“ይጹም ልሳን” - ቅዱስ ያሬድ

Mar 26, 2021

ሰብ፡ ዝፍጽሞም ረቂቃንን ግዙፋንን፣ ናኣሽቱን ዓበይትን ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ኃጣውእ ኣለዉ። ግናኸ ኵሉ ዓይነት ኃጢኣት ይዕበ ይንኣስ ካብ እግዚአብሔር ዝፈሊ እዩ። ካብቲ ሰብ ንእሽቶይ ኃጢኣት እዩ ኢሉ ዘየተኩረሉ ሓደ፡ በታ ካብ ኃሙሽተ ሕዋሳትና ዝኾነት መልሓስ ዝፍጸም ኃጢኣት እዩ።

እዚ ኃጢኣት’ዚ  ናይ መልሓስ ኃጢኣት፡ ናይ ልሳን ኃጢኣት፡ ናይ ኣፍ ኃጢኣት፡ ናይ ከንፈር ኃጢኣት፡ ናይ ቃል ኃጢኣት ይበሃል። ብዙኃት ሰባት ብምስተውዓልን ብዘይምስተውዓልን ኣብ መዓልቲ ብመልሓሶም ብዙኅ ኃጢኣት ይገብሩ። ግና ብምዝርራብ ዝፍጸም ከም ኃጢኣት ስለ ዘይቈጽርዎ ከይተጨነቕሉን ንስሓ ከይኣተውሉን ይኃልፉ።

ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ሳዕቤን ናይ መልሓስ ኃጢኣት ብምጥቃስ ክንጥንቀቕ ይምዕዱና። ናይ መልሓስ ኃጢኣት ብዙኅ በረኸት ዘትርፍ፣ ሰብ ኣብ ጽቡቅ ዘመን ከይበጽሕ ዝኽልክል ኃጢኣት ምዃኑ ክቡር ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ክገልጽ ከሎ፦ ሕይወቱ ዝፈቱ፡ ጽቡቕ መዓልታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን ኣሎ፧ መልሓስካ ካብ እከይ ከናፍርካ እውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሓሉ። ይብል። (መዝ. 34፡12) ከምኡ’ውን ጥበበኛ ሰሎሞን መልሓስካ ብምግታእ ዝርከብ ድኅነት ከረድእ ከሎ፦ኣፉን መልሓሱን ዝሕሉ ነፍሱ ካብ መከራ ይሕሉይብል። (ምሳ. 21፡23) ብኣንጻሩ ግና እቶም መልሓሶም ዘይገትኡ ተጻረፍቲ ወይ ሰረቕቲ ስሱዓት መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን እዮም። (1ይ ቆሮ. 6፡10)

ስለዚ ሕይወትን ሞትን ኣብ ኢድ መልሓስ እየን። (ሲራ. 18፡21) እዚ ኸኣ ብኣፍ ዝወፅእ ኣብ ልቢ ዝተሓስበ ስለዝኾነ እዩ። (ማቴ. 15፡18-20) ሰብ ብበትሪ እንተተሃሪሙ፡ ብኵናት እንተተወጊኡ ምስ ጊዜ ቍስሉ ይሓዊ እዩ፣ ብመልሓስ ዝተወግኦ ግና ዘይጠፍእ በሰላ ኮይኑ ‘እዚ ዝበለኒ!’ እናበለ ይነብር።

ምእንት’ዚ ድማ “. . . ወኢይፃእ ዐቢይ ነገር እምአፉክሙ. . ./ ካብ ኣፍኩም ከቢድ ዘረባ ኣይውፃእ” ይብል። (1ይ ሳሙ. 2፡3) ከምኡ’ውን ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእክተ ኤፌሶን፥ “ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፡ ከከም ዘድልዮም ከኣ ክሓንፅ ዝኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ” ይብል። (ኤፌ. 4፡29)

ሰብ፡ ንእግዚአብሔር ዝግዝኣሉ ሥርዓተ ኣምልኾኡ ፍጹም ዝኸውን ልሳኑ ምስ ዝገትእ ጥራሕ እዩ። ድላይካ እናተዛረብካ ንእግዚአብሔር የሥምሮን የገልግሎን እየ ምባል ከንቱን ሓሶትን ምዃኑ ሓዋርያ ያዕቆብ ክገልጽ ከሎ፡ “እቲ መልሓሱ ከይገትአ ንእግዚአብሔር የምልኽ እየ ዝብል ንርእሱ ይጥብር ኣሎ እምበር ኣምልኾኡስ ከንቱ እዩ። ይብል። (ያዕ. 1፡26)

ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት’ውን ብመልሓሰይ ከይስሕት ኣፈይ ክሕሉ እየ (መዝ. 39፡1) ብምባል ካብ ስሕተት ንምሕላው ልሳኑ ክቈጻጸር ምዃኑ ይነግር። ኣየ ኣፈይ ሓላዊ እንተዝህልዎ! መልሓሰይ ከኣ ማኅተም ጥበብ እንተዝህልዎ! ካብ ውድቀት ምደኃንኩ ነይረ ብገዛእ መልሓሰይ’ውን ኣይምጠፋእኩን ነይረ (ሲራ. 22፡27) ብምባል ልሳን ናብ ውድቀትን ሞትን ከምዘብጽሕ ይገልጽ።

ካብዚ ዝተላዕለ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣደታትን ልሳኖም ንምግታእ ብዙኅ ተጋዲሎም እዮም። ቅዱስ ዳዊት ካብ ስቕታይ ዝተላዕለ ከም ዓባስ ኮንኩ ከም ዝበለ፡ ብተጊሃ ጸሎት ክሳብ ንኸይዛረቡ ዝተፈላለየ ጥበብ ይጥቀሙ ነበሩ። ንምሳሌ፦ ኣባ ኣጋቶን ዝተጋደሎ ንኣና ትምህርቲ እዩ። ኣባ ኣጋቶን ብልሳኑ ኃጢኣት ንከይፍጽም እኳ እንተወሰነ ኣይከኣለን።

