Print this page

ስብሐተ ማኅሌት

Jan 14, 2021

‘ማኅሌት’፦ ‘ኀለየ፡ዘመረ፡ኣመስገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ምስጋና፡ መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት ማለት እዩ። ብሰንበት ዝቅወም ‘መዝሙር መወድስ’ ክበሃል ከሎ፡ ኣብ ናይ ወርኅን ናይ ዓመትን በዓላት ዝበጽሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ድማ ማኅሌት ይበሃል።

ኣብ ዓለመ መላእክት ዝተጀመረ፡ ንቅዱስ ያሬድ ዝተዋህበ ሰማያዊ ኣገልግሎት እዩ። መሠረቱ ‘ድጓ’ ኮይኑ፣ ዝደረሶ ድማ ቅዱስ ያሬድ እዩ።

ማኅሌት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ብንዋያተ ቅዱሳት (ከበሮ፡ጸናጽል፡መቆምያ) ተዓጂቡ ዝፍጸም፣ ብመንፈሳዊ ጥበብ ዝትርጐም ሥርዓትን ኅብረ ምሳሌን ዘለዎ እዩ።

ሥርዓተ ማኅሌት ኣብ ሠለስተ ይምደብ። ንሱ ኸኣ ክብረ በዓል፡ ወርኀዊ በዓል፡ ሰንበት እዩ።

1. ናይ ክብረ በዓል ሥርዓተ ማኅሌት፡- ብሠለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ዝቖመ እዩ። ንሳቶም ድማ፦
      ሀ. ሥርዓተ ዋዜማ                ለ. ሥርዓተ ማኅሌት ዘሌሊት      ሐ. ሥርዓተ ኣርያም ወይ ከኣ ሥርዓተ ዓቢይ ስብሐተ ነግህ

2. ናይ ሰንበት ሥርዓተ ማኅሌት፡- ናይ ሰንበት ሥርዓተ ማኅሌት ኣብ ሠለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኽፈል። ንሳቶም ድማ፦
   ሀ. ክብረ በዓል ዘለዎ ሰንበት (እቲ ክብረ በዓል ኣብ ሰንበት ምስ ዝውዕል)                
     1. ሥርዓተ ዋዜማ           2. ሥርዓተ ማኅሌት         3. ሥርዓተ መወድስ ይቅወም።

   ለ. ክብረ በዓል ዘይብሉ ሰንበት ግን ምስ ወርኀዊ በዓል ተደሪቡ ምስ ዝውዕል
     1. ሥርዓተ ማኅሌት       2. ሥርዓተ መወድስ ይቅወም። 

   ሐ. ተራ ሰንበት ምስ ዝኸውን ከኣ ሥርዓተ መወድስ ጥራይ ይቅወም።

3. ናይ ወርኀዊ በዓል ሥርዓተ ማኅሌት፡ ናይ ወርኀዊ በዓል ሥርዓተ ማኅሌት ኣብ ክልተ ይኽፈል። ንሳቶም ከኣ፦
   ሀ. ሥርዓተ መልክዕ      ለ. ሥርዓተ ኣርያም ወይ ከኣ ሥርዓተ ዓቢይ ስብሐተ ነግህ ይበሃሉ።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ብተወሳኺ፡ ብዘይ ከበሮ ዝቅወሙ ናይ ዘወትር ስብሐተ ነግህ፡ ናይ ዓቢይ ጾም ጾመ ድጓን፡ ዓሠርተ ምህላታትን ኣለዉ። እዚኣቶም ኵላቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ዝፍጸመሎም ሥርዓታት እዮም።

እዞም ክፍልታት ዓሰርተው ክልተ ደረጃታት ዝኃዙ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ምቅናይ፡ ምቅባል፡ ምምራሕ፡ ተመራሒ፡ ዝማሜ፡ ቁም፡ መረግድ፡ ጽፍዓት፡ ድርብ ጽፍዓት፡ ጭብጫቦ፡ ኣመላለስ፡ ሸብሸቦ እዮም። ማኅሌታውያን ደረጃታቱ ተኸቲሎም ብቐደም ተኸተል የገልግሉ።

