Print this page

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ” (ኢዩ. 2፡14) - ዓቢይ ጾም

Mar 05, 2021

ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ፯/7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ ዓቢይ ጾም (ጾመ ፵/40) እዩ። እዚ ጾም እዚ መሥራቲኡ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡ ጐይታ ጐይቶትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ብኢድ ዮሓንስ መጥምቑ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾሞ እዩ። (ማቴ. 4፥1-2)

    ስለምንታይ ጐይታ ጾመ፧

  1. ተወሊዱ፡ ጸዋትወ መከራ ተቐቢሉ፡ ብሞቱ ንሞት ሥዒሩ፡ ብትንሣኤኡ ትንሣኤ ሂቡ ንደቂ ሰባት ፍጹም ድኅነት ንምሃብ እዩ።
  2. ነቲ ቅኑዕን ርቱዕን መንገዲ ጾም ብግብሪ ኣርኣያ ኾይኑ ንኽምህረና ጾመ። “ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኣሰር ኣሰሩ ክትስዕቡ፡ ኣርኣያ ኃዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” (1 ጴጥ. 2፡21)

    ስለምንታይ ጐይታ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ፧

  1. ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ዝተዋህቦ ክብሪ ስለ ዘጥፍአ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ክብሪ ኣዳም ንምምላስ ኣርብዓ መዓልቲ ጾመ።
  2. ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጸይሙ ሕጊ ኦሪት ተቐበለ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጸይሙ ሕጊ ወንጌል ሠርዐ። (ዘፀ. 24፡12-18፣ 31፡18)
  3. ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝለኣኾም ዓሠርተው ክልተ ሰለይቲ ምድረ ርስቲ ሰልዮም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተመልሱ፤ (ዘኍ. 18፡25) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ መራሒ መንግሥተ ሰማያት ስለ ዝኾነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ።
  4. እቲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ተሥእሎተ መልክዕ (ቅርጺ ኣካል) ዝተሠርዓሉ ሰብ ስለ ዝበደለ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካሕሣ ንክኸውን ኢሉ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ።

    ስለምንታይ እዚ ጾምዓቢይተባሂሉ፧

  1. ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝጾሞ ስለዝኾነ እዩ።
  2. ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝበሃሉ ዓበይቲ ፈተናታት ሰይጣን ዝሰዓረሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ንስስዕቲ ብትዕግሥቲ፣ ንትዕቢት ብትሕትና፣ ንፍቅሪ ገንዘብ ድማ ገንዘብ ብምጽላእ ሠዓሮ።
  3. ካብቶም ካልኦት ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ብመዓልታት ዝበዝኀ ኮይኑ 55 መዓልታት ስለዝጽወም።

    ስለምንታይ 55 መዓልታት ንጸውም

    ዓቢይ ጾም፡ ብመሠረት ባሕረ ሓሳብ ዓመት መጽአ ዝጅመረሉን ዝፍጸመሉን ዝተፈላለየ ዕለት ደኣ ይኹን እምበር ብዝኂ ዕለታቱ 55 እዩ፣ ዘይውስኽን ዘይጐድልን እዩ።

  1. ኣብ 55 መዓልታት ዓቢይ ጾም፦ ሸሞንተ ቀዳምን ሾብዓተ ሰንበትን ማለት 15 መዓልታት ኣለዉ። ኣብዞም 15 መዓልታት ካብ ጥሉላት እምበር ካብ እኽለ ማይ ኣይጽወምን እዩ። ስለዚ ብዘይ እዞም 15 መዓልታት ድማ 40 መዓልታት ጾም ይኸውን።
  2. ኣብ ዓቢይ ጾም ከም መእተውን መውፅእን ዝጽወሙ ክልተ ሰሙናት ኣለዉ። እቲ መእተዊ ናይ መጀመርታ ሰሙን ‘ዘወረደ’ ዝበሃል ሸሞንተ መዓልታት ኮይኑ ፣ እቲ መውፅኢ ናይ መወዳእታ ሰሙን ድማ ሰሙነ ሕማማት ዝበሃል ሸውዓተ መዓልታት ዘለዎ እዩ። ስለዚ ከም እግርን ርእስን ኮይኖም ምስ ዓቢይ ጾም ብሓንሳብ ተቘጺሮም 55 መዓልታት ይኾኑ።

    ቅዱስ ጾም ዝበሃል ከመይ ዝበሃል እዩ፧

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ” ከምዝብል ጾም ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽና ዝተዋህበና ቀዳማይ ቅዱስ ሕጊ እዩ። ስለዝኾነ ጾምና ዝተቀደሰ ክኸውን፦

  1. ጾምና ብጥሜትን ብማይ ጽምእን ኣፍናን ከርሥናን ጥራሕ ዘይኮነስ ኵሉ ሕዋሳትና ካብ ኃጢኣት ክጸውም ይግባእ። “ኣፍ ይጹም፡ ዓይን ይጹም፡ እዝን ይጹም እምሰሚዐ ሕሱም” ከምዝብል ቅዱስ ያሬድ፣ 
  2. ምስ ጾምና ጸሎት ምጽዋት ስግደት፡ ንስሓ፡ . . . . ከነሰኒ ይግባእ። “ጾምሲ ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ መሠረት ጽድቅ እያ” ከምዝብል።
  3. ጾምና ብሠናይ ግብሪ ዝተሰነየ ክኸውን ይግባእ። ትዕግሥቲ፡ ትሕትና፡ ፍቅሪ፡ ርኅራኄ እነጽንዓሉ፡ ኣብቶም ዘይብሎም ናይ በረከት ኢድ እንዝርግሓሉ፣ ንዝሓመሙ፡ ንዝተኣሥሩ ኣብ ስደት ንዘለዉን ኣብ ሽግር ዘለዉን እንዝክረሉ ክኸውን ይግባእ።

