“ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ ደኣ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ሮሜ 12፡2

Jul 24, 2020

ዓለም፡ ካብ ሰብ ወፃኢ ዝቖመት ጽላሎት ኣይኮነትን። ኵሉ ሰብ ኣብኣ እናነበረ ኵሉ ናታ በረኸትን መዓትን ይካፈል። ተለዋዋጢት ስለዝኾነት’ውን ከምኣ ይለዋወጥ።

ዓለም፡ ብሥነ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ብፍላይ ካብ 19 ክፍለ ዘመን ኣትኂዛ ኣብ ቊጠባዊ ምዕባለን ርኽበታትን ኣብ ዓውዲ ምህርቲ ሕርሻን መሳንዕን፡ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ሕክምናን ማኅበራዊ ውሕስነትን፡ . . . ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጒዳያት ተለዊጣ እያ። ኣብዚ ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ናብ መበል ኃሙሻይ ዝቚጸር ለውጢ ዲጂታል ረቮሉሽን ተበጺሑ ኣሎ።

ነዚ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝገለጾ ፍልጠትን ዝተበጽሐ ምዕባለን ኵሉ ክርስቲያን ካብ ምዕባለ ዓለም ድኅር ከይበለ ሥልጣነ ዓለም ብምስትውዓል ይስዕብን፣ ጥበብ ወንጌል ኂዙ ኸኣ ንጥበብ ዓለም ይከታተልን እምበር ከም ስንፍና ቈጺሩ ብማዕዶ ተዓዛቢ ኣይከውንን እዩ። ወንጌል ንምስባኽ፡ ክርስትና ንምስፋሕ፡ ሃይማኖት ንምጽናዕ፡ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ንምርኃቕ፡ ድንቁርና ንምጥፋእ . . . ከም መሣርሒ መንፈሳውን ሠናይን ተግባርን ይጥቀመሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እዚ ምዕባለ’ዚ ብጸላኤ ሠናያት ሰይጣንን መሣርሕቱ ሥነ ፍልጠተኛታትን ተዘሪፉ፡ ንዓለም ናብ ጥፍኣትን ክሕደተ እግዚአብሔርን የምርሓ ኣሎ። ፍጥረተ ሰብ ንእግዚአብሔርን ፍርዱን ከምዝርስዕ፡ ንሥጋዊ ሞት ከምዝፈርህ፡ ንምቾት ከምዘፍቅር፡ ብመዘናግዒ ነገራትን ሥጋዊ ፍትወታትን ከምዝተዓሻሾን፡ ብጊዜያዊ ነገር ልቦናኡ ተዘኒቡ ካብቲ ንሕይወት ዘገድስ ርኂቑ ንኽነብር ይገብሮ ኣሎ።

ዓለማዊ ሰብ ድማ ንሓድሽ ኣተሓሳስባ ከም ምልክት ሥልጣነን ብልጸትን ርእዩ ብመጻወድያ ውልቃውነት፡ ክቱር ድሌት ስምዒታዊ ሓጐስ/ሄዶኒዝም/ ወይ ሕንቃቐ፡ ነፍሰ ፍትወት (ንኣይ ይጥዓመኒ)፡ ትዝኅርት፡ ትዕቢት፡ ስስዕቲ፡ ኣህላኽነት፡ ቊሳውነት፡ ሓሻሽነት፡ ታህዋኽ፡ . . . ተታኂዙ ወዲቑ ይርከብ ኣሎ። በዚ ኸኣ ዓለም ነቲ ጊዜ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ሰዓተ ምስጋናን ጸሎትን ኣገልግሎትን ናብ ኃጢኣት ብዝመርሑ መዘናግዒ ፊልምታትን ደርፊን ሳዕስዒትን፡ ልብ ወለድን ስፖርታዊ ውድድራትን፡ ወረን ተባህለን፡ . . . ከምዝበሓት ገይራቶ ትርከብ ኣላ።

ብጒልባብ ምዕባለን ሓድነትን ንሕይወት “ጽቡቕን ቀሊልን” ኣምሲሉ ዘርኢ፣ ሃይማኖትን ባህልን መንነትን ዘጥፍእ፣ “ንሓድሽ ዓለማዊ ሥርዓት /New World Order” መንገዲ ዝጸርግ ዘሎ ዓውለማውነት፡ ንዓለም ብሓደገኛ መልክዕ ዝልውጣ ዘሎ “ምድራዊን ሥጋዊን ሰይጣናዊን ጥበብ እዩ ። ያዕ. 3፡15-16

ኣብዛ ተለዋዋጢት ዓለም ግና ክርስቲያን ኣብ ውሽጣ ከመይ ኢሉ እዩ ክነብር ዘለዎ፧

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ንዓለም ኣይትምሰልዋ” ይብል እሞ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕሽነት እዩ” ይብለና። 1ይ ቆሮ. 3፡19

ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ’ውን “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። ከመይ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ሥጋን ክፉእ ትምኒት ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። ዓለምን እቲ ኵሉ ፍትወታታን ኃላፋይ እዩ። እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር” ይብል። 1ይ ዮሓ. 2፡15-17

