መዝሙር

Jan 27, 2016

* ትርጕም መዝሙር፥
ካብ “ዘመረ” ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ባዕድ ዘርኢ ኾይኑ ‘ምስጋና’ ማለት እዩ።
1. መዝሙር፥ ስልቲ ብዘለዎ ልቢ ብዝመስጥ ቃና ተቐናባቢሩ ካብ ጐሮሮ ብዝወፅእ ድምፂ ይዝመር።
2. መዝሙር፥ ምስጋናን ልማኖን ጠሚሩ ዝኃዘ ዓቢይ ክፋል ጸሎት እዩ።
3. መዝሙር፥ ዝተቓነየ ወይ’ውን ብዜማ ዝተሰነየ ቃላት ድምፂ እዩ።
4. መዝሙር፥ ብመሠረት ሥርዓት ዝማሬ ቤተ ክርስቲያን፡ ብዜማ ዝቐርብ ምስጋና እዩ።

ዜማ ብቑሙ፡ ስልቲ ወይ’ውን ኣገባብ ዘለዎ ደሃይ፡ ከምኡ’ውን ብፍሉይ ሕብሪ ዝተቐናበረ ድምፂ ማለት እዩ። ንእዝኒ ዝሰማምዑ፡ ንስምዒት ሕሊና ድማ ትርጕም ዚህቡ ተኸታተልቲ ድምፅታት ተዛሚዶምን ተሳንዮምን ኪስምዑ ኸለዉ ዜማ ይብሃል። እዚ’ውን “አዕዋፍ ዘሠናይ ዜማሆሙ ይሴብሕዎ በሠናይ ዜማ ወማኅሌት ኅብረተ ዜማ፥ ግእዝ ዕዝል ወአራራይ ዝብጠተ መሰንቆ ወዕንዚራ እለ ቦሙ ሠናይ ዜማ/ ጥዑም ዝዜማኦም ኣዕዋፍ፥ ብምዑዝ ዜማን ብማኅሌት ዝተቐናበረ ዓይነት ዜማ ማለት፥ ግእዝ፡ ዕዝልን አራራይን ከምኡ’ውን ጥዑም ድምፂ ብዘለዎም መሰንቆን ዕንዚራን የመስግንዎ” ይብል።
ብሓፈሻ ዜማ ኪብሃል ከሎ ናይ ምስጋና መዝሙር፡ ናይ ሓጐስ ድምፂ ማለት እዩ። ዜማ ምስ መላእኽቲ ኃቢሩ ዝተረኽበ ቀዳማዊ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ውን ቅዱስ ያሬድ፦ “ቀዳሚ ዜማ” ብምባል ቀዳማዊነቱ ‘አርያም’ ኣብ ዝተባህለ ድርሰቱ ገሊጽዎ ኣሎ። ዜማ፡ ቀዳማዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዓቢይን ልዑልን እዩ። ነዚ’ውን ደጊሙ ቅዱስ ያሬድ ከረድእ ከሎ፦ “ዓቢይ ዜማ ተሰምዐ በሰማይ ዘመላእክት ግናይ እንዘ የዐርግ ወልድ ዲበ መንበሩ ኵሎሙ መላእክት ትንሣኤሁ ዘመሩ/ ወልድ ናብ ዙፋኑ ኪዓርግ ከሎ ዓቢይ ዜማ ምስጋና መላእክት ኣብ ሰማይ ተሰምዐ፣ ኵሎም መላእኽቲ ትንሣኤኡ ዘመሩ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ቅዱስ ያሬድ ጣዕመ ዜማን ድምፂ ዝማሬን ካብ መላእኽቲ ድኅሪ ምስማዑ፥ “ዋይ (ወይ) ዜማ ዘሰማዕኩ በሰማይ እመላእክት ቅዱሳን፡ እንዘ ይብሉ፡ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር፡ መልአ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ” ብምባል ዘለዎ ኣስተንክሮት ገለጸ።
* መዝሙር ብሰማያውያን መላእኽቲ ኣብ ሰማይ፣ ኣብ ምድሪ ድማ ብደቂ ሰባት ዝቐርብ ምስጋናን ጸሎትን እዩ። ናይ ነፍሲ ቋንቋ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ። ንሕሊናናን መንፈስናን ናብ ሰማያዊ መንገድን ሓሳብን ዚወስድ፣ ካብዚ ዝረአን ዝጭበጥን ምድራዊ ዓለም ናብቲ ሰማያዊ ሕይወት ዝነጥቅ እዩ። በዚ ድማ መዝሙር፥ ‘መሰጋገሪ ድልድል’ ናይ ክልቲኡ ዓለማት ይብሃል።
* መዝሙር፡ ኪነ ጥበብ ብምዃኑ ኣብ ኵሉ ሰብ ዚርከብ ህያብ እግዚአብሔር እዩ። ዝኾነ ፍጥረት ንድንቂ ተግባር እግዚአብሔር ዚምስክረሉን ዘመስግነሉን እዩ። ክፋል ሕይወትና ኾይኑ ንነብሮ ደኣ እምበር ንኽንዘናጋዕን ጊዜ ከነኅልፍን ዝቐርብ ኣይኮነን።