     ሰናብቲ ዓቢይ ጾም ኣስማት ኣለዎምዶ፧

ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓቢይ ጾም ዝርከቡ ሰናብቲ፡ ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ ዝመሃሮ ትምህርትን ዝገበሮ ተኣምራትን ዝፈጸሞ ግብረ ምድኃን ዝገልጽ፡ መዛሙርን ንባባትን ተሠሪዕሎም ነናቶም ኣስማት ኣለዎም።

ሰናብቲ

ኣርእስቲ መዝሙር

ንባባት

ምስባክ

ዘወረደ

“ክርስቶስ ካብ ሰማይ ምውራዱ”

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር

 ዕብ 13፥7-17፣ ያዕ 4፥6-ፍጻ፣             ግብ 25 ፥13-ፍጻ፣ ዮሓ 3፥10-25

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፣ ወተሐሠዩ ሎቱ በረዓድ፣ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይተመዓዕ እግዚአብሔር። (መዝ ፪/2፥ 11-12)

ቅድስት

“ቅድስና ሰንበት”

ግነዩ ለእግዚአብሔር

1ይ ተሰ 4፥1-13፣ 1ይ ጴጥ 1 ፥13-ፍጻ፣ ግብ 10፥17-30፣ ማቴ 6 ፥16-25

እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ፣ አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ፣ ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ። (መዝ ፺፭/96፥ 5-6)

ምኵራብ

“ክርስቶስ ኣብ ምኵራብ ምስትምሃሩ”

ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ ኣይሁድ

ቈላ 2 ፥16-ፍጻ፣ ያዕ 2፥14-ፍጻ፣  ግብ 10፥1-9፣ ዮሓ 2፥12-ፍጻ

እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዓኒ፣ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔረዩከ ወድቀ በላዕሌየ፣ ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ። ( መዝ ፷፰/69፥ 9-10)

መፃጕዕ

“ክርስቶስ ሕሙማት ምፍዋሱ”

አምላኩሰ ለአዳም

ገላ 5፥1-ፍጻ፣ ያዕ 5፥14-ፍጻ፣       ግብ 3፥1-12፣ ዮሓ 5፥2-25

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፣ ወይመይጥ ሎቱ ኵሉ ምስካቢሁ እምደዌሁ፣ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ። (መዝ ፵/41፥3-4)

ደብረ ዘይት

“ኣብዚ እምባ ኮይኑ ነገረ ምጽኣት ምስባኹ”

እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት

1ይተሰ 4፥13-ፍጻ፣ 2ይ ጴጥ 3፥7-15፣ ግብ 24፥1-22 ፣ ማቴ 24፥1-36

እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ፣ ወአምላክነሂ ኢያረምም፣ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ። ( መዝ ፵፱/50፥ 2-3)

ገብር ኄር

“ንትጉህ ኣገልጋሊ ዓስቢ ከምዘለዎ”

መኑ ውእቱ ገብር ኄር

2ይ ጢሞ 2፥1-16፣1ይ ጴጥ 5፥1-12 ፣ ግብ 1፥6-9 ፣ ማቴ 25፥14-31

ይትሌቃሕ ኃጥእ ወኢይፈዲ፣ ወጻድቅሰ ይምሕር ወይሁብ፣ እስመ እለ ይባርክዎ ይወርስዋ ለምድር። ( መዝ ፴፮/37፥ 21-22)

ኒቆዲሞስ

“ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ከምዝተዘራረበ”

ሖረ ኀቤሁ

ሮሜ 7፥1-12፣ 1ይ ዮሓ 4፥18-ፍጻ ፣ ግብ 5፥34-ፍጻ፣ ዮሓ 3፥1-12

መንፈቀ ሌሊት እትነሣእ፣ ከመ እግነይ ለከ በእንተ ኵነኔ ጽድቅከ፣ ከማሆሙ አነ ለኵሎሙ እለ ይፈርሁከ። ( መዝ ፻፲፰/119፥62-63)

ሆሣዕና

“እናተመስገነ ናብ ቤተ መቅደስ ምእታዉ”

ወእንዘ ሰሙን

ዕብ 9፥11-ፍጻ፣ 1ይ ጴጥ 4፥1-12፣  ግብ 28፥15-ፍጻ ፣ ዮሓ 5፥11-31

እምአፈ ደቂቅ ወሕፃናት ኣስተዳሎከ ስብሐተ፣ በእንተ ጸላኢ፣ ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋዒ። ( መዝ ፰/8፥2)

ትንሣኤ

“ንሞት ስዒሩ ብገዛእ ሥልጣኑ ከምዝተንሥአ”

ይትፌሣሕ ሰማይ

1ይ ቆሮ 15፥20-41፣ 1ይጴጥ 1፥1-13፣ ግብ 2፥22-37፣ ዮሓ 20፥11-19

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃህ እምንዋም፣ ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን፣ ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። (መዝ ፸፯/78፥ 65-66

በረከተ ጾም ተሳቲፍና ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!