ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹኑ’ በለ እግዚአብሔር ከኣ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፤ እታ ዓባይ ማለት ፀሓይ ብመዓልቲ፣ እታ ንእሽቶ ማለት ወርኂ ድማ ብለይቲ ከም እተብርህ ገበረ። ከምኡ’ውን ከዋኽብቲ ገበረ” (ዘፍ 1፡14-16)። ቅዱስ ዳዊት’ውን ኣብ መዝሙሩ፥ “እቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ ንፀሓይ ብመዓልቲ ንወርኅን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሠልጠነ እግዚአብሔር ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ” በለ። (መዝ. 136፡7)
እቶም ብዕለተ ዓርብ ዝተፈጥሩ ደቂ ሰባት ብፍላይ ኣሕዛብ ንመን ከተምልኽ ከም ዘለካ ካብ ዘይምፍላጥ ዝተላዕለ ምስሊ ናይቶም ደመ ነፍስ ዘለዎም እንስሳታት ከም ላሕም፡ ንስሪ፡ ኣዕዋፍን ኣራዊትን እናቐረጹ ኣምልኾ ጣዖት ክፍጽሙ ከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ፀሓይ፡ ወርኅን ከዋኽብትን የምልኹ ነበሩ። ካብቶም ኣብ ከዋኽብቲ ዘምልኹ ዝነበሩ ኣሕዛብ ከኣ ሰብኣ ሰገል ነበሩ። ሰብ ጥበብ ማለት እዩ። “ሰገል ውስተ አፈ ንጉሥ” ከምዝብል።
ነዞም ሰብኣ ሰገል (ሰብ ጥበብ) ዝበሃሉ ዝረደሸት ዝበሃል ፈላስፋ ኣቦ ነበሮም። ኣብ ጊዜ ቀትሪ ኣብ ገምገም ፈልፋሊ ማይ ኮፍ ኢሉ ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ እናተመልከተ ከሎ፡ ድንግል ኣብ ሠሌዳ ኮከብ ተሣኢላ ሕፃን ሓቝፋ ረኣየ። “እዚ ራእይ ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ፤ ከይተፈጸመ’ውን ኣይተርፍን እዩ!” ኢሉ ቀልጢፉ ኣብ ሠሌዳ ኣስራዚ ቀሪጹ ኣቐመጦ። ድኅሪ ጊዜ ካብዚ ዓለም ብሥጋ ቅድሚ ምፍላዩ፥ “ከምዚ ዝበለ ኮከብ ወፂኡ ኣብ ዝረኣኽምሉ ጊዜ ሰማያዊ ንጉሥ ክውለድ እዩ’ሞ ነዘን ሠለስተ ህያባት ወርቂ፡ ዕጣንን ከርበን ኬድኩም ሃብዎ ኢኹም” በሎም።
ዘመኑ በጺሑ እዞም ሰብኣ ሰገል ከኣ ኮከብ ከም ዝወፅአ ርእዮም ሜልኩ፡ በዲዳኣስፋ፡ ማንቱሲ ማር ዝበሃሉ ካብ ዓዶም ክብገሱ ከለዉ ኣሸሓት ሠራዊት ኣኸቲሎም ጕዕዞኦም ናብ ቤተ ልሔም ኣቕንዑ። ካብ ሃገሮም ተበጊሶም ክሳብ ቤተ ልሔም ዝበጽሑ፣ እቲ ብምሥራቕ ዝረኣይዎ ኮከብ ናብ ደረጃ ቁመት ሰብ ወሪዱ ይመርሖም ነበረ። ሰባት ኣብ ዘለውሉ ክበጽሑ ከለዉ ግና ይሥወሮም ነበረ። ኣብቲ ጐይታና ዝተወልደሉ ቤተ ልሔም ምስ በጽሑ ከኣ ብኣፃብዕቲ ጌርካ ከም እተመልክት ንታሕቲ ውርድ ኢሉ ደው በለ። ናብቲ ዘለዎ ቤት ኣትዮም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ክብርቲ ወላዲቱ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ረኸብዎም፣ ከምቲ ኣቦኦም ብሥእሊ ቀሪጹ ዝሃቦም ተመሳሳሊ ጸንሖም