ምሳሌኦም ድማ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ወበዐሠርቱ አውታሪሁ መዝሙረ ማኅሌት ወመሰንቆ እዜምር ለከ/ ዓሠርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና መዝሙር እዝምር ኣለኹ።” ዝበሎ ዝገልጹ እዮም። ብተወሳኺ’ውን ናይ ዓሠርተ መዓርገ ቅድስና ምሳሌ እዮም። ብቀንዱ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነገረ መስቀሉ ዘብርሁ፡ ዝትንትኑን ዘረድኡን እዮም።  

እዞም ዓሠርተ ደረጃታት ሥርዓተ ማኅሌት ምስ ምሳሌያዊ ትርጕሞም ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጾም ኣለዉ፥

1. ምቅናይ፥ ናይ መጀመርታ ደረጃ ሥርዓተ ማኅሌት ምቅናይ እዩ። ንኣገልገልቲ ቃለ እግዚአብሔር ምርኣይ ወይ ድማ ምምልካት ማለት እዩ።
 ቀዳማይ ደረጃ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ነቲ ዕለት ዘድልዩ ቀለማት፡ ድጓ መሠረት ብምግባር ስለ ዝዳለዉ እዩ። ናይ ድጓ በዓል ሞያ ዝኾነ መሪጌታ ነቲ ዕለት ዝምልከት ቀለም ንካልኦት የቐብል። መዘምራን ድማ ካብቲ መራሒ ብዜማ ይቕበሉ። ምሳሌኡ ድማ ኣይሁድ ይሁዳ ምስ ኣመልከተሎም ንእኡ መራሒ ገይሮም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኃዝዎ ዘረድእ እዩ።

2. ምቅባል፥ ሓደ ወደ መዝሙር ተማሃራይ ወይ ድማ ዜማ ዝፈልጥ መምህር፡ ንድጓ መሠረት ገይሩ ነቲ ዕለት ዝምልከት ቀለም ይቃኒ። ካብዚ ቀጺሎም መዘምራን ካብቲ ዝቃኒ ተቐቢሎም ነቲ ቀለም ብዜማ የዚምዎ። እዚ ኸኣ ኣይሁድ፡ ንጐይታ ካብ ይሁዳ ተቐቢሎም ክሰቅልዎ ከምዝወሰኑ ዘመልክት እዩ።
መዘምራን ነቲ ዝተቃነየ ቀለም ነገረ መስቀሉ እናኣስተውዓሉ ይቕበሉ።

ከምኡ’ውን እቲ መራሒ ነጋሪ ኣዋጅ ኮይኑ ክእውጅ ከሎ፡ ተቐበልቲ “ሓቂ ብሓቂ” እናበሉ ምድጋሞም ዝገልጽ እዩ። ምእመናን ድማ ናይቲ ኣዋጅ ተኻፈልቲ ብምዃኖም ብዕልልታን ጨብጨባን ሓጐሶም ይገልጹ።

3. ምምራሕ፥ መራሒ ናይቲ ዕለት ቀለም ብቀዳምነት ብዜማ ናብ ተመራሒ እናነገረን እናቐበለን ከምዝዝየም ዝገብረሉ ሣልሳይ ደረጃ ሥርዓተ ማኅሌት እዩ። መራሒ ናይ ዮሐንስ መጥምቅ ምሳሌ ኮይኑ፡ ዮሐንስ ናይ ክርስቶስ ምምጻእ ከምዝሰበኸ ዝገልጽ እዩ። ተመራሒ ተቐቢሉ ከምዘዝይሞ፡ ካብ ዮሐንስ መጥምቅ ተቐቢሉ ወንጌል ዝመሃረ ክርስቶስ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ብወገን መራሒ ዘለዉ መዘምራን እዝሊ ክዘልቁ ከለዉ ናይ ዮሐንስ ኣርድእት ምሳሌ እዮም። እዚ ኸኣ መምህሮም ዮሐንስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣሚኖም ንክርስቶስ ናይ ምቕባሎም ምሳሌ እዩ። እቶም ብናይ ኣንሺ ወገን ዘለዉ ተቐቢሎም ከምኡ ይዘልቁ፡ ናይ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምሳሌ እዮም። እዚ ከኣ ክርስቶስ ድኅሪ ምዕራጉ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ካብ ጽንፍ ክሳብ ጽንፍ ከምዝበጽሐ ዘረድእ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ነቲ እዝሊ ብኅብረት የዝይምዎ። እዚ ድማ ቅዱሳን መላእክትን ሰብን ኣብ መብልዕ ማል ንዝተወልደ ሕፃን ክርስቶስ ብኅብረት ናይ ምምስጋኖም ምሳሌ እዩ።

4. ተመራሒ፥ እዚ ሥርዓተ ኣገልግሎት’ዚ ኣብ መንጎ መራሕን ተመራሕን ዝፍጸም ኮይኑ ካብ ወገን መራሒ ናብ ተመራሒ ቃል እግዚአብሔር ምትኅልላፍ እዩ። መራሒ ኣቐድም ኣቢሉ ዝዘመሮ ቃለ እግዚአብሔር እቲ ተመራሒ ይቕበሎ።

ኣብ ናይ ሥርዓተ ማኅሌት ኣፈጻጽማ፡ ንመራሕን ተመራሕን ብየማንን ጸጋምን ቁሩብ ኣንሽታት ኣለውዎም። ንሳቶም ድማ ብጸጋማይ ወገን ቀለም ዝቕበል ግራ ጌታን፡ ብየማናይ ወገን ቀለም ዘልዕል ቀኝ ጌታን እዮም። ምሳልያዊ ውክልናኦም ድማ መዘምራን ናይቲ መራሒ ቃል ምቕባሎም፡ ንክርስቶስ በብተራ ብምቕብባል ናይ ዝፈረድዎ ቀያፋ፡ ጲላጦስ፡ ሄሮድስ ምሳሌ እዩ። ተመሊሱ ቃል እግዚአብሔር ብመራሒ ምውድኡ ድማ ነገረ መስቀሉ ብሊቀ ካህናት ሐና ናይ ምውድኡ ምሳሌ እዩ። (ሉቃ. 23፡27፣ ዮሐ. 18፡1፣ 28፡24።)

5. ዝማሜ፥ መዘምራን ብኅብረት መቈምያኦም ናብ የማን፡ ናብ ጸጋም፡ ንድኅሪት ንቅድሚት እናወዛወዙ ኃኃሊፎም ድማ መሬት እናሃረሙ ዝፍጽምዎ ሥርዓተ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ሥርዓተ ማኅሌት፡ ቅድሚ ዝማሜ ጥሬ ዜማ ብኅብረት ድኅሪ ምዝላቁ፡ መራሒ እናመርሐ፡ ተመራሒ እናተመርሐ የዝይምዎ። ብድኅር’ዚ ብኅብረት ይዝመም።

መራሒ ናይ ይሁዳ፣ ተመራሒ ድማ ናይ ቀያፋ ምሳሌ ኮይኖም፡ ይሁዳ ናብቲ ጐይታ ኢየሱስ ዘለዎ ቦታ መሪሐ ክወስደኩም እየ ኢሉ ንሊቀ ካህናት ቀያፋ ምንጋሩን፡ ቀያፋ ድማ ሕራይ ኢሉ በቲ ዝበሎ ምስምምዑን የመልክት።

ድኅሪ ምምራሕ፡ መዘምራን ብኅብረት ምዝማሞም ድማ ኣይሁድ በቲ ይሁዳ ዝነገሮም ተሰማሚዖም ኣባትር ኂዞም ጐይታ ናብ ዝነበሮ ጌተሴማኒ ናይ ምኻዶም ምሳሌ እዩ።

ናይ መቈምያ ምውዝዋዝን መሬት ምህራምን ከኣ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቅድሚትን ድኅሪትን፡ ናብ የማንን ጸጋምን እናጋፍዑ ብዝኃዝዎ በትሪ ከምዝሃረምዎ ዘመልክት እዩ።

