ናቶም ክፉእ ግብሪ፡ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ትዕግሥትን ስለዝፈልጦ “ስለምንታይ፧ መን እዩ እዚ ዝብል፧ . . . ” ኢሉ ክምርምርን ከጻርን ኣይበለን። ኣብ ዝተዋህቦም ዕድመ ንንስሓ ብቕልጡፍ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ መኳንንቱ ኣደዪቡ ኣውሪዱ ተማኸረ።
ቅድም ባዕሉ ካብ ዝፋኑ ወሪዱ፡ ልብሰ መንግሥቱ ቀንጢጡ፡ ማቕ ተኸዲኑ ኣብ ሓሙኽሽቲ ተቐመጠ። ብድኅር’ዚ ናብ ሕዝቡ ጽኑዕ ኣዋጅ ኣወጀ፦ “እዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን እዩ፦ ሰብ እንስሳ ገለ ነገር ኣይጥዓሙ። መጓሰ ኸብቲ ኾነ መጓሰ ኣባጊዕ ገለ እኳ ኣይጥዓማ፣ ኣይውፈራ፣ ማይ’ውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ። ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ ይማህለሉ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መንገዱን ካብቲ ኽፉእ ግብሩን ይመለስ። መን ይፈልጥ ኣምላኽ ሓሳቡ ይልውጥን ካብ ጕሁር ቍዓኡን ይምለስን ይኸውን። ንሕና ኸኣ ኻብ ጥፍኣትና ንድኅን ንኸውን፧” ኢሉ ኣወጀ።
ብደረጃ ሃገር ካብ ላዕሊ ቤተ መንግሥት ክሳብ ታሕቲ ቤተ ሰብ ን3ተ መዓልቲ ኣተግበርዎ። መቅሠፍቲ ዝናም ክዘንመሎም እናተደባበነ ከመይ’ከ ስለ ሃገሮምን ድኅነት ርእሶምን ዘየተግብርዎ!
እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ እምነቶምን ስቡር ልቦምን ጾሞምን ጸሎቶምን ከምኡ’ውን ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመልሱ ተመልኪቱ፡ ሓሳቡ ለወጠ። ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን። ኣብ ክንዲ መቅሠፍተ መዓቱ፡ ጠለ ሰማይ ምሕረቱ ኣዝነመሎም። ነነዌ ከመይ ዝበለት ዕድለኛ ሃገር እያ! (ዮና. 3፡1-ፍጻሜ)
እምበኣርከስ፡ ሕጂ’ውን ንሕና ከም ሰብአ ነነዌ፡ ሕይወትና ብማየ ንስሓ ኣንጺሕና፡ ብሰፊሐ እድ፡ ብሰቂለ ሕልና፡ ብኣንቃዕድዎ ኣዕይንት ናብ እግዚአብሔር ንመለስ። ስለ ድኅነት ነፍስና፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንና፡ ሰላም ሃገርና፡ ናይ ዓለም ጥዕና ንለምኖ።
ንነቢይ ዮናስ ልኢኹ ዘይኮነስ ባዕሉ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፣ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕፆ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 6፡7) ዝብል ኣምላካዊ ቃል ኪዳን ሂብና እዩ እሞ መዓቱ ብምሕረቱ፡ መቅሠፍቱ ብትዕግሥቱ ከም ዝልውጠልና እሙን እዩ። “እስመ ቅኔትከ ወምልክናከ ይሬስየካ ትሣሃል ላዕለ ኵሉ/ እቲ ፈጢርካ ምግዛእካ ንዅሉ ይቕረ ከም ትብል ይገብረካ” ከምዝብል። (ጥበበ ሰሎሞን 12፡15)
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ አሜን!