Print this page

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

Dec 12, 2019

 

ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና!

ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም ብምርኮ ኣብ ባቢሎን ይነብሩ ነበሩ። ኣብቲ ነቢይ ዳንኤል ብልዒ ንጉሥ በሊዑ ንኸይረክስ ቆሎ ቘርጢሙን ማይ ሰትዩን ክኃድር ከሎ፣ እዞም ሠለስተ መንእሰያት ከኣ ምስኡ ሠሚሮም ነበሩ። ንእግዚአብሔር ድማ ኣዝዮም ይፈትውዎ ነበሩ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንጉሥ ናቡከደነጾር ኣዚዩ ነዊኅ ብወርቂ ዝተገብረ፡ ምስሊ ኣቒሙ ንዅሉ ሕዝቢ ናብዚ ምስሊ’ዚ ክሰግድ፡ እቲ ዘይሰገደ ግና ኣብቲ እቶን ሓዊ ክድርበ ምዃኑ ኣወጀ። እዞም ሠለስተ እስራኤላውያን መንእሰያት ግና ኣብቲ ዝተባህለ እቶን ሓዊ ከይድርበዩ ኣይፈርሑን። ንንጉሥ ከኣ “ኦ ንጉሥ ንሕና ነዚ ንስኻ ዘቖምካዮ ምስሊ ኣይንሰግድን፣ ምኽንያቱ እነምልኾ ኣምላኽ ኣሎና፡ ካብዚ ሓዊ ድማ ከድኅነና ስለዝኽእል ንእኡ ጥራይ ኢና ንሰግድ” በልዎ።


እቲ ንጉሥ’ውን ነቲ ዝቖመ ሓወልቲ ክሰግዱ ፍቓደኛታት ብዘይ ምዃኖም ተቖጢዑ፡ ነቲ እቶን’ውን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ዕጽፊ ወሲኹ ክነድድን ናብቲ እቶን ሓዊ ክድርበዩን ኣዘዘ።

ብድኅሪ’ዚ ኣሲሮም ናብቲ እቶን ሓዊ ደርበይዎም። እቲ ሃልሃልታ ነቶም ዝደርበይዎም ብርሑቕ ቀተሎም። ንኣታቶም ግና ዋላ ሓንቲ’ኳ ኣይተንከፎምን። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ኣምላኽ መልኣኹ ሰዲዱ ካብቲ ሓዊ ኣድኃኖም። ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሓዊ እናተዘዋወሩ ከመስግኑ ንጉሥ ምስ ረኣዮም፡ ዝነበሮ ጣዖታዊ ሓሳብ ለዊጡ፡ “እቲ ንባሮቱ መልኣኹ ልኢኹ ዘናገፎም ኣምላኽ ይባረኽ!” ኢሉ ብዛዕባ ዕቤትን ቅድስናን እግዚአብሔር ኣምላኽ መስከረ። ነቶም ሠለስተ መንእሰይት ድማ ኣብ ዞባታት ባቢሎን ሸሞም።

ስለዚ ዝኸበርኩም ሕፃናት ንእግዚአብሔር ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ሓሳብና ከነፍቅሮን፡ ንእኡ ጥራይ ድማ ከነምልኽን ኣሎና። ነዚ ንምግባር ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይሓግዘና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!