Print this page

ገብር ኄር ወኒቆዲሞስ መምህር ተስፋሥላሴ ዘርአ እግዚእ

Apr 20, 2021

ቀደምት ሊቃውንት አበው ካብ ዕምቈት ፍልጠትን ምልከት ቋንቋን ዝተላዕለ ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ንስብሐተ እግዚአብሔር፡ ንነገራት፡ ንጊዜ ፡ ንኵነታት፡ ንሥነ ፍጥረት፡ ንሰብ . . . ኣገላልጻኦም ዕፁብ ድንቂ እዩ። ንምሳሌ ብዛዕባ መምህረ ኣይሁድ ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ ከይዱ ዝተማህሮ ይጥቀስ። (ዮሓ. 3፡1-12)

ሊቅ በዓል ቅኔ ከምዚ ይብል፦ “ረቢ ሰገደ በመንፈቀ ሌሊት ለረቢ፣ አኮኑ አፅባዕት እምነ አፅባዕት የዓቢ” / “ኣብ ፍርቂ ለይቲ መምህረ ኣይሁድ ኒቆዲሞስ ንመምህር ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰገደ፣ ከመይሲ ሓንቲ ኣፅባዕት ካብ ካልእ ኣፅባዕት ስለትዓቢ” ይብል። እዚ ኣገላልጻ’ዚ ቅኔ ይበሃል። ምሁረ ግእዝ፡ ፈላጥ ቅኔ መምህር ተስፋ ሥላሴ ዘርአ እግዚእ ንቅኔ ክገልጽዎ ከለዉ፦ ‘ፍረ ነገሩ ውሕሉል ክእለት ናይ ዘረባ እዩ’ ይብሉ። መምህር ተስፋ ሥላሴ፡ ኣብ ሰዋስወ ልሳነ ግእዝን ትምህርተ ቅኔን ንነዊኅ ዓመታት ዝተመራመሩ፡ ዝተማህሩን ዝመሃሩን ኣቦ እዮም ነይሮም። መሠረት ሕይወቶም፡ ምንጪ ትምህርቶም ሥድራ ቤቶም እዮም።

መምህር ተስፋሥላሴ፡ ካብ ኣቦኦም መሪጌታ ዘርአ እግዚእ ገብረመድኅን፡ ካብ ኣዲኦም ወይዘሮ ውባ ጊላኡ ብ1911 ዓ.ም.ግ. ኣብ መበቈል ዓዶም ዓዲ ንኣምን ዓንሰባ ተወሊዶም። ዕድሚኦም ንዓቅመ ትምህርት ምስ በጽሑ ኣቦኦም መምህር ጸዋትወ ዜማ ስለዝነበሩ ካብ ፊደል ክሳብ ንመዓርገ ዲቁና ዘብቅዕ ምስ መሃርዎም፡ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ዘኤርትራ መዓርገ ዲቁና ተሠየሙ።

መንፈሳዊ ትምህርቶም ንምዕባይን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንምስፋሕን ኣብ ብዙኃን መምህራን ኣብ ቀረባን ርኁቅን ብዙኅ ጻምዮም እዮም። ናብ ጎደቦ ዓዶም ደቂ ሸሓይ፡ ናብ ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ ብምኻድ ቅኔ ተማህሩ። ቀጺሎም ናብ ጎጃም ብምኻድ ጾመ ድጓ፣ ንካልኣይ ጊዜ ድማ ቅኔ ተማህሩ። ኣብ ርእሲ መንፈሳዊ ትምህርቶም፡ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ብምድራብ ክሳዕ 12 ክፍሊ ኣብ  መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ (ኣዲስ ኣበባ) ተማሂሮም። ክልተ ዓመት ብመምህርነት ምስ ሠልጠኑ፣ ናይ ግብረ ገብነት (ሥነ ምግባር)፡ ናይ ቋንቋታት ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን መምህር ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ን20 ዓመታት ምሂሮም። ከም ኒቆዲሞስ ኣብ ሓደ ጊዜ ከም መምህርን ተመሃራይን ብምዃን ትምህርተ ዜማ ኣጽፊፎም ንሣልሳይ ጊዜ ካብ መምህር ጌትየ ገሞራው ብዕምቈት ቅኔን ሰዋስውን ክመሃሩ ከለዉ፡ ቅኔን ባሕረ ሓሳብን ድማ ይምህሩ ነበሩ።  

