እታ ከነናዊት ሰበይቲ

Mar 23, 2016

ቀንዲ ቐንዲ ጐደናታት ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ተረአን በጺሑ፡ ንሓደ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ብዝስዕብ ዋሕዚ ሕዝቢ ካብ ጻዕቂ ብዝተላዕለ ድፍእፍእን ጽቕጥቅጥን ተናዊጸን ይርከባ። እወ! ዜና ግብረ ምድኃን ዝሰምዑ ሕሙማን ፡ ቃለ እግዚኣብሔር ዝጸምኡ ናይ መንፈስ ድኻታት፡ ተኣምራት ንምርኣይ ብዝመጽኡን፡ ንኽስን ንወቐሳን ዚህወኹ ፈሪሳውያንን ደድኅሪ’ቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንዓለም ዝተገልጸ ብርሃን መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ይስዕቡ ነበሩ።

ሓንቲ ካብ’ቲ ዝዳፋእ ዝነበረ ሕዝቢ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወልደት፡ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾነት ጽርኣዊት ሰበይቲ እያ ነይራ። ዜና ናይ’ዚ ገባሬ መንክራት ጐይታ ሰሚዓ ድማ፡ ሽግራ ንኸወግደላ ምስ’ቲ ብዙኅ ሕዝቢ እናተዳፍአት፡ ኣብ ልባ ክልተ ሓሳባት ተበራሪ ነበረት።

እቲ ሓደ ሓሳባ “ ንሱ ንደቂ እስራኤል እምበር ንኣሕዛብ ስለዘይመጽአ ኣይሰምዓክን እዩ” ይብላ። እቲ ኻልኣይ ሓሳብ ድማ “ንስኺ ድኻ ኢኻ፡ ንሱ ድማ ኣነ ንድኻታት እየ መጺአ ስለዝብል ክሰምዓኪ እዩ። ኬድኪ ጸገምኪ ንገርዮ” ይብላ።

እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ብውሽጣ ናይ ሓሳብ ድፍኢት፡ ብግዳም ድማ ናይ’ቲ ሕዝቢ ድፍኢት እናኣናወጻ ዝገበረት ገይራ ናብ’ቲ ኣብ ቅድሚ መድኃኒ ጐይታ በጽሐት። እቲ ቅኑዕ ሓሳባ ረቲዑ፡ “ሰብ እንታይ ክብለኒ እዩ፡ ንሱኸ እንታይ ክብለኒ’ዩ” ዝብል ስክፍታ ካብ ልባ ኣውፂኣ ደርበየቶ። ከመይ! ምድራውያን ፈወስቲ ንጸገማ ክፈትሑላ ኣይከኣሉን። ኣብ ቅድሚኡ ብግንባራ ተደፊኣ፡ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ኂዝዋ ኣሎ እሞ ምሓረኒ” እናበለት ልማኖኣ ከተቕርብ ጀመረት። ንርኹስ መንፈስ ከም ዘውፅእ ስለዝኣመነት፡ ጓላ ንኽትድኅነላ መሓረኒ እናበለት ልማኖኣ ኣብዝኀት። ጐይታ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ኣብ ርእሲ መልሲ ምስኣና ድማ ናይ ጓላ ሕማም ይረኣያ ነበረ። ኣብ ሕሊናኣ ዝመጽእ ዝነበረ ሓሳብ ከተእንግድ ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ሕጂ’ውን ምስ ሕሊናኣን ምስ’ቲ ሕዝብን እናተዳፍአት፡ ካብ’ቲ ናይ ቅድም ኣዕዚዛ፡ “መሓረኒ . . . ወዲ ዳዊት መሓረኒ . . . መሓረኒ” እናበለት ትጠርዕን ተእውን ነበረት። ጐይታ ግና ሕጂ’ውን እንተኾነ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ሓዋርያት ናይ’ዛ ሰበይቲ ጥርዓን ከም ዝበዝኀ ምስ ኣስተውዓሉ፡ “ደድኅሬና ትጠርዕ ኣላ’ሞ ኣፋንዋ” እናበሉ ንሳቶም’ውን ከማልዱላ ጀመሩ። መልሲ ከይሃባ ኃሊፍዋ ኸይዱ ዝነበረ ጐይታ፡ ንሓዋርያት ግና ብኡ ንብኡ፡ “ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤተ እስራኤል ኣይተለኣኽኩን” በሎም። ንሳ ግና ሕጂ’ውን ተስፋ ኣይቈረጸትን። ብልማኖ ሓዋርያት ፍቓዱ ኾይኑ ኪዛረብ ምስ ጀመረ፡ ብዝያዳ ልማኖኣ ቀጸለት። “ጐይታይ በጃኻ ርድኣኒ፡ ኅዘነለይ፡ ጓለይ’ኮ ብኽፋእ እያ ትሣቐ ዘላ” በለቶ። ጐይታ ድማ ናብኣ ገጹ ግልጽ ኢሉ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ንኣኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ” ብምባል መልሲ ሃባ። “እወ! ጐይታይ ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለት። ዘገርም! ትዕግሥት፡ ጽንዓትን ጥበብን! ብኸልቢ እናተመሰለት፡ እወ ኢላ ምቕባላ! ጐይታ ካብ ሰብ ንታሕቲ ኢኺ እንተበላስ፡ ንሳ ድማ ብዝያዳ ካብ’ቲ ዝበላ ንታሕቲ ምዃና ኣመነት። እቲ ንፍጡሩ ሰብ ዘይንዕቕ ጐይታ፡ ብናይ እታ ሰበይቲ ጥበብ ዘለዎ መልሲ ተደነቐ። ከም’ቲ ኣቦና ያዕቆብ ብፍቕሪ ተቓሊሱ ዝተዓወተ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ’ውን ብጽንዓትን ትሕትናን ተዓወተት። እዚ ኸኣ ጥበበኛ ብምዃና፡ እምነታ ድማ ካብ ጽንዓት ልቢ ዘመንጨወ ስለዝነበረ እዩ። “ኣቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓባይ እያ ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ” ብምባል ብምስላን ብስቕታን ዝጀመረ ጐይታ ብናእዳ ፈጸመላ።

እወ! ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ብሠለስተ ነገራት ኣድኒቕዋ እዩ።
1. መድኃኒ እዩ ኢላ ንዝለመነቶ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣብ ዝበለሉ ሰዓት ኣብዚኃ ብምልማን ትዕግሥታ፡ ጽንዓት ልባን እምነታን ገሊጻ እያ።
2. ንሱ ካብቶም ብኸልቢ ዚምስሎም ኣሕዛብ “ከልቢ ኢኺ” ኪብላ ከሎ ንሳ ድማ “ከልቢ” ምዃና ኣሚና ርእሳ ብምትሓታን፡ ንሱ ‘ውሉዳት’ ንዝብሎም ናይ መጀመርታ ተስፋ ምድኃን ዝተዋህቦም ቤተ እስራኤል ንሶም ንኣና ንኣሕዛብ ጐይቶትና እዮም፡ ስለዚ ንስኻ ንእኦም ካብ ዝሃብካዮም በረኸት ተረፍ ንኣና ሃበና ኢላ፡ ነቲ ብባህርይኡ ጥበበኛ ኣምላኽ ብጥበብ መለሰትሉ።
3. ነቲ ዝማጐታ ዝነበረ ተስፋ ዘቝርጽ ሓሳባት ፈጺማ ኣይተንበረከኸትሉን። ናብ ምድራውያን ፈወስቲ ንምኻድ ኣይሓስበትን፡ ንሳ ዝመረጸቶ እምነታ ኣመስኪራ ካብ እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ መድኃኒት ምርካብ እዩ። ካብ ዓሌት ኣሕዛብ እየ ኢላ’ውን ናብ ጣዖታቶም ኣይከደትን፡ ኣብቲ ንሕዝብን ኣሕዛብን ሓደ ኪገብር ዝመጽአ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን መረጸት! ይትረፍ ዶ ንደቂ ሰባት ነቲ ዝደቐቐ እንስሳ ውን ዘይርስዕ ኣምላኽ ኣብዚኃ ለመነቶ። እወ! ንሱ’ውን ‘ካብ ኣሕዛብ ኢኺ’ ኢሉ ኣይነዓቓን፣ እኳ ደኣ እቶም ናይ መጀመርታ ተስፋ ምድኃን ዝመጸሎም ሕዝቢ ዘየርኣይዎ እምነት ርእዩ፡ ኣኽቢሩ ንእምነታ ነኣደ።

