ቅኔ (፩ይ ክፋል)

Dec 15, 2015

* ትርጕም 

ቅኔ፥ “ቀነየ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ “ተቀነየ፡ ገጠመ፡ ቈዘመ፡ ዘመረ፡ ተፈላሰፈ. . . ” ማለት እዩ። ሰብ ብፍልጠት ተራቒቑ፡ ኣመሣጢሩ፡ መሲሉ፡ ግጥሚ ገጢሙ ካብ ርእሱ ኣንቂዑን ካብ ልቡ ኣፈልፊሉን ዘቕርቦ ድርሰት እዩ። ብሓፈሻ ንእግዚአብሔር ዚቐርብ ሓድሽ ምስጋና፡ ቅኔ ንብሎ። (መዝ. 149፥1)።
ድርሰተ ቅኔ፡ ጊዜ ከይወሰኖ በብእዋኑ ዚነብር ብምዃኑ፣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተጀመረ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና። ኣብ ዘመነ ንጉሥ ዳዊት ከምዚ ዝብል ንረክብ፥ “ ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ። ግብርታቱ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ንገሩ። ንእኡ ዘምሩ፡ ቃንዩሉ። ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ።”(1ይ ዜና 16፡8-9)

ከምኡ ውን ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ “ንፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኑ እቕነየሉ (እዝምረሉ) ኣሎኹ።” (ኢሳ. 5:1) ዝብል ኣሎ። ናይ ቅኔ ጥንታውነትን መንፈሳውነትን ውን ኣብ ሓድስ ኪዳን ተገሊጹ ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽታቱ ኪጠቅስ ከሎ፥ “ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቅኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቀኔኹምን እናደረስኩምን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።” (ኤፌ. ፭፥፲፱/ 5:19)፣ “ብመዝሙር ውዳሴን መንፈሳዊ ቅኔን ንሓድሕድኩም ክትምሃሩን ክትመዓዱን፡ ብልብኹም ውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይኅደርኩም።” (ቈላ. ፫፥፲፮-፲፯/3:16-17) ይብል።

*ታሪኽ

ናይ ግእዝ ቅኔ፥ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዓሚቝ ምሥጢርን፣ ሰፊሕ ኣገልግሎትን ነዊኅ ታሪኽን ዘለዎ መንፈሳዊ ድርሰት እዩ።

ናይ ግእዝ ቅኔ ካበይ መጽአ፧ መንከ ደረሶ፧ ንዝብል ሕቶ ግና ሊቃውንቲ ነናይ ርእሶም መልሲ ኣለዎም። ገሊኦም ቅዱስ ያሬድ፣ ገሊኦም ተዋነይ፣ ገሊኦም ዮሓንስ ገብላዊ . . . ። ብሓፈሻ ግና እቶም መንገዲ ቅኔ ዝተኸተሉ ድርሰተ ያሬድ ዝኾኑ ፀዋትወ ዜማ፡ ቅድሚ ድርሰተ ቅኔ ስለዝነበሩ፡ ናይ ግእዝ ቅኔ ደራሲ ቅዱስ ያሬድ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ኣሰረ ፍኖት ቅዱስ ያሬድ ስዒቦም ብድኅሪኡ ዝተንሥኡ ሊቃውንት ግና ንቅኔ፡ ብስምዕን ወርቅን ኣሀብቲሞም፣ ምሥጢሩ ኣራቒቖም፣ መንገዱ ኣዕሚቖም፣ መንበር ዘርጊሖም፡ ጉባኤ ኣስፊሖም ከም ዘማዕበልዎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ኣቦታት በብጊዜኡ ዝተፈላለዩ ቅኔታት እናደረሱ፣ ኣእምሮኦም እናዕበዩ፣ መንፈሶም እናሐደሱ፣ ብኃጢኣት ዝተዓንቀፈ ሰብነቶም እናወቐሱ፥ ምረት ገሃነመ እሳትን ጣዕመ መንግሥተ ሰማያትን እናሓሰቡ፣ ምእንቲ እዛ ርትዕቲ ሃይማኖቶም ኪምስክሩን ምሥጢራተ እግዚአብሔር ኪዛረቡን ይነብሩ። ብቅኔ ካብ ዘይምፍላጥ ናብ ምፍላጥ ተሰጋጊሮም፡ ብመነጸር ቅኔ ንዝርኃቐ ኣቕሪቦም ንዝደቐቐ ኣጕሊሖም እናተመልከቱ፥ ብሉያት ምስ ሓዲሳት፥ ሓዲሳት ምስ ሊቃውንት ኣሰማሚዖም ይትርጕሙን ጉባኤ ሠሪዖም ይምህሩን። ምእንቲ’ዚ ኣቦታት፡ ነዚ ሞያ ቅኔ የኽብርዎ፣ እቲ ሞያ ድማ ንእኦም ኣኽቢርዎም ይነብር። 

