ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን ኣብ ወርኀ ጳጕሜን

Sep 07, 2020

ብዛዕባ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ ደብረ ዘይት ዝበሃል፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ መበል ኃሙሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ደብረ ዘይት' ዝበሃል፣ እቲ ሣልሳይ ድማ  ኣብ ወርኀ ጳጉሜን እዩ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ብሕት ኢሎም ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “. . . ትእምርቲ ምምጻእካን ናይ መወዳእታ ዓለም ምልክታቱን እንታይ እዩ፧ እዚ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ እስኪ ንገረና እናበሉ ናብኡ ምስ ቀረቡ ብዛዕባ ኅልፈተ ዓለምን ዳግም ምጽኣቱን ኣስፊሑ ምሂርዎም እዩ።

ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታ ብትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ እዩ። ዳግማይ ምጽኣቱ ግና ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ፡ በክበበ ትስብእት በግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽኣቱ መንገዲ ዝጸርጉ ምልክታት ገለ ካብኣቶም ሎሚ ንዕዘብ ኣሎና።

• “ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃን ብስመይ ኪመጽኡ እዮም እሞ ንብዙኃን’ውን ኪስሕቱ እዮም።” ናይዚ ምልክት ቅድሚ ሕጂ “ብስም ክርስቶስ መጺኦም ነይሮም፡ ብሕጂ’ውን ብዝገደደ ኪመጽኡ እዮም። ብስም ክርስቶስ ትካላት እምነት ዚመሥረቱ፣ ክርስቶስ ብሕልምን ራእይን ተገሊጽለይ እናበሉ ዚመጽኡን ዚመጽኡ ዘለዉን ኣዝዮም ብዙኃን እዮም።” መስሓትቲ ብምዃኖም ድማ ንከየስሕቱና ክንጥንቀቕን ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ኽንቃወሞምን ‘ዑቍኬ ኢያስሕቱክሙ/ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ’ ኢሉ የጠንቅቐና።

• “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም . . . ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፡ መንግሥቲ ውን ናብ መንግሥቲ ኪለዓል እዩ” ሃገር ምስ ሃገር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነንሓድሓዱ፤ ኣብ መንጎ ሥድራን ቤተ ሰብን፡ ኣብ ሓደ ሰብ ሥጋን ነፍስን . . . ውግእን ፍልልይን ዝኸፍኣሉ ዘመን ብምህላውና ነቲ ትእምርቲ ምጽኣቱ ብሩህ ይገብሮ።

• “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ . . . ” ብተፈጥሮን ሰብ ብዝሠርሖን ሕልቂት ሕዝቢ፤ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝኸፍአ ሳዕቤን፡ ብዝቐልጠፈ ተርእዮን ሎሚ ዓለም ተናዊጻ ምህላዋ ርዱእ ትእምርቲ ምጽኣቱ እዩ። ምዕቡል ዘመን ኣብ ዝተባህለሉ ጊዜ ክብሪ እኽለ ማይን፡ ድርቅን ጥሜትን ዓጸቦን ዝገደደሉ ጊዜ እዩ። ካብዚ ዝገደደ ግና ረኃብ ነፍሲ፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ዘይኮነስ ረኃብ ቃለ እግዚአብሔር ምህላዉ እዩ። ሰብ ሃይማኖቱ ኃዲጉ፡ ንዓውለማ ዝተገዝኣሉ፡ ዝያዳ ቃል እግዚኣብሔር ኣድህቦን ኣድናቖትን ዝህቦ ንስፖርተኛታት፡ ደርፍቲ፡ ተዋሳእቲ . . . ወዘይመስሎ ብምህላዉ እቲ ጊዜ ምቕራቡ ዘረድእ እዩ።

በታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኃይልን ብዓቢይ ክብርን ዝመጽኣላ መዓልቲ ምድሪ ነቶም ኂዛቶም ዝነበረት ከተረክብ እያ። ወልደ ዕጓለ እመሕያው ክርስቶስ ብዘፍርሕ ግርማኡ ኪግለጽ እዩ። ሽዑ መወዳእታን መፈጸምታን ዘይብሉ ንብዓት ከም ማይ ክረምቲ ኪውኅዝ እዩ። መሣጢ መብረቕን ዘሰምብድ ብልጭልጭታን፡ ድምፂ ነጐድጓድን፡ ኃያል መስመስታን ከኣ ናብኣቶም ኪፍኖ እዩ። እዚ ኸኣ ዚስይፍን፡ ዚቖርጽን ዚፈላልን ብጽሒት ኃጥኣን እዩ። ምድሪ ዝተቐበለቶ ሕድሪ ክትመልስ እያ፡ ኣደ ኸኣ አውያት ጓላ እኳ ኣይክትሰምዕን እያ። “ሽዑ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክንቀውም ኢና።” (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ)። ሽዑ ኃጥኣን ካብ ኳኽ ሾብዓተ ጊዜ ዚጽልሙ ኮይኖም ዲያብሎስ መሲሎም ኪትንሥኡ፡ ጻድቃን ግና ካብ ፀሓይ ሾብዓተ ጊዜ ዚበርሁ ኾይኖም ንክርስቶስ መሲሎም ይትንሥኡ።

እሞ’ኸ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን እታ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ ክንድዚ ተፍርህ ካብ ኮነት፡ ንመዓልቲ ጐይታ ከመይ ኮይንና ክንጽበያ ይግብኣና። እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከምዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቅሑ!” ከምዝበለ። (ማቴ 24፡42)