ፍቓድ ኣምላኽ፡  ሰብ ንዓለም ክልውጥ እምበር ብዓለም ክልወጥ ኣይኮነን። ብርሃን ኮይኑ ብወንጌል ከብርሃ፣ ጨው ኮይኑ ብሠናይ ግብሪ ከመቅራ እዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ክርስቲያን ካብ ዓለም ኣይኮነን፡ ናይ ዓለም’ውን ኣይኮነን። ዮሓ 15፡18-20

ሎሚ ኣብ ደቂቀ ኣዳምን ሕይወታዊ ፍጥረትን ግዑዝ ፍጥረትን ብግህዶን ብሥዉርን ዝወርድ ዘሎ ኵሉ ጸገም ጽልዋን ሳዕቤን ናይዚ ጥበበ ዓለም ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ። መንፈሳዊ ዝሕታለ፡ ክሕደት፡ ኑፋቄ፡ ምጥፋእ ሥርዓትን ትውፊትን፣ ምጥፋእ ባህልን መንነትን፣ ተላባዒ ሕማም ኮነ ኅዱር ሕማም፣ ፍርህን ጭንቀትን ግርጭትን፣ ውግእን ባእስን፣ ስደትን ከርተትን፡ ክቱር ዘይምዕሩይ ናብራ፡ ከባብያዊ ዕንወት፡ ብከላ፡ ዓለማዊ ዋዒ፡ . . . ክጥቀስ ይከኣል።

ስለዚ፡ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ነቲ ጊዜ ፍለጥዎ” ሮሜ 13፥11 ዝበለ ነዚ ጊዜ ንፍለጦ! ኣብ ውሽጢ ዓለም ኴንና ስመ እግዚአብሔር ረድኤት ገይርና ንመንፈሳዊ ሕይወትና ብጸሎት፣ ንሥጋዊ ሕይወትና ድማ ብግብረ ሠናይ ክንኣስር ይግባእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 1 ነሓሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

August
Friday
7
ዝክር፦ አቦሊ ሰማዕት፡ ወተዝካረ ሐና እመ እግዝእትነ፡ ወዮሴፍ ወኒቆዲሞስ እለገነዝዎ ለእግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ጢሞ. 2፡2-ፍጻመ 1ይ ዮሐ. 5፡1-6 ግብ. ሐዋ. 13፡38-43 ምስባክ፦ መዝ. 118/119 ወንጌል፦ ዮሐ. 19፡38-ፍጻሜ ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ኣብጽሓና !

ካብ 1 ነሓሴ ክሳዕ 16 ነሓሴ 2008 ዓ.ም.ግ. ዘሎ መዓልታት ብጸሎትን ውዳሴን ቅዳሴን ከምኡ’ውን ዝጽወም ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ...

መቅድም ውዳሴ ማርያም

ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝደረሶ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ኤፍሬም ለብሓዊ እዩ። ሶርያዊ ዝተባህለ ብሃገሩ ኮይኑ ለብሓዊ ድማ ብተግባሩ እዩ። እዚ ቅዱስ ኤፍሬም...

አሥርቆት ዘወርኀ ነሐሴ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ነሐሴ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጳጕሜን በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ነሐሴ ቡሩክ መዓልቱ ዓሠርቱ ወሠለስቱ ወእምዝ የሐፅፅ።

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኅቡራት…

ዕለት 24-25 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (31/07 – 01/08 2020 ፈ.)፣ “ብጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን ጽናዕ” (2ይ ጢሞ 4፡2) ብዝብል መሪሕ ኃይለ...

ቀዳማይ መሥርሕ ኣርትዖት መጽሓፍ ቅዱስ ሐዲስ ኪዳን ንምክያድ ዝዓለመ ጉባኤ…

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትውነን መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዝዓለመ ብክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት ብግእዝን ትግርኛን ዝቐረበት መጽሓፍ ሐዲስ ኪዳን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን…

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ...

ብሕንፃ እንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ሕንጻዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ

 ኣብ ከተማ ኣሥመራ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከብ ብእንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ዋንነት ቅድስት ቤተ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

ኣብ ዘመነ ስብከቱ ንሐዋርያ ጳውሎስ ዝስዕባ ካብ ዝነበራ ቅዱሳት ኣንስት ሓንቲ ቅድስት ቴክላ እያ። ኣብ ዝተወለደትሉ ሃገር ኒቆምድያ ኣብ ቤት...

ሰማዕት ቅዱስ አበ ኖብ

ሎሚ ሕፃናት ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ሓደ ካብ ሰማዕታት ዝኾነ ናይ ኣባ ኖብ ታሪኽ ክንርኢ ኢና። ሰማዕት ዝብል ቃል ትርጕሙ መስካሪ...

መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ዑራኤል

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም። ቅዱሳን መላእክት ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ...

“ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ ደኣ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ሮሜ…

ዓለም፡ ካብ ሰብ ወፃኢ ዝቖመት ጽላሎት ኣይኮነትን። ኵሉ ሰብ ኣብኣ እናነበረ ኵሉ ናታ በረኸትን መዓትን ይካፈል። ተለዋዋጢት ስለዝኾነት’ውን ከምኣ ይለዋወጥ።

  

latest articles

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...