*ዕላማ መዝሙር፥
ብባህርይኡ ምስጉን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ስሙ ኪቕድሱ ክብሩ ኺወርሱ፡ ንሰብን መላእኽትን ለባውያን ማእምራን ገይሩ ፈጠረ። ብወገን ቅዱሳን መላእኽቲ ቅሩበ መንበር ኣኃዜ መንጦላዕት ዝነበረ ሳጥናኤል ዘይናቱን ዘይተዋህቦን ኣምላኽነትን ምስጋና ኣምላኽን ንእኡ ስለዝደለየ ካብ ክብሩ ተዋረደ። (ሕዝ. 28፥13) “ወሶበ ኢያእኰትኮ ለዘፈጠረከ እምነፋስ ወነድ ፈጠረ ህየንቴከ ሰብአ ዘማሬ እማይ ወእመሬት/ ነቲ ካብ ነፋስን እሳትን ዝፈጠረካ ስለዘየመስገንካዮ፣ ኣብ ክንዳኻ ካብ ማይን መሬትን ዘማሪ ሰብ (ኣዳም) ፈጠረ” ከምዝብል፡ እግዚአብሔር ኣብ ክንዲ ሳጥናኤል፡ ዘመስግን እምብዛ ዝኣደመ (ዝጸበቐ) ንሰብ ኣኽቢሩ ፈጠረ። (መጽ. መቃ. ሣልስ. 2፥12) ስለዚ እዩ ዘማራይ ዳዊት ኵሉ ሳዕ ንእግዚአብሔር ዘመስግንን ደቂ ሰባት ብዘይምብታኽ ንፈጣሪኦም ከመስግኑ ዚምዕድን ዝነበረ። (መዝ. 33፥1) እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ መንገዲ ይምስገን።

ካብቶም ዝምስገነሎም መንገድታት እቲ ሓደ መዝሙር እዩ።
መዝሙር፥ ብኣጋጣሚ ዝተጀመረ፣ ወዲ ሰብ ካብ ተሞክሮ ሕይወቱ ብልምዲ ዘጥረዮን ተመራሚሩ ዝበጽሖን ርኸበት ኣይኮነን። ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተዋህበ ፍሉይ ጸጋ ኣገልግሎት እዩ። ወዲ ሰብ መዝሙር ዝተማህረ ካብ ዓለመ መላእክት እዩ። (መዝ 77፥25) “ወዲ ሰብ እንጌራ መላእኽቲ በልዐ።” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ፡ ነቲ ቅዱሳን መላእኽቲ ዚምገብዎ እንጌራ ዝተባህለ “ስብሐተ እግዚአብሔር” እዩ። ቅዱሳን መላእኽቲ ንፈጣሪኦም ዘቕርብዎ ምስጋና መግቢ ኮይንዎም ብዘይምቍራጽን ብዘይ ዕረፍትን ከመስግኑ ይነብሩ። ወዲ ሰብ ድማ፡ ነቲ ዘይምኖን ጥዑምን ዘለዓለማዊ ምስጋና መግበ ነፍሲ ኾይንዎ እናተመገበ ይነብር። ከምቲ መግቢ ንልሳን ዚጥዕም ቀንዲ ዕላማኡ ግና ንመግበ ሥጋ ዝኾነ፥ መዝሙር ድማ ንእዝኒ ባህ ዘብል እኳ እንተኾነ መግበ ነፍሲ እዩ።

* ጥቕሚ መዝሙር፥
• ብተመስጦ ስብሐተ እግዚአብሔርን ጸሎትን ንምብጻሕ የገልግል። ኣብ ዚዝመረሉ እዋን ካብ ጐሮሮ ዝወፅእ ድምፂ ከም ዘረባ ዘይቅልጥፍ፣ ዜማኡን ስልቱን ተወሓሒዱ ዝቐርብ ብምዃኑ፡ ንዝሰምዖ ኾነ ንዚዝምሮ ረድኤትን ኃይልን፣ ውዕለትን ምሕረትን ኣምላኹ ብምስትውዓል ንኽዝክር የኽእሎ።
• ከም ትምህርቲ የገልግል። ግጥምታት መዝሙር፡ ብውኁዳትን ምሩጻትን ዕምቈት ብዘለዎም ቃላት ዝተነድቁ ስለዝኾኑ ብዙኅ መልእኽቲ የኅልፉ። ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ግደ ልዑል ስለዝኾነ ኸኣ ምእመናን ብሃይማኖት ኪጸንዑን ፈጣሪኦም ፈሊጦም ፈሪሃ እግዚአብሔር ከኅድሩን ይሕግዞም።
• መዝሙር ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበ ጸጋ ብምዃኑ ዓቢይ መንፈሳዊ ኃይሊ ይህብ። ሕሙማን ናይ ምፍዋስን ዝተጨነቑ ናይ ምርግጋእን ኃይሊ ኣለዎ። ብርኹስ መንፈስ ዚሳቐ ዝነበረ ሳኦል ብመዝሙር ዳዊት ፈውሲ ይረክብን ይረጋጋእን ነበረ (1ይ ሳሙ 16፥21) ዝማሬ ቅዱስ ጳውሎስን ሲላስን’ውን ንመሠረት ቤት ማእሠርቲ የነቓንቕ ነበረ። (ግብ. ሓዋ. 16፥19-26)።
• ምስ ኣምላኽ ዘራኽብ መሳልል እዩ። ሰባት ብበገናን መሰንቆን ንዝማሬ ከምዝቓንዩ፡ መንፈስ ቅዱስ’ውን ንዘማርያን ይቓኒ እዩ። እቲ ዓቢይ ኣቦ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ቅዳሴኡ ቍ.53 “ከምቶም ንእግዚአብሔር ብቓል ምስጋና ዘመስግንዎ ንኹን።. . . ብዜማ ዘመስግኑ ኣለዉ፣ ዚዝምሩ ኣለዉ፣ ብልቢ ዘመስግኑ ኣለዉ። ብቓል ዘመስግኑ ኣለዉ” ብምባል ከምእተዛረበ፥ ንሰባት ዝማሬ ዘይምህሩ ንርእሶም ጥራይ ዚዝምሩ ፍሉይ ሃብተ መዝሙር ዘለዎም ሰባት ድማ ኣለዉ፣ ንርእሶም እናዘመሩ ንኻልኦት ዚምህሩ ውን ኣለዉ፣ መዝሙር ብኣርምሞ ናይ ምስማዕ ጸጋ ዝወሃቦም ከኣ ኣለዉ፣ ኵሉ ግና በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ንእግዚአብሔር ከገልግል ይግባእ።

*ጠባያት መዝሙር፥
* መዝሙር ከከም ጊዜኡን እዋኑን ምስ ካልእ ሥርዓተ ጸሎትን ማኅሌትን ስለዚዛመድ ዝተፈላለየ መልክዕ ኣለዎ። ኣብ እዋን ሓጐስን ኃዘንን ዚዝመር ዝተፈላለየ እዩ።
ዓይነት ዜማ ኣብ ሠለስተ ይኽፈል፥ ግእዝ፡ ዕዝልን አራራይን ይብሃል።
* መዝሙር፡ ግጥሙን ትኅዝቶኡን ኃይሊ ኪህልዎ ኣለዎ እምበር ትምህርቲ መልእኽቱ ድኹም ኪኸውን የብሉን። ጣዕመ ዜማ ንሕሊና ምእመናን ናብ ሰማየ ሰማያት ዚነጥቕ፣ መንፈሳውነት ዘጽንዕን ካብ ዓለማዊ ፍትወት ዘርኅቕን ኪኸውን ኣለዎ።
* ምስ እግዚአብሔር ዘራኽብ እምበር ሥጋዊ ስምዒት ዘለዓዕልን ዝስሕብን ኪኸውን የብሉን። በዓል ቤት መዝሙር ባዕሉ እግዚአብሔር፣ መልእኽቱ ቃለ እግዚአብሔር፣ መልእኽተኛ ዘማሪ ከምኡ’ውን ተቐባሊ መልእኽቲ ምእመን እዩ።

