“ኣንታ ኣምላኽ ንምንታይ ገዲፍካኒ፣
ፈተና’ዛ ዓለም ክሳብ ዘሕምቐኒ"፣
ልበይ ብወገኑ እህህታ ኣድሚፁ፣
ፈተና ምስ ጨፍለቖ ብእግሩ ረጊጹ፣
ደኃር ግን ዘኪረ ዘዕርፍ ካብ ጭንቀት፣
ካብ’ታ መራር ግብጺ ናይ እስራኤል ስደት፣
በቃ ከምቲ ንሱ፥
ንሳቶም እናጠለምዎ፡ ካብ ግብጺ ዘውፅኦም፣
ኣነ’ውን እንተጸለኹ ከውፅኣኒ ከምኦም፣
እወ ብርግጽ እንተ ጸልየ፣
ንኣይ ኣውፂኡ ካብ ግብጺ መከራ፣
ንሽግረይ ከሥጥሞ’ዩ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!