Print this page

ካልኣይ ሰሙን፦ ብርሃን

Dec 22, 2020

ካብ 14 ታኅሣሥ ክሳዕ 20 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ ብርሃን ይበሃል።

ከምቲ ኣቐዲሞም ቅዱሳን ነቢያት፡ “ብርሃንካን ጽድቅኻን ልኣኽ” እናበሉ ዝተነበይዎ፡ (መዝ. 42፡3)፣ ነታ ኣብ ጸልማት ኃጢኣትን ጽላሎት ሞት ክሕደትን ዝነበረት ዓለም ንምብራህ ኣካላዊ ቃል ብርሃን ዓለም ንምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከምዝተወልደ ዝምህር ሰሙን እዩ። (ኢሳ. 9፡2፣ ዮሓ. 8፡12)

ኣርእስቲ መዝሙር፦
አቅዲሙ ነገረ በኦሪት። አቅዲሙ ነገረ በኦሪት፡ ከመ ይመጽእ ወልድ በስብሐት ዘይዜንዋ ለጽዮን ቃለ ትፍሥሕት። ወካዕበ ይቤ በአፈ ዳዊት ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር፡ ብርሃን ዘመጽአ ውስተ ዓለም። ዘያበርህ ላዕለ ጻድቃን መርዓዊሃ ለቤተ ክርስቲያን፡ ይርዳእ ዘተኀጕለ ያስተጋብእ ዝርዋነ መጽአ ኅቤነ።

ዘቅዳሴ ምንባብ፦

መልእክታት፦
ሮሜ 13፡8-ፍጻሜ።
1ይ ዮሐ. 1፡1-ፍጻሜ።

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 26፡12-23።

ምስባክ፦
መዝ. 42/43
ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።

ወንጌል፦
ዮሐ. 1፡1-18።

ቅዳሴ፦

ቅዳሴ እግዚእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!