ፈርሓት ዝነበሩ ተብዓት ኮኑ፣ ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብኣእምሮ በርትዑ፡ ምሥጢር ተርጐሙ፣ ሓደ ቋንቋ ዝፈልጡ ዝነበሩ ሰብዓን ሓደን ቋንቋ ተገሊጽሎም ብሰብዓን ክልተን ቋንቋ ተዛረቡ። (ግብ. ሓዋ. 2፡2-10)
ኣቐዲሙ ነቢይ ኢዩኤል ዝተነበዮ፦ “በተን ዳኅሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ ይብል ኣምላኽ፥ ‘ኣብ ልዕሊ ሥጋ ዘበለ ዅሉ ካብ መንፈሰይ ኸፍስስ እየ። ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩን ኪንበዩ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ ኣረገውትኹም እውን ሕልሚ ኺሓልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈስይ ከፍስስ እየ ንሳቶም ድማ ኪንበዩ እዮም።’ . . . ” ዝብል ተፈጸመ። (ኢዩ. 2፡28-30፣ ግብ. ሓዋ. 17፡2)
እቶም ዓመት መጸ ከም ልሙድ ነቲ ካብ ምድረ ግብጺ ዘውፅኦም እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምዝኻር ካብ በዓለ ፋሲካ 50 መዓልቲ ዘሎ መፈጸምታ በዓለ ፋሲካ ዝኾነ በዓለ ሰዊት ንምኽባር ዝተፈላለየ ቋንቋ ዘለዎም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ኣብ ኢየሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ በብቋንቋኦም ትንሣኤ ክርስቶስ ምስ ተሰብኩ ኣዝዮም ተደነቑ። ገሊኦም፦ “እዞም ዚዛረቡ ዅሎም ገሊላውያን’ዶ ኣይኮኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ኵላትና በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና” ክብሉ ከለዉ፣ ገሊኦም ድማ “ጕዕሽ ሜስ ሰትዮም ደኾን ሰኺሮም ይኾኑ” በሉ።
ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ነዚ ሓሳቦም ፈሊጡ ብዓቢይ ቃል፥ “ከምቲ ትብልዎ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኮኑን፣ ምኽንያቱ ገና ሣልሳይ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ። እዚ ግና እቲ ብነቢይ ኢዩኤል ‘መንፈሰይ ከፍስስ እየ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ እዮም’ ዝበሎ ትንቢት ይፍጸም ኣሎ” ብምባል እቲ ንሳቶም ዝሰቐልዎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ሥዒሩ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከም ዝተንሥአ፡ ንሱ እቲ ነቢያት ዝተነበይሉ ምሳሌ ዝመሰሉሉ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑን ዳግም ብኽብሪ መላእኽቲ ብምስጋና መጺኡ ንዅሉ ከከም ግብሩ ከም ዝፈርድ ሰፊሕ ትምህርቲ መሃሮም። በዚ ድማ ልዕሊ ሠለስተ ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ተጠምቁ። ግብ.ሓዋ. 2፡1-41
እዛ ዕለት’ዚኣ ሀብተ መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበላ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣይሁድ ዝኣመኑላ . . . ዕለት ብምዃና “ልደት ቤተ ክርስቲያን” ብምባል ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ይጽውዕዋ።
ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ድኅሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኢየሩሳሌም እናመሃሩ ንሓደ ዓመት ብሓባር ምስ ተቐመጡ፡ ‘ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኵሉ ዓለም’ ዝበሎ መምርሒ ብምግባር ነዛ ዓለም ብዕጫ ተኻፊሎም ንስብከተ ወንጌል ተዋፈሩ።
ኣብ ሃይማኖትና ዘጽንዕ፡ ንሠናይ ምግባር ዘትግህ፡ ንጸሎት ዘንቅሕ . . . ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የብዝኃልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለመላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!