እሞ ኣዝዮም ተሓጐሱ። መግለጺ ሓጐሶም ከኣ ወርቂ፡ ዕጣንን ከርቤን ገጸ በረከት ኣበርኪቶም እናተሓጐሱ ናብ ዓዶም ተመልሱ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰብኣ ሰገል ብኮከብ ዘይኮነስ ብኻልእ ጥበብን መንገድን መሪሑ ናብ ቤተ ልሔም ከም ዝመጽኡ ኽገብር ኵሉ ዝከኣሎ ፈጣሪ እዩ። እንተኾነ ግና ሰብኣ ሰገል ካብቶም ኣብ ከዋክብት ዘምልኹ ዝነበሩ ኣሕዛብ ብምንባሮም፣ ብዘይፈልጥዎ ካብ ምምራሕ በቲ ዘምልኽዎ ዝነበሩ ኮከብ እናተመርሑ ናብ ቤተ ልሔም ከም ዝመጹ ምግባሩ ዕጹብ ድንቂ እዩ። ብዝበለጸ ድማ ትንቢትን ምሳሌን ንምፍጻም ኮይኑ በለዓም፥ “ኮከብ ይሠርቅ እምያዕቆብ ወየአትት ኃጢአት እምእስራኤል።/ካብ ያዕቆብ ኮከብ ክወፅእ፣ ኃጢኣት ከኣ ካብ እስራኤል ክጠፍእ እዩ” (ዘኍ 24፡17) ኢሉ ትንቢት ተዛሪቡ ነበረ፣ ከምኡ’ውን ትሩፋን ኣብ ባቢሎን “ነገሥተ ተርሴስ ወደሰያት አምኃ ያበውኡ ነገሥተ ሳባ ወዓረብ ጋዳ ያመጽኡ ወይሰግዱ ሎቱ ኵሎሙ ነገሥተ ምድር/ ነገሥታት ተርሴስን ደሰያትን ገጽ በረከት ከቕርብሉ፡ ነገሥታት ሳባን ዓረብን ውህብውታት ከምጽእሉ እዮም፣ ኵሎም ነገሥታት ድማ ክሰግድሉ እዮም።” ተባሂሉ ነበረ። (መዝ. 71፡10-11)
ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ራእይ ዝተባህለ መጽሓፉ ቃል ጐይታ ክጽሕፍ ከሎ “ኣነ ሡር ዳዊትን ዘርኡን እቲ ብሩህ ኮከብ ጽባሕ እየ” ከምዝበሎ ብናይ ጐይታ ምሳሌ ዝኾነ ኮከብ እናተመርሑ ናብኡ በጽሑ።
ቅዱስ ያሬድ ነዚ መሠረት ብምግባር፥ “ በኮከብ መርሖሙ ለሰብአ ሰገል ይስገዱ ለአማኑኤል ንጉሥነ ለወልደ ማርያም ኮከብ ኮነ ሓዋርያ / ንኣማኑኤል ምእንቲ ክሰግድሉ ንሰብኣ ሰገል ብኮከብ መርሖም፤ እቲ ኮከብ ንወልደ ማርያም ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያ ኮነ” በለ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተወልደሉ ጊዜ ፍጡራት ምዃኖም ፈሊጦም ኣብ እግዚአብሔር ዘለዎም ተኣዛዝነትን ተገዛእነት ብግብሪ ዝገለጹ ሰብኣ ሰገልን ኮከብን ጥራይ ኣይነበሩን። ኣድግን ላሕምን’ውን ኣብቲ ዝተወልደሉ መብልዕ ማል ስለ ዝነበሩ ብእስትንፋሶም ሙቐት ገቢሮምሉ እዮም። ቅዱሳን መላእክት ከኣ ምስ ደቂ ሰባት ኃቢሮም፥ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ለእጓለ እመ ሕያው ሥምረቱ/ ምስጋና ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት፡ ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ መንጎ እቶም ዘፍቅርዎ ሰባት” ኢሎም መዝሙር ምስጋና ዘሚሮም። (ሉቃ 2፡11) ን5500 ዝኣክል ዘመን ሰላም ርኂቕዎም ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣዩ፣ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዝነበሩ’ውን ብርሃን ወፅኣሎም”። (ኢሳ 9፡2)
