ኣብ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ነነዌ ዝነብሩ ህዝቢ ነበሩ። እዞም ሕዝቢ ኣዝዩ ክፉእ ኃጢኣት ብምፍጻሞም ካብ እግዚአብሔር ነቢይ ዮናስ ከይዱ ካብ ኃጢኣቶም ክርሕቁን ናብ ፈጣሪኦም ንክምለሱ ክሰብኮምን ክምህሮምን ናብ ሕዝቢ ነነዌ ተላእከ።
ዮናስ ግና እግዚአብሔር በዓል ብዙኅ ምሕረት እዩ ፡ ሰብ ነነዌ ከም ዝቕጽዑ ፈሊጦም እንተ ተነስሑ ክምሕሮም እዩ፡ ኣነ ድማ ሓሳዊ ነቢይ ኪብሃል እየ ኢሉ ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ ኻብ ገጽ እግዚኣብሔር ኪሃድም ናብ ተርሴስ እትወስድ መርከብ ረኺቡ ተሰቕለ።
እግዚአብሔር ድማ ናብ ባሕሪ ህቦቡላ ንፋስ ሰደደ፡ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኾነ። እቶም ባሕረኛታት ኣዝዮም ተጨነቑ ዝገብርዎ ድማ ጠፍኦም፡ ነፍስ ወከፎም’ውን ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ምእንቲ ኺፈዅሰሎም ከኣ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። በዚ ዅሉ ግና እቲ ንፋስ ምህዳእ ኣበየ፣ እታ መርከብ’ውን ክትስበር ደለየት። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ደቂሱ ነበረ። እቲ ሓለቓ መርከብ ንዮናስ ደቂሱ ምስ ረኣዮ ኣዚዩ ተገሪሙ፡ ሰብ ኵሉ ኣዚዩ ፈሪሑ ምእንቲ ከይመውት ይምህለልን ይጽልን ንስኻ ግና ደቂስኻ ኣሎኻ ተንሥእ፡ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍእ እንተ መሓረና ናብ ኣምላኽካ ተማህለል በሎ።
ብድኅር እዚ ነሓድሕዶም እዚ መኸራ እዚ ብሰንኪ ሓደ ካባና መጺኡና ከይኸውን ዕጫ ነውድቕ ተባሃህሉ። ዕጫ ምስ ኣውደቑ ድማ ናብ ዮናስ በጽሐት።
ሽዑ ንዮናስ ብዛዕባኻ እስኺ ንገረና ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ዕብራዊ እየ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኵሉ ዝገበረ እግዚአብሔር ኣምላኽ እየ ዘምልኽ። እግዚአብሔር ዝኣዘዘኒ ትእዛዝ ምፍጻሙ ፈሪሀ ክሀድም እየ ናብዚ ዝመጻኹ ምስ በሎም ኣዝዮም ሰምበዱ፡ እቲ ባሕሪ ማዕባሉ እናባርትዐ ይኸይድ ብምንባሩ ኣዚዩም ተረበሹ እሞ እቲ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግባርካ፧ በልዎ። ንሱ ድማ እዚ ኵሉ መከራ እዚ ብሰንኸይ ስለዝረኸበኩም ንኣይ ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ እሞ እቲ ባሕሪ ኪሀድኣልኩም እዩ በሎም። እንተኾነ ንዮናስ ናብ ባሕሪ ምድርባዩ ከቢድዎም ናብ ምድሪ ምእንቲ ክበጽሑ ኃይሊ ወሲኾም ምቕዛፍ ጀመሩ። ምዃን ምስ ኣበዮም ግና ኦ እግዚአብሔር ንልምነካ ኣሎና ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ ኦ እግዚኣብሔር ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ ንጹሕ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር ኢሎም ናብ እግዚአብሔር ኣእወዩ። ንዮናስ ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፡ እቲ ባሕሪ ኸኣ ካብ ምንዋጽ ሃድአ። እቶም ሰባት ኸኣ መንክራት እግዚአብሔር ርእዮም ብእኡ ኣመኑ መሥዋእቲ ሠውኡ መብጽዓውን ተማባጽዑ።
እግዚአብሔር ምሕረቱ ብዙኅ ኣምላኽ ብምዃኑ ንዮናስ ዚውሕጥ ዓቢይ ዓሳ ኣዳለወሉ። ዮናስ ኸኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ገበረ። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኹ ብፍጹም ጣዕሳ ጸለየ። ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ እግዚአብሔር ኸኣ ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ምድሪ ተፍኦ።
ንዮናስ ኸኣ ተንሥእ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ኸኣ ኣውጅላ፡ ኢሉ ካልኣይ ጊዜ ኣዘዞ። ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚአብሔር ናብ ነነዌ ከይዱ፡ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ እናበለ ዓው ኢሉ ኣወጀላ። ሰብ ነነዌ ኸኣ ነዚ ምስ ሰምዑ ንኣምላኽ ኣመኑ፡ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእስቱኦም’ውን ወጮ ተኸድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፡ ካብ ዝፋኑ ወሪዱ ክዳን ንጉሥነቱ ኣውጺኡ ወጮ ተኸድነ፡ ኣብ ሓሙዅሽቲ ድማ ተቐመጠ። እቲ ንጉሥ ድማ ንሰብ ነነዌ ኵሎም ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ሰብ ኮነ እንስሳ ካብ እክለ ማይ ይከልከል ወጮ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ምድርን አእወዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ ግብሩ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ኢሉ ናይ ጾም ኣዋጅ ኣወጀ።
ብባሕርይኡ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ካብ እኩይ ግብሮም ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ። ስለዚ ከጥፍኦም ዝመደበ መሓሮንም ይቕረ በሎምን። ከምቲ ዝመደቦ ከኣ ኣይቀጽዖምን።
ዝተፈቶኹም ሕፃናት ከምቲ ኣብ ታሪኽ ሰብ ነነዌ ዝረኣናዮ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣና ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ እኸይ ግብሪ ተመሊስና ብመንገዱን ብቅድስናን ክንመላለስ ይመኽረና እዩ፡ 'መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ' ከምዝበሃል ካብቶም ቀዳሞት ሰብ ነነዌ ከም ዝረኣናዮ ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኮይኑ ድማ ዘይነክስ የለን እሞ ዝገበርናዮ ኃጢኣት ፈሊጥና ናብ እግዚአብሔር ብጾምን ጸሎትን ብሓባር ለሚንና ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ከምእንረክብ ኣሚንና ዓመት መጸ ኵሉ ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓቢይ ብሓባር ጾመ ነነዌ ንጸውም ኣሎና።
እምበኣር ሕፃናት ካብዚ ታሪኽ እዚ እንታይ ንመሃር፧
፩/ ትእዛዝ እግዚአብሔር ፈጣሪኻ ኵሉ ዝዓበየን ዝነኣሰን ኣብ እዋኑ ክፍጽሞ ከም ዝግብኦ
፪/ እግዚአብሔር መሓሪ ከምዝኾነ ክንጠፍእ ከምዘይደሊ
፫/ ካብ እግዚአብሔር ክርሕቕ ዝኽእል ሓደ ፍጡር እኳ ከምዘየለ
፬/ ካብ እግዚአብሔር ዘድልየና ብጾምን ጸሎትን ተስፋ ከይቆረጽና ምስ ንልምኖ ከም ዝገብረልና ተማሂርና'ዶ፧
እግዚአብሔር ጾምና ብሰላም የፈጽመና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን።