Print this page

መስቀል

May 19, 2019

ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀል
ምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸል
እስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ
ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

በትሪ ኣምላኽ መስቀል ተላዕለ ብእምነት
ንኃይሊ ሥጋ ኢያሱ ከድኅኖ ካብ ስዕረት
ክፍኣት ለሚዶም እስራኤላውያን በደሉ
ግና ኣይከኣሉን ኣብ ኃጢኣት ከጽልሉ

መቕጻዕቲ ኣምላኽ መሪራ መመሊሳ በርቲዓ
ከተውድቖም ጀመረት ናብ መሬት መንዚዓ
ምሕረት ኣምላኽ እንተኾነት ተዓጊሣ ጸኒሓ
ድኅነት ኣጽለለት ዳስ መስቀል ሠሪሓ

ትእምርቲ’ዩ ኢሉ ዳዊት ዘሚርሉ
ንእኡ ዓጢቕካ ክልል ዓለም ትሰግረሉ
ጌና እንከሎ ነቢያት ተዛሪቦም
ጸጋ ኣምላኽ ፈልፋሊ ነቲዑ ኣብ ልቦም

ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ጐይታ’ውን ብፍቕሩ
ድኅነት ኣዳም ኣዊጁ ንሰይጣን ስዒሩ
ነዊኅ ከይጸንሐ ድኅሪ ስቕለት ናይ ጐይታ
ዝተተኽለ መስቀል ኣብ ማእከል ጎልጎታ

ፀሓይ ሰይጣን ዝመረሮም ከጽልልሉ ምስ ጀመሩ
ዳግማይ ከፍርስዎ ኣይሁድ ተማኸሩ
ጐሓፍ ሓንጐል ተንኮል ኣብ ልዕሊኡ ብምጕሓፍ
ፍጹም ኣጥፍእዎ ታሪኽ ከይጸሓፍ


ብዙኅ ከይጸንሐ ኪቕጽል ብኸምኡ
ሓሳባት ኣምላኽ እሌኒ ምስ ወዳ ተንሥኡ
ኃይሉ ኣይገደፈን ዋላ እንተተቐብረ
ሕጅ’ውን ኣርእዩ ዓይኑ ዝዓወረ

ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ተረኺቡ መስቀል
ምእንቲ ኪሳለሙ ዝኣምኑ ብወንጌል

ሕጂ ኸኣ እንሆ ዳግማይ ኣይሁድ መናፍቓን
መስቀል ኪደፍኑ እንተተንሥኡ ብህዳን
ክሕደት ጕሒፎም ኪቐብርዎ እንተፈተኑ
ከጥፍእዎ ኣይከኣሉን ኣምላኻዊ ብምዃኑ

ኃይሊ ጸብኢ ስዒሩ ማይ ድኅነት ዘስቲ
መመክሒ ኢልዋ ጳውሎስ ኣብ መልእክቱ
ስለዚ ምእመናን!
መመክሒ’ና እዩ እሞ ሕጂ’ውን እንደገና
ሰይጣን ኪሰዓር ኣይፈለ መስቀል ካብ ክሣድና!!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!