ኵሎም ፍጥረታት ፈጣሪ ብዝፈልጦ ሰብ ብዘይፈልጦ ናይዚ ልደት ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም። ኮከብ ክዛረብ ዘይክእል ግኡዝ ፍጥረት እኳ እንተኾነ ግና ነቶም ግዕዛን ዘለዎም ሰብኣ ሰገል ግና ፈጣሪ ዓለማት ናብ ዘለዎ ስፍራ ኣብጽሖም። “ወለእመ ፈቀድከ ታእምር ሀልወቶ ለእግዚአብሔር ብከ ሰማዕት ዘይመርሐከ እምአፍአ ኀበ አእምሮተ እግዚአብሔር።/ ህላወ እግዚአብሔር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ናብ ፈጣሪ መሪሑ ዘብጽሕ ሥነ ፍጥረት ኣለካ” ከምዝብል ኮነ።
ሰብ ንእግዚአብሔር ንኽፈልጥ ዝገብሮ ምርምር ኣብ ሥነ ፍጥረት ምርኵስ ዝገበረ’ዩ። ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ንምብጻሕ ልዕሊ ሥነ ፍጥረት መራሒ የብሉን። ሓደ ምእመን ኵሉ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ ከኣ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ነበረ እሞ ኵሉ ጊዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ስለ ዝርእዮ፥ “እዚ እተንብቦ ዘለኻ መጽሓፍ እንታይ ይጠቕመካ፧” በሎ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ዝነበረ ምእመን ከኣ ፥ “ናይቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኸይ ምሕረቱ፡ መድኃኒነቱ፡ ከሃሊነቱን ኃያልነቱን የፍልጠኒ” በሎ። “ነዚ መጽሓፍ ቀዳዲደ እንተ ደርቢየዮ ደኣ ብምንታይ ክትፈልጥ ኢኻ፧” በሎ። እቲ ምእመን ድማ፥ “ነዚ መጽሓፈይ እንተ ቀደድካዮ፡ ንሰማይን ምድርን ግና ክትቀድድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ናይ ፈጣሪየይ ምሕረት፡ መድኃኒነት፡ ከሃሊነትን ኃያልነትን ካብኣቶም ክርዳእን ክመሃርን እኽእል እየ” በሎ ይበሃል።
ስለዚ ኵላትና ብሥነ ፍጥረት ተመሪሕና ንፈጣሪና ምምስጋን ግዴታ ኣለና። እቲ ምስጋናና ድማ ከም መላእክትን ጓሶትን ብኃባር ኮይንና፥ “ሰላም በምድር” ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ምድሪ ሰላም እንተ ዘይሃልዩ፡ ምድራዊ ሕይወትና ውሕስነት ስለዘይህልዎ።
ከምቶም ብኮከብ እናተመርሑ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቤተልሔም ከይዶም ወርቂ፡ ዕጣንን ከርበን ኣበርኪቶም ፍሥሐ ወኃሤት ተሰሚዕዎም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ሰብአ ሰገል፡ ንሕና ድማ ነዚ ክቡር በዓል ዕለተ ልደት ብሓጐስ ከነኽብር ቅዱስ ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹነልና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!