እቲ ሓደ ሓሳባ “ ንሱ ንደቂ እስራኤል እምበር ንኣሕዛብ ስለዘይመጽአ ኣይሰምዓክን እዩ” ይብላ። እቲ ኻልኣይ ሓሳብ ድማ “ንስኺ ድኻ ኢኻ፡ ንሱ ድማ ኣነ ንድኻታት እየ መጺአ ስለዝብል ክሰምዓኪ እዩ። ኬድኪ ጸገምኪ ንገርዮ” ይብላ።
እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ብውሽጣ ናይ ሓሳብ ድፍኢት፡ ብግዳም ድማ ናይ’ቲ ሕዝቢ ድፍኢት እናኣናወጻ ዝገበረት ገይራ ናብ’ቲ ኣብ ቅድሚ መድኃኒ ጐይታ በጽሐት። እቲ ቅኑዕ ሓሳባ ረቲዑ፡ “ሰብ እንታይ ክብለኒ እዩ፡ ንሱኸ እንታይ ክብለኒ’ዩ” ዝብል ስክፍታ ካብ ልባ ኣውፂኣ ደርበየቶ። ከመይ! ምድራውያን ፈወስቲ ንጸገማ ክፈትሑላ ኣይከኣሉን። ኣብ ቅድሚኡ ብግንባራ ተደፊኣ፡ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ኂዝዋ ኣሎ እሞ ምሓረኒ” እናበለት ልማኖኣ ከተቕርብ ጀመረት። ንርኹስ መንፈስ ከም ዘውፅእ ስለዝኣመነት፡ ጓላ ንኽትድኅነላ መሓረኒ እናበለት ልማኖኣ ኣብዝኀት። ጐይታ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ኣብ ርእሲ መልሲ ምስኣና ድማ ናይ ጓላ ሕማም ይረኣያ ነበረ። ኣብ ሕሊናኣ ዝመጽእ ዝነበረ ሓሳብ ከተእንግድ ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ሕጂ’ውን ምስ ሕሊናኣን ምስ’ቲ ሕዝብን እናተዳፍአት፡ ካብ’ቲ ናይ ቅድም ኣዕዚዛ፡ “መሓረኒ . . . ወዲ ዳዊት መሓረኒ . . . መሓረኒ” እናበለት ትጠርዕን ተእውን ነበረት። ጐይታ ግና ሕጂ’ውን እንተኾነ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ሓዋርያት ናይ’ዛ ሰበይቲ ጥርዓን ከም ዝበዝኀ ምስ ኣስተውዓሉ፡ “ደድኅሬና ትጠርዕ ኣላ’ሞ ኣፋንዋ” እናበሉ ንሳቶም’ውን ከማልዱላ ጀመሩ። መልሲ ከይሃባ ኃሊፍዋ ኸይዱ ዝነበረ ጐይታ፡ ንሓዋርያት ግና ብኡ ንብኡ፡ “ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤተ እስራኤል ኣይተለኣኽኩን” በሎም። ንሳ ግና ሕጂ’ውን ተስፋ ኣይቈረጸትን። ብልማኖ ሓዋርያት ፍቓዱ ኾይኑ ኪዛረብ ምስ ጀመረ፡ ብዝያዳ ልማኖኣ ቀጸለት። “ጐይታይ በጃኻ ርድኣኒ፡ ኅዘነለይ፡ ጓለይ’ኮ ብኽፋእ እያ ትሣቐ ዘላ” በለቶ። ጐይታ ድማ ናብኣ ገጹ ግልጽ ኢሉ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ንኣኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ” ብምባል መልሲ ሃባ። “እወ! ጐይታይ ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለት። ዘገርም! ትዕግሥት፡ ጽንዓትን ጥበብን! ብኸልቢ እናተመሰለት፡ እወ ኢላ ምቕባላ! ጐይታ ካብ ሰብ ንታሕቲ ኢኺ እንተበላስ፡ ንሳ ድማ ብዝያዳ ካብ’ቲ ዝበላ ንታሕቲ ምዃና ኣመነት። እቲ ንፍጡሩ ሰብ ዘይንዕቕ ጐይታ፡ ብናይ እታ ሰበይቲ ጥበብ ዘለዎ መልሲ ተደነቐ። ከም’ቲ ኣቦና ያዕቆብ ብፍቕሪ ተቓሊሱ ዝተዓወተ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ’ውን ብጽንዓትን ትሕትናን ተዓወተት። እዚ ኸኣ ጥበበኛ ብምዃና፡ እምነታ ድማ ካብ ጽንዓት ልቢ ዘመንጨወ ስለዝነበረ እዩ። “ኣቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓባይ እያ ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ” ብምባል ብምስላን ብስቕታን ዝጀመረ ጐይታ ብናእዳ ፈጸመላ።
እወ! ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ብሠለስተ ነገራት ኣድኒቕዋ እዩ።
1. መድኃኒ እዩ ኢላ ንዝለመነቶ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣብ ዝበለሉ ሰዓት ኣብዚኃ ብምልማን ትዕግሥታ፡ ጽንዓት ልባን እምነታን ገሊጻ እያ።
2. ንሱ ካብቶም ብኸልቢ ዚምስሎም ኣሕዛብ “ከልቢ ኢኺ” ኪብላ ከሎ ንሳ ድማ “ከልቢ” ምዃና ኣሚና ርእሳ ብምትሓታን፡ ንሱ ‘ውሉዳት’ ንዝብሎም ናይ መጀመርታ ተስፋ ምድኃን ዝተዋህቦም ቤተ እስራኤል ንሶም ንኣና ንኣሕዛብ ጐይቶትና እዮም፡ ስለዚ ንስኻ ንእኦም ካብ ዝሃብካዮም በረኸት ተረፍ ንኣና ሃበና ኢላ፡ ነቲ ብባህርይኡ ጥበበኛ ኣምላኽ ብጥበብ መለሰትሉ።
3. ነቲ ዝማጐታ ዝነበረ ተስፋ ዘቝርጽ ሓሳባት ፈጺማ ኣይተንበረከኸትሉን። ናብ ምድራውያን ፈወስቲ ንምኻድ ኣይሓስበትን፡ ንሳ ዝመረጸቶ እምነታ ኣመስኪራ ካብ እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ መድኃኒት ምርካብ እዩ። ካብ ዓሌት ኣሕዛብ እየ ኢላ’ውን ናብ ጣዖታቶም ኣይከደትን፡ ኣብቲ ንሕዝብን ኣሕዛብን ሓደ ኪገብር ዝመጽአ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን መረጸት! ይትረፍ ዶ ንደቂ ሰባት ነቲ ዝደቐቐ እንስሳ ውን ዘይርስዕ ኣምላኽ ኣብዚኃ ለመነቶ። እወ! ንሱ’ውን ‘ካብ ኣሕዛብ ኢኺ’ ኢሉ ኣይነዓቓን፣ እኳ ደኣ እቶም ናይ መጀመርታ ተስፋ ምድኃን ዝመጸሎም ሕዝቢ ዘየርኣይዎ እምነት ርእዩ፡ ኣኽቢሩ ንእምነታ ነኣደ።
ጓል እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ብጽንዓት እምነት ኣደኣን ብኣማላድነት ሓዋርያትን ካብ’ቲ ዘሣቕያ ዝነበረ ክፉእ ጓኔን ፈጺማ ተፈወሰት። እወ! ንተስፋ ምቝራጽ ኣልዩ ብእምነት ንዚልምን፡ ኣማላድነት ቅዱሳን ኣይፍለዮን’ዩ፡ ዝደለዮ ባህጊ ልቡ’ውን ይሠምረሉ’ዩ። ነዚ ሕይወት’ዚ ዝተዓደለ ካባና መን’ዩ፧ ነዛ ከነኣናዊት ሰበይቲ ብትሕትናኣ፡ ብጽንዓታን ብጥበባን መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንኢድዋ እዩ፣ ንሕና’ኸ ብምንታይ ኮን ንነኣድ ንኸውን፧ (ማቴ. ፲፭፥፳፩-፳፱/15፥21-29፣ ማር. ፯፥፳፬/7፡24)
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!