ብድኀር’ዚ ልሳነ ግእዝን ኣካዳማዊ ትምህርትን ክምህሩ ምስ ካልኣዮም መምህር ሉሌ መላኩ ብንቡረ እድ ድሜጥሮስ ተጸዊዖም ናብ ኣሥመራ ብምምጻእ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ኣገልጊሎም። ድኀሪ ቁሩብ ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሱ፡ ኣብ ቋንቋ ፍሉይ ክእለትን ተሰጥዎን ስለዝነበሮም ናይ ልሳነ ግእዝን እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን መምህር ኮይኖም ንልዕሊ ሠላሳ ዓመት ሠሪሖም። ብ 1991 ዓ.ም.ግ. ኣብ ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ መምህር ልሳነ ግእዝ ኮይኖም እናሠርሑ ምስቲ ዝነበረ ኵናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናብ ኤርትራ ተሰጒጎም መጽኡ።

መምህር ተስፋ ሥላሴ ንፍልጠቶም ብየዋህነትን ትሕትናን ኣብ ዝኾነ ቦታን ጊዜን ንዝረኽብዎ ሰብ፡ ንንእሽቶይ ንእሽተይ ኢሎም ከይነዓቑ፡ ንዓቢይ እንታይ ክገብረሉ ከይበሉ ይምህሩ ነበሩ። ኣብ ደብረ መዊዕ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን (ማይተመናይ) ብሞያ መምህርንነት (መሪጌትነት) እናኣገልገሉ ንተመሃሮ ሰዋስወ ግእዝ እናመሃሩ፡ ኣብ ቤት ማኀተም ኮከበ ጽባሕ ፍሬ ሃይማኖት ማኅበረ ሓዋርያት ናይ ቋንቋ ግእዝ መጻሕፍቲ ኣርታዒ ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ኣብ ቤተ መዘክር ኤርትራ ንብዙኀ ዓመታት ዝተዓቈቡ ግእዛዊ ብራናታት ብልሳነ ትግርኛ ተርጒሞም የቕርቡ ነበሩ።

መምህር ተስፋ ሥላሴ፡ ሰልኪዩንን ደኺሙንን ከይበሉ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት እንከለው፡ ብዕለት 13 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም.ግ. ኣብ መበል 96 ዓመቶም ካብዛ ኃላፊት ዓለም ብነፍሶም ተፈልዮም፡ ብሥጋ ኣዕሪፎም ኣብ ዓዲ ንኣምን ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

አበ ኵሉ መምህር ተስፋ ሥላሴ፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ፈላጢኦም ጽኑዕ መንፈስ ሓኒፆም፡ ፍልጠቶምን ምስሎምን ኣብ ኣእምሮ ናይ ሥጋን ናይ መንፈስን ደቆም ገዲፎም እዮም ኃሊፎም። ንሕና ደቆም ድማ ኣብ ዘንጸፉልና መሠረት ኣደልዲልና ብምንዳቕ፡ ዋላ እኳ ብሥጋ እንተ ተፈልዩ ብመንፈስ ምሳና ስለ ዘለው ንሃይማኖትናን ንምዕባለ ቋንቋ ግእዝን ክንጽዕር ይግባእ።

  • ንመምህር ተስፋ ሥላሴ ዝተገብረ ጉባኤ ቃና

ተስፋ ሥላሴ ዮሐንስ ዘጼሖ ሰዋስወ ቅኔ ንስሐ፡

ለገሊላዊት ነፍስየ እምድንቃዌ ጽልመት ባልሓ።

“ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ መንገዲ ንስሓ ጸሪጉ ሰቢኹ፡ ንሰብ ገሊላ ካብ ጸልማት ከምዘውፅኦም፣ ከምኡ ድማ መምህር ተስፋ ሥላሴ ዝመሃሮ ሰዋስው ቅኔ ንነፍሰይ ካብ ድንቁርና ጸልማት ኣድኃና።”

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!