* ቅኔ ብምንታይ፧ ብኸመይ፧ መዓስን ኣበይን ይቝጸር፧

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ጉባኤ ትምህርቲ፥ ዚዝረፉን ዚቝጸሩን ቅኔታት፡ ብትኅዝቶን መልክዕን ምስቲ ኵነታት፡ ወቕትን ጊዜን፡ በዓላትን ዝተተኃኃዙ እዮም። ዘመነ ጽጌ፥ ዘመነ ልደት፥ ዘመነ መርዓዊ፥ ዘመነ ጾም፥ ዘመነ ፋሲካ (በዓለ ኃምሳ ) ከምኡ እውን ዘመነ ክረምቲ እዮም። ኣብ ዘመናት ዘለዉ ቀንዲ ሃይማኖታዊ ፍጻሜታትን ተፈጥሮኣዊ ክሥተታትን ከኣ መሠረት እዮም። ንምሳሌ፥ ዘመነ ክረምቲ ንቅኔ ዝጥዕም ኮይኑ፥ ዝናም፡ ነጐዳ፡ በረድ ውርጪ፡ ማይ፡ ማዕበል፡ ልምላሜ ኣትክልቲ. . . ከም ወርቂ ከቝጽሩና ይኽእሉ። ኣብ ዘመነ ጽጌ ፥ ምስ ስደት እግዝእትነ ማርያም ዝተኣሳሰሩ ታሪኻት፣ ብዛዕባ ጽጌያት (ዕንባባታት)፣ ብዛዕባ ፍሬ፣ ብዛዕባ ምኅላፍ ክረምትን ምምጻእ ሓጋይን ቅኔ ምቝጻር ይከኣል። ኣብ ዘመነ ጾም ብፍላይ ኣብ ዓቢይ ጾም ምስ ጾም ጐይታ ዝተተኃኃዘን ብዛዕባ ከበሮ ዘይምህራም . . . ወዘይመስሎ ዝኣመሰሉ ብምልዓል ምቝጻር ይከኣል። ጥምየት፥ ጽምኢ፥ መከራ፥. . . ወዘይመስሎ ናይ ተማሃሪ መፈላሰፊ ነጥብታትን ቃላትን እዮም።
ዘመነ ፋሲካ፡ ካብ ትንሣኤ ክሳዕ ጰራቅሊጦስ ብዛዕባ ነገረ ትንሥኤን ዕርገትን ዝኣመሰሉ ይቝጸሩ። በዓላትን ክሥተታት ዘመንን ኵሎም ወርቂ እዮም።
ብተወሳኺ፡ መንፈሳውያን ኮኑ ሥጋውያን በዓላት ናይ ቅኔ መቝጸሪታት እዮም። ናይ ዓመትን ናይ ወርኅን በዓላት ኮኑ ታሪኻት መበገሲ ብምግባር ፡ ቅኔ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ውን ኣብ ካልኦት ክቡራት ቦታታት ምቝጻርን ምቕራብን ይከኣል። ስንክሳር፡ ገድላት ወዘይመስሎ ብምንባብ፡ በብዕለቱ ዚዝከሩ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብምዝካር ምቝጻር ይከኣል።