ጓል እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ብጽንዓት እምነት ኣደኣን ብኣማላድነት ሓዋርያትን ካብ’ቲ ዘሣቕያ ዝነበረ ክፉእ ጓኔን ፈጺማ ተፈወሰት። እወ! ንተስፋ ምቝራጽ ኣልዩ ብእምነት ንዚልምን፡ ኣማላድነት ቅዱሳን ኣይፍለዮን’ዩ፡ ዝደለዮ ባህጊ ልቡ’ውን ይሠምረሉ’ዩ። ነዚ ሕይወት’ዚ ዝተዓደለ ካባና መን’ዩ፧ ነዛ ከነኣናዊት ሰበይቲ ብትሕትናኣ፡ ብጽንዓታን ብጥበባን መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንኢድዋ እዩ፣ ንሕና’ኸ ብምንታይ ኮን ንነኣድ ንኸውን፧ (ማቴ. ፲፭፥፳፩-፳፱/15፥21-29፣ ማር. ፯፥፳፬/7፡24)                                        

                                                                  ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 20 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ…

January
Thursday
28
ዝክር፦ አብሮኮሮስ ፩ዱ እም ፸፪ኤቱ አርድእት፡ ወ፯ቱ ዲያቆናት፡ ወአባ አክሎግ ቀሲስ ወወንጌሉ ዘወርቅ፡ ወዮሐንስ፡ ወአብህኑ፡ ወአባ ኖኅ፡ ወቅዳሴ ቤቱ ለመርምህናም፡ ወስልዋኖስ፡ ወአባ አብዩድ፡ ወአባ ብንዋህ፡ ወጥንተ ጾመ ነነዌ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 12፡12-26። 1ይ ጴጥ. 4፡7-12። ግብረሓዋርያት፦ ግብ. ሐዋ. 6፡3-7። ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ሉቃ. 10፡12-20። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘኤጲፋንዮስ። …
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ።  እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’...

ኣብ ዘመነ መርዓዊ - ክርስቲያናዊ ኃዳር

ሰማያዊ መርዓዊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርድእቱ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ቤት መርዓ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ዝበዓል ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ 15 ጥር 2013 ዓ.ም. ብስሙ ኣብ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዕሩግ መንፈሳዊ...

"ዓለም"

ሕብሪ ገጻ ከምዛ ፀሓይብመንፈስ ግን ዘይረኣይ

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ካብ...

ክቡር በዓለ ጥምቀት ጥር 11 2013 ዓ.ም. ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን…

ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ንደቂ ሰባት እውን ዓበይቲ ምሥጢራተ ድኅነት ዝተፈጸመልና፡ ዝቓወመና ዕዳ ደብዳቤ ዝተደምሰሰሉ...

ሕፅበተ መድኃኒት - ምሥጢረ ጥምቀት

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ...

ስብሐተ ማኅሌት

‘ማኅሌት’፦ ‘ኀለየ፡ዘመረ፡ኣመስገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ምስጋና፡ መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት ማለት እዩ። ብሰንበት ዝቅወም ‘መዝሙር መወድስ’...

ክብረ በዓል አቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ጥር ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ሊባኖስ ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ገዳሞም ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ...

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት…

ኣብ ትኅቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝመሓደር ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት ኣብ ትሕቲ “መስቀሉ ኣልዒሉ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...