*ዓይነት መዝሙር፥
ሀ. መዝሙረ ስብሐት (ምስጋና)
ብባህሪኡ ስቡሕ ንዝኾነ ፈጣሪ ዓለማት እግዚአብሔር ንዝገበረልና ሠናይ ውዕለት እናዘከርና ናይ ባህርይ ምስጋና ነቕርበሉ እዩ።
ለ. መዝሙረ ንስሓ (ተስእሎት)
ብዝተጣዕሰ ስቡር ልብን ኣንቃዕድዎ ሕሊናን ኃጢኣትና እናዘከርና ይቕሬታ ንልምነሉ ዓይነት መዝሙር እዩ።
ሐ. መዝሙረ ትምህርት
ብዛዕባ እግዚአብሔር፥ ቅዱሳን፥ ቤተ ክርስቲያን፥ ፍጥረታትን ካልእን፡ መንነትን ግብርን ብዛዕባ ኅሉፍ ታሪኽን ንመጻኢ ዚኸውንን ምእመናን እንታይ ኪገብሩ ከምዚግብኦም ዚምህር ዓይነት መዝሙር እዩ።
መ. መዝሙረ ቅዱሳን
እግዚአብሔር ኣብ ቅዱሳን ኃዲሩ ንዚገብሮ ድንቂ ሥራሕ፣ ንቅዱሳን ዚኣተወሎም ቃል ኪዳን ዘዘኻኽርን ገድልን ተኣምራትን ቅዱሳን ዚገልጽን ዚምህርን በረኸቶምን ኣማልድነቶምን ንምርካብን ዝቐርብ ዓይነት መዝሙር እዩ። ቅዱሳን ዚብሃሉ ድማ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥ መላእኽቲ፥ ሰባት፥ መካናት፥ ዕለተ ሰንበት ……..ወዘይመስሎ እዮም።
ዝማሬ መላእክትን መዝሙር ዳዊትን ማኅሌት ያሬድን ዝተቐበለ ኣምላኽ፡ ኣገልግሎት መዝሙርና ይቀበለልና!
    ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!                                                                                                                              

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 20 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ…

January
Thursday
28
ዝክር፦ አብሮኮሮስ ፩ዱ እም ፸፪ኤቱ አርድእት፡ ወ፯ቱ ዲያቆናት፡ ወአባ አክሎግ ቀሲስ ወወንጌሉ ዘወርቅ፡ ወዮሐንስ፡ ወአብህኑ፡ ወአባ ኖኅ፡ ወቅዳሴ ቤቱ ለመርምህናም፡ ወስልዋኖስ፡ ወአባ አብዩድ፡ ወአባ ብንዋህ፡ ወጥንተ ጾመ ነነዌ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 12፡12-26። 1ይ ጴጥ. 4፡7-12። ግብረሓዋርያት፦ ግብ. ሐዋ. 6፡3-7። ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ሉቃ. 10፡12-20። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘኤጲፋንዮስ። …
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ።  እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’...

ኣብ ዘመነ መርዓዊ - ክርስቲያናዊ ኃዳር

ሰማያዊ መርዓዊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርድእቱ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ቤት መርዓ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ዝበዓል ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ 15 ጥር 2013 ዓ.ም. ብስሙ ኣብ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዕሩግ መንፈሳዊ...

"ዓለም"

ሕብሪ ገጻ ከምዛ ፀሓይብመንፈስ ግን ዘይረኣይ

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ካብ...

ክቡር በዓለ ጥምቀት ጥር 11 2013 ዓ.ም. ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን…

ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ንደቂ ሰባት እውን ዓበይቲ ምሥጢራተ ድኅነት ዝተፈጸመልና፡ ዝቓወመና ዕዳ ደብዳቤ ዝተደምሰሰሉ...

ሕፅበተ መድኃኒት - ምሥጢረ ጥምቀት

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ...

ስብሐተ ማኅሌት

‘ማኅሌት’፦ ‘ኀለየ፡ዘመረ፡ኣመስገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ምስጋና፡ መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት ማለት እዩ። ብሰንበት ዝቅወም ‘መዝሙር መወድስ’...

ክብረ በዓል አቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ጥር ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ሊባኖስ ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ገዳሞም ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ...

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት…

ኣብ ትኅቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝመሓደር ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት ኣብ ትሕቲ “መስቀሉ ኣልዒሉ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...