Print this page

ጸሎት በሰፊሐ እድ

Jul 21, 2021

በቲ ዓለም ባሕሪ ንኣይ ዘፍርሓኒ
እና’ኣሳገምኩ ናብ ጐይታ መድኃኒ

    እተን ክልተ ናይ እምነት ኣእጋረይ
    ክጥሕላ ጀመራ ሃንደበት ብሰለይ
በቃ! ጀመርኩ
     ብሥጋዊ ጥበብ ነፋስ እናነፈሰ
      ናብ ጐይታ፡ ክበጽሕ ሓምቢሰ ሓምቢሰ
ግን’ከ እቲ ምሕምባሰይ
       ኣብ ክንዲ ንኣይ ካብ ምጥሓል ዘውፅኣኒ
       ዘይተሓስበ ደኣ መሊሱ ኣስጠመኒ
       ኣብ ምጥሓለይ!
ሃንደበት ዘከርኩ ብመንፈሳዊ ኣእምሮ
ኽጥሕል ምስ ጀመረ ጴጥሮስ ዝገበሮ
ተግብርክዎ ኸኣ
ናብቲ ጐይታ ባሕሪ፡ ኸውፅኣኒ ብቕጽበት
ክልተ ኣእዳወይ ዘርጋሕኩ ንእለት።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!