ዜማ (1ይ ክፋል)

Oct 02, 2015

ዜማ ማለት ድምፂ ምስጋና፣ መዝሙር ሓጐስ ፣ ናይ ኃዘን ልቅሶን ካልኦት ኵሎም ስምዒታትን ዝገልጽ እዩ። ዜማ ንምስጋና እግዚኣብሔር፣ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝቐርብ እዩ። ደራሲ ናይ’ዚ ዜማ ቤተ ክርስቲያን'ዚ ድማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እዩ።
ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ
'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ፡ ቀዳሚሃ ለጽዮን ሰማየ ሣረረ፡ ወበዳግም ኣርኣዮ ለሙሴ ዘከመ ይገብር ግብራ ለደብተራ/ ሃሌ ሉያ ንአብ፡ ሃሌ ሉያ ንወልድ፡ ሃሌ ሉያ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ንሰማይ ፈጠሮ ደጊሙ'ውን ንሙሴ ናይ ደብተራ ሥራሕ ኣርኣዮ” (ዘፀ. ፳፭፥፰-፲/25፥8-10)።

እዚ ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ዜማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣዜመ፡ ነዚ ዜማ'ውን ካብ መላእኽቲ ወይ ካብ ሰማይ ዝተረኽበ እዩ ንክብል “ማኅሌት ኣርያም” በሎ። እዚ ዜማ’ዚ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ከይጠፍአ ዝነብር እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዜማ ዘዝየመን “ኣርያም” ኢሉ ዝሰመዮን ኣቦና ቅዱስ ያሬድ እዩ።

ቅዱስ ያሬድ ብ5 ሚያዝያ 505 ዓ.ም. ካብ ኣቦኡ ኣብዩድ (ይስሓቅ)፡ ካብ ኣደኡ ድማ ክርስቲና (ታውክልያ) ኣብ ኣክሱም ተወሊዱ። ቅዱስ ያሬድ ኣብ 7ተ ዓመት ዕድመኡ ኣቦኡ ሞተ። ኣደኡ ክርስቲና ከኣ ንናይ ኣክሱም ገበዝ ዝነበረ ኣኮኡ ጌዴዎን ከዕብዮን ከስተምህሮን ሓደራ ኢላ ሃበቶ። ቅዱስ ያሬድ ምስ ኣኮኡ መዝሙር ዳዊት ኣብ ዝመሃረሉ ዝነበረ ጊዜ ምርዳእ ኣበዮ። ን7ተ ዓመት ዝኣክል ብምሉእ ዓቕሙን ኃይሉን እንተጸዓረ እኳ ክርድኦ ኣይከኣለን። ኣኮኡ ጌዴዎን በዚ ተቘጢዑ ኣምሪሩ ሃረሞ። ቅዱስ ያሬድ ምጽዋር ስኢንዎ ናብ በረኻ ሃዲሙ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ኣጽለለ። ኣብ'ዚ ጊዜ'ዚ ሓደ ኣጋጣሚ ኣቃልቦኡ ሰሓቦ። ሓደ ጻጸ ናብ'ታ ገረብ ንክድይብ ይጽዕር ነበረ፡ ይኸይድ . . . ይጓዓዝ ኣብ ማእከል ምስ በጽሐ ናብ ታሕቲ ይወድቕ፡ እናተመላለሰ ክድይብ ይጽዕር . . . ግን ይወድቕ ኣብ መወዳእታ ብብዙኅ ጻዕሪ ናብ ላዕሊ ደየበ፡ ዕላማኡ ብዓወት ፈጸመ። ቅዱስ ያሬድ ናይ'ዚ ጻጸ ጻዕርን ዓወትን ምስ ርኣየ፡ ንርእሱ ነቒፉን ገሢጹን ናብ መንፈሳዊ መምህሩ ብምምላስ “ሥረይ ሊተ ኦ አባ ረስየኒ ዘፈቀድከ/ ኦ ኣቦይ ይቅረ በለለይን ተቐበለንን ዝደለኻዮ ግበረኒ” በሎ። ኣኮኡ ጌድዎን ድማ ተቐበሎ። ቅዱስ ያሬድ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ ልቡናኡ ተኸፍተሉ፡ እቲ ትምህርቲ ድማ ተከሥተሉ። ብሓንሳብ ከኣ መጻሕፍተ ብሉይን ሓዲስን ተማሂሩ፡ መዓርገ ዲቁና ተሠይመ። ኣብ'ቲ ጊዜ'ቲ ዝተሓዋወሰ ዜማ እንተዘይኮይኑ ማኅሌት ኮነ ቅኔ ኣይነበረን። እግዚአብሔር ፍቓዱ ኮይኑ 3ተ ኣዕዋፍ ካብ ገነት ኤዶም ለኣኸሉ። እተን 3ተ ኣዕዋፍ ሠለስተ ዓይነት ሕብሪ ነበረን። ቀጠልያ፡ ብጫ፡ ቀይሕ። እዚ ሕብሪ ምሳሌ እዩ ዝነበረ። ቀጠልያ ብግእዝ፡ ብጫ ብዕዝል፡ ቀይሕ ድማ ብዓራራይ ዜማ ይምሰል። ከምኡ ውን ብአብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይምሰል'ዩ። ኣብ ዘኊ. ፳፪/ 22 ኣድጊ ናይ በልዓም ብልሳን ሰብ ከምዝተዛረበት፡ ካብተን ሠለስተ ኣዕዋፍ፡ ሓንቲ ድማ “ኦ ያሬድ! ንስኻ ብፁዕ ኢኻ፡ ንኣኻ ዝፆረት ማኅፀን’ውን ብፅእቲ እያ’ በለቶ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ተነጢቑ ዝኸደ ምስአን ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ተነጢቑ ብምኻድ ማኅሌት ናይ ፳፬/24 ካህናተ ሰማይ ተማህረ። ብኡ ንብኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣክሱም ተመሊሱ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ብዓቢ ዜማ “ሃሌ ሉያ ንአብ፡ ሃሌ ሉያ ንወልድ፡ ሃሌ ሉያ ንመንፈስ ቅዱስ ንሰማይ ፈጠሮ ደጊሙ'ውን ንሙሴ ናይ ደብተራ ሥራሕ ኣርኣዮ” በለ። ነዚ ዜማ'ዚ ንጉሥን ንግሥትን፡ ጳጳስን ካህናትን ከምኡ ውን ዓበይቲ ሰባትን ምስ ሰምዕዎ ሰምበዱን ብጣዕሙ ተመስጡን። ብድኅሪ'ዚ ቅዱስ ያሬድ ነናይ ዘመኑ፡ ካብ ዓመት ክሳዕ ዓመት፡ ናይ ክረምቲ፡ ሓጋይ፡ ቀውዒን ጽጌያትን፡ ናይ ሰናብትን ናይ በዓላት መላእኽቲ፡ ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ሰማዕታት፡ ጻድቃንን ኵሎም ቅዱሳንን ብሠለስተ ዓይነት ዜማ ማለት ብግዕዝ፡ ዕዝልን፡ ዓራራይን፡ ማኅሌተ ቅኔ ሠርዓሎም። ቅዱስ ያሬድ ብፍጹም ትሕትናን ትግሃት ከገልግል ናብ ሰሜናዊ ወገን እታ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ብጾምን ጸሎትን ንሥጋኡ ይቐጽዕ ነበረ። ብድኅር'ዚ ጒያኡ ወዲኡ፡ ገድሉ ምስ ፈጸመ ስሙ ንዝጽውዕን ተዝካሩ ንዝገብርን እግዚአብሔር ክምሕረሉ ምዃኑ ኪዳን ኣተወሉ። ብግንቦት ፲፩/11 ድማ ብሰላም ኣዕረፈ። ንመቓብሩ ክሳዕ ሎሚ ዝፈልጣ የለን።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ያሬድ ኣይፈለየና።

