ድኅሪ ትንሣኤኡ ዘስተምሃሮ ከኣ ኪዳን ይበሃል። እዚ ኸኣ ዓቢይን ጽኑዕን ስለዝኾነ እዩ። “እብል እንከ ዝንቱ ኪዳን ጽኑዕ ዘእምኀበ እግዚአብሔር/ ካብ እግዚአብሔር ዝተረኽበ ጽኑዕ ኪዳን እዚ እዩ” (ገላ. 3፡17) ከም ዝብል። ኪዳን መውረሲ መንግሥተ ሰማያት እዩ እሞ “እመቦ ዘዓቀበ ቃለ ዝንቱ ኪዳን ይሄሉ ወየሐዩ ከመ መላእክት/ እቲ ቃል እዚ ኪዳን ዝሓለወ ከም መላእክት ፍጹም ይነብር” ይብል።
ኣብ ኪዳን ሸውዓተ ዓበይቲ ክፍልታት ተሓቒፎም ይርከቡ። እዚኣቶም ድማ ፦
1. ትምህርተ ኅቡኣት
2. ኪዳን
3. እግዚአብሔር ዘብርሃናት
4. በእንተ ቅድሳት
5. በሰማይ ይሃሉ ልብክሙ (ቅዳሴ እግዚእ መእተዊ)
6. ቅዳሴ እግዚእ
7. ቅዱስ ሥሉስ እዮም።
“ ዘውእቱ አምላክ ዘበአማን ዘበነቢያት አቅደመ ተዐውቆ ወበሐዋርያት ተሰብከ ወእመላእክት ተአኵተ ወእምኀበ ኵሉ ተሰብሐ።/ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዝተፈልጠ፣ ብስብከት ሓዋርያት ዝተጋህደ፣ ብመላእክት ዝተመስገነ፡ ኵሉ ፍጥረት ዝኣምኖ ሰብ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ” ዝብል ንባብ ኣብ ትምህርተ ኅቡአት ይርከብ። ትምህርተ ኅቡአት፥ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ዝንበብ ትምህርተ ሃይማኖት፡ ዝጽለ ጸሎትን ዝቐርብ ምስጋናን እዩ።
ኣብ ፍሉያት መዓልታት( በዓለ ልደት፡ ጥምቀት፡ ትንሣኤ) ኣብ ክንዲ ሃይማኖተ አበው ይንበብ። ኣብ ጾመ ነቢያት ካብ ዘመነ ስብከት ክሳዕ በዓለ ልደት ኣብ ዘለዉ ሰናብቲ ማለት ኣብ ስብከት (7-13 ታኅሣሥ) ከምኡ’ውን ኖላዊ (21-27 ታኅሣሥ) ብተወሳኺ ድማ ኣብ በዓለ ጥምቀት ኣብ ክንዲ መልክዐ ኢየሱስ ብዜማ ይበጽሕ። ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ሰሙነ ሕማማት’ውን ብኣንድምታ ምስ ኪዳን ይትርጐም።
ትምህርተ ኅቡኣት ብካልእ ኣጸዋውዓ “እልመስጦኣግያ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ስያመ’ዚ ካብ “ሚስታጎግያ” ዝብል ግሪካዊ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ ኅቡእ ትምህርተ አምላክ ማለት እዩ። ብምሥጢር ድማ “እንተ ይእቲ ምኅላፍ አንቀጽ/ ናብ መንግሥተ ሰማያት ዘእቱ በሪ ትምህርቲ” ማለት እዩ ።
ትኅዝቶ ትምህርተ ኅቡአት ሓተታኡ ሰፊሕ ምሥጢሩ ድማ ዓሚቝ እዩ። “እቲ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ፡ ዘሎን፡ ዓለም ኣኅሊፉ ዝነብርን፣ ዓለም ንምድኃን ለኵነተ ሥጋ ብዘደንቅ ጥበቡ ኣብ ድንግል ማርያም ኃዲሩ ትሽዓተ ወርሕን ኃሙሽተ መዓልትን ተፀኒሱ ብሥጋ ተጋሂዱ፡ መከራ መስቀል ተቐቢሉ፡ ብሞቱ ንሞት ሥዒሩ ኃይሊ፡ ብትንሣኤኡ ድማ ትንሣኤ ሕይወት ዝሃበና ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናይ አብ ሕልና፡ ጥበብ፡ የማናይ ኢድ፡ ልዑል . . . እዩ” እናበለ ይገልጽ።
ብድኅር’ዚ ነፍሳት ካብ ሲኦል ንምውፃእ ጐይታ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ኣብ ዝወረደሉ ጊዜ ምስ ሰይጣን ዝተዘራረቦ የምጽእ። ንዲያብሎስ ብግብሩ ‘ሞት’ እናበለ ይጠቕሶ። ሞት ከምዚ ኢሉ ብዓቢይ ቃል ጨርሐ “መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘእምሥልጣንየ ሰብአ ለቢሶ ሊተ ሞዐኒ ። . . . መኑ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘበሙስና ተወልደ ውእቱሰ ኢይማስን. . . ዝንቱ ውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተሰቅለ/ ኣብ ትሕቲ ሥልጣነይ ንዝነበረ ሥጋ ተዋሒዱ ንኣይ ዝሠዓረኒ እዚ መን’ዩ፧ . . . ምድራዊ ሥጋ ዝተዋሓደ፣ ንሱ ግን ሰማያዊ እዚ መን እዩ፧ ብዝልወጥ ባህርይ ዝተወልደ፣ ንሱ ግና ዘይልውጥ እዚ መን እዩ፧ . . . ንሱስ እቲ ዝተሰቅለ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ” ይብል።
ኣብ መወዳእታ “በከመ ይቤ ሙሴ፣ ባዕዳንሂ ነቢያት፣ ንሕነሂ ቦቱ ተወኪለነ ሎቱ ነሀብ ስብሐተ፣ ዘሎቱ ስብሐት ወጽንዕ ለዓለመ ዓለም።/ ነቢይ ሙሴ “ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሐ ዘተሰብሐ” ከም ዝበለ። ካልኦት ነቢያት ድማ “ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም” ከም ዝበሉ፣ ንሕና ድማ ብእኡ ኣሚንና፡ ብዝኣመንናዮ ጸኒዕና ንእኡ ምስጋና ንቕርብ። ናይ ዘለዓለም ክብርን ጐይትነትን ዘለዎ ንእኡ ምስጋና ነቕርብ።” ብምባል ይዛዝም።
ነዚ ትምህርተ ኅቡኣት፡ ብፍላይ ንምእመናን ሥጋ ወደሙ ክቕበሉ ምስ መጽኡ ኅብስት ተለዊጡ ሥጋ ወልደ እግዚአብሔር፣ ወይን ተለዊጡ ደመ ወልደ እግዚአሔር ከም ዝኸውን፡ እንተሎ ኤጲስቆጶስ እንተዘየልቦ ካህን ኣንቢቡ ተርጕሙ ኣመሥጢሩ ክምህሮም ይግባእ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!