“ግና መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ እዩ፡ ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎት’ውን ንቕሑ” (1ይ ጴጥ. 4፡7) እናተባህለ ንሕና ግና ነቲ “ንቕሑ” ዝብል ቃል ዝዘንጋዕናዮ ንመስል። እሞ’ኸ ደኣ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ንዝቐርበልና ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ድልዋን ዲና፧ ነታ መዓልቲ ብሓቂ ከምዚ ዘለናዮ ዲና ክንጽበያ፧ ያእ ኣይፋልናን! ሕዝበ ክርስቲያን ነቲ ኵሉ ዝተዋህበና ሰምዕታ ከነስተብህለሉ ይግብኣና። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ሮሜ መልእኽቱ “ኵሎ ዘተጽሕፈ ለተግሣጸ ዚአነ ተጽሕፈ/ ኵሉ ንተግሣጽናን፡ ንምህሮናን እዩ ዝተጻሕፈ’ (ሮሜ 15፡4) ዝበሎ ብሸለልትነት ካብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ክንወፅእ ኣይግብኣናን።

እስከ ብዛዕባ እተን ዓሠርተ ደናግል ንዘክር! እተን ኃሙሽተ ለባማት ነቒሐን ስለዝጸንሓ ነቲ መርዓዊ ኪቕበላ ከም ዝበቅዓ፡ እተን ኃሙሽተ ዓያሹ ደናግል ግና ጐይታና ክድንጕ እዩ ኢለን ከም ዝደቀሳ፡ እቲ መርዓዊ ምስ መጽአ ድማ ኪቕበልኦ ተንሢአን፡ ነቲ መብራህተን (ቀንዴለን) ከብርሃ እንተፈተና ግና እተን ቀንዴለን ዘይቲ ዘይብሉ ኾይኑ ነቲ መርዓዊ ኪቕበልኦ ከም ዘይከኣላ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ። ማቴ. 25፡1-13።

እቲ ዘይቲ ዘይነበሮ ዝተባህለ፡ ኣብ ምግባረ ሠናይ ዘይጸንሐ፡ ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ፡ ንምጽኣት ጐይታ ከይተዳለወ ዝጸንሐ ሰብ እዩ። መወዳእታኡ ድማ ናብ ቦታ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ሽዑ ዝኸውን ብኽያትን፡ ኣውያትን ንብዓትን ረብሓኡ እንታይ እዩ፧ ባዕሉ ፈጣሪ እኳ ኢዱ ዝፈጠረቶም ናብ ጥፍኣት ኪኸዱ ምስ ርኣየ ምእንቲ ፍጡራቱ ክነብዕ እዩ። (ቅዳሴ ኣትናቴዎስ)።

ስለዚ ነዚ ምልክታት ነገረ ምጽኣቱ ተረዲእና፡ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ነዚ ዘመን ከነስተብህለሉን ካብ መስሓትያን ክንሕሎን ይግባእ። “ኣምላክ ሰላም ባዕሉ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ኸኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪትርከቡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ሥጋኹምን ይሓልዎ።” (1ይ ተሰ. 5፡23) ከምዝብል።

አመ ዳግም ምጽአቱ ኢያስተኃፍረነ!

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ማቴዎስ 15 መስከረም 2013 ዓ.…

September
Friday
25
ዝክር፦ ፍልሰተ ሥጋሁ ለእስጢፋኖስ፡ ወአባጴጥሮስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ቈላ.1፡1-10 ያዕ. 5፡13-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 6፡7-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 127/128 ወንጌል ዮሐ. 15፡12-19 ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

ኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ንምግምጋም ጉባኤ…

ብዕለት 4-5 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ (ካሪክሉም) ዝግምግም ጉባኤ ተቓኒዑ።...

አሥርቆት ዘወርኀ መስከረም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ መስከረም ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥቅምት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ መስከረም...

እንቋዕ ናብ ዘመነ ማቴዎስ 2013 ዓ.ም.ግ. ኣብጽሓና።

“ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ኻብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ኸምዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፤ኣብ መንግሥተ ሰማያት እቲ ዚንእሶ የዓብዮ” ማቴ፡11፥11  ሄሮድስን...

ዐቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ እንቋዕ ናብ ዓመተ 2013…

ዐቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ብምኽንያት ርእሰ ዓውደ ዓመት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ቡራኬ፦ ንዅልኹም ኣብ ቀረባ ውሽጢ...

ባሕረ ሓሳብ ፡ ሓሳበ ዘመን ፳፻፲ወ፫/ 2013 ዓ.ም.

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እትጥቀመሉ መቝጸሪ ዘመን ባሕረ ሓሳብ ይበሃል። ባሕረ ሓሳብ ማለት ቍጽሪ ዘለዎ ዘመን፤ ናይ ዘመን ቍጽሪ፤ ሓሳብ ናይ...

ብዝተፈላለየ ዐውደ ትምህርት ዝተማህሩ መምህራን ተመሪቖም!

 ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብትርጓሜ መጽሓፍተ ሓዲሳት ሽድሽተ ተመሃሮ፡  ብመዝገብ ቅዳሴ ድማ ሸሞንተ ተመሃሮ ብድምር 14 ተመሃሮ ብደረጃ...

  

latest articles

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...