ነቢይ ዳዊት “እግዚአብሔር ርኅሩኅን መሓርን እዩ። ንኵራ ደንጓዪ ብምሕረት ድማ ምሉእ እዩ።” (መዝ. 103፡8) ክብል ገሊጽዎ ከምዘሎ ትዕግሥቲ እግዚአብሔር ካብ ምሕረቱን ርኅራኄኡን እዩ። ኃጥእ ብንስሓ ክሳዕ ዝምለስ ይዕገሦ። ሰብአ ነነዌ ብጾምን ጸሎትን ናብኡ ክሳብ ዝምለሱ ተዓገሦም። (ዮና. 3፡4) “እቲ ጐይታና ንከድኅነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግሥቲ ሕሰቡ።” ይብል ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ። (2ይ ጴጥ. 3፡15)
መምህር ትዕግሥቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባና ዘርእዮ ትዕግሥትን ስሌና ክብል ንመሪር መከራ ዝተዓገሦን ኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ ኣርኣያ ንምዃን እዩ። ኣሰረ ፍኖቱ ዝሰዓቡ ኣቦታት “ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧” (ሮሜ. 8፡35) እናበሉ ሓዋርያት ብስብከቶም፡ ሰማዕታት ብደም፡ ጻድቃን ብገድሎም ዝጸንዑ ብትዕግሥቲ እዮም። “እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሥ ግና ንሱ ኽድኅን እዩ።” (ማቴ. 10፡22)፣ “ንነፍስኹም ከኣ ትዕግሥትኩም ከተጥርይዋ ኢኹም።” (ሉቃ. 21፡19) ዝብል ኣምላካዊ ቃል ፈጸሙ።
ሎሚ ኣብዛ መቐረት ዘይብላ ዓለም ትዕግሥትና ከመይ ይመስል፧
ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ “መልክዕክንሲ እቲ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዘሎ ለዋህን ህዱእን ዝኾነ መንፈስ ይኹን።” (2ይ ጴጥ. 3፡4) ከምዝበለ ውሣጣዊ ህድኣት(ትዕግሥት) ክህልወና ይምዕደና። ምኽንያቱ ክርስቲያን፡ ብውሣጣዊ ትዕግሥት ሕይወቱ እንተመርሐን፣ ከውሑን መድኃኒኡን እምባኡን እግዚአብሔር እንተገበረን ኣይናወጽን እዩ። (መዝ. 62፡1-2) ውሽጣዊ ህድኣት ዝተባህለ ጸጥታ ኣእምሮ፡ ርጉእ ልብን ህዱእ ሓሳባትን እዩ። ውሣጣዊ ህድኣት ዘይብሉ ሰብ ድሌቱን ተስፋኡን ጽኑዕ ኣይኮነን። ተጠራጣሪ፡ ኣብ ዘየለ ዝኹብልል ፈራህን ኣብ ዘይተባህለ ዝህውትት ጭኑቕን ብምዃኑ ኣብ ማዕበል ባሕሪ ብዘሎ ነው ነጀውን ነውጽን ይምሰል። ህዱእ ሰብ ግና ከም ማዕሙቕ ባሕሪ እዩ። ነቶም ሽግራት ኣብ ላዕሊ ጸምበለል የብሎም፡ ናብ ውሽጢ ማዕሙቕ እንተኣተዉ ግና የሕቕቖምን የጥፍኦምን። ንሕይወትና ኣመቂራ ናብ መንግሥተ ሰማያት እተእቱ ድማ ትዕግሥቲ እያ። ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “ዓቃላት ንምድሪ (መንግሥተ አምላክ) ኪወርስዋ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም።” (ማቴ. 5፡5) ኢሉና እዩ።
ስለዚ ንሕይወትና ሕያውን ባህ ዘብልን መሥዋዕቲ ገይርና እነቕርቦ (ሮሜ 12፡1) ፄወ ነፍስ ወሥጋ ዝኾኑ ፍቕርን ትሕትናን ትዕግሥትን ኣቃሚምና እዩ። ምኽንያቱ ጨው ዘይብሉ መግብ ዝበልዖ ከምዘይብሉ፡ ፄወ ነፍስ ወሥጋ ዝኾኑ ፍቕርን ትሕትናን ትዕግሥትን . . . ዘይብሉ ሕይወትና ድማ እግዚአብሔር ዝቕበሎ ኣይኮነን።
ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና። ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ጸሎት ቅዱሳንን ንዘለዓለም ምስ ኵልና ይኹን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!