እቲ ንጉሥ’ውን ነቲ ዝቖመ ሓወልቲ ክሰግዱ ፍቓደኛታት ብዘይ ምዃኖም ተቖጢዑ፡ ነቲ እቶን’ውን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ዕጽፊ ወሲኹ ክነድድን ናብቲ እቶን ሓዊ ክድርበዩን ኣዘዘ።
ብድኅሪ’ዚ ኣሲሮም ናብቲ እቶን ሓዊ ደርበይዎም። እቲ ሃልሃልታ ነቶም ዝደርበይዎም ብርሑቕ ቀተሎም። ንኣታቶም ግና ዋላ ሓንቲ’ኳ ኣይተንከፎምን። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ኣምላኽ መልኣኹ ሰዲዱ ካብቲ ሓዊ ኣድኃኖም። ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሓዊ እናተዘዋወሩ ከመስግኑ ንጉሥ ምስ ረኣዮም፡ ዝነበሮ ጣዖታዊ ሓሳብ ለዊጡ፡ “እቲ ንባሮቱ መልኣኹ ልኢኹ ዘናገፎም ኣምላኽ ይባረኽ!” ኢሉ ብዛዕባ ዕቤትን ቅድስናን እግዚአብሔር ኣምላኽ መስከረ። ነቶም ሠለስተ መንእሰይት ድማ ኣብ ዞባታት ባቢሎን ሸሞም።
ስለዚ ዝኸበርኩም ሕፃናት ንእግዚአብሔር ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ሓሳብና ከነፍቅሮን፡ ንእኡ ጥራይ ድማ ከነምልኽን ኣሎና። ነዚ ንምግባር ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይሓግዘና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!