ባሕረ ሓሳብ ፡ ሓሳበ ዘመን 2014 ዓ.ም.

Sep 10, 2021

 ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እትጥቀመሉ መቝጸሪ ዘመን ባሕረ ሓሳብ ይበሃል። ባሕረ ሓሳብ ማለት ቍጽሪ ዘለዎ ዘመን፤ ናይ ዘመን ቍጽሪ፤ ሓሳብ ናይ ዘመን እዩ። ነዚ ዝቐመሮ ድማ መበል 12 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኮይኑ ኣብ ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ዲሜጥሮስ እዩ። ቅዱስ ዲሜጥሮስ መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝገለጸሉ ካብ ለይቲ 23 ካብ መዓልቲ 7 ሱባዔ ኣትዩ ብመጥቅዕን ኣበቅቴን ዝቕመር ባሕረ ሓሳብ ኣዳለወ።

. . . ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ንጠውቕ!

1) ዓመተ ዓለም

ዓመተ ዓለም፣- ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዓመት ምስ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ተደሚሩ ዓመተ ዓለም ይበሃል።
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን፡- ዓመተ ፍዳ፣ ዘመነ ኵነኔ፣ ዘመነ ብሉይ ይበሃል። ጠቕላላ 5500 ዓመት እዩ።
ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ድማ፡- ዓመተ ምሕረት፣ ዘመነ ሥጋዌ ይበሃል።
-> 5500 + 2014 = 7514

2) መጠነ ራብዒት፦ ብጽሒት ሓደ ወንጌላዊ ድማ ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ ዝርከብ ኮይኑ ናይ 7514 ከኣ 1878 እዩ።

                        7514 ÷
                        7512   1878 
                            2

3) ዓመተ ወንጌላዊ ንምርካብ ፡- ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ በቲ ተረፍ ትጽውዖ።

ዓመተ ዓለም ÷ 4
______________
          ተረፍ ፡ 1 እንተኾይኑ ማቴዎስ፤ 
                   2 እንተኾይኑ ማርቆስ 
                   3 እንተኾይኑ ሉቃስ 
                   0 እንተኾይኑ ዮሐንስ 


3.1) ብዓመተ ዓለም፡  7514 ÷
                        7512   1878 
                            2
3.2) ብዓመተ ምሕረት፡ 2014 ÷ 4 
                          2012   503 
                               2
ስለዚ፣ ተረፍ 2 ስለዝኾነ ዘመነ ማርቆስ እዩ።

4) ርእሰ ዓውደ ዓመት - ባሕቲ መስከረም መዓስ መዓልቲ ከምዝውዕል ንምፍላጥ፣- ጥንተ ቀመርን ጥንተ ዖንን ንጥቀም።

ዓመተ ዓለም + ብጽሒት ሓደ ወንጌላዊ ÷ 7
 _________________________________________
                     ተረፍ

4.1) ጥንተ ቀመር ፥ ነቲ ተረፍ ካብ ሠሉስ ሓደ ኢልካ ይቝጸር። 
ንኣብነት፡ 1 - ሠሉስ፤ 2 - ረቡዕ፤ 3 - ኃሙስ፤ 4 - ዓርቢ፤ 5 - ቀዳም፤ 6 - ሰንበት፤ 7 - ሰኑይ 

7514 + 1878 ÷ 7 
       9392 ÷ 7 
       9387   1341 
            5 -> ቀዳም 

4.2) ጥንተ ዖን ፣- አሐደ አእትት/ሓደ ኣጒድል ከምዝብል፣ ካብቲ ተረፍ ሓደ ኣጕዲልካ ካብ ረቡዕ ሓደ ኢልካ ይቝጸር። 
                           1 - ረቡዕ፤ 2 - ኃሙስ፤ 3 - ዓርቢ፤ 4 - ቀዳም፤ 5 - ሰንበት፤ 6 - ሰኑይ፣ 7 - ሠሉስ

7514 + 1878 ÷ 7 
       9392 ÷ 7 
       9387   1341 
           5 -> አሐደ አእተት (ሓደ ኣጒድል) ፣ ስለዚ 5-1= 4 -> ዓርቢ

