Print this page

“ኣነስ ቤት ኣቦይ ይኅሸኒ”

Oct 30, 2020

ንሓደ በዓለ ጸጋ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንኡስ ውላድ ኣብ ቤት ኣቦኡ ዝጐደሎ ነገር ኣይነበሮን። ከም ድላዩ እናበልዐ፡ እናሰተየ፡ እናተኸድነ ፡ እናተጻወተ፡ ኵሉ መሊእሉ ብዘይ ጸገም እናነበረ ከሎ፡ ሓደ መዓልቲ ካብ ገዛኻ ወፂእካ፡ ካብ ወላዲኻ ተፈሊኻ፡ ብጽሒትካ ኂዝካ ኪድ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሕልናኡ ከመላለሶ ጀመረ።

ነቦኡ እቲ ካባኻ ዝወርሶ ውርሻ ሂብካ ኣፋንወኒ እናበለ ደጋጊሙ ሃወኾ። ኣቦኡ ግና ዋላ እኳ ንዘፍቅሮ ወዱ ካብ ቤቱ ክወፅእ እንተዘይፈተወ፡ ብዙኅ እናጓሃየ ብጽሒቱ ሃቦ።

እዚ ንኡስ፡ ብውሳኔኡ ኣዝዩ እናተሓጐሰ ብጽሒቱ ኂዙ ናብ ርኁቕ ከደ። ኣብዚ ሃገር'ውን ‘ዘይጽባሕ ክንመውት ኢላ ጥራሕ ንብላዕ ንስተ” ምስ ዝብሉ ተዓራሪኹ ብዕብዳንን ዝርጋንን ገንዘቡ ክሳብ ጅባኡ ጥራዩ ዝተርፍ ወድኦ። እቲ ዘይውዳእ ዝመስሎ ዝነበረ ገንዘብ ድማ ብዘይ ገለ ተረፍ ተወድአ። ብገንዘቡ ዘብልዖምን ዘስትዮምን ዝነበረ ኣዕርክቱ ከም ዘይፈልጥዎ ዝባኖም ሂቦሞ ተዓዝሩ። መጸግዒ ዘይብሉ ኃዲግ ተረፈ። ኣብ ሕሱም ድኽነት ወደቐ። ዝበልዖ ቊራስ እንጌራ ክሳብ ዝስእን’ውን ኮነ። መሬት ክንዲ ኣፍ ዕንቊ ጸቢባቶ ዝገብሮ ምስ ሰአነ ሓሰማታት ክጓሲ ተዓስበ። ግዳስ ኣብዚ’ውን መዐንገሊ ከብዲ ክኾኖ ዝኽእል ዘጽግብ እንጌራ ክረክብ ኣይከአለን። ጥሜት በርቲዑዎ ዘይከውን ምስ ኮኖ፡ ካብ መግቢ እተን ሓሰማታት ቋርፍ ክበልዕ ተመነየ፡ ግናኸ ኣይረኸበን። ኣብ ርእሲ ጥሜቱ ኣብ ትሕቲ ሰብ ኴንካ እናሠራሕካ፡ ምስ ሓሰማታት ምድቃስን ምብላዕን ሓርበቶ።

ኵሉ ፈቲኑ ዘይከውን ምስ ኮኖ ብሓሳብ ንድኅሪት ተመሊሱ ምዉቕ ቤቱን ፍቕሪ ኣቦኡን ክዝክር ጀመረ። ነዊኅ ድኅሪ ምስትንታን ኣብዚ ብጥሜት ካብ ዝመውት ኣነስ ቤት ኣቦይ ይኅሸኒ፣ ነቦይ ከይደ ይቕሬታ ክሓትት ይኅሸኒ” በለ። ክውዕል ክኃድር ከይበለ ናብ ቤት ኣቦኡ ኣቕንዐ። ድኅሪ ነዊኅን ኣድካምን ጒዕዞ ከኣ ዓዱ በጽሐ።

“ወርእዮ አቡሁ እምርኁቅ ምሕሮ ወሮጸ ወሐቀፎ ክሳዶ ወሰዓሞ። / ኣቦኡ ኣብ ርኁቕ ከሎ ምስ ረኣዮ ራኅርኃሉ ደንገጸሉ። ጎዩ ከይዱ ድማ ሓቒፉ ሰዓሞ።

እዚ ንኡስ ብልቢ ተጣዒሱ ብትሕትና ኣብ እግሪ ኣቦኡ ወዲቑ " ኣነ በዲለካ እየ፣ ደጊም ከም ሓደ ካብ ደቕካ ክትቈጽረኒ ኣይግብኣንን እዩ። ከም ሓደ ካብ ኣገልገልትኻ ደኣ ቍጸረኒ።" እናበለ ኣምሪሩ ብንብዓት ለመኖ።

ከብዲ ወላዲ ግና ኵሉ ጊዜ ደንጋጽን ርኅሩኅን ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ደንገጸሉ። እቲ ቅድም ዝገበሮ ዕሽነት’ውን ክዝክሮ ኣይደለየን። ነቶም ኣገልገልቱ ድማ ‘ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓይዉ፡ ጠፊኡ ነይሩ’ውን ተረኺቡ እዩ’ሞ ጽቡቕ ክዳን ክደኑዎ፡ ኣብ ኢዱ ቀለቤት ካትም ግበርሉ፡ ጫማ ኣብ እግሩ ውደይሉ። ስብሕቲ ላም ከኣ ሕረዱሉ” በሎም። ዓቢይ ሓጐስ’ውን ኮነ።

ፍቁራት ሕፃናት! ንሕና’ውን ምኽሪ ወለድና ምስ ዘይንሰምዕ፡ ምስ ወለድና ተባኢስና ካብ ቤትና ምስ እንወፅእ ፡ መዋዕልትና ኮኑ መሓዙትና ምስ ዘይነጸብቅ፡ ኣብ ከምዚ ንኡስ ጥፉእ ወዲ ዝሰጠሞ ዓሚቍ መከራ ኢና ንሽመም። ዘረባ ኣይንሰምዕን ምኽሪ’ውን ኣይንቕበልን ኢልና ንጋገየሉ እዋን ክህሉ ስለ ዝኽእል'ውን፡ ተቐላጢፍና ንእግዚአብሔር ኮነ ንወለድናን ንመምህራናን በደልና ብልቢ ኣሚንና ይቕሬታ ክንልምን ፡ ስለ በደልና ተጣዒስና ክንምለስን ከም ዝግብአና’ያ ኣዴና ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ትምህረና።

በዲልካ ምምላስ ጽቡቕ እዩ፣ ዝበለጸ ግና ዘይምብዳል እዩ። ምብዳል ሕማቕ እዩ፣ ዝኸፍአ ግና በዲልካ ዘይምምላስ እዩ። ኣበይ ኔርኮም ዘይኮነስ እንቋዕ ብሰላም መጻኹም ኢሉ ዝቕበል ብምምላስና ዝሕጐስ ኣምላኽ እዩ ዘሎና እሞ ናብ ቤት ኣቦና እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን መጺእና ብእግረ ልቦና ወዲቕና ብብርከ ሥጋና ሰጊድና ንመለስ። ካብ ኵሉ ቤት ኣቦና ይኅሸና! 

መፍቀሬ ሕፃናት እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና፣ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ጸሎት ቅዱሳኑን ምሳና ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!