ብድኅር’ዚ ንሠላሳ ዓመት ኣብ ኣፉ ጸጸር ኮሊሱ ነበረ። ቃለ እግዚአብሔር ከንብብን ክምህርን፣ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ተሰጥዎ ክቕበልን ክቘርብን፣ ምግቢ ክምገብን ማይ ክሰትን ከሎ ጥራሕ ካብ ኣፉ የውፅኦ ነበረ። ብኣፉ ክፉእ ንኸይዛረብ ሠላሳ (30) ዓመት ብኸምዚ ምግዳሉ ርእዩ፡ ብዘይ ጸጸር ልሳኑ ናይ ምግታእ ጸጋ ሃቦ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ግና ቃለ እግዚአብሔር ሠሠናዩ ክንዲ እንዛረብ ዋዛ ፈዛዛ (ቀልዲ) እነውሪ፡ እንሓሚ፡ እንጻረፍ፡ ከክፉኡ እንናገር ውኁዳት ኣይኮናን። ልሳንና ኣብ ኵሉ ቦታ ክንገትእ ዝግባእ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ቅዱስ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ክንጥንቀቕ ይግባእ። ከምኡ’ውን ብኵሉ ጊዜ ክንገትእ ዝግባእ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ጾም ክንሕሎ ይግባእ። ነዚ ከረድእ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ‘ጾመ ድጓ’ ዝበሃል ናይ ዜማ መጽሓፉ “ይጹም ዐይን፡ ይጹም ልሳን፡ ዕዝንኒ ይጹም እምሰሚዐ ኅሱም በተፋቅሮ”/ ብፍቕሪ ዓይኒ ይጹም፡ ልሳን ይጹም ዕዝኒ’ውን ካብ ክፉእ ምስማዕ ይጹም” ይብል። (ዘወረደ ዘሠሉስ ፮ቱ ሰዓት)  

ኣብ እዋን ጾም፡ ኣብ ርእሲ ጥሙይ ከብዲን ጽሙእ ጎሮሮን ዝተገትአ ልሳን ክህልወና ይግባእ። ምኽንያቱ ልሳን ዝተፈጥረት ንእግዚኣብሔር ምግልጋልን ምምስጋንን ከምኡ’ውን ኣብ መነባብሮ ምስ ሰባት እናተሰማምዐት እምበር ኃጢኣት ክትፍጽም ኣይኮነን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ማቴዎስ 2 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም.…

April
Saturday
10
ዝክር፦ አባ ስምዖን፡ ወፈጠረ ብርሃናተ፡ ወማቱሳላ፡ ወክርስቶፎሮስ ገጸ ከልብ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ሮሜ 5፡15-ፍጻሜ ያዕ. 3፡1-10 ግብ. ሐዋ. 14፡11-18 ምስባክ መዝ. 135/136 ወንጌል ማቴ. 15፡21-28 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ።         *   *   *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

 ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሚያዝያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! አሥርቆት ዘወርኀ ሚያዝያ ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሚያዝያ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ግንቦት በሰላመ እግዚአብሔር...

ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሓዲሽ እብረ ትምህርቲ…

ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ነቲ ኣብ መሥርሕ ዝጸንሐ ትምህርቲ መዕጸዊ ብምግባርን  ሓደስቲ ተማሃሮ ብምቕባልን ሓድሽ እብረ ትምህርት ጀሚሩ።

ኣብ ገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ ልምዓታዊ ዕዮታት ብጽቡቕ ይሳለጥ ኣሎ!

ኣብ ገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ፡ ልምዓታዊ ዕዮታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕንፃዊ ሥራሓት ብጽቡቕ ይሳለጥ ኣሎ! እዚ ገዳም እዚ እቲ ተደኲንሉ...

ንኣይ’ሲ ሰብ የብለይን! (ዮሐ. 5፥7)

 ኣብዛ ኖትጊ መከራ እትተፍእ፤ ቂምን በቀልን እሾኽን ተኾርባን እተብቍል፤ መጺጽን ዕረን፡ ከርተትን ስደትን ኃዘንን ጭንቀትን እተመልአት፤ መድረክ ፈተና ዝኾነት ዓለም፡...

“ይጹም ልሳን” - ቅዱስ ያሬድ

ሰብ፡ ዝፍጽሞም ረቂቃንን ግዙፋንን፣ ናኣሽቱን ዓበይትን ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ኃጣውእ ኣለዉ። ግናኸ ኵሉ ዓይነት ኃጢኣት ይዕበ ይንኣስ ካብ እግዚአብሔር ዝፈሊ እዩ።...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ኣብ እምባደርሆ ዝእለዩ ዘኽታማት ተናበይቲ ብተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ተበጺሖም!

ብዕለት 27/06/2013 ዓ.ም.ግ ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰረጃቓ እምባደርሆ ብሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድኅነትን ዝእለዩ ዘኽታማት ተናበይቲ፡ ብመንእሰያት...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ላዕለዎት ኣመኃደርቲ ናይ ወፃኢ ኣህጉረ ስብከታት ብመንገዲ…

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ላዕለዎት ኃለፍቲ ኣህጉረ ስብከታት፡ ንኡሳን ኣህጉረ ስብከታትን ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ...

ኣብ ሃገረ እስራኤል ብቑዕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ኣሎ!

ኣብ ማእከላይ ምሥራቅ ካብ ዝርከባ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብቀደምነት እትጥቀስ መድኃኔ ዓለምን ቅድስት ድንግል ማርያምን ቤተ ክርስቲያን...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...