5) መደብ ወመንበር
መደብን ወንበርን ንአበቅቴን መጥቅዕን ኽንረክብ ዝሕግዙና እዮም።

5.1) መደብ፡- ተረፍ ናይ ዘመን ኮይኑ መደብ ናይ ዘመን ንምግላጽ ይጠቅም።
 
ዓመተ ዓለም ÷ 19 ፤ 
_____________
         ተረፍ - መደብ ዘመን ይብሃል። 

ዓመተ ዓለም ÷ 532
______________

        ተረፍ - መደብ ዘመን ይብሃል። 

7514 ÷ 19 
7505  395
      9 -> መደብ 
ስለዚ መደብ -> 9 እዩ።

5.2) ወንበር፡

        መደብ ዝጐደሎ ሓደ = ናይ ዘመን ወንበር ይብሃል።
         መደብ - 1 = ወንበር
              9 – 1 =  8

ስለዚ ወንበር -> 8 እዩ።

6) አበቅቴ ወመጥቅዕ

ብመንገዲ ወንበር ንኣበቅቴ ምስ መጥቅዕ ንረክብ።
ወንበር x 11÷ 30 
__________
     ተረፍ -> ኣበቅቴ

ወንበር x 19 ÷ 30
___________
       ተረፍ -> መጥቅዕ

6.1 ኣበቅቴ:- ካብ ቍጽሪ ዓመት ተረፍ ማለት እዩ። ምስ ሠርቀ መዓልትን ምስ ሕፀፀ ኣውራኅን ተደሚሩ ኣጽዋማትን በዓላትን ዝኃድሩሉ ለይቲ የመልክት። 
               ወንበር x 11÷ 30 = 
                     8 x 11 ÷ 30
                        88 ÷ 30 
                        60     2
                        28 
            አበቅቴ -> 28

6.2) መጥቅዕ፣- ነጋሪት ማለት እዩ። ሰብ ነጋሪት ሰሚዑ ከምዝእክብ፡ መጥቅዕ ኣብ ዝተሰይመ ዕለት ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ኣጽዋማትን በዓላትን ክሰምዑ ስለዝእከቡ እዩ።

ወንበር x 19 ÷ 30
_____________
          ተረፍ -> መጥቅዕ 
8 x 19 ÷ 30
152 ÷ 30
150    4 
 2 -> መጥቅዕ

ስለዚ መጥቅዕ -> 2 ስለዝኾነ በዓለ መጥቅዕ ሠሉስ 2 ጥቅምት ይውዕል።

7) ተውሳኸ ዕለት፡-

ካብቲ መጥቅዕ ዝወዓሎ መዓልቲ => ምሉእ 4ተ ወርኂ ወይ 120 ዕለታት ይቝጸር። ኣብ ርእሲኡ ቀዳም ክሳዕ ዝርከብ ካብ 2 ክሳብ  8 ዕለታት ይውስኽ።

ቀዳም -> 8 ፤ ሰንበት ->7 ፤ ሰኑይ -> 6 ፤ ሠሉስ -> 5 ፤ ረቡዕ -> 4 ፤ ኃሙስ -> 3፤ ዓርቢ ->2 ፤ 

* መጥቅዕ + ተውሳኸ ዕለት = መባጃ ሓመር
            2 + 5 (ሠሉስ) = 7።

             መባጃ ሐመር = 7 

ስለዚ፦ ጾመ ነነዌ 7 የካቲት ይውዕል።

8) ኣጽዋማትን በዓላትን 
ነነዌ = 7 የካቲት 
ዓቢይ ጾም = 7 + 14 = 21 የካቲት
ደብረ ዘይት = 7 + 11 = 18 መጋቢት
ሆሳዕና = 7 + 2 = 9 ሚያዝያ
ስቅለት = 7 + 7 = 14 ሚያዝያ
ትንሣኤ = 7 + 9 = 16 ሚያዝያ
ርክበ ካህናት = 7 + 3 = 10 ግንቦት
ዕርገት = 7 + 18 = 25 ግንቦት
በዓለ 50 = 7 + 28 = 35 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 5 ስለዝኾነ 5 ሰኔ ይውዕል።
ጾመ ሰኔ = 7 + 29 = 36 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 6 ስለዝኾነ 6 ሰኔ ይውዕል።
ጾመ ድኅነት = 7 + 1 = 8 ሰኔ

ለቡ፦ በዚ ኣብነት ናይ ዝመጽእ ዓመት 2015 ዓ.ም. ካብ ዓመተ ዓለም ክሳዕ ኣጽዋማትን በዓላትን ነውፅእ።

ፈጣሬ ኣዝማናት እግዚአብሔር፡ ዓመተ ጽድቅን በረኸትን ይግበረልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!