“ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም!” ማር. 9፡48 - 'ፍቕሪ'

Dec 07, 2020

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝመሃሮ ትምህርት፦ “ነፍስ ወከፍ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፡ ኵሉ መሥዋዕቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቅር፡ ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ፧ እምበኣር ኣብ ነፍስኩም ጨው ይሃልኩም!” ዝብል እዩ። (ማር. 9፡49-50)

ኣብ ዘመነ ኦሪት፡ መሥዋዕቲ እኽሊ ብጨው ተቓሚሙ ይቐርብ ነይሩ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ፦“ ወኵሉ ቍርባነ መሥዋዕትክሙ በፄው ይትገበር ወኢይትኃደግ ፄው እንዘ ትሠውዑ ለእግዚአብሔር ውስተ ኵሉ ቍርባንክሙ ትወድዩ ፄወ/ ንዅሉ ናይ እክሊ መሥዋዕትኹም ብጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ እክሊ መሥዋዕትኹም ጨው ኣይተትርፉ። ንዅሉ መሥዋዕትኹም ጨው ግበርሉ።” (ዘሌ. 2፡13፣ ማር. 9፡49-50) ክብል ኣዚዙ ነበረ።

ጨው ንመግቢ የመቅር። ጨው ዘይብሉ መግቢ ልክዕ ከም ጠባይ ዘይብሉ ሰብ፡ ካህን ዘይብሉ ቤተ ክርስቲያን ፡ ንጉሥ ዘይብሉ ሃገር፡ . . . እዩ። ኣቦና ኢዮብ’ውን “ነቲ መቐረት ዘይብሉ ብልዒ’ኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፧” ይብል። (ኢዮብ 6፡6)

ብተወሳኺ ጨው ከም መሕወዪ ቍስሊ፡ ከም ባጤራ፡ . . . የገልግል ከምዝነበረ ዝተፈልጠ እዩ።

ስለዚ ጨው ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ብዘለዎ ጥቕሚን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ብዝህቦ መረዳእታን ዝተፈልጠ ብምዃኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መቐረትን ጽባቐን ጨው ድኅሪ ምግላጽ “. . . ኣብ ነፍስኩም ጨው ይሃልኩም” በለ።

ኣብ ነፍስና ክህሉ ዝተደልየ ጨው እንታይ እዩ፧ እንተበልና ብቐንዱ ጽኑዕ ሃይማኖትን ሠናይ ምግባርን እዩ። ካብ ሠናይ ምግባር ድማ መሠረትን ዓንድን ጽላልን ዝኾኑ ፍቕሪ፡ ትሕትናን ትዕግሥትን እዮም።

1. ፍቕሪ

ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ሥጋና ተዋሒዱ ክሳዕ ሞት ዘፍቀረና ንሱ እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ።” (1ይ ዮሐ. 4፡10) “ፍቅር ሰሐቦ ለወልደ አምላክ እመንበሩ ወአብጽሖ እስከ ለሞት/ ንወዲ አምላክ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጽሖ” ከምዝብል። (ቅዳሴ ዮሐ. ኣፈ. ቍ. 53)

መሠረት ክርስትና ፍቕሪ እዩ። ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ኽንጽዋዕ ዝበቓዕና ብፍቕሪ እዩ። (ዮሐ. 13፡ 34-35፣ 1ይ ዮሐ. 3፡10) ክርስቲያን ማለት ከኣ ወዲ ፍቕሪ (እግዚአብሔር)፣ ኣብ ፍቕሪ (ክርስትና) ዝነብር ንባዕሉ ፍቕሪ እዩ።

ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ካብ ኵለን ናይ መንፈስ ፍረታት እታ ዝቐደመት ፍቕሪ እያ። (ገላ. 5፡22) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብኵሉ ሓሳብካን ምፍቓር እዩ” ይብለና። (ማቴ. 22፡36-38)

እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንዅሉ ዝኃዘን ንዅሉ ዝፍጽምን ልዕሊ ኵሉ ብምዃኑ ንሕና ደቁ ንእኡ ልዕሊ ኵሉ ኽንሠርዖን ከነፍቅሮን ክንስዕቦን ይግባእ። ካብ እግዚአብሔር ኣብሊጽና እንርእዮ ክህሉ የብሉን። ልብናን ሓሳብናን ብፍቕሩ ክምላእ እሞ ካብ ምልኣት ፍቕሩ ዝተላዕለ ድማ ከነመስግኖን ትእዛዛቱ ኽንፍጽምን ይግብኣና። “እተፍቅሩኒ እንተ ኴይንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ።” ከምዝብል (ዮሐ. 14፡ 15-21) ፍቅረ እግዚአብሔር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው እዩ። (1ይ ዮሓ. 5፡3)

