ኣብዞም ሳምንታት፡ ብዛዕባ እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም አምላኽ ከሎ ፍጹም ሰብ ከምዝኸውን ኣቐዲሞም ቅዱሳን ነቢያት ንዝተነበይዎ ትንቢት፡ ዝመሰልዎ ምሳሌ፡ ዝረኣይዎ ኅብረ ኣምሳል፡ . . . ንዝክርን ነስተውዕልን። ሰሙን መጽአ’ውን ምሥጢረ ሥጋዌ ዝገልጹ ጽሑፋት ይንበቡ፡ መዛሙር ይዝመሩ፡ ትንቢትን ምሳሌን እናተጠቕሰ’ውን ሰፊሕ ትምህርቲ ይወሃብ። ብሓፈሻ ጊዜኡ ንበዓለ ልደት ብኣፍልጦን ርድኢትን ናፍቖትን ክብርን ንምኽባር ዝግበር ምድላዋት’ዩ።
ኣብ ዘመነ ስብከት ዘለዉ ሠለስተ ሳምንታት ስብከት፡ ብርሃንን ኖላዊን ይበሃሉ።
ቀዳማይ ሰሙን ስብከት፦ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝውለድ፡ ብቅዱሳን ነቢያት ተሰቢኹ እዩ’ሞ፡ ናይ መጀመርታ ሰሙን ‘ስብከት’ ይበሃል።
ስብከት፡- ‘ትምህርቲ፡ ኣዋጅ’ ማለት እዩ። ካብ 7 ታኅሣሥ ክሳዕ 13 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ እዩ። እዚ ድማ ነቢይ ሙሴ ብኦሪት፡ ቅዱሳን ነቢያት ብትንቢቶም፡ ቅዱስ ዳዊት ብመዝሙሩ “ክወርድ እዩ፡ ክውለድ እዩ” እናበሉ ዝተዛረብዎ ዝዝከረሉ እዩ።
ኣርእስቲ መዝሙር፦
ወልዶ መድኅነ ንሰብክ። ዘእምቅድመ ዓለም ሀሎ። አክሊለ ሰማዕት ሠያሜ ካህናት ወተስፋ መነኮሳት።
ዘቅዳሴ ምንባብ፦
መልእክታት፦
ዕብ. 1፡1-ፍጻሜ።
2ይ ጴጥ. 1፡19-ፍጻሜ።
ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 3፡19-ፍጻሜ።
ምስባክ፦
መዝ. 143/144
ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።
ወንጌል፦
ዮሐ. 1፡38-ፍጻሜ።
ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘወልደ ነጐድጓድ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!
***