ዝማሜ ምስ ተገብረ፡ መራሒ እናመርሐ፡ ተመራሒ እናተመርሐ ምልጣን ክሳዕ መወዳእታ ይበሃል። ጫፍ ናይቲ ምልጣን ድማ ክልተ ጊዜ ብኅብረት ይዝመም እሞ ጸጋማይን የማናይን የልዕሉ፡ ምልጣን ድማ ተደጋጊሙ ይዝመም።

ናይዚ ምሳሌ ድማ ኣይሁድ ብመሪሕነት ይሁዳ ንጐይታ ምስ ኃዝዎ፡ በብተራ ናብ ሐናን ቀያፋን ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ከመላልስዎ ምኅዳሮም፡ ከምኡ’ውን ክልተ ሓሰውቲ ሰባት፡ ንሊቃነ ካህናት ክድግፉ ኣብ ልዕሊ ጐይታ ብሓሶት ምምስካሮምን፡ ወተሃደራት ከኣ በብመንገዶም ደጋጊሞም ከምዘጋፍዕዎ ዘረድእ እዩ። (ማቴ. 26፡61-68፣ ዮሐ. 18፡24)

መልዓሊ ምልጣን ምምርጋዱ ድማ ንጐይታ ዝበጽሖ መከራ፡ ንሓዋርያት’ውን ከምዝበጽሖም ምሳሌ እዩ። መቈምያን ጸናጽልን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ምውራዶም ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንድኅነተ ዓለም ካብ ሰማየ ሰማያት ምውራዱ፣ ናብ ላዕሊ ምድያቦም ከኣ ናብ ሰማየ ሰማያት ምዕራጉ ዝገልጽ እዩ። መቈምያን ጸናጽልን ናብ ቅድሚትን ድኅሪትን ምውዝዋዞም ድማ ጐይታ ብኢድ ኣይሁድ ፀዋትወ መከራ ከምዝበጽሖ፣ “መኑ ኰርዐከ፡ ተነበይ ለነ/ መን ሃሪሙካ፡ እስኪ ፍለጦ” እናበሉ ብዘንጊ ርእሱ ከምዝሃረምዎ ምሳሌ እዩ። (ማቴ. 26፡6)

ንመቈምያ ልክዕ ከም መማዕተቢ ጌሮም፡ ካብ መንኰቦም ኣውሪዶም ኣብ ልዕሊ መሬት ምዕራፎም፡ ክርስቶስ መስቀል ተሸኪሙ ካብ ሊቶስጥራ ናብ ቀራንዮ ክጓዓዝ ከሎ፡ ካብ ድኻሙ ዝተላዕለ ኣብ መሬት ወዲቁ የዕርፍ ከምዝነበረ ምሳሌ እዩ። ካብ መንኰቦም ኣውሪዶም ንካልእ ምሃቦም ድማ ክርስቶስ መስቀል ተሸኪሙ ብምንክርታት ኣብ ዝደኸመሉ ጊዜ  ኣይሁድ “ዝሓሰብናዮ ከይፈጸምና ከይመውት” ብምባል መስቀሉ ንካልእ ሰብ ከምዘሰከምዎ ምሳሌ እዩ።

መዘምራን ምስ መቈምያኦም ንቅድሚትን ድኅሪትን፡ ንየማንን ጸጋምን ምባሎም ናይ ኣርባዕተ መዓዝን (ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምሥራቅ፡ ምዕራብ) ምሳሌ እዩ። ምሥጢሩ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ብዘለዉ ፍጥረታት ዝምስገን ልዑለ ልዑላን ምዃኑ ዘረድእ ትምህርቲ እዩ። መቈምያኦም ናብ ላዕሊ ሓፍ ምባሎም ብልዕልና እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ከምዝነብር፣ መሊሶም ኣብ መሬት ምዕራፎም ድማ ንእኡ ብፍርሃት ንምግዛእ፡ ርእሶም ከምዘትሓቱ ዝነግርን ዝምህርን እዩ።

. . . ይቕጽል

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

***