኒ እግዚአብሔር ንዅሉ እኽእሎ እየ” ድማ ንብል።(ፊል. 4፥13) “ወተሰፈዎ ለእግዚአብሔር ተዐገሥ ወአጽንዕ ልበከ ወተሰፈዎ ለእግዚአብሔር/ ብእግዚአብሔር ተተሰፎ፡ በርትዕ ልብኻ ቐጥ ኣብል ኣጆኻ እወ ብእግዚአብሔር ተስፋ ግበር” ከምዝበለ ዘማሪ ዳዊት (መዝ. 27፥14)።

እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ክሓልየልና ዝነብር ርኅሩኅ ኣምላኽ ምዃኑ ከረድእ ዘማራይ ዳዊት ከምዚ ይብል፡- “ሠራዊት እኳ ኪቃወሙኒ እንተ ዝኸቡኒ ኣነ ኣይፈርህን እየ። ጸላእተይ ኪቃወሙኒ ኢሎም እንተ ዝለዓሉኒ ውን ኣብ እግዚአብሔር እምነት ኣሎኒ” (መዝ. 27፥3) ከምኡ ውን “ንሱ ኸኣ በለ ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝኁ እዮም እሞ ኣይትፍራህ በሎ።” ይብል ። (2ይ ነገ. 6፥16)
ኵሉ ጊዜ ዋላ'ውን ሽግር ኣብ ዝበዝኃና ጊዜ ተስፋ ከምዘለና እግዚአብሔር'ውን ከምዘናግፈና ምርዳእን ምስትብሃልን ይግባእ። ከመይ! ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ብተስፋ ኢና እንነብር (ሮሜ 12፥12)“ ኣይክገድፈኩምን እየ ከቶ'ውን ሸለል ኣይብለኩምን ክሳዕ መወዳእታ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ” (ማቴ. 28፥20)።

እሞ'ኸ ደኣ ንሕና ነዚ ቃል እዚ እናሰማዕናን እናረኣናን ብቐቢጸ ተስፋ ክንጓዓዝ’ዶ ይግባእ እዩ፧ ኣይፋሉን! ምኽንያቱ ኣብ ጽላል እቲ ካብ ሕጂ ዅሉ ጊዜ ብለይትን መዓልትን ክሳዕ ዘለዓለም ምእታውናን ምውፃእናን ዚሕሉ ኣምላኽ ስለዘሎና። (መዝ. 121፥8)

ኵሉ ጊዜ ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ ገይርና ክንጽበ ይግባእ። ነዚ ከረድኣና ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ዘማራይ ዳዊት ነቶም እስራኤል ዘሥጋ ከምዚ በሎም “ኣታ እስራኤል ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ብእግዚአብሔር ተስፋ ግበር” (መዝ. 131፥3)። እዚ ቓል እዚ ነዞም ኣብዚ ጊዜ ዘለና እስራኤል ዘነፍስ ሕዝበ ክርስቲያን’ውን ከምዝኾነ ክንርድኦን ክንግንዘቦን ይግባእ። እዚ ተስፋ እዚ ግና ምሉእ እምነትን ትውክልትን ኣብ እግዚአብሔር ዘለዎ ኪኸውን ይግባእ። ካብዚ ወፃኢ ምልክት ተስፋ ምቝራጽ ዝኾነ ኣብ መንጎ ፡- ‘ስለምንታይ እዩ እግዚአብሔር ክሳብ ሕጂ ዘይሰምዓና፡ ኣበይ ኣሎ ፍቕሩ፡ ኣበይ ኣሎ ሥርሑ፧ ’ ክንብል ኣይግባእን። እዚ ዅሉ እግዚአብሔር ዘይፈትዎ ሥራሕ ስለ ዝኾነ ብልሳንና ኣይነውሥኣዮ። ከም ፍቓድካ ንበል! ሽዑ እቲ ንኣና ሠናይ ዝኾነ ነገር ባዕሉ ክፍጽመልና እዩ።

ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈሎም፡- “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ ግናኸ ኣይጸበበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና” (2ይ ቆሮ. 4፥8) ዋላ እንተ ተሸገርና፡ ፈተና ውን እንተበዝኃና ተስፋ ክንቈርጽ ኣይግብኣናን እዩ። ንሕና እቶም ኣብ እግዚአብሔር እንውከል ግና ኵሉ ጊዜ ብኃይሊ እግዚአብሔር ከም እንብርትዕ ንፍለጥ “እቶም ንእግዚአብሔር ዚጽበዩ ግና ኃይሎም ይሕደስ ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፣ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” (ኢሳ. 40፥31)።

፠ እምበኣር ኣኅዋትን ኣኃትን ኵሉ ጊዜ ኣብ ዓለም ከሎኻ ሽግር፡ ጸገምን ፈተናን፡ ራህዋን ሰላምን ተሓዋዊሱ ከጨንቐካ ይኽእል ይኸውን። እቲ ንዅሉ ዝፈትሕን ሰላም ዝህብን ግና እግዚአብሔር እዩ እሞ ኣብ እግዚአብሔር ንወከል። “ኣታ ኂደት መጓሰ እታ መንግሥቲ ክህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ ኣይትፍራህ” (ሉቃ. 12፥32)። “ነታ ኣምላኽ ዝሓናፂኣን ዝሠራሒኣን መሠረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለዝነበረ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ከም ኣብ ምድሪ ጓና ኾይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን፡ ያዕቆብን ኸኣ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ” (ዕብ. 11፥9-10) እሞ'ኸ ደኣ ንሕና ኣበይ ምንባር እዩ ዝኅሸና፧! ነታ ተስፋ መንግሥተ ሰማይ'ዶ፡ ወይስ ነዛ ዓለም ኢና ንደሊ፡ ቀጺሉ ውን ናብ ዕብራውያን ዝተጻሕፈ እንተርኢና ከምዚ ኢሉ ይምዕደናን ይመኽረናን፥ “እምበኣርከስ ነቲ ብዙኅ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ፡ ፍቓድ እግዚአብሔር እናገበርኩም ነታ ተስፋ ምእንቲ ኺትወርስዋ ትዕግሥቲ የድልየኩም እዩ።” (ዕብ. 10፥35-36)።

ሕዝበ ክርስቲያን! ኣብዛ ዘለናያ ጊዜ ብዙኅ ትዕግሥቲ ከምዘድልየና ተረዲእና ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ ብምግባር ፍጹም እምነት ንኃዝ።

ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ሰላሙ፡ ምሕረቱን ተስፋኡን ይሃበና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀል ክቡር፡ አሜን!

 

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...