፨ ቅኔ፡ ዕለታዊ ካብ ልቢ ዚፍልፍል ሓድሽ ድርሰት ስለዝኾነ፡ ዚበዝኁ ዚዝረፉ ቅኔታት ቃል ብቓል ይጽንዑ እምበር ኣይጸሓፉን ነበሩ። እንተኾነ ግና፡ ድርሰት ናይ ቅኔ ፡ ጊዜ ከይወሰኖ፡ በብጊዜኡ ብሉያት ምስ ሓዲሳት፥ ሓዲሳት ምስ ናይ ሊቃውንቲ ብምስምማዕ ተተርጕሙ፥ ዓሚቝ ምሥጢር ተሰኪሙ ካብ ልቢ ሊቅ ኪፍልፍል ዚነብር ብምዃኑ፡ ሎሚ ዘለዉ ሊቃውንቲ ኾኑ ዚኃለፉ ሊቃውንቲ ዚደረስዎም ቅኔታት ብምእካብ ብጽሑፍ መልክዕ ምቕማጥ ይግባእ። ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብግቡእ ዘይተማህረ ሰብ ንቤተ ክርስቲያን ከገልግል ስለዘይክእል ፡ ነዚ ዝተዋህበና ጸጋ ትውፊት ኣቦታት፡ ኣብ እግሮም ተቐሚጥና ክንመሃሮን ብዚግባእ ክንጥቀመሉን ይግብኣና።
              ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!                                                                                                                                                                                                                                                  

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 20 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ…

January
Thursday
28
ዝክር፦ አብሮኮሮስ ፩ዱ እም ፸፪ኤቱ አርድእት፡ ወ፯ቱ ዲያቆናት፡ ወአባ አክሎግ ቀሲስ ወወንጌሉ ዘወርቅ፡ ወዮሐንስ፡ ወአብህኑ፡ ወአባ ኖኅ፡ ወቅዳሴ ቤቱ ለመርምህናም፡ ወስልዋኖስ፡ ወአባ አብዩድ፡ ወአባ ብንዋህ፡ ወጥንተ ጾመ ነነዌ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 12፡12-26። 1ይ ጴጥ. 4፡7-12። ግብረሓዋርያት፦ ግብ. ሐዋ. 6፡3-7። ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ሉቃ. 10፡12-20። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘኤጲፋንዮስ። …
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ።  እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’...

ኣብ ዘመነ መርዓዊ - ክርስቲያናዊ ኃዳር

ሰማያዊ መርዓዊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርድእቱ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ቤት መርዓ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ዝበዓል ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ 15 ጥር 2013 ዓ.ም. ብስሙ ኣብ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዕሩግ መንፈሳዊ...

"ዓለም"

ሕብሪ ገጻ ከምዛ ፀሓይብመንፈስ ግን ዘይረኣይ

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ካብ...

ክቡር በዓለ ጥምቀት ጥር 11 2013 ዓ.ም. ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን…

ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ንደቂ ሰባት እውን ዓበይቲ ምሥጢራተ ድኅነት ዝተፈጸመልና፡ ዝቓወመና ዕዳ ደብዳቤ ዝተደምሰሰሉ...

ሕፅበተ መድኃኒት - ምሥጢረ ጥምቀት

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ...

ስብሐተ ማኅሌት

‘ማኅሌት’፦ ‘ኀለየ፡ዘመረ፡ኣመስገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ምስጋና፡ መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት ማለት እዩ። ብሰንበት ዝቅወም ‘መዝሙር መወድስ’...

ክብረ በዓል አቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ጥር ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ሊባኖስ ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ገዳሞም ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ...

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት…

ኣብ ትኅቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝመሓደር ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት ኣብ ትሕቲ “መስቀሉ ኣልዒሉ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...