መልሱ ደኣ ፍሉጥ እንድዩ ንዘፍቅረና ንፈቱ፡ ምጽጋዕ ምጽግዑ'ውን ምስ ሃብታም ንመርጽ እምበር ንብል ንኸውን። ብሓቂ ግና መልስና ምስ ተግባራትና ይሳነ'ዶ፧ እስከ ካብ ሕፃናት ንስምዓዮ!
ሓደ እዋን ሕፃናት ተኣኪቦም ፍርቆም በቲ ሓደ ወገን ፍርቆም በቲ ካልእ ወገን ኮይኖም ፍለጠለይ ክፈልጠልካ መን ካብ መን ይበልጽ እናተባህሉ ክጻወቱ ከለዉ ኣቡነ መቃርዮስ ኣርድእቱ ኣኸቲሉ መንገዱ ኣቋሪጹ ብኣንክሮ ክሰምዖም ጀመረ። ጸወታ እቶም ሕፃናት፦ “ሓደ ሃብታም ኣሎ ንሱ የፍቅረና ንሕና ንጸልኦ። ሓደ ድኻ ኣሎ ንሕና ንፈትዎ ንሱ ይጸልኣና” ዝብል ነበረ። ኣቡነ መቃርስ፡ ንቃላት እቶም ሕፃናት ብዕምቈት እናኣስተንተነ ብክንፈ ሓሳብ በረረ።
ሓደ ካብ ኣርድእቱ " ኣቦና ካብዞም ሕፃናት እንታይ ቁም ነገር ክርከብ’ዩ ደው ኢልካ ትሰምዖም፧ " በሎ። ኣቡነ መቃርስ ግን "እምአፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ/ ካብ ልሳን ቈልዑትን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ" ዝብል ቃል ብምዝካር ጸወታ እቶም ሕፃናት ቀልዲ ዘይኮነስ ዓሚቝ መልእክቲ ከም ዘለዎ ንደቀ መዛሙርቱ ኣረድኦም፡- "ደቀየ መንፈስ ቅዱስ ኣብዞም ሕፃናት ኃዲሩ ክዘልፈና ኣይትሰምዑን ዲኹም ዘለኹም። ሃብታም ዝተባህለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ሥጋና ተዋሒዱ ክሳዕ ሞት ዘፍቀረና ንሱ እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ።” (1ይ ዮሐ. 4፡10) “ፍቅር ሰሐቦ ለወልድ ኃያል እመንበሩ ወአብጽሖ እስከ ለሞት/ ንኃያል ወልድ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጽሖ” ከምዝብል። (ቅዳሴ ዮሐ. ኣፈ. ቍ. 53) ንሱ የፍቅረና ማለት ክብሩ ክህበና መንግሥቱ ከውርሰና ይደሊ፥ ንሕና ንጸልኦ ማለት ከኣ ትእዛዛቱ ንጥሕስ፡ ሕጉ ነፍርስ፡ ሥርዓቱ ነፋልስ ኣለና።
ድኻ ዝተባህለ ኅጡአ በረከት ዲያብሎስ እዩ። ንሕና ንፈትዎ ማለት ንሱ ዝፈትዎ ኃጢኣት ንፍጽም ኣለና። ንሱ ይጸልኣና ማለት ከም ናቱ ፍዳ ከጽናዓልና፡ ገሃነመ እሳት ከውርደና ይደሊ ኣሎ። " ኢሉ ተርጒሙ ነገሮም'ሞ፡ በዚ ንሓድሕዶም እናተዛራረቡ መንገዶም ቀጸሉ።
ሕዝበ ክርስቲያን፡ ፍቅረ እግዚአብሔር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው እዩ። (1ይ ዮሓ. 5፡3) እቲ ዘፍቅረና እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንዅሉ ዝኃዘን ንዅሉ ዝፍጽምን ልዕሊ ኵሉ ብምዃኑ ንሕና ደቁ ንእኡ ልዕሊ ኵሉ ኽንሠርዖን ከነፍቅሮን ክንስዕቦን ይግባእ። ካብ እግዚአብሔር ኣብሊጽና እንርእዮ ክህሉ የብሉን። “እተፍቅሩኒ እንተ ኴይንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ።” ከምዝብል (ዮሐ. 14፡ 15-21) ልብናን ሓሳብናን ብፍቕሩ ክምላእ እሞ ካብ ምልኣት ፍቕሩ ዝተላዕለ ድማ ከነመስግኖን ትእዛዛቱ ኽንፍጽምን ይግብኣና። ብልሳንና ጥራሕ “አፍቅሮ እየ” ምባል ንኣምላኽ ዝበቅዕ ፍቕሪ ኣይኮነን። ትእዛዛቱ ፈሊጥና እንተ ኣተግበርናዮ ግና ንእግዚአብሔር ከም እነፍቅሮ እዚ ምስክርና እዩ።
ብኣንጻሩ ነዚ በዓለ ጸጋ ዘፍቅረና እግዚአብሔር እንተጸላእና ግና ምስቲ ኽንጠፍእ መንገዲ ጥፍኣት ዘዳልወልና ዝጸልኣና ዲያብሎስ ኢና ንኃብር። ብሰንሰለት ፍዳን ኵነኔን ተኣሲርና ድማ ምስኡ ኣብ መቍሕ ገሃነመ እሳት ንነብር።
እቲ ዝኅሸና ምስ ዘፍቅረና እግዚአብሔር እዩ እሞ ናብኡ ክንጽጋዕ ብረድኤቱ ይደግፈና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!