Print this page

ንጹሕ ዘርኢ እምነት

Jul 09, 2019

ብሥጋዊ ጥበብ፡ ብርእሰ ትውክልቲ
ኣይትፈርን እምነት፡ ከም ኵሎም ኣዝርእቲ

ንሳ ብባህሪኣ፡

ንጾምን ጸሎትን ኣብ ውሽጣ ኣሥሪፃ’ያ
ጸጋ ትረክብ ብሠራውራ መመጽያ።

ስለዚ ኦርቶዶክሳዊ፡

ፍልጠትካ ጽሂኻ፡ ልብኻ ኮስኲስካ
እምነት ደኣ ዝራእ፡ ኣብ ግራት ነፍስኻ።!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!