ከባቢ ለምሊሙ ብሠናይ ክራማት
ኣእካል’ውን ክህቡ ዘለዎም ፍርያት
ነቲ ዅሉ ዝህበና ከነመስግን
ብኃባር ኵልና ኣቲና ዶ ቃልኪዳን፧
ተቐዲስና ኢና ቅዱስ ክንዛረብ
ሠናይ’ውን ዘበለ ንዅሉ ክንሓስብ
ካብቲ ዅሉ ዝህብ በረኸት ክንረክብ።
ጸኒዕና ክንነብር ኣብዛ ተዋሕዶና
በዚ ሓድሽ ዘመን እንታይ ኮን ሓሲብና፧
ንዝበደልናዮ ክንብል ይቕሬታ
ምእንቲ ክንርኅቕ ካብ ዘይጠቅም ቂምታ ምስ ሓሜታ
ዋጋና ክንወስድ ብሓጐስ ብዕልልታ
ሂብና’ሎ ዕድመ ልዑል ጐይታ።
ዕድመ ካብ ሃበና ንዅሉ ዝኸውን
ብሓቂ ኢልና ፈጸምቲ ክንከውን
ሕጂኸ ዅልና ኣቲና ዶ ቃልኪዳን፧
ይኣኽለና ዶኾን ናይ ሥጋ ዘበለ
ዋጋ ካብ ዘይብሉ ከንቱ’ውን ካብ ኮነ
ጸጋና ፈሊጥና ብዅሉ ክንጥቀም
ህድእ ኢልና ንሕሰብ ኣብዛ ሃይማኖትና
በዚ ሓድሽ ዘመን እንታይ ኮን ሓሲብና፧
ሓድሽ ዘመን መጺኡ
ሓድሽ ዘመን ኣትዩ
ትማሊ ኃሊፉ
ሎሚ ምሳና ተሪፉ።
ነርክበሉ ኣይንበል ንዳሎ ብተሎ
ነጻፍፍ ንዅሉ ዕዳ’ውን እንተሎ
ጊዜኡ ዘይፍለጥ ወሳዲ’ውን ኣሎ።
ንስሓ ንእቶ ናብ ካህን ቀሪብና
ብሥጋ ወደሙ ክንነብር ጸኒዕና
ምእንቲ ክንረክብ ማኅተም መእተዊና
ተስፋና ናብ ዝኾነት ሰማያዊት ሃብትና።
ክህበና ዅሉ ጥበብን ትዕግሥትን
ተኻፈልቲ ክንከውን መኣዲ ቤተ ክርስቲያን
ድልዋት ክንከውን ነዚ ሓድሽ ዘመን
ብኃባር ኵልና ኣቲና ዶ ቃል ኪዳን፧
ሓድሽ ዘመን መጺኡ
ሓድሽ ዘመን ኣትዩ
ትማሊ ኃሊፉ
ሎሚ ምሳና ተሪፉ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!