ሰላም ለያሬድ ስብሐተ መላእክት ለሕዋፄ፡
እንተ አዕረገ በልቡ ሕሊና መንፈስ ረዋፄ፡
ለትምህርተ መጽሐፍ ገብአ እምኀበ ኮነ ነፋፄ፡
በብዙኅ ፃማ ዘአልቦ ሑፃፄ፡
መልዕልተ ጕንደ ኦም ነፂሮ እንዘ የዓርግ ዕፄ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!
ምንጪ፡- ስንክሳር ግንቦት ፲፩

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 20 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ…

January
Thursday
28
ዝክር፦ አብሮኮሮስ ፩ዱ እም ፸፪ኤቱ አርድእት፡ ወ፯ቱ ዲያቆናት፡ ወአባ አክሎግ ቀሲስ ወወንጌሉ ዘወርቅ፡ ወዮሐንስ፡ ወአብህኑ፡ ወአባ ኖኅ፡ ወቅዳሴ ቤቱ ለመርምህናም፡ ወስልዋኖስ፡ ወአባ አብዩድ፡ ወአባ ብንዋህ፡ ወጥንተ ጾመ ነነዌ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 12፡12-26። 1ይ ጴጥ. 4፡7-12። ግብረሓዋርያት፦ ግብ. ሐዋ. 6፡3-7። ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ሉቃ. 10፡12-20። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘኤጲፋንዮስ። …
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ።  እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’...

ኣብ ዘመነ መርዓዊ - ክርስቲያናዊ ኃዳር

ሰማያዊ መርዓዊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርድእቱ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ቤት መርዓ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ዝበዓል ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ 15 ጥር 2013 ዓ.ም. ብስሙ ኣብ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዕሩግ መንፈሳዊ...

"ዓለም"

ሕብሪ ገጻ ከምዛ ፀሓይብመንፈስ ግን ዘይረኣይ

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ካብ...

ክቡር በዓለ ጥምቀት ጥር 11 2013 ዓ.ም. ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን…

ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ንደቂ ሰባት እውን ዓበይቲ ምሥጢራተ ድኅነት ዝተፈጸመልና፡ ዝቓወመና ዕዳ ደብዳቤ ዝተደምሰሰሉ...

ሕፅበተ መድኃኒት - ምሥጢረ ጥምቀት

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ...

ስብሐተ ማኅሌት

‘ማኅሌት’፦ ‘ኀለየ፡ዘመረ፡ኣመስገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ምስጋና፡ መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት ማለት እዩ። ብሰንበት ዝቅወም ‘መዝሙር መወድስ’...

ክብረ በዓል አቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ጥር ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ሊባኖስ ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ገዳሞም ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ...

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት…

ኣብ ትኅቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝመሓደር ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት ኣብ ትሕቲ “መስቀሉ ኣልዒሉ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...