Print this page

ዘመነ አስተምህሮ

Nov 25, 2020

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር ዝኃዘ፡ ምስቲ ጊዜ ዝዛመድ ምዕዶን ተግሣጽን ዘለዎ እዩ።

በዚ መሠረት ካብ 6 ኅዳር ክሳዕ 6 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ ዘመነ ኣስተምህሮ ይበሃል። ብዛዕባ ምሕረትን ይቕሬታን እግዚአብሔር ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ ውሽጢ እዚ ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ነናቶም ስያሜን ትምህርትን ዘለዎም ኃሙሽተ ሰናብቲ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦

  1. አስተምህሮ፦ 6-12 ኅዳር
  2. ቅድስት፦ 13-19 ኅዳር
  3. ምኵራብ፦ 20-26 ኅዳር
  4. መፃጕዕ፦ 27 ኅዳር - 3 ታኅሣሥ
  5. ደብረ ዘይት፦ 4-6 ታኅሣሥ

ቀዳማይ ሰንበት፡ አስተምህሮ

በዛ ቀዳማይቲ ሰንበት’ዚኣ ዝዝመር መዝሙር “ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ፡ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማሰን/ ኃጢኣትና ዘኪሩ፡ ፈጺምና ክንጠፍእ ኣይኃደገናን” ዝብል፡ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ይቕሬታን፡ ርኅራኄን ትዕግሥትን ዝገልጽ እዩ። ንሕና ገና ኣብ ኃጥኣት እናነበረና፡ እግዚአብሔር በቲ ዓቢይ ምሕረቱን ብዙኅ ርኅራኄኡን ነዊኅ ትዕግሥቱን ዕድመ ንንስሓ ከምዝህበና ብዛዕባ ምሕረት እግዚአብሔር ዝንገረላ ሰንበት እያ። (ሮሜ 5፡10)

ኣቐዲሙ ነቢየ ልዑል ቅዱስ ዳዊት “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት፡ ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ፡ እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ/ ዝቐደመ በደልና ኣይትዘክረልና፡ ኣዚና ተሸጊርና ኣሎና እሞ ምሕረትካ ቀልጢፋና ትርከበና” መዝ. 78(79)፡8 ክብል ዝጸለዮ፡ ግብረ መልሲ ከም ዝረኸበ ከረድእ ከሎ ቅዱስ ያሬድ ‘ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ” ክብል ዘመረ።

2. ቅድስት

እታ ኻልኣይቲ ካብ 13 ክሳዕ 19 ኅዳር ዘላ ሰንበት ቅድስት ትበሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ናይ ባህርይ ቅድስና እግዚአብሔር፣ ንዕለተ ሰንበት ድማ ብጸጋኡ ፍጹም ከም ዝቐደሳ ይንገር። ክብርን ቅድስናን ነቲ ዘኽበራ፡ ዝቐደሳ ድማ ምስጋና ከም ዝግብኦ ይንገረሉ። ቅዱስ ያሬድ   

ኣርእስቲ መዝሙር፦

 “ሎቱ ስብሐት ወሎቱ አኰቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት። . . ./ ነቲ ንሰንበት ዝቐደሳ ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን . . .”

ዘቅዳሴ ምንባብ፦

መልእክታት፦

ቈላ. 1፡21-ፍጻሜ።

1ይ ጴጥ. 1፡13-21

ግብረ ሐዋርያት፦

ግብ.ሐዋ. 19፡27-ፍጻሜ።

ምስባክ፦

መዝ. 134/135

“እስመ ኣነ ኣእመርኩ ከመ ዓቢይ እግዚአብሔር። ወአምላክነሂ እምኵሉ አማልክት። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።”

ዓዲ መዝ. 113/114

“አምላክነሰ ውስተ ሰማይ ላዕለ። በሰማይኒ ወበምድርኒ። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።”

ወንጌል፦

ዮሐ. 5፡17-27.።

ቅዳሴ፦

ቅዳሴ፡ ዘአትናቴዎስ።

3. ምኵራብ

እታ ሣልሰይቲ ካብ 20 ክሳዕ 26 ኅዳር ዘላ ሰንበት ምኵራብ ትበሃል።፡ ምኩራብ እዩ። በዛ ሰንበት’ዚኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምኵራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ኣትዩ ከም ዝመሃረ፡ ከምኡ’ውን ነፋሳትን ማዕበል ባሕርን ከም ዝገሠፀ ይንገር። (ማቴ. 8፡23-34)

ብተወሳኺ ድማ ዘለዓለማዊነት ናይ እግዚአብሔርን፣ ነቶም ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ምግባሮም ኣጸቢቖም ናብኡ ዚቐርቡ ካብ ኵሉ መከራ ከም ዘድኅኖም ይግለጽ። መዝ. 33፡5-6

ኣርእስቲ መዝሙር፦
አምላክ ፍጹም በህላዌሁ። ዘሀሎ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም ዘበመንግሥቱ ይኴንን ዓለመ። . . . / ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ፡ ብህላዌኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ ብሥልጣነ መንግሥቱ ንዓለም (ደቂ ሰባት) ይፈርድ ።”

ዘቅዳዜ ምንባብ፦

መልእክታት፦
ዕብ. 12፡22-ፍጻሜ።
ያዕ. 3፡1-10።

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 21፡27-33።

ምስባክ፦
መዝ. 88/89
“ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቲ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።”
ዓዲ መዝ. 102/103
“ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።”

ወንጌል፦
ማቴ. 8፡23-ፍጻሜ

ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ።

  1. መፃጕዕ

እታ ራብዓይቲ ካብ 27 ኅዳር ክሳዕ 3 ታኅሣሥ ዘላ ሰንበት መፃጉዕ ትበሃል። ፈዋሴ ድዉያን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዓይነ ሥዉር ኾይኑ ዝተወልደ ከም ዘብርሃሉ፣ ኣይሁድ ድማ ብተኣምራቱ ተደኒቖም ከብቅዑ ከይኣመኑ ከም ዝተረፉ ይንገር። ዮሐ. 9፡1-41

ኣርእስቲ መዝሙር፦

"ይቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።/ እስራኤል ብዕለተ ሰንበት ዓይነ ሥዉር ኮይኑ ዝተወልደ እሞ ዓይኑ ንዝበርሃሉ ኣይርኣናን ኣይሰማእናን በሉ።"

ዘቅዳዜ ምንባብ፦

መልእክታት፦
2ይ ቆሮ. 4፡1-12።

1ይ ዮሐ. 5፡11-ፍጻሜ።

ግብረ ሐዋርያት፦

ግብ. ሐዋ. 4፡14-23።

ምስባክ፦

መዝ. 6፡

“ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሓ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።”
ዓዲ መዝ. 4

“ደቂቀ ዕጓለ እመ ሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።”

ወንጌል፦
ዮሐ. 9፡13-25።

ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ ዓዲ ዘወልደ ነጐድጓድ።

. . . ይቕጽል

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!