ብልሳንና ጥራሕ “አፍቅሮ እየ” ምባል ንኣምላኽ ዝበቅዕ ፍቕሪ ኣይኮነን። ትእዛዛቱ ፈሊጥና እንተ ኣተግበርናዮ ግና ንእግዚአብሔር ከም እነፍቅሮ እዚ ምስክርና እዩ።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዝተጠቕሰ ፍጻሜ ኣሎ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምዖን ዝስሙ ፈሪሳዊ ከምዘሎ ዝፈለጠት ሓንቲ ኃጥእት ሰበይቲ ቅዱይ ቅብኢ ዓዲጋ ናብኡ መጽአት። ትእምርተ ንስሓኣ ብኃጢኣታ እናበኸየት ብንብዓታ ንእግሩ ምስ ሓጸበት ትእምርተ ትሕትና ንእግሩ ብፀጕሪ ርእሳ ደረዘት። ቀጺላ’ውን ትእምርተ ክብር በቲ ዘምጽኣቶ ሽቱ ንእግሩ ቀብአት፣ ትእምርተ ፍቅራ ድማ ንእግሩ ካብ ምስዓም ኣየቋረጸትን።

ማእምረ ኅቡአት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ነዚ ርእዩ ብልቡ ከም ዝነቐፎ ፈሊጡ ምሳሌ መሲሉ ድኅሪ ምርዳእ እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ኣብዚኃ ስለ ዘፍቀረትኒ ብዙኅ ኃጢኣታ ተኃዲጉላ ኣሎ። ንስኻ ግና ውኁድ ስለዘፍቀርካኒ ውኁድ ኃጢኣት ይኅደገልካ። ምኽንያቱ “ወዘሰ ውኁደ አፍቀረኒ ውኁድ ኃጢአቱ ይትኃደግ ሎቱ፣ ወዘሰ ብዙኀ አፍቀረኒ ብዙኀ ይትኃደግ ሎቱ/ እቲ ውኁድ ዘፍቀረኒ ውኁድ ኃጢኣቱ ይኅደገሉ፣ እቲ ኣብዚኁ ዘፍቀረኒ ድማ ብዙኅ ኃጢኣቱ ይኅደገሉ” በሎ። (ሉቃ. 7፡36-48)

እዛ ኃጥእት ሰበይቲ፡ ሕይወታ ብፍቕሪ እግዚአብሔር ክምቅር ዝኸኣለ ዝያዳ እቲ ንጐይታ ዓዲሙ መኣዲ ዝሠርዐ ፈሪሳዊ ስምዖን፡ ብገመድ ፍቕሪ ዝተጠምረ ንስሓ፡ ትሕትናን ክብርን ስለዝፈጸመት እዩ። ከመይ! “ነቶም ዘፍቅሩኒ የፍቅሮም፡ ነቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ድማ ይረክቡኒ” ከምዝብል።

እታ ድኅሪ ፍቅረ እግዚአብሔር እትሥራዕ ንኣኣ እትመስላ ካልአይታ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃር እያ። “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርክኹም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ።” (ዮሓ. 15፡12) ከምዝብል ትእዛዙ ነንሓድሕድና ኽንፋቐር ስለዝኾነ ጽልኢ ካብ ማእከልና ኣወጊድና ብፍቕርን ሕውነትን እናተመላለስና ንትእዛዝ ጐይታ ክንፍጽም ይግባእ።

ፍቁረ እግዚእ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእክቱ ፦ “ኣቱም ፍቁራተይ! ፍቅሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዘፍቅር ዘበለ ኵሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ። ንኣምላኽ ይፈልጦ እየ። ንሕና ውን ነቲ ኣምላክ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላክ ፍቕሪ እዩ፣ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፣ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር። . . .” ድኅሪ ምባል ኣስዒቡ ከጠቓልሎ ከሎ “. . . ነቲ ዝረኣዮ ኃሙ ዘየፍቀረስ ፡ ነቲ ዘይርኣዮ ኣምላክ ከፍቕር ኣይከኣሎን እዩ።” ይብል። (1ይ ዮሓ. 4፡7-20)

ሓዋርያ ጴጥሮስ ብወገኑ “ፍቕሪ ብዝኂ ኃጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ኵሉ ኣብ ነሓድሕድኩም ሃልሃል ትብል ፍቕሪ ትሃልኩም።” (1ይ ጴጥ. 4፡3) ኢልዎ ዘሎ ካብ ሞት ኣምሊጥና ናብ መንገዲ ሕይወት ምእንቲ ክንሳገር ንብጻይና ከነፍቅርን ኣብ ነንሓድሕድና ሃልሃል እትብል ፍቅሪ ክትህልወናን ልብና ንፍቕሪ ከነዳሉን እዩ።

ፍቕርና በዚ ከይተሓጽረት ክሳዕ ንዝጸልኡና ብምፍታው፡ ዝረግሙና ብምምራቕን ንዘጋፍዑና ብምቕባልን ንሕይወትና ከተመቅር ኣለዋ። ከመይ! ከምቲ እቲ ነምልኾ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ዝጸልእዎ’ውን ከየትረፈ ሥጋኡ ቈሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ንኵሉ ዓለም ተበጅዩ።

ሎሚ ግና ዓለም መቐረት ፍቕሪ ኣለዋ’ዶ፧ ጨው ዘይብላ ኣዝያ መጺጻን መሪራን ትርከብ ኣላ። እዚ ዘሎ ኵናት፡ ዕግርግር፡ ሕንፍሽፍሽ፡ ህውከትን ጽልእን . . . ውፅኢት ናይቲ ፍቕሪ ዘይብሉ ሕይወት እዩ። ምስሊ ዓለም፡ ሓቅን ተግባርን ዝረኃቖ ብቃልን ልሳንን ጥራሕ ዝግለጽ ፍቕሪ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ እኳ ንጋዶ እዩ ዘሎ! (1ይ ዮሓ. 3፡18)

ሎሚ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን፡ ዘይሰፍሕን ዘይጸንዕን ዘሎ ብሰንኪ እቲ ፍቕሪ ዘይብሉ ልሳናዊ ጥራሕ እምበር መንፈሳውነት ስለዘይብሉ እዩ። ቀዳሞት ማኅበረ ክርስቲያን ዝኾኑ ሓዋርያት ብፍቕሪ እንተዘይጸንዑ ነይሮም ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ፍረ ሥራሖም ኣይምተራእየን ነይሩ።

ፍቕሮምን ሓድነቶምን ግና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ፡ ብቋንቋታት ክዛረቡ፡ ንኣሽሓት ሰቢኾም ከእምኑን ንዓለም ብርሃንን ጨውን ክኾኑን ኣኽኢልዎም እዩ። (ግብ. 2፡1-46)

ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን፡ በቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋን ዓቕምና ዝፈቕዶን ንቤተ ክርስቲያን ከነገልግል ሠናይ እኳ እንተኾነ ግና ምእንቲ እግዚአብሔር ክሠምሮን ክባርኾን ኣብ መንጎና ፍቕሪ፡ ምስ ካልኦት ፍቕሪን ንኣገልግሎትና ፍቕሪ ክህልወና ኣለዎ።

ጸሎትና፡ ጾምና፡ ስግደትና፡ ናይ ሰብከት ኣገልግሎትና፡ መዝሙርና፡ ሥነ ጽሑፍና . . . ወዘተ ኵሉ ጕያናን ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ብፍቕሪ ዝስነ ክከውን ይግባእ።

ሓቀኛ ፍቕሪ ዘይብሉ ኣገልግሎት ንእግዚአብሔር ከሥምሮ ከምዘይክእል ኣብ 1ይ ቆሮ. 13፡1-3 “. . . ግና ፍቕሪ ካብ ዘይህልወኒ ከም ዘድሂ ኣስራዚ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል ምኾንኩ . . . ከንቱ ምኾንኩ ነይረ፡ . . . ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ። ምክንያቱ፦

• ፍቕሪ ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ። ምሳ. 10፡12
• ፍቕሪ ብዝኂ ኃጢኣት ትከድን። 1ይ ጴጥ. 2፡17
• ፍቕሪ መፈጸምታ ኵሉ ሕጊ እያ። ሮሜ 13፡10
• ፍቕሪ ማእሠር ፍጻሜ እያ። ቈላ. 3፡14

ንጽልኢ ኣርኂቑ ፍቕሩ ይሃበና!
. . . ይቕጽል
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 18 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Tuesday
28
ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕር፡ ወመስቀል፡ አትናቴዎስ፡ ወፊላታዎስ፡ ያዕቆብ ግብጻዊ፡ ወቶማስ ዘህንደኬ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ሮሜ 10፡11-ፍጻሜ 2ይ ጴጥ. 3፡14-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 14፡20-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 88/89 ወንጌል ዮሓ. 